ኤውሮጳ ብዘይ ኣመሪካ ንዓርሳ ካብ 'ጸላኢ' ክትከላኸል ትኽእልዶ?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲንን ተፈጢሩ ዘሎ ምቅርራብ ደንጽይዎም ኣሎ።

ከምኡ'ውን ኣመሪካ ንኤውሮጳ ናይ ምክልኻል ግዴታ ከም ዘይብላ ገሃድ ዝወጽኡ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ምስ ኣመሪካን ካናዳን ሓቢረን፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሓይሊ ሕብረት ሶቭየት ንምምካት እየን፡ ኔቶ - ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (North Atlantic Treaty Organization) ኣጣይሸን።

እቲ ቀንዲ ዓንቀጽ 5 ናይቲ ኪዳን፡ ኣባላት ኔቶ ንሓንቲ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ዝተወት መሓዛ ክከላኸሉ ግዴታ ከም ዘለዎም ይገልጽ።

ኣመሪካ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ልዕለ-ሓይሊ ኰይና ጸኒሓ'ያ። ሕጂ ግን መጻኢ እቲ ኪዳን፡ ኣብ ሕቶ ወዲቑ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ቻንስለር ጀርመን ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ፍሪድሪክ መርዝ ብመንጽር ጸጥታ፡ ዕላምኡ ካብ ጽግዕተኛነት ኣመሪካ ምልቓቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊት ክፍሊ ኤውሮጳ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ቻታም ሃውስ፡ ኣርሚዳ ቫን ሪጅ፡ "ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ፍጻመታት ትራምፕ ንኔቶ፡ ንዋና ጸሓፊኡን ንዓንቀጽ 5 ሓባራዊ ምክልኻል ከም ዘዳኸሞን ዘርኢ'ዩ፡" ኢላ።

"ብድሕሪ ምጥያስ እቲ ትካል ዝነበረ ሓሳብ፡ ሓደ ንሓደ ይሕለቐሉ ዝብል እምነት እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ተሰቢሩ'ዩ።"

ዓንቀጽ 5 ኣኺሉዎ ድዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ኔቶ ከም ዘይወጽእን ምስ ኤውሮጳ ንዝገብሮ ሽርክነት ምክልኻል ከም ዝቕጽለሉን እንተ ገለጸ'ኳ፡ "ድሐሪ ደጊም ጽግዕተኛነት ዘተባብዕ ዘይምዕሩይ ዝምድና ከም ዘይጻወር፡" ኣጠንቂቑ'ዩ።

ትራምፕ ንመሻርኽቲ ኤውሮጳ ብቐጻሊ ፋይናንሳዊ ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ክዛረብ ጸኒሑ ኣሎ።

ካልእ ተሪፉ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ንፑቲን ነቶም ሕሳቦም ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ኣባል ሃገራት ክወርር ብግልጺ ኣተባቢዕዎ ነይሩ።

እቲ ዘሰክፍ ግን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዝዓበየ ጸጥታዊ ቅልውላው እታ ኣህጉር ዝዀነ ኲናት ዩክረይን ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ፡ እቲ መልእኽቲ ብኸመይ ይመሓላለፍ ኣሎ ዝብል እዩ - ይብሉ ተንተንቲ።

ኣብ ግዜ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ዋላ ንዕላማታት ሩስያ ክትድግፍ ጀሚራ ምህላዋ፡ ተንታኒት ምክልኻል ቻታም ሃውስ ሚና ኣላንደር ገሊጻ።

"ትራምፕ ውግንንኡ ብግልጺ ናብ ጸግዒ ሩስያ ዝቕየር ዘሎ'ዩ ዝመስል።"

ካብቶም ነዚ መደምደምታ ኣብነታት ዝዀኑ ድማ ገለ ምጥቃስ ይከኣል፤

  • ኣብዚ ወርሒ መጀመርታ ንዝደወለሉ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናእዳን ምስጋናን ኣቕሪቡሉ።
  • ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ኲናት ዩክረይን ደው ንምባል ዝዓለመ እኳ እንተዀነ፡ ንሰበስልጣን ዩክረይንን መሓዙት ኤውሮጳውያንን ዘግለለ ነይሩ።
  • ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲምር ዘለንስኪ ናይ ቃላት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኰይኑ፡ "ውልቀ-መላኺ" ክሳብ ምባል በጺሑ።
  • ከምኡ ድማ፡ ትራምፕ፡ ዩክረይን ነቲ ኲናት ጀሚራቶ ዝብል ሓሶት ፑቲን ደጊሙ ኣጋዊሑ።

"እዚ ኲናት ንኤውሮጳ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንዓና ኣርሒቑ ዝፈልየና ሓደ ዓብይን ጽቡቕን ውቅያኖስ ኣለና፡" ክብል ትራምፕ ኣላጊጹ።

ሓረጋት ዓንቀጽ 5 ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብኣባላት ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ኣመሪካ - ናብ ምክልኻል እቶም ካልኦት ኣባላት ምውፋር ማለት ምዃኑ ግልጺ እዩ።

እዚ ማለት ግን ኵሉ ግዜ ሰራዊት ምልኣኽ ማለት ኣይኰነን። ንእሽቶ ነገር ኣወፍዩ ሓጊዘ ክብል ይኽእል ዩ።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ትካል ምክልኻልን ጸጥታን - ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት ተንታኒ ኤድዋርድ ኣርኖልድ፡ " [ገለ እንተ ተፈጢሩ] ኣመሪካ ምሉእ ሓይላ ከተእቱ እያ ዝብል እምነት የሎን፡" ኢሉ።

"ኣብ ትሕቲ ዝሓለፉ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ግን ከምኡ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይሩ እዩ። ስለዚ ሕጂ ሰባት ክጭነቑ ጀሚሮም ኣለዉ።"

ወተሃደር ኔቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓብላሊት ናይቲ ኪዳን ዝነበረት

ኣመሪካ ኣብ ኔቶ ዓብላሊት ወተሃደራዊት ሓይሊ እያ፤

"ኣስታት 70 ሚእታዊት ዓቕሙን ንጥፈታቱን ትፍጽም፡" ይብል ሚስተር ኣርኖልድ።

ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ንቐንዲ ዓቕምታት ከም ነፈርቲ ኣብ ማእከል ኣየር ነዳዲ ዝመልኣ፡ ብነፈርቲ ኣቢለን ሰራዊት ወይ ቀረብ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኢድ ኣመሪካ ዝወደቐ እዩ።

ኣመሪካ፡ ብዙሕ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር፡ ከምኡ'ውን ርኡይ ንጥፈታት ስለያ፣ መሳርሒታት ሎጂስቲክስን ዳህሳስን'ውን ተቕርብ።

ኵሉ ግዜ፡ ከም መራሒት እቲ ኪዳን ኰይና እያ ትረአ።

'ላዕለዋይ ኣዛዚ ኪዳን ሃገራት ኤውሮጳ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ኣብ ኔቶ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒት ወትሩ ኣመሪካዊ ኰይኑ፡ ኣመሪካውያን ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ላዕለዎት ሓላፍነታት ይርከቡ።

"ኣመሪካ ብወተሃደራዊ መዳይ ኣዝያ ትዕብልል ስለ ዝዀነት፡ ወትሩ ተፈጥሮኣዊ መራሒት ኔቶ እያ ነይራ፡" ትብል ሚስ ሪጅ።

ካልእ ኣባል እቲ ኪዳን፡ ነዚ ቦታ ክርከብ ኣይክእልን'ዩ፡ "ዓቕሚ ወይ ደረጃ ሰራዊት ስለ ዘይብሉ፡" ትብል።

ወተሃደራት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣብ ላቲቭያ ታዕሊም እና`ካየዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣብ ላቲቭያ ታዕሊም እና`ካየዱ

ኤውሮጳ እንታይ ትገብር ኣላ?

ኣመሪካ ቅድሚ ትራምፕ፡ ኤውሮጳ ምክልኻላ ከተሐይል ከም ዘድልያ ንዓሰርተ ዓመት ኣጠንቂቓ ነይራ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብምውራር ጥራሕ፡ ኣመሪካ ንኣተኵሮኣ ናብ ኤውሮጳ ንድሕሪት ስሒብዋ።

ትራምፕ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዝወሰዶ ኣንፈት ግን፡ ንሓያል ዳግመ-ሓሳብ ዘግብር ድፍኢት'ዩ ነይሩ።

መርዝ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ መረጻ ጀርመን፡ "ፍጹም ቀዳምነት፡ ብሓቂ ካብ ኣመሪካ ናጽነት ምእንቲ ክንረክብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንኤውሮጳ ምሕያል ከድሊ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ሰነ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ኪዳን፡ "ብዛዕባ ኔቶ በዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ክዝቲ ድዩ ወይስ ኣዝዩ ብቕልጡፍ ናጻ ናይ ኤውሮጳዊ ምክልኻል ዓቕሚ ክንምስርት ኣለና፡" ርግጸኛ ከም ዘይኰነ'ውን ገሊጹ።

መርዝ ኣብ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ሓደ ካብቶም ንዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ሃዊሱ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ኤውሮጳውያን ክፈጥር እዩ ዝህቅን ዘሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ሓሙስ ናብ ዋሽንግተን ዘቕንዕ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ ትማሊ ሰኑይ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናብ ዋሽንግተን ዘካየዶ ዑደት'ዩ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ንኤውሮጳ ጽቡቕ ኣማራጺታት ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ዝገደደ ከይመጽእ ጥራጥ ምጥንቃቕ እዩ፡" ይብል ሚስተር ኣርኖልድ።

"ሓደጋ ምቅላል'ዩ። ኔቶ በዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ብሓባር ምጽናሕ ኣይክእልን።"

ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ'ውን ቅልጡፍ ስጕምቲ ይወስዱ ኣለዉ።

ግሪኽ፡ ኖርወይን ካልኦት ሃገራትን ስክፍታኦም ከስምዑ እንከለዉ፡ ዴንማርክ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወጻኢታት ምክልኻል ዓቢይ ወሰኽ ከም ዝሰልዐት ኣፍሊጣ።

ዓባይ ብሪጣንያ'ውን ትማሊ ሰሉስ ወሰኽ ከም ዝገበረት ኣፍሊጣ፡ ነቲ ተወሳኺ 13 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ዓመት ንምምዋል፡ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ደው ኣቢላ ኣላ።

ኬር ስታርመር፡ "መሪር" ምርጫ ምዃኑ ኣጠንቂቑ፡ ምክልኻልን ድሕነትን እታ ሃገር ግን ቅድሚት ከም ዝስራዕ ገሊጹ።

ሚስተር ኣርኖልድ፡ ኤውሮጳውያን ክኸፍልዎ ዝግደዱ ዋጋ'ዩ ይብል፡ ብፍላይ "ሕጂ ናብ ዩክረይን ብዙሕ ንብረት ግዒዙ ኣሎ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም መኽዘን ጐዲሉ እዩ ዘሎ።"

ሕጂ ኣብ ዓለማዊ ስርዓት ጸጥታ 'እቲ ዘላቒ ለውጢ' እንታይ ከም ዝመስል ኢና ንርኢ ዘለና' እውን ይብል።

"ኣመሪካ ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝነበረቶ መሓዛ ኣይኰነትን፣ ናብዚ መርገጺኣ ክትምለስ ዘሎ ዕድል ድማ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ፡" ኢሉ።