ኣመሪካ፡ ሓበሬታ ስለያ ንዩክረይን ምሃብ ደዉ ኣቢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እዋን፡ መጻኢ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ደገፍ ዝያዳ ናብ ዘጠራጥር ደረጃ ይደፍእ ኣሎ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክ ዋልትዝ፡ ሃገሩ ንዩክሬን ሓበሬታ ስለያ ምሃብ ደው ከም ዘበለት ትማሊ ረቡዕ ኣረጋጊጹ።
ዋልትዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ " . . . ሓደ ስጒሚ ንድሕሪት ተመሊስና ኣለና፡" ኢሉ።
ምምሕዳር ትራምፕ'ዉን፡ "ኵሉ መዳያት ዝምድናታት" ደዉ የብሎን ይግምግሞን ከም ዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣኼባ ሰራዊት ኤውሮጳ ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ።
ፈረንሳ ብዘይ ሓገዝ ኣመሪካ ንቕድሚት ክትስጕም ድልውቲ ክትከውን ኣለዋ ብምባል ድማ ተዛሪቡ።
"ኣመሪካ ኣብ ጐንና ክትጸንሕ እያ ኢለ ክኣምን እደሊ። ከምኡ እንተዘይኰይኑ ግን ድሉዋት ክንከውን ኣለና" ኢሉ።
ኤውሮጳ ኣብ "ሓድሽ ዘመን" ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ወጻኢታት ምክልኻል ክውስኽ ጸዊዑ።
ፈረንሳ ምስ ዩክረይንን ካልኦት ሃገራትን ብምዃን ነባሪ ውጥን ሰላም ከም ዘዳለወት እውን ጠቒሱ።
ኣመሪካ ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም ኣትሒዛ ንዩክረይን ስለያዊ ሓበሬታታት ከተካፍል ጸኒሓ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦቫል ኦፊስ ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዘይምርድዳእ ትምፕን ዘለንስኪን ስዒቡ፡ ኣመሪካ ብሰኑይ ንኪቭ ዝወሃብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ኣቢላቶ እያ።
እቲ ሕጂ ዝወሰደቶ ውሳነ ምቍራጽ ምሃብ ሓበሬታ ስለያ ድማ ከፊላዊ ድዩ ምሉእ ንምሉእ ዝብልን ክሳብ መዓስ ኣብ ግብሪ ከም ዝጸንሕን ንጹር ኣይኰነን።
ዳይረክተር ሲኣይኤ ጆን ራትክሊፍ እውን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ፎክስ ቢዝነስ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነዚ ውሳነ ዘረጋግጽ ይመስል።
ትራምፕ "ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንመስርሕ ሰላም ተወፋይነት ኣለዎ ድዩ ዝብል ሓቀኛ ሕቶ ነይርዎ፤ ስለዚ 'ቍሩብ ደው ኣቢልና ብዛዕባ እዚ ክትሓስቡሉ ዕድል ክህበኩም እደሊ' እየ ኢሉ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ዘለንስኪ ብሰሉስ ብኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታን ናብ ትራፕም ኣብ ዝለኣዀ ደብዳበን፡ ንሰላም ኣብ ትሕቲ 'ሓያል መሪሕነት' ትራምፕ ክሰርሕ ድሉው'የ ከም ዝበለ ይፍለጥ።
ራትክሊፍ ወሲኹ፡ "እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ግንባርን ስለያን ዝነበረ [ሓገዛት] ደው ንክብል ዝደረኸ ነገር፡ ክጠፍእ'ዩ፤ ምስ ዩክረይን ድማ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።
ዋልትዝ ብተወሳኺ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ዩክረይንን ዝያዳ ዕርቂ ዝፈጥር ቃና ይቕልቀል ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ሕጂ ወተሃደራዊ ሓገዝን ምክፋል ስለያዊ ሓበሬታን ደው ምባል ኣብ ቀረባ እዋን ክለዓል ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
"ናብ መስመር ድርድር ኣቲና ክንሰማማዕ እንተኽኢልና፡ ብሓቂ ድማ ገለ ርእሰ ተኣማንነት ዝሃንጽ ስጕምትታት ኣብ መኣዲ እንተ ኣቐሚጥና፤ ሽዑ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ስጕምቲ ንምልዓል ኣትሪሩ ክጥምቶ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡" ክብል ንፎክስ ኒውስ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ምስ ዩክረናዊ መዘንኡ ብዛዕባ ዝራኸብሉ ቦታን ዝዘራረቡሎም ዛዕባታትን ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ።
ወተሃደራዊ ሓገዝ ዩክረይን ዝያዳ ኣብ ኣመሪካ ጽግዕተኛ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ ሓገዝ ደው ንምባል ዝተወስደ ውሳነ ድማ ኣብቲ ኲናት ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ስለያዊ ደገፍ ደው ምባል እውን ኣብ ዓውደ ውግእ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ።
ምክትል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ምክልኻል ነበርን ጡረተኛ ሲኣይኤን ሚክ ሙልሮይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንዩክረይን ዝወሃብ ስለያዊ ሓበሬታ ምቑራጽ ኣብ ዓቕሚ ምክልኻል እታ ሃገር "ቅጽበታዊ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ" ኢሉ።
"ኤውሮጳውያን መሻርኽትና ንዓቕሚ ኣመሪካ ክትክኡዎ ኣይኽእሉን። እዚ ሩስያ ካብ ዩክረይን ዝያዳ መሬት ንምውሳድን ካብ መኣዲ ድርድር ንምርሓቕን እትገብሮ ጻዕሪ ብዝያዳ ክትደፍኣሉ ጸቕጢ ከሕድር ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







