ጅንጅብል፡ ዝያዳ እንተበላዕና እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?

ጅንጅብል ምስ ለሚን

ምስ ሻሂ ተሓዊሱ ይስተ። ብፍላይ ምስ ለሚን ሓዊሶም ዝሰትይዎ ሰባት ሒደት ኣይኰኑን። ኣብ ንሽኮቲ ካልኦት ልስሉስ መስተታትን እውን ይውሰኽ።

ብሓጺሩ ጅንጅብል ኣብ ብዙሕ መግብታትና እናኣተወ ጣዕሚ ዝፈጥር ቀመም እዩ።

ንብዙሓት ሕማማት፡ እንተላይ ንረስኒ ንምምካት ከምዝውዕል እውን ይንገር።

ንምዃኑ እዚ ቀመም'ዚ፡ ብሓቂ ንጥዕናና ከመሓይሽ ይኽእል ድዩ?

ክኢላታት ምላሽ ኣለዎም።

ጅንጅብል ፈውሲ ዕግርግር ይኸውን ድዩ?

ነዚ ሕቶ እዚ ምላሽ ዝህቡ መጽናዕትታት ሒደት ኣይኰኑን።

መብዛሕትኦም ድማ ጅንጅብል ብሓቂ ኣብ ብዙሓት ሰባት ምልክታት ስግድግድ ከም ዘጉድል የጉልሑ።

ብፍላይ ሻሂ ጅንጅብል ምስታይ ስምዒት ስግድግድ ኣዝዩ ክጎድል ከምዝገብር ክኢላታት ይገልጹ። ግን ስለምንታይ?

"ጅንጅብል ኣብ ትቦ ከስዐ ንዝፍጠር ነድሪ ንምንካይ ዝሕግዝ ሓያል ጸረ-ነድሪ ባህርያት ኣለዎ፤ ስለዚ ድማ ዘይምቹኡነት የቃልልን ንዝተረበሸ ከስዐ የረጋግእን" ትብል ክኢላ ኣመጋግባ ኣና ዳኒኤልስ።

ብጅንጅብል ዝተሰርሐ ብሽኮቲ፡ ሽሮፕ ጅንጅብል፡ ሻሂ ጅንጅብል ዝኣመሰሉ ውጽኢታት ዝምርምሩ መጽናዕትታትን እውን ተኻይዶም እዮም። ኵሎም ድማ ጅንጅብል ምልክታት ስግድግድ ከም ዘጉድል ይሕብሩ።

ጅንጅብል ቃንዛን ከጉድል ይኽእል ድዩ?

"ጅንጅብል ቃንዛ ዘጉድል ባህርያት እውን ኣለዎ፡ ብፍላይ ቃንዛ ጭዋዳታት ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ" ትብል እታ ክኢላ።

እዚ ድማ ኣብ ቃንዛ ጭዋዳታት ብዘተኮሩ መጽናዕትታት ዝድገፍ'ዩ።

ጅንጅብል ድሕሪ ጽዑቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘጋጥም ቃንዛ ጭዋዳታት ከጉድል ከም ዝኽእል፡ ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር።

ካልእ መጽናዕቲ ድማ፡ ሓያል ኣካላዊ ምንቅስቐስ ዝገበሩ ተሳተፍቲ፡ ጥረ ጅንጅብል ብምብላዕ ቃንዛ ጭዋዳታት ከጉድሉ ከምዝኸኣሉ የመልክት።

ቀሊል ናይ ጅንጅብል ብሽኩቲ
መግለጺ ስእሊ, ብዝንጅብል ዝተሰርሐ ብሽኩቲ ስግድግድ ዝብል ስምዒት ክንክይ ይገብር

ካልኦት ረብሓታት ጅንጅብል

ክኢላ ኣመጋግባ ኣና ዳኒኤልስ፡ ጅንጅብል "ደረጃ ኮሌስትሮልን ጸቕጢ ደምን ኣብ ምንካይ ከም ዝሕግዝ'ውን ይፍለጥ'ዩ" ትብል።

"ንልቢ ዝከላኸል ባህርያት ኣለዎ፤ ጥዕና ልቢ ኣብ ምድንፋዕን ሓደጋ ሕማም ልቢ ኣብ ምንካይን ክሕግዝ ይኽእል። ምትሕልላፍ መግቢ ብምውሳኽ ኣብ ምቁጽጻር ክብደት ሰብነት እውን ረብሓ ኣለዎ።"

ካብ ዩኒቨርሲቲ ካታንያ ኢጣልያ ፕሮፌሰር ቢያጅዮ ፋሊኮ እውን ነዚ ኣበሃህላታት ፈቲሹዎ'ዩ።

"ጅንጅብል ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ መዓልታዊ ኣመጋግባ ደቡብ ኤስያን ባህላዊ ሕክምና ቻይናን ኣገዳሲ ቀመም ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ርእሲ'ቲ ኣብ መግቢ ጣዕሚን ጨናን ዝውስኽ ባህርያቱ፡ ብታሪኽ ወትሩ ንኣዝማ፡ ሰዓል፡ ጸገም ምሕቃቕ መግቢን ዘይምቾት ከስዐን ንዝርከብዎም ብዙሓት ሕማማት ንምሕጋዝ ይውሃብ ነይሩ" ይብል።

እንተዀነ ዝያዳ ብፍላይ ኣብ ደቂ ሰባት ዝግበር መጽናዕቲ ከምዘድሊ ይዛረብ።

ጅንጅብል ንኹሉ ሕክምናዊ ጸገማትና ክፈትሖ እዩ ኢልና ቅድሚ ምሕሳብና ግን ጥንቃቐ ክንወስድ ይግባእ።

"ምስ ጅንጅብል ክልተ ርግጸኛ ነገራት ኣለዉ። ቀዳማይ፡ ኣብ ምልክት ፍርያት መግቢ ስእሊ ጅንጅብል እንተሃልዩ፡ እቲ ፍርያት ዝዀነ ረብሓ ጅንጅብል ዝሓዘ እዩ ማለት ኣይኰነን። ካልኣይ ድማ፡ ኣብ መግቢ ይኹን መመላእታ ብዘየገድስ፡ ጥዕና ዘይብሉ ኣነባብራ ሒዝና፡ ብጅንጅብል ክንክሕሶ ኣይንኽእልን" ይብል ፕሮፌሰር ቢያጅዮ ፋሊኮ።

ንጅንጅብል ብኸመይ ኢና ክንጥቐመሉ ዘለና?

ጅንጅብል ኣብ ዝተፈላለዩ መግብታት ክሕወስ ይኽእል
መግለጺ ስእሊ, ጅንጅብል ኣብ ዝተፈላለዩ መግብታት ክሕወስ ይኽእል

"ምቕራፍ ኣየድልን እዩ" ትብል 'ዘ ጉድነስ ኦፍ ጂንጀር ኤንድ ተርመሪክ' ዘርእስታ መጽሓፍ ዝደረሰት ኤሚሊ ጆንሰን።

"ነቲ ቈርበት ፍሕፍሕ ኣቢልና ቆራሪጽና ወይ ጥሒንና ምጥቃም'ዩ" ክትብል ትውስኽ።

እዚ ድማ ኣብ መግብታትናን ሓዊስና ክነብስሎ ንኽእል ኢና። መጀመርታ ብማንካ በብቁሩብ እናገበርና ኣብ ሻሂ ይኹን ኣብ መግብታትና ንፍትኖ። ደሓር በብቑሩብ ከም ድሌትና እናወሰኽና ክንቅጽል ንኽእል።

ነቲ ጥዕናዊ ረብሓታት ክብ ክነብሎ እንተደሊና፡ ንእሽቶ ንእሽቶ ገይርና እንተቖረጽናዮ ዝሓሸ ከምዝዀነ ዳኒኤልስ ትመክር።

እዚ ድማ ብቐሊሉ ብኣካላትና ንኽምጠጥ ዝሕግዝ እዩ።

"ከም ኣማራጺ ድማ፡ ዝተጠሓነ ጅንጠብል፡ ዘይቲ ኣውሊዕ፡ ቪነጋር፡ መዓርን ንእሽቶ ሶያ ሶስን ብሓባር ብምሕዋስ ናይ ሰላጣ መባልዒ (ድሬስንግ) ክነዳሉ ንኽእል።"

"ኣብ ጸሊም በርበረን ተርሚክን ዝርከብ ውህደት ፓይፐሪንን ቁርኩሚንን ነቲ መስርሕ ምምጣጥ ጅንጅብል ክብ ከምዘብሎ ተረጋጊጹ'ሎ፤ ስለዚ ጅንጅብል ምስዞም ቀመማት ኣብ ውዑይ መስተ ከነወሃህዶም ንኽእል ኢና" ትብል።

ብሓፈሻ ጅንጅብል ብዘይካ ጥዕናዊ ረብሓኡ፡ ኣብ መግብታትና ምቹእ ዝዀነ ጣዕሚ ዝፈጥር ቀመም እዩ።

ወርቃዊ ተርመሪክ ላቴ
መግለጺ ስእሊ, ወርቃዊ ተርመሪክ ላቴ ምስ ዝተጠሓነ ጅንጅብል ይቐርብ