ዓለም 'የሻል' ኢላ ከም መንግስቲ ዝተቐበለቶም ዕጡቓት

ሶርያዊ ኣሕመድ ኣል-ሻራ፡ ካብቶም ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተሰምዩ ግን ከኣ ሕጂ ከም ሕጋውያን ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝሕሰቡ ዘለዉ መራሕቲ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሶርያዊ ኣሕመድ ኣልሻራ፡ ካብቶም ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተሰምዩ ግን ከኣ ሕጂ ከም ሕጋውያን ፖለቲካዊ መራሕቲ ካብ ዝሕሰቡ ዘለዉ መራሕቲ እዩ

ከም ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ቱርኪን ዝርከባ ሓያሎ ሃገራት ምስቲ ስርዓት በሽር ኣልኣሳድ ብምእላይ ናብ ስልጣን ዝመጽአ መራሒ ሶርያ ኣሕመድ ኣልሻራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት መስሪተን ኣለዋ።

እቲ ዝመርሖ ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣልሻም (HTS)፡ ኣብ ሕሉፍ ምስ ኣልቓዒዳ ብዝነበሮ ርክብ ብዙሓት ሃገራት ግብረሽበራዊ ጕጅለ ኢለን ኰኒነንኦ ነይረን።

ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ ነቲ ንኣልሻራ ንምሓዝ ንዝገበረ ክትህቦ ሰሊዓቶ ዝነበረት ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ሰሪዛቶ።

ኣልሻራ (ቅድሚ ሕጂ ኣቡ መሓመድ ኣል ጆላኒ ብዝብል ዝጽዋዕ ዝነበረ)፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ እዛ ዓለም ኣሸበርቲ ተባሂሎም ደሓር ግን ከም ሕጋውያን ፖለቲካዊ መራሕቲ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ክኸውን ይኽእል።

ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ሃገራት ከም መንግስታት ዝተቐበልኦም ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ንርአ።

መስመር

መናሒም በጊን – ካብ መራሒ ኢርጕን ክሳብ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጂሚ ካርተር (ጸጋም) ፡ መናሒም በጊን (የማን) ኣብ 1978 ምስ ግብጺ ስምምዕ ካምፕ ደቪድ ኣብ ዝፈረመሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣመሪካ ጂሚ ካርተር (ጸጋም) ፡ መናሒም በጊን (የማን) ኣብ 1978 ምስ ግብጺ ስምምዕ ካምፕ ደቪድ ኣብ ዝፈረመሉ እዋን

መናሒም በጊን ከም ኣብ 1978 ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣንዋር ሳዳት ውዕል ሰላም ብምፍራም ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ን30 ዓመታት ዝጸንሐ ተጻብኦታት ከብቅዕ ዝገበረ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል እዩ።

እዚ ስምምዓት 'ካምፕ ዴቪድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ክረኽቡ ኣኽኢሉዎም።

ይዅን'ምበር ኣብ 1940ታት በጊን መራሒ ናይቲ እስራኤል ከም ሃገር ቅድሚ ምቛማ ንሰበስልጣን እንግሊዝን ኣብ ፍልስጤም ንዝነበሩ ኣዕራብን ዘጥቅዕ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኢርጉን እዩ ነይሩ።

ብ1913 ኣብ እዋን ሃጸያዊት ግዝኣት ሩስያ ነበር ዝተወልደ በጊን፡ ኣብ ፖላንድ ሕጊ ተማሂሩ።

ኣብኡ ድማ ናብቲ ብ ዘየቭ ጃቦቲንስኪ ዝምራሕ ኣኽራሪ መርገጺ ዘለዎ 'ተሃድሶ ጽዮናውያን' ዝተባህለ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣይሁድ ተጸንቢሩ።

ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ብሓይልታት ሶቭየት ተታሒዙ ኣንጻር ጀርመናውያን ንኽዋጋእ ናብ ሰራዊት ፖላንድ ተጸንቢሩ።

ካብቲ ሰራዊት ወጺኡ ናብ እየሩሳሌም ምስ ግዓዘ፡ ኣብ ፍልስጤም ንመግዛእቲ እንግሊዝ ንምድኻም፡ መራሒ ዕጡቕ ጕጅለ ኢርጉን ዝዋይ ሌውሚ (ሃገራዊ ወተሃደራዊ ውድብ) ኰይኑ።

ኣብ 1946 ኢርጉን ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሆቴል ንጕስ ዳዊት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ቦምባ 91 ሰባት ሞይቶም።

ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ዝቕበለሉ ሓያል ተቓዉሞ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ጕጅለ ኣብ 1948 ኣብ ጥቓ እየሩሳሌም ኣብ እትርከብ ከተማ ደይር ያሲን ንብዙሓት ፍልስጤማውያን ኣብ ምቕታል'ዉን ተሳቲፉ።

እዚ ድማ፡ ቅድሚ ምስረታ እስራኤል ስደት ኣዕራብ ክቀላጠፍ ምኽንያት ኰነ።

እስራኤል፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1948 ምስ ተመስረተት፡ በጊን መራሒ የማናዊ ሰልፊ ሄሩት ኰይኑ፤ ኣብ 1977 ድማ ሓላፊ ኪዳን ሊኩድ ብምዃን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ኰይኑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ በጊን ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣንዋር ሳዳት ዝርርብ ሰላም ጀሚሩ።

እዚ ድማ፡ ኣብ 1978 ኣብ ዝተገብረ ስምምዓት ካምፕ ዳቪድ ክብጻሕ ምኽንያት ኰይኖም።

ግብጺ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝሃበት ፈላመይቲ ዓረብ ሃገር ከኣ ኰይና።

በጊንን ሳዳትን ብሓባር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንሰላም ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣብ 1978 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡዎም።

ይዅን'ምበር፡ በጊን ነቲ ሽልማት ንምቕባል ናብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ዝመልኦ ተቓውሞ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ናብ ውሑስ ኣከርሹስ ፎርትሪስ ክግዕዝ ተገዲዱ።

በጊን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ቅድሚ ምዃኑ፡ ን30 ዓመታት ኣብ ፍልስጤም ዝነበሩ ሰበስልጣን እንግሊዝ፡ ብግብረ ሽበራ ንዝደልዩዎ ዝነበሩ በጊን ንምሓዝ ሽልማት 50 ሽሕ ዶላር ክህቡ መደብ ኣውጺኦም ነይሮም።

ያሲር ዓራፋት - ካብ 'ተጋዳላይ ሓርነት' ክሳብ ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረ መራሒ

ዓራፋት ተቓላሲ ሓርነት እየ ይብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መራሒ ፍልስጤም ነበር ያሲር ዓራፋት፡ ኣብ 1993 ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኦስሎ ዝፈረመ እዩ።

እዚ፡ በዓል መዚ ፍልስጤም (PA) ንክፍጠርን ፍልስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛን ሓደ ክፋል ምዕራባዊ ገማገም ባሕርን ዓርሰ ምሕደራ ክህልዎም መገዲ ኣአንፊቱ።

ዓራፋት፡ ኣብ 1994 ፈላማይ ፕረዚደንት በዓል መዚ ፍልስጤም ኰይኑ - እዚ ስልጣን እዚ ክሳብ ዕለተ ሞቱ [2004] ብሒቱዎ ጸኒሑ።

ንሱ'ውን ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡዎ እዩ።

ዓራፋት ብ1929 ኣብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ካይሮ ተወሊዱ። ኣቦኡ ፍልስጤማዊ ነጋዳይ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ግብጺ ተምሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ፍልስጤማውያን 'ኣል-ናቕባ' ወይ ዕንወት 1948 ዝብልዎ ንምቕልባስ ኣንጻር እስራኤል ዕጥቃዊ ቃልሲ ክጅምር ወሲኑ።

እስራኤል ከም ሃገር ምስ ተመስረተት፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት 750,000 ፍልስጤማውያን ክስደዱ ዝተገደድሉ እዋን'ዩ።

ዓራፋት ኣብ መወዳእታ 1950ታት ምስ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ብጾቱ ብምዃን፡ ፋታሕ - ምንቅስቓስ ሓርነት ፍልስጤም - መስሪቱ።

ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ እዚ ምንቅስቓ ድማ ኰይኑ።

ካብ ታሕሳስ 1964 ጀሚሩ ካብ ጐረባብቲ ግዝኣታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም ጀሚሩ። 1969፡ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝሓቘፈ ውዳበ ዓረብ ሊግ፡ ዓራፋት መራሒ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) እዩ ኢሉ።

ኣብ ምሉእ 1970ታትን 1980ታትን ኣብ ውሽጢ እዚ ጕጅለ ዝነበሩ ውድባት ቅንጸላታት፡ ምፍንጃር ቦምባታትን ጭውያታትን ኣካይዶም።

ዓራፋት ብዛዕባ እዚኦም ርእይቶ ሂቡ ኣይፈልጥን፤ ግን ተግባር ግብረ-ሽበራ ፈጺሙ ንዝብል ይነጽጐ።

ንነብሱ "ተጋዳላይ ናጽነት" ክብል እዩ ዝገልጻ።

ያሰር ዓራፋት ኣብ 1993 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ይትዛክ ራቢን ብምርኻብ ስምምዓት ኦስሎ ተቐቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ያሰር ዓራፋት ኣብ 1993 ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ይስሓቕ ራቢን ብምርኻብ ስምምዓት ኦስሎ ተቐቢሉ

ኣብ 1974 ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ጨንፈር ኣውሊዕን ሽጕጥ ተጋዳላይ ሓርነትን" ሒዙ ከም ዝመጽአ ብምግላጽ ነታ "ጨንፈር ኣውሊዕ ካብ ኢደይ ከይተውድቝዋ" ኢሉ።

ኣብ 1987 ኣመሪካ ንውድብ ሓርነት ፍልስጤም ትካል ሽበራ'ዩ ብምባል ዓራፋት ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከልኪላ።

ኣብ 1988 ዓራፋት ብስም ፒ.ኤል.ኦ ብወግዒ ንግብረ-ሽበራ ኰኒኑ።

ኣብ 1993 ምስ እስራኤል ሰላም ብምግባር ብመሰረት ስምምዓት ኦስሎ ንመሰል ህላወ እስራኤል ኣፍልጦ ሂቡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛን ኣብ ትሕቲ እቲ ውድብ ዝርከብ ክፋል ምዕራባዊ ገማገም ባሕርን ርእሰ ምሕደራ ተዋሂብዎም።

በዚ ድማ ኣብ 1994 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተሸሊሙ።

ዓራፋት ምስ ሞተ፡ ኣመሪካ ሓዊሱ ካብ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝመጽኡ ወከልቲ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተረኺቦም።

ማርቲን ማክጊነስ – ኢድ ንግስቲ ዝጨበጠ ኣዛዚ 'ኢራ'

ኣዛዚ ኢራ ነበር ማርቲን ማክጊነስ ኣብ 2012 ምስ ንግስቲ ብሪጣንያ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣዛዚ ኢራ ነበር ማርቲን ማክጊነስ ኣብ 2012 ምስ ንግስቲ ብሪጣንያ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተራኺቡ

ማርቲን ማክጊነስ: ላዕለዋይ ኣዛዚ ናይቲ ካብ መወዳእታ 1960ታት ክሳብ 1990ታት ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ መግዛእቲ እንግሊዝ ከብቅዕን ውህድቲ ኣየርላንድ ንኽትምስረትን ዝዓለመ ተግባራት ራዕዲ ዝፍጽም ዝነበረ ግዝያዊ ሰራዊት ሪፐብሊክ ኣየርላንድ (Irish Republican Army) እዩ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ማክጊነስ ኣብቲ ብ1998 ዝተፈረመ 'ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት'፡ ነቲ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ደው ኣብ ምባል ልዑል ተራ ስለ ዝነበሮ፡ ማክጊነስ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሰሜን ኣየርላንድ ኰይኑ።

ማክጊነስ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ዝርከብ ምቹእነት ዘይነበሮ ከባቢ ቦግሳይድ ለንደንደሪ ኣብ 1950 ተወሊዱ።

ኣብ መወዳእታ 1960ታት ድማ ናብ 'ኢራ' ተጸንቢሩ።

ኣብ 1972 ኣብ ለንደንደሪ 13 ፓራሹት እንግሊዝ ክቕተሉ እንከለው ኣብታ ከተማ ካልኣይ ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ነይሩ።

ድሒሩ ዝተገብረ መርመራ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሰባት፡ ነቶም ወተሃደራት ዝዀነ ስግኣት ዝነበረ ሰብ ከም ዘይነበረ ተረጋጊጹ።

ማክጊነስ ኣብ 1973፡ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ነታጒን 5000 ጠያይቲን ዝሓዘት መኪና ምስ ተረኽበ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ብድሕሪ ቅትለት ሓያሎ ሓበሬታ ዝህቡን ጅሆ ዝተትሓዙን ሰባት ነይሩ ብዝብል ከኣ ተኸሲሱ።

ማርቲን ማክጊነስ (ጸጋም) ኣብ 1973 ኣብ ጥቓ ሓንቲ ነታጒን 5000 ጠያይቲን ዝሓዘት መኪና ምስ ተረኽበ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማርቲን ማክጊነስ (ጸጋም) ኣብ 1973 ኣብ ጥቓ ሓንቲ ነታጒን 5000 ጠያይቲን ዝሓዘት መኪና ምስ ተረኽበ ተኣሲሩ

ኣብ 1987 ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ዝርከብ ኤኒስኪለን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ መዓልቲ ዝኽሪ ብዛዕባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ከም ዝነበሮን በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 60 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ይንገር።

ንሱ ነዚ ነጺግዎ።

ይዅን'ምበር ምስ ወከልቲ ብሪጣንያ'ውን ብምዝርራብ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበርን 'ዓርቢ ስቕለት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ ሰላም ክፍረምን መገዲ ጸረገ።

ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሰሜን ኣየርላንድ ድሕሪ ምዃኑ፡ ነቶም ዓመጽ ዝቐጸሉ ተቓወምቲ ሪፓብሊካን "ከዳዓት ደሴት ኣየርላንድ" ክብል ኰኒኑዎም።

ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ከኣ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ተራኺቡ።

እዚ ኵሉ ግዜ ብኸመይ ከም ዝቕየር ዘርኢ ነበረ።

ኣብ 1979፡ 'ኢራ' [IRA] ንወዲ ሓው'ቦ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሎርድ ሉዊስ ማውንትባተን ቀቲሎምዎ።

ጃልባ ሎርድ ሉዊስ ኣብ ገማገም ባሕሪ ኣየርላንድ ከም ዝነበረት ይግለጽ።

ጉስታቮ ፔትሮ – ፕረዚደንት ኮሎምብያ ዝዀነ ኣባል ጕጅለ ተዋጋእቲ

ጉስታቮ ፔትሮ ምልክት ፍቕሪ እናርኣየ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጉስታቮ ፔትሮ፡ ኣብ 2022 ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድመኡ ፕረዚደንት ኮሎምብያ ኰይኑ ተመሪጹ።

ንሱ ንፈለማ እዋን መራሒ እታ ሃገር ዝዀነ ጸጋማዊ እዩ።

ይዅን'ምበር ኣባል ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ኣዝዮም ዓመጽቲ ዝዀኑ ዕጡቓት ጕጅለታት ኤም-19 (M-19) ኰይኑ ኣጽዋር ብምሓዝ ተኸሲሱ ተኣሲሩ ዝነበረ'ዩ።

ጉስታቮ ፔትሮ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ቦጎታ ኣብ እትርከብ ድኻ ከተማ ዚፓኪራ እዩ ዓብዩ።

ኣብታ ከተማ፡ ሰፊሕ ዕደና ጨው ይካየድ።

ኣብ 17 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ቦጎታ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ስነ-ቝጠባ እናተማህረ እንከሎ፡ ናብ ኤም-19 ተጸንቢሩ።

እዚ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ብስም እቲ ኣብ 1970 ኣብ ኮሎምብያ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዙሓት ጸጋማውያን ተጓኒና ኢና ብምባል ዝተመስረተ ጕጅለ እዩ።

ኣብ 1979 ኣባላት ኤም-19 ኣብ ቦጎታ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምእታው ብዙሕ ኣጽዋር ሰሪቘም።

ኤም-19 ኣብ 1985 ኣብ ቦጎታ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፍትሒ ብምሓዝ ሞት ኣስታት 100 ሰባት ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤም-19 ኣብ 1985 ኣብ ቦጎታ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፍትሒ ብምሓዝ ሞት ኣስታት 100 ሰባት ኣስዒቡ

እቲ ጕጅለ ኣብ 1980 ንኤምባሲ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ብምውራር ኣብ ሓደ ድግስ ክሳተፉ ንዝጸንሑ 50 ሰባት ጅሆ ሒዙ።

ፔትሮ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ከም ዘይተሳተፈ ይገልጽ።

ብ1985 ግን ተተኰስትን ነታጒን ሒዙ ስለ ዝተረኽበ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ንሱ፡ ኣብ እዋን ማእሰርቱ ከም ዝተሳቐየ ይገልጽ። ን18 ኣዋርሕ ክኣ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ።

ፔትሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኤም-19 ከቢድ ደማዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ኣብ ቦጎታ ንዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፍትሒ ብምውራር ኣስታት ሓደ ሚኢቲ ሰባት ጅሆ ሒዙ።

ዕጡቓት ሓይልታት ኮሎምብያ ነቲ ህንጻ ዳግማይ ንምቍጽጻር 27 ሰዓታት ተዋጊኦም፤ ኣብቲ እዋን ድማ ኣስታት 100 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ 1990 ኤም-19፡ ዕጥቍ ብምውራድ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤም-19 ኰይኑ።

ፔትሮ ድማ፡ ኣባል ኮንግረስ፡ ሴናተርን ከንቲባን ቦጎታን ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ 2022 ድማ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ።