ኣመጋግባና ንረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ መንቀሊ ክኸውንዶ ይኽእል?

ከብዳ ዝሓመመት ሰበይቲ

ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ንኩሊት፡ ፍሕኛ፡ ሸምበቆ ሽንቲ፡ መትረብ ሽንቲ ዝኣመሰሉ ክፋላት ስርዓተ ሽንቲ ዝጸሉ ልሙድ ረኽሲ ባክተርያ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 150 ሚልዮን ሰባት በዚ ረኽሲ ይጽለው።

ብሰንኪ ኣካላዊ ፍልልይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ዝርገሐ ዘለዎ ኮይኑ፡ እዚ መጠን ምስ ዕድመ፡ ጥንሲን ጾታዊ ንጥፈታትን እናወሰኸ ከምዝኸይድ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ዝርገሐ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብብዝሒ ህዝቢ ኣዝዩ ይፈላለ። ካብ 11 ክሳብ 16 ሚእታዊት ስለ ዝበጽሕ፡ ኣብ ሕብረተሰባት እዘን ሃገራት ዓቢ ስክፍታ ህዝባዊ ጥዕናን ቁጠባዊ ጾርን እናስዓበ ይርከብ።

ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብጸረ-ባክተርያ ይሕከም። ግን ኣመጋግባና ብቅልጡፍ ንክንሓዊ ክሕግዘና ይኽእል ድዩ? ወይስ ዋላ'ውን ጠቕሊሉ እዚ ረኽሲ ከይሕዘና ክገብር ተኽእሎ ኣሎ?

ልሙዳት ምልክታት

መብዛሕትኡ ግዜ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ገለ ባክተርያ ናብ ስርዓተ ሽንቲ ክኣትው እንከለው ይመጽእ። ምልክታት ድማ ቃንዛን ድኻምን ከስዕቡ ይኽእሉ።

"መጀመርታ፡ ክንሸይን ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ዘቃጽል ቃንዛ ከጋጥመና ተኽእሎ ኣሎ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ለንደን ሓላፊት ስነ-ህይወት ሽንቲ፡ መንሽሮን ረኽስን ፕሮፌሰር ጀኒፈር ሮን።

"መብዛሕትኡ ግዜ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ዘለዎም ሰባት ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ብብዝሒ ሽንቲ ይመጾም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣዝዩ ህጹጽ'ዩ። ኣብ ሽንቲና ለውጢ'ውን ከነስተብህል ንኽእል ኢና። ደም ዝተሓውሶ ክኸውን፡ ደበናዊ ክመስል ወይ ዝተፈላለየ ጨና ክህልዎ ይኽእል።

"ሓደ ሓደ ግዜ ብሰዓል'ውን ክስነ ይኽእል፡ ወይ ድማ ዘይንቡር ትሑት ሙቐት ክስዕበልና ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብድና ወይ ሕቖና'ውን ቃንዛ ከጋጥመና ይኽእል'ዩ" ትብል።

እቶም ምልክታት ከም ከም ኩነታቱ ይፈላለዩ፤ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ከምዘለና ንምፍላጥ ግድን ኩሎም ምልክታት ክሳዕ ዝረኣየና ክንጽበ ኣለና ማለት ኣይኮነን።

ኣመጋግባና ከም ጠንቂ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ

ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ "ብተለምዶ ብባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲ" ስለዝኾነ፡ ካብቲ እንበልዖ ወይ እንሰትዮ ብቐጥታ ክምንጩ ከምዘይክእል ኣብ ሆስፒታል ለንደን ብሪጅ ኣማኻሪት ሓኪም ማህጸንን ክኢላ ሽንቲ ማህጸንን ሱሽማ ስሪክሪሽና ትሕብር።

ይኹን'ምበር፡ "ገለ መግብታትን መስተታትን ንፍሕኛ ከቖጥዑን ምልክታት እቲ ረኽሳ ከጋድዱን ወይ ፍሕኛ ንረኽሲ ዝያዳ ተቓላዒ ክኸውን ክገብሩን ይኽእሉ'ዮም" ትብል።

"ብዙሕ ግዜ ነዚ ረኽሲ ዝቃልዑ ሰባት፡ ንፍሕኛ ዘቖጥዑ ከም ካፈይን፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ካርቦን ዘለዎም መስተታት፡ ኣርቲፊሻል መመቐሪታትን ኣዝዮም ቀመማት ዘለዎም መግብታትን ኣስተውዒሎም ክወስዱ እመክር፡ እዚኦም ኩሎም ንረኽሲ ፍሕኛ ከጋድዱ ይኽእሉ'ዮም" ትብል ወሃቢት ቃል ማሕበር ኣመጋግባ ብሪጣንያን ክኢላ ኣመጋግባ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ዶክተር ሊንያ ፓቴል።

ኣመጋግባ ጥራይ ንረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ዝዓግት እኳ እንተዘይኮነ፡ ገለ ካብቶም ጠንቅታት ምውጋድ እቶም ምልክታት ከይረኣዩና ክገብርን ንሓፈሻዊ ጥዕና ስርዓተ ሽንቲና ንምድጋፍን ክሕግዝን ከምዝኽእል ትሕብር።

ብኣመጋግባና ምክልኻል ይከኣልዶ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ዝያዳ ማይ ምስታይ ሓደ ካብቶም ቀለልቲ ግን ከኣ ኣዝዮም ውጽኢታውያን ሜላታት ምክልኻል ረኽሲ ሻምበንቆ ሽንቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል ዶክተር ሊንያ ፓቴል።

ንሳ ከምእትብሎ፡ እዚ ቅድሚ ጸገም ምፍጣሮም ባክተርያ ካብ ሻምብቆ ሽንቲና ንኽወጹ ዝሕግዝ'ዩ።

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሊትሮ ፈሳሲ ምውሳድ፡ ኣብተን ንረኽሲ ሸምበቆ ሽንቲ ዝቃልዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓደጋ ተደጋጋሚ ረኽሲ ብዓቢኡ ከጉድል ይኽእል'ዩ።

ሓኪም ማህጸንን ረኽሲ ሸምባቆ ሽንትን ስሪክሪሽና እውን፡ "ብጸረ-ኦክስጅንን ጸረ-ነድሪ ባህርያትን ዝሃብተሙ መግብታት ንሓፈሻዊ ጥዕና ሻምብቆ ሽንቲ ክድግፉ ይኽእሉ'ዮም" ትብል።

"እዚኦም ድማ ቤሪስ (ብፍላይ ብሉቤሪ)፡ ቆጽሊ ዘለዎም ሓምለዋይ መግብታትን ልዑል ቪታሚን ሲ ዘለዎም ከም በርበረን ብሮኮሊን ዝኣመሰሉበ መግብታትን ይርከብዎም።" ክትብል ተረድእ።

ቫይታሚን ሲ "ንሽንቲ ኣሲድ ይገብር፡ ጎዳእቲ ባክተርያ ንኽዓብዩ ኣጸጋሚ ይገብር። ከምኡ'ውን ንስርዓት ምክልኻል ሕማምና ዝድግፍ ኰይኑ፡ ኣካላትና ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ረኽስታት ክምክት ይሕግዝ" ትብል ፓቴል።

መመላእታ ቫይታሚን ሲ ምቹእ ኣማራጺ ክመስል ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን ከምቲ ኣብ ኣመጋግባና እነተኣታትዎ ጠቓሚ ኣይክኸውንን እዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ከም ኪዊ፡ ፍረታት ሲትረስን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ ቫይታሚን ሲ ዝሓዙ መግብታት ምስ ፋይበርን ጸረ-ኦክስጅንን እውን ክመጹ ተኽእሎ ኣሎ፡። እዚኦም'ውን ኣገደስቲ እዮም። እዚ ኩሉ ድማ ካብ ጽማቝ ቪታሚን ኣይንረኽቦን ኢና።

ከምኡ'ውን፡ ከም ወትሩ፡ ምስ ብዙሕ ኣሓምልቲ፡ ዘይተመስረሐ እኽልን መኣዛታትን ዝተሰነየ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሚዛናዊ ኣመጋግባ ንኣካላትና ንዝኾነ ጎዳኢ ባክተርያ ንምምካት ዝሕግዝ እዩ።

መግቢ

ረኽሲ ሸምቦቆ ሽንቲ ዘመሓይሹ መግቢ ወይ መስተ ኣለዉዶ?

"ገለ መግብታት ተፈጥሮኣዊ ጸረ-ረኽሲ ባህርያት እኳ እንተሃለዎም፡ ግቡእ ሕክምና ጸረ-ባክተርያ ዝትክኡ ኣይኮኑን" ትብል ስሪክሪሽና።

"ከም ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ጅንጅብልን መዓርን ዝኣመሰሉ መግብታት ከም ጸረ-ረኽሲ ዘለዎም ጽልዋታት ተጽኒዖም እኳ እንተኾኑ፡ ብፍላይ መርትዖታት ኣንጻር ረኽሲ ሻምበቆ ሽንቲ ዘለዎም ውጽኢታዊነት ግን ድሩት'ዩ።" ክትብል ተብርህ።

ቫይታሚን ሲ ኣካላትና ካብዞም ረኽስታት ንኽከላኸል ክሕግዞ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስቓይ ረኽሲ ሻምበቆ ሽንቲ እንተሃልዩና፡ ከም ኣሲዳዊ ፍረታት ሲትረስ ዝኣመሰሉ ነገራት ክንወስድ ክንፍተን ንኽእል ኢና።

ስሪክሪሽና ግን ምልክታት ንምፍዋስ ዝሕግዝ መንገዲ እዚ ከምዘይኮነ ትሕብር።

"እዚ ዝተሓላለኸ መዳይ'ዩ። ገሊኦም ኣሲዳዊ መግብታት ንባክተርያ ዘይተቀባሊ ሃዋህው ንምፍጣር ይሕግዙ እዮም ኢሎም ክኣምኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣሲዳዊ መግብታት ነቲ ድሮ ነድሪ ዘለዎ ፍሕኛ ዘቖጥዕ ኮይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ'ዮም" ትብል።

ኣመጋግባና ምልክታት ንምቅላል ክሕግዝ ዝኽእለሉ መንገድታት ኣሎ፤ ግን፡ ጎኒ ጎኒ ዝያዳ ሳይንሳዊ ሕክምናታት ኣብ እትጥቀመሉ እዋን ክኸውን ኣለዎ።

"ማይ ከይጸምኣና ምጽናሕ ቁልፊ ነገር'ዩ። ገለ ሰባት'ውን ኣብ እዋን ንጡፍ ረኽሲ ካብቶም ንፍሕኛ ዘቖጥዑ ነገራት (ካፈይን፡ ኣልኮላዊ መስተታትን ቀመማዊ መግብታትን) ምርሓቕ፡ ምልክታት እቲ ረኽሲ ንምንካይ ከም ዝሕግዝ ይዛረቡ።"

"እቲ ቁልፊ ነገር ንኣካላትና ምስማዕን ምልክታት ዘጋድድ ዝኾነ ነገር ምውጋድን'ዩ" ትብል ስሪክሪሽና።

ጸረ-ባክተርያ ረኽሲ ሻምበቆ ሽንቲ ኣብ ምፍዋስ

"ናይዚ ሳይንስ ገና ይቕልቀል እዩ ዘሎ፡ ጸረ-ባክተርያ (ፕሮባዮቲክስ) ግን ብርግጽ ኣብዚ ኣርእስቲ መሳጢ ሓድሽ መዳይ'ዩ" ትብል ፕሮፌሰር ጀኒፈር ሮን።

ገለ ተስፋ ዝህቡ ውጽኢታት ከምዝተረኸቡ ብምዝኽኻር ንተደጋጋሚ ረኽሲ ሸምበቆ ሽንቲ ከጉድሉ ከም ዝኽእሉ መርትዖታት ምህላዎም ትገልጽ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ሰባት ዝተፈላለዩ ጸረ-ባክተርያ፡ ዝተፈላለየ ፕሮባዮቲክስን ዝተፈላለየ ስርዓታት ሕክምናን ስለዝጥቀሙ፡ ንኹሎም መጽናዕትታት ከተነጻጽሮምን ውጽኢቶም ከተዋህልሎምን ኣጸጋሚ'ዩ" ትብል።

ፓቴል እውን፡ ፕሮባዮቲክስ ንምንታይ ንደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ፡ "ማይክሮባዮም ርሕምኺ ከም ሓላዊ ኣፍደገ ሻምብቆ ሽንቲ ኮይኑ ይሰርሕ። ጥዑይ ሚዛን ባክተርያ - ብፍላይ ድማ ዓይነታት ላክቶባሲለስ - ሕማቕ ባክተርያ ከይሕዙ ክሕግዝ ይኽእል" ክትብል ተረድእ።

መግቢ

"ላክቶባሲለስ ራምኖሰስ ምውሳኽ ተደጋጋሚ ረኽሲ ሻምበቆ ሽንቲ ከም ዘጉድል፡ ላክቶባሲለስ ሮይተሪ ድማ ሃይድሮጅን ፐሮክሳይድ ብምፍራይ ተወሳኺ መከላኸሊ ከምዝህብ፡ እዚ ድማ ንመትሓዚ ርሕምን ን'ሕማቕ' ባክተርያ ውሑድ ስሕበት ከም ዘይህልዎ ዝገብርን" ከምዝዀነ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ኣየኖት ጽግዕተኛታትን ብኸመይ ዓቐንን ዝያዳ ውጽኢታውያን ምዃኖም ንምፍላጥ ዝያዳ መጽናዕቲ የድሊ።

"ፕሮባዮቲክስ ንጡፍ ሕክምና ዘይኮነስ ንመከላኸሊ ዝያዳ ጠቐምቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ከም ንበይኑ ፍታሕ ዘይኮነስ ከም ኣካል ኩለመዳያዊ ኣገባብ እዮም ዝበለጸ ዝሰርሑ" ትብል ፓቴል።

ተደጋጋሚ ረኽሲ ሻንበቆ ሽንቲ ዘጋጥመኩም እንተዀይኑ...

"ሓፈሻዊ ምኽረይ ብዙሕ ማይ ምስታይ፡ ድሕሪ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ምሻን፡ ድሕሪ ደገ ምባል ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት ምሕባስን ንውልቃዊ ክንክን ከቖጥዑ ዝኽእሉ ጠንቅታት ምውጋድን ዝሕግዝ'ዩ" ትብል ስሪክሪሽና።

ገለ መግብታት ምልክታት ዘጋድዱ እንተመሲሎምና፡ ንግዚኡ ልሙዳት ንፍሕኛ ዘቖጥዑ ነገራት ምውጋድ ትምዕድ።

ኣስዒባ "ምልክታት ረኽሲ ዘቃልል ድዩ ወይስ ዘጋድድ ንምፍላጥ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል'ዩ" ትብል።

ወሲኻ ድማ ካልኦት ብዙሓት ኣማራጺታት ሕክምና ከምዘለዉ ትዛረብ።

እቲ ቁልፊ ነገር፡ ምስ በዓል ሞያ ሕክምና ምዝርራብ "ነቲ ረኽሲ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ዝኾኑ መሰረታዊ ረቛሒታት ንምልላይ" ከምዝሕግዙ ትገልጽ።