ብሓቂ ንሰዓል ዝፍውሱ መድሓኒታት ኣለዉ'ዶ?

ሓሚማ ዝተገደመት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, damircudic/Getty Images

ንሰዓል ከም ሓደ ቀሊል ሕማም ዝርእዩ ሰባት ኣለው።

ኣብ ገለና ግን ኣዝዩ ኣድካሚን ቀጨውጨው ዝፈጥርን ኵነታት እዩ።

ካብ መዓልታት ሓሊፉ ንሰሙናት ዝጸንሕ ቃንዛ ጎሮሮ፡ ድኻም ጭዋዳታት ⁠ከምኡ'ውን ስእነት ሰላማዊ ድቃስ ገለ ጽልዋታት ሰዓል እዮም።

ሰለዝዀነ ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሓኒት ናብ ዕዳጋ ምቕራቦም ዘገርም ኣይኰነን።

ብሓቂ ግን እዞም መድሓኒት ክሳብ ክንደይ ፈወስቲ እዮም?

ኣብ ክንድኡ ኣብ ገዛናን ክሽነና ዘሎ ኣማራጺታትን እንተተጠቐምና ገንዘብና ክንቁጥብ ተኽአሎ ኣሎ'ዶ?

ጃኪ ስሚዝ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር ፕሮፌሰር ሕክምና ስርዓተ ምስትንፋስ እያ። ናይ ሰዓል ክሊኒክ ተካይድ።

እዛ ፕሮፌሰር ከምትብሎ፡ ክልተ ቀንዲ ዓይነታት ሰዓል ኣለዉ።

እቲ ሓደ ደረቕን ዘሳሕን ዓይነት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብንፋጥ ወይ ልፋጭ ዝተሰነየ እዩ።

ነዞም ክልተ ዓይነታት ሰዓል ዒላማ ገይሮም ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ሽሮፖታት ኣለዉ። እንተዀነ ቅሩብ ግን ስቓይና ከቕልሉ እንተዘይኰይኑ ንሰዓል ኣይፍውሱን'ዮም።

ፕሮፌሰር ጃኪ ስሚዝ ግን ካብዞም ሽሮፖታት ዋላ ሓደ ኣይትጥቀምን። ዝዀነ ዓይነት ሰዓል ምስ ዘጥቅዓ፡ ናብ መዓርን ለሚንን'ያ እትጐዪ።

ግን ሳይንስ አብዚ ጉዳይ እንታይ'ዩ ዝብል?

ገለ መግብታት ብሓቂ ንሰዓል ክሕግዙና - ወይ ክሓብኡ - ይኽእል ድዮም?

መዓር

ሓደ ኣብ ገዛ ክዳለዉ ካብ ዝኽእሉ ኣፋውስ ሰዓል፡ ውዑይ ማይ ምስ መዓርን ለሚንን እዩ። ፕሮፌሰር ጃኪ ስሚዝ ከምእትብሎ፡ እዚ ብመንጽር ሳይንስ ዝያዳ ተስፋ ዘለዎ መግቢ እዩ።

"ኣዝዮም ጥዑማት ነገራት፡ ኣብ መልሓስና ምስ ዝስተማቐሩ፡ ብሓቂ ንሰዓልና ክዓግቱ ከም ዝኽእሉ ገለ መርትዖታት ኣለዉ። ከምኡ'ውን፡ ብፍላይ ኣብቶም ለይቲ ለይቲ ዘስዕሎም ህጻናት፡ መዓር፡ መጠን ሰዓል ከም ዘመሓይሽ ዝሕብሩ መርትዖታት ኣለዉ።"

"ሽሮፕ ሰዓል ንቃንዛ ጎሮሮ ዘህድኡ ትሕዝቶታት ኣለዎም፣ እዚ ድማ ነቲ ሰባት ሰዓልን ምስ ሰዓል ዝስምዖም ስምዒታት ከቃልል ይኽእል። መዓር'ውን እዚ ተመሳሳሊ ውጽኢት እዩ ዘለዎ።"

ተርመሪክ ወይ ህሩድ

"ኣብዚ ጉዳይ ዝዀነ መርትዖ ዘሎ ኣይመስለንን" ትብል እታ ክኢላ። "ግን ብርግጽ ከምዘይሰርሕ ከኣ ዘረጋግጽ መርትዖ ስለዘየለ እውን ይመስለኒ።"

ይዅን'ምበር ንኣብነት ኣብ ጽማቝ ወይ መስተ ተርሚክ ሓዊስካ ምስታይ ገለ ረብሓታት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

"ጎሮሮና ቁጥዐን ሳሕን ክህልዎ እንከሎ፡ ብመጀመርታ ምውሓጥ፡ ምናልባት ነቲ ኣብ ጎሮሮ ዘሎ ቁጥዐ ብምንካይ ንሰዓል ንምዕጋት ይሕግዝ። ውዑይን ዘህድእን እንተዀይኑ ድማ ምናልባት እቲ ውጽኢት ዝሓሸ ክኸውን ዝገብር ይመስለኒ።

ዝንጅብልን ጻዕዳ ሽጉርትን

"ዋላ'ኳ ርጉጽ ሓበሬታ እንተዘይሃለወ፡ ዝንጅብልን ጻዕዳ ሽጉርትን ንገለ ኣብ ጎሮሮናን ኣብ ቱቦታት ኣየርን ንዝርከቡ ንኣሽቱ ተቐበልቲ ሰዓል ዘበራብሩ እዮም።

"እዞም ንኣሽቱ ተቐበልቲ ሰዓል፡ ብዓቢኡ ንመተሓላለፊ ኣየርና ካብ ዘየድልዩ ከሚካላትን ቍጥዐን ንምክልኻል፡ ከምኡ'ውን መግቢ ናብ ሳንቡእ ከይኣቱ ንምግባር ይሕግዙ" ትብል።

"ነቶም ኣብ ጎሮሮና ዘለዉ ተቐበልቲ [ብዝንጅብል ወይ ብሽጉርቲ] እንተ ኣዕለቕሊቕናዮም፡ ስሚዒቶም ከጕድሎ ይኽእል እዩ።"

ጸሊም ቸኮላታ

ኣብ ቸኮላታ ቲዮብሮሚን ዝበሃል ከሚካል ኣሎ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ሓደ ኩባንያ ነዚ ከሚካል ናብ መድሓኒት ሰዓል ክምዕብል ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ምኽንያት ቲዮብሮሚን ንናይ ሰዓል ሪፍለክስ ዘንቀሳቕሱ መትንታት ተነቃፍነት ዘጕድል ስለዝመስል እዩ ነይሩ።

"እቲ ውጽኢት ግን ቅሩብ ንእሽቶ እዩ ዝመስል ነይሩ።"

ከምኡ እንተዀይኑ ድማ ሓደ ቍራጽ ጸሊም ቸኮላታ ዝበዝሐ መጠን ዝያዳ ቲዮብሮሚን ክህሉዎ ይኽእል እዩ።

ጸሊም ቸኮላታ

ፕሮባዮቲክስ

"ኣብዚ እዋን'ዚ ንጹር ኣይኰነን" ትብል ስሚዝ። "እቲ መጽናዕቲ ገና ኣብ ምጅማሩ'ዩ ዘሎ። ብኣፍ ተወሲዱ ናብ መዓንጣና ዝኣቱ ነገር ነቲ ኣብኡ ዘለዉ ነፍሳት ክጸሉ ይኽእል ድዩ ዝብል ሓሳብ ገና ኣይነጸረን። እንተኽኢሉ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብሪፍለክስ ኣቢሉ ድዩ ዝሰርሕ ድዩ ወይስ ኣብ ምስትንፋስና ነድሪ እዩ ዝቕንስ? ክሳብ ሕጂ ርግጸኛታት ኣይኰንናን።"

ንሰዓል ከጋድዶ ዝኽእል መግቢ ኣሎ'ዶ?

መዓር ዝመልኡ ጠራሙስ

"ንዓመታት ናብ ክሊኒካተይ ዝመጹ ሰባት ፍርያት ጸባን ውጽኢት ጸባን ንሰዓል ከም ዘጋድድ ይሕብሩ ነይሮም። እቲ ዝገርም ግን ከምዚ ምዃኑ ዝሕብር መርትዖ የለን" ትብል እታ ክኢላ።

ንሳ ከምእትብሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕሙማት ሰዓል ከምዘለዎም ክረጋገጽ እንከሎ ካብ ካፌይን ክቑጠቡ ኣለዎም።

"ካፌይን ኣብ ሰባት ሰዓል ከምጽእ ከምዝኽእል ቀጥታዊ መርትዖ ኣይፈልጥን'የ። ካፌይን ግን ኣሲድ ሪፍላክስ ከም ዘበግስ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ኣሎ - ዝኾነ ኣሲድ ሪፍላክስን ዘይምሕቃቕ መግቢን ድማ ዝያዳ ሰዓል ክህልወና ዝገብር ተኽእሎ'ዩ።"

ሰዓል ምስ ዝሕዘና እንታይ ክንበልዕ ወይ ክንሰቲ ኣለና?

"እቲ ዝለዓለ ምኽረይ መዓርዩ። ብውልቀይ'ውን ማይ ምስታይ ሓጋዚ ኰይኑ ረኺበዮ" ትብል።

"ምውሓጥ ንሪፍለክስ ሰዓል ንምዕጋት ይሕግዝ፣ ጎረሮና'ውን የህድእ'ዩ። ብዙሓት ተሓከምተይ ሰዓሎም ንምቍጽጻር ዝሕግዝ መዓልታዊ ዝጥቀሙሉ ኣገባብ እዚ'ዩ።"

ስለዚ መብዛሕትኦም ኣብ ዕዳጋ ዝቐርቡ መድሓኒታት ካብ ምፍዋስ ብዝዘለለ ምቾት ክህልዎም ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ቃንዛ ዘህድእ ኰይኑ እንተተሰሚዑኩም ግን እኹል ረብሓ ክህልዎ ይኽእል እዩ።