ፈላሚ ርክብ ኣመሪካን ሩስያን፡ ሰርገይ ላቭሮቭ እንታይ በለ?

ምንጪ ስእሊ, @KSAmofaEN
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ሃገሩ ብዝዀነ ይዅን ስምምዕ ሰላም ካብ ኣባል ሃገራት ኔቶ ናብ ዩክረይን ዝለኣኹ ሓይልታት ዓቃብ ሰላም ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጡ።
"ኣብ ትሕቲ ካልእ ባንዴራ ካልእ ሃገር ዝግበር ዝዀነ ይዅን ምንቅስቓስ ዕጡቓት ሓይልታት ዝቕይሮ ነገር የለን፤ ፍጹም ቅቡል ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ሩስያን ኣመሪካን ኲናት ዩክረይን ንምውዳእ ዘኽእል ዘተ ዝመርሑ ጕጅለታት ንምምዛዝ ከም ዝተሰማምዓ ገሊጸን።
ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ድሕሪ እቲ ትማሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ ፈላሚ ወግዓዊ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት "ሎሚ ቀዳማይ ስጕምቲ ናይቲ ነዊሕን ከቢድን ጕዕዞ'ኳ እንተዀነ ኣገዳሲ'ዩ፡" ኢሉ።
ዩክረይን ኣብቲ ዝርርብ ኣይተዓደመትን፤ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ድማ "ዘገርም" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ኣኼባ እዞም መራሕቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ልኡኻት ሩስያን ኣመሪካን ብወግዒ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ማይክ ዋልትዝን ከምኡ'ውን ሓጋዚ ፕረዚደንት ሩስያ ዩሪ ኡሻኮቭን ሓላፊ ልኡላዊ ሃብቲ ሩስያ ኪሪል ዲሚትሪየቭን ተሳቲፎም።
ብድሕሪ'ዚ ላቭሮቭ፡ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ንሓድሕደን ኣምባሳደራት ክሸማን ክልተኣዊ "ምትሕብባር ምሉእ ብምሉእ" ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኵነታት ክፈጥራን እየን ኢሉ።
"ኣዝዩ ጠቓሚ ዝርርብ'ዩ ነይሩ። ንሓድሕድና ንደማመጽ ነይርና፤ ንሓድሕድና ድማ ተደማሚጽና፡" ኢሉ።
ንሱ፡ እቲ ዝዀነ ምስፍሕፋሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ምክልኻል ኔቶ ንሩስያ "ቀጥታዊ ስግኣት" ክኸውን'ዩ ዝብል ዝጸንሐ መርገጺ ሩስያ ደጊሙ ኣልዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN FOREIGN MINISTRY / HANDOUT
ሩቢዮ ብወገኑ፡ ሩስያ ነቲ ግጭት ደው ንምባል "ኣብ ዕቱብ መስርሕ ሰላም ክትዋፈር ድልውቲ፡" ምዃና ኣሚነ'የ ኢሉ።
"ብዅሎም ወገናት ዝግበር ሕድገታት ክህሉ ኣለዎ። እቶም እንታይ ምዃኖም ኣቐዲምና ኣይንውስንን ኢና።"
መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ብሰኑይ ኣብ ፓሪስ ብታህዋኽ ዝተጸውዐ ኣኼባ ነይሩዎም።
እዚ፡ ኣብ መንጐ ሩስያን ኣመሪካን ዝተራእየ ርኡይ ምቅርራብ ዝህቡዎ ምላሽ ኣመልኪቱ ንምዝርራብ ዝተጸውዐ'ዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ መራሕቲ እቲ ዞባ ውሁድ መርገጺ ክሕዙ ኣይክኣሉን።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ፡ ሩስያ ዳግማይ ንጐረቤታ ካብ ምጥቃዕ ንምዕጋት "ምክልኻል ኣመሪካ" ከም ዘድሊ ብምግላጽ፡ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ዩክረይን ንምውፋር ከም ዝሓስብ ገሊጹ።
ቻንስለር ጀርመን - ቀንዲ መሓዛ ኔቶ - ኦላፍ ሾልዝ ግን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ዩክረይ ሰራዊት ምልኣኽ ምዝርራብ "ምሉእ ብምሉእ ዘይበሰለ ጉዳይ፡" እዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ታስክ'ውን ሰራዊት ክሰድድ ከም ዘይሓሰበ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ምኒስትር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ - ኣብ ምረቓ ትራምፕ ዝተሳተፈት እንኮ ኤውሮጳዊት መራሒት - ዘለዋ ጥርጣረታት ገሊጻ።
ንሳ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤውሮጳ ምውፋር "እቲ ዝተሓላለኸን ዝወሓደ ውጽኢታዊን" መገዲ ምርግጋጽ ሰላም ዩክረይን ክኸውን'ዩ ኢላ።
ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ዝተሳተፈ ሩቢዮ፡ ሕብረት ኤውሮጳ "ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መኣዲ እቲ ዝርርብ ክትህሉ ኣለዋ፤ ምኽንያቱ ንሳቶም'ውን [ኣብ ልዕሊ ሩስያ] ዘንበሩዎም እገዳታት ስለ ዘለዉ፡" ኢሉ።
ዩክረይን ኣብቲ ኣኼባ ዘይምስታፋ ብዝምልከት፡ "ዝዀነ ኣካል ኣይተጓነየን፡" ቅቡል ክኸውን ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ።
መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ኣኼባ ኣመልኪቱ መልሲ ክህብ እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝተዳኸመን ዝሓረቐን ይመስል ነይሩ።
"ኵሉ ነገር ፍትሓዊ ክኸውንን ብድሕረና ዝዀነ ሰብ ዝዀነ ነገር ከይውስንን ኢና ንደሊ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







