ኣብ ማርስ ንፈለማ እዋን ዝተራእየ በርቂ እንታይ'ዩ?

ፕላኔት ማርስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተመራመርቲ፡ ኣብ ማርስ ንፈለማ እዋን ምንቅስቓስ ኤሌክትሪክ ከም ዝተዓዘቡን እዚ ድማ ኣብታ ፕላኔት በርቂ ከጋጥም ከም ዝኽእል ከም ዘመላኽት ወግዓዊ ገይሮም።

ኣብ 2021 ናብ ማርስ ዝተሰደደት ተንቀሳቓሲት ሮቦት ፕሪሰርቪረንስ ሮቨር፡ ተኸታታሊ መጽናዕትታት ተካይድ ኣላ።

እታ ሮበት፡ ኣብዛ ፕላኔት ህይወት እንተሃልዩ ንምፍላጥ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንማርስ ክትድህስስ ዝጸንሐት ኰይና፡ ህላወ ኤሌክትሪካዊ ንጥፈታት እውን በዚ መሳርሒ ተረጋጊጹ።

እታ ሮቨር ኣብ ማርስ ዝርከብ 45 ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ጕድጓድ ኣጽኒዓ። እዚ ጃክሮ ክራተር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕድጓድ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ማርስ ሩባ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ተመራመርቲ፡ ነቲ ኤሌክትሪካዊ ንጥፈታት "ማይክሮ-በርቂ" ኢሎምዎ። እቲ ንጥፈት ብማዕበል ድምጺ እዩ ተረኺቡ።

እቲ ፕሪሰርቪረንስ ሮቨር መቕድሒ ድምጺ ኣለዋ። ብዘይካ ድምጺ ማዕበል፡ ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል እውን ሰኒዱ።

ነቲ ካብ ከባቢ ኣየር ማርስ ዝምንጪ ኤሌክትሪካዊ ንጥፈታት (atmospheric discharge) ንምዕቃብ፡ ብዓሚቕ ምስሊ ዘልዕሉ ካሜራታት ናብ ማርስ ይልኣኹ።

ፈረንሳውያን ተመራመርቲ ህዋ፡ ኣብቲ 28 ሰዓታት ዝተቐድሐ ድምጺ ተመራሚሮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ብናይ ናሳ ፕሪዘርቫቲቭስ ሮቨር ዝተቐድሐ ድምጺ፡ ብኣቈጻጽራ ዘመን ማርስ ኣስታት 2 ዓመት ወይ 1374 መዓልታት ወይ ድማ ብኣቈጻጽራ መሬት ኣስታት ሰለስተ ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን እዩ።

ተመራመርቲ ነቲ ቅዳሕ ምስ ሰምዑ፡ እቲ ኤለክትሪካዊ ንጥፈታት ምስ ሓመድን ሓመድ ህቦብላ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ደምዲሞም።

እቲ ብርቱዕ ሓመድ ህቦብላ (dust devils) ብውዑይ ኵነታት ኣየር ይፍጠር። ምንቅስቓስ እቶም ህቦብላታት ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ይኽእል እዩ።

መሪሕ ተመራማሪ ናይቲ መጽናዕቲ ዶክተር ባፕቲስት ቻይደ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ርኽበት "ኣዝዩ ዓብዪ፡" ምዃኑ ገሊጹ።

"እቲ ልቀት ኤሌክትሪክ ዓቢ ርኽበት እዩ። ኬሚካላዊ ውህደት ከባቢ ኣየር ማርስ፡ከባቢ ኣየሩ ንኽትነብረሉ ዘኽእል ድዩ ኣይኮነን ንምርዳእ ክሕግዘና እዩ። ኣብ መጻኢ ሮቦታትን ደቂ ሰባትን ንማርስ ብዝያዳ ከጽንዑ እዮም፡" ኢሉ።

ብመሰረት ክኢላታት ኢንስቲትዩት ምርምር ኣስትሮፊዚክስን ፕላኔቶሎጂን፡ መሬት፣ ሳተርንን ጁፒተርን ኩለን ኣብ ከባቢ ኣየረን ኤሌክትሪካዊ ንጥፈታት ዘለወን ፕላኔታት እየን። ሕጂ ማርስ እውን ኣብቲ ዝርዝር ኣትያ ኣላ።

ተመራማሪ ፊዚክስ ፓርቲክል ዶክተር ዳኒኤል ፕሪቸርስ ፡ ኣብ መጽሔት ኔቸር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ቅዳሕ ድምጺ "ምስ ከባቢ ኣየር ዝተሓዋወሰ ልቀት ኤሌክትሪክ ምህላዉ ዘርኢ'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ቅዳሓት ብድምጺ ጥራይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ስእሊ ዘይምህላዉ ብርግጽ ሕቶታት ዘልዕል እዩ። ብሓቂ ኣብ ማርስ በርቂ ተራእዩ ድዩ? ኢሎም ዝጠራጠሩ ክህልው እዮም፡" ይብል።

ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ማርስ ዝተረኽበ ርኽበታት ንዓመታት ኣካታዒ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ርኽበት'ውን ኣካታዒ ኮይኑ ክቕጽል'ዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ መስከረም 2025 ተመራመርቲ ኣብ ማርስ ዘይተለምደ ኣኻውሕ ከም ዝተረኽበ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እዞም ኣኻውሕ እዚኣቶም ምስ ጥንታውያን ማይክሮብስ ብዝተኣሳሰሩ ማዕድናት ዝተፈጥሩ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ። እቶም ኣኻውሕ 'leopard spots' ከምኡ'ዉን 'poppy seeds' ይበሃሉ።

እቶም ማዕድናት ዋላ እኳ ብንጥፈታት ማርስ ዝተፈጠሩ እንተኾኑ፡ ኣብዛ ፕላኔት ህይወት ምህላው ዘርእዩ ምዃኖም ይንገር።

ማርስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁሪን ባዶን እያ። ቅድሚ ቢልዮናት ዓመታት ጽኑዕ ከባቢ ኣየርን ማይን ከም ዝነበራ ይእመን።

እዚ ማርስ ህወይት ክቕጽለላ እትኽእል ፕላኔት ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ግምታት ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ናሳ ዝሰርሖ፡ ተንቀሳቓሲ ሮቦት ፕሪዘርቬሽን ሮቨር፡ ኣብ ማርስ ዝርከብ ጀክሮ ክራተር (Jezero Crater) ኣብ ዝተባህለ ክፍተት መጽናዕቱ ይቕጽል።