ኤኣይ2027፡ ኪነታዊ ብልሒ ንወዲሰብ ብኸምዚ ድዩ ከጥፍኦ?

እቲ AI2027 ዝብል ናይ ሳይ-ፋይ ጽሑፍ፡ ሰብኣውነት ኣብ 2035 ክድምሰስ ምዃኑ ዝግምት ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ ቴክኖሎጂ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ AI2027 ዝብል ናይ ሳይ-ፋይ ጽሑፍ፡ ሰብኣውነት ኣብ 2035 ክድምሰስ ምዃኑ ዝግምት ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ ቴክኖሎጂ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ

ኪነታዊ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ንዓለም መሪሑ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ድማ ንወዲ ሰብ ናብ ምጥፋእ ከም ዘምርሕ ዝግምት ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብ ክሊ ዓለም ቴክኖሎጂ ክትዓት ኣልዒሉ ኣሎ።

እዚ፡ 'AI2027' ዝበሃል ዝርዝር ተኽእሎታት ኪነታዊ ብልሒ ዝሓዘ ጽሑፍ፡ ብጕጅለ ጸለውቲ ክኢላታት ኤኣይ ዝተሓትመ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ብዛዕባ ተኽእሎኡ ሓያሎ ክትዓት ይቐርቡ ኣለው። ንመጻኢ ሕማማት ምፍዋስ፡ ድኽነት ምጥፋእን ካልኦት ዓበይቲ ኣበርክቶታትን ክህልዎም'ዩ ዝተባህሉ ኪነታዊ ብልሒታት፡ ሰብ ምቕታል ሓዊሱ ጥፍኣት ክፍጽሙ'ዮም ይብል።

እቲ 'AI2027' ዝብል ናይ ሳይ-ፋይ ጽሑፍ፡ ወዲ ሰብ ኣብ 2035 ክጠፍእ ምዃኑ ዝግምት እዩ።

ቢቢሲ ኤኣይ2027 ኣብ መጻኢ ክፍጠሩ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ ዘቐመጦም ግምታት፡ እቲ ኣብ ቅድመና ክህሉ ዝኽእል ትንበያ ጥፍኣት እንታይ ክመስል ይኽእል ዝብል ምስሊ ንምሃብ፡ ኤኣይ ተጠቒሙ ከምኡ'ውን እቲ መጽናዕቲ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ድማ ንክኢላታት ኣዘራሪቡ።

እቲ ተርእዮ እንታይ የመልክት?

እቲ ጽሑፍ፡ ኣብ 2027 ሓደ 'ኦፕንብረይን' ዝተባህለ ፈጠራዊ [ልበወለዳዊ] ትካል ቴክኖሎጂ ኣመሪካ፡ ናብ ኤጂኣይ (Artificial General Intelligence) ዝበጽሕ ኤኣይ ከም ዝሃንጽ ይግምት።

እዚ ድማ ሓደ ኪነታዊ ብልሒ ንዅሉ ኣእምሮኣዊ ዕማማት ካብ ደቂ ሰባት ዝሓሸ፡ ወይ ብዝሓሸ መልክዑ ክሰርሕ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ምብጻሕ እዩ።

እቲ ኩባንያ ነዚ ጋዜጣዊ መግለጺታት ብምሃብ ይጽምብሎ ኣሎ፤ ሰባት ነቲ መሳርሒ ኤኣይ ኣብ ዝሓቝፉሉ እዋን ዝረኽቦ መኽሰብ ክዓቢ'ውን የርኢ።

እቲ መጽናዕቲ ግን፡ ጕጅለ ውሽጣዊ ድሕነት እቲ ኩባንያ፡ ኤኣይ ነቲ ክቕበሎ ዝግባእ ዝነበረ ሞራላትን ስነ-ምግባርን ናይ ምቕባል ድልየቱ እናጐደለ ከም ዝመጽአ የመልክት።

እንተዀነ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ዝወሃብ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ከም ዝብሎ እቲ ተርእዮታት ይግምት።

ኣብቲ ልብወለዳዊ ግዜ፡ 'ዲፕሰንት' [DeepCent] ዝበሃል መሪሕ እኵብ ኤኣይ ቻይና፡ ካብ ኦፕንብረይን ብሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ድሒሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ዝያዳ በሊሕ ኪነታዊ ብልሒ ንምምዕባል ኣብ ዝግበር ውድድር ዝስዕር ኣይመስልን።

ግን ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ምዕባለን ወፍርን ይቕጽልን እቲ ውድድር ይሕይልን እዩ ዘሎ።

እቲ ተርእዮ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መወዳእታ 2027 ኤኣይ ኣዝዩ በሊሕ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

እዚ ድማ፡ ካብ ፍልጠትን ፍጥነትን ፈጠርቱ ኣዝዩ ዝዛይድ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኤኣይ፡ ምምሃር ኣየቋረጸን፤ እቶም ዝሓለፉ ዓይነታት ክስዕብዎ ዘይክእሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅልጡፍ ቋንቋ ኮምፒተር እውን ይፈጥር ኣሎ።

ምስ ቻይና ንልዕልና ኤኣይ ዝግበር ንሕንሕ፡ ነቲ ኩባንያን መንግስቲ ኣመሪካን ብዛዕባ እቲ 'ግጕይ ኣሰላልፋ' ዝበሃል ተወሳኺ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ክብሉ ይድርዀ- እዚ ቃል'ዚ ቀዳምነታት ሓንቲ ማሽን ምስ ቀዳምነታት ሰብኣውነት ኣብ ዘይሰማምዑሉ እዋን ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ቃል'ዩ።

እቲ ተርእዮ ኣብ 2029 ኣብ መንጐ ቻይናን ኣመሪካን ዝፍጠር ወጥሪ ክሳብ ኲናት ዝበጽሕ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

እዚ ድማ ክልቲአን ተቐናቐንቲ ሃገራት ነፍሲ ወከፍ ኤኣይ ንምህናጽ ዝገብርኦ ንሕንሕ ዘስግኡ ሓደሽቲ ኣጽዋራት ከምጽኣ ዝገብር ከም ዝዀነ ይጠቅስ።

እቶም ተመራመርቲ ግን እተን ሃገራት ሰላም ንኸውርዳ ብዝሰርሑ ደላሎ ኤኣይ፡ ንዝሓሸ ሰብኣውነት ክወሃሃዳ ክሰማምዓ ስለ ዝገብሩ፡ ስምምዕ ሰላም ከም ዝገብራ ይግምቱ።

ዓለም፡ ዓበይቲ ሰራሕተኛታት ሮቦት ንምንቅስቓስ፡ ኣዝዮም በላሕቲ ኪነታዊ ብልሒታት ምህላዎም፡ ሓቀኛ ረብሓታት ትርኢ እያ ዘላ።

ከምቲ ግምታት ዘመልክቶ፡ ንመብዛሕትኦም ሕማማት ዝኸውን መድሃኒት ይርከብ፡ ለውጢ ክሊማ ክቕየርን ድኽነት ክጠፍእን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መፋርቕ 2030ታት፡ ሰብኣውነት ነቲ ኤኣይ ንኽዓቢ ዘለዎ ህርፋን ዕንቅፋት ክኸውን እዩ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኪነታዊ ብልሒ ብዘይርኣዩ ስነሂወታዊ [ባዮ] ኣጽዋራት ንደቂ ሰባት ክቐትል እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ሰባት ብዛዕባ AI2027 እንታይ ይብሉ ኣለዉ?

ገሊኦም ንኤኣይ2027 ከም ስራሕ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ብምርኣይ ይነጽግዎ።

ጸሓፍቲ ኤኣይ2027 ግን ጽቡቕ ቦታ ዘለዎምን ነቲ ጽልዋ ኪነታዊ ብልሒ ንምግማት ዝተመስረተ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ፕሮጀክት 'AI Futures' ዘቚሙን እዮም።

ዳኒኤል ኮኮታጅሎ ዝተባህለ መሪሕ ጸሓፊ ኤኣይ2027፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ምዕባለ ኤኣይ ዝነበረ ህሞታት ብልክዕ ብምግማት ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ነቐፍቲ ኤኣይ2027፡ ኣመሪካዊ ተመራማርን ደራስን ጋሪ ማርከስ ኰይኑ፡ እቲ ተርእዮ ዘይከኣል ኣይኰነን፤ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ ይብል።

"ጽባቐ ናይቲ ሰነድ ንኣተሓሳስባ ሰባት ዝተዃቱኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ህያው ይገብሮ። እዚ ድማ ጽቡቕ ነገር'ዩ፤ ግን እዚ ክኸውን ዝኽእል ነገር'ዩ ኢለ ብዕቱብ ኣይወስዶን።"

ማርከስ፡ ካብቲ ኣብ ስራሕ ዘስዕቦ ጽልዋ ዝኣመሰለ ግሁድ ስግኣት ንላዕሊ፡ ምስ ኤኣይ ዝመጽኡ ዝያዳ ተኣፈፍቲ ጕዳያት ከም ዘለዉ ይዛረብ።

"እቲ ክንወስዶ ዝግብኣና ነገር፡ ምስ ምምጻእ ኪነታዊ ብልሒ ብዙሕ ክበላሾ ዝኽእል ዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን ዘለዎ እመስለኒ። ኣብ ዙርያ ምቍጽጻርን ዓለምለኻዊ ውዕላትን ቅኑዕ ነገራት ንገብር ኣለና ዶ?"

ንሱን ካልኦት ነቐፍትን እቲ ግምታት መጻኢ ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ኤኤኣይ ከመይ ኢሉ ኣብ ብልሕን ዓቕምን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ዝላታት ከም ዘምጽአ ክገልጽ ኣይከኣለን ይብሉ።

ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጂ ከም መራሒ ዘይብለን መካይን ዝዝረብ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ምውዕዋዓት ድማ ከም ኣብነት የልዕሉ።

ኤኣይ2027 ኣብ ቻይና የካትዕ ዶ?

ኣብ ቻይናዊ ቴክኖሎጂ ዝነጥፍ ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ቍጠባን ምህዞን ዶክተር ዩንዳን ጎንግ ከም ዝብሎ፡ እቲ ጽሑፍ ኣብ ቻይና ብዙሕ ጽልዋ ዝነበሮ ይመስል።

"መብዛሕትኡ እቲ ብዛዕባ ኤኣይ2027 ዝግበር ዘተ ኣብ ዘይወግዓዊ መድረኻት ወይ ኣብ ውልቃዊ መርበባት ሓበሬታ ዝረአ ይመስል። ነዚ ድማ'ዩ ከም ከፊል ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ዝረኣይዎ ዝመስሉ። ብሓቂ ከምቲ ኣብ ኣመሪካ እንርእዮ ሰፊሕ ክትዕ ወይ ፖሊሲ ኣቓልቦ ዘበገሰ ኣይኰነን፡" ኢላ።

ዶክተር ጎንግ ኣብ መንጐ ቻይናን ኣመሪካን ንልዕልና ኤኣይ ዝግበር ንሕንሕ፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ተልዕል።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ዋዕላ ኤኣይ ቀዳማይ ምኒስተር ቻይና ሊ ኲዋንግ፡ ሃገራት ኣብ ዙርያ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ከማዕብላ ከም ዝድለ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ቻይና ነዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ምውህሃድን ምቍጽጻርን ክትሕግዝ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

እዚ፡ ድሕሪ'ቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ንኤኣይ "ክትዕብለል" ዝዓለመ ትልሚ ስራሕ ኤኣይ፡ ድሕሪ ምሕታሙ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝመጽአ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ሰነድ "ኣመሪካ ኣብ ሕቶ ዘየእቱን ብድሆ ዘይብሉን ዓለማዊ ዓብላልነት ቴክኖሎጂ ክትበጽሕን ክትዕቅብን ንሃገራዊ ድሕነት ግድን'ዩ፡" ኢሉ።

እቶም ቃላት ብዘገርም መገዲ ንውዲት ኤኣይ 2027 ዝኽተሉ ኰይኖም፡ ኣብቲ ተርእዮ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ፡ ኣብ ውድድር ኪነታዊ ብልሒ ብምዕዋት ካብ ዝዀነ ሓደጋታት ምቍጽጻር ናይተን ማሽናት ዘሎ ስክፍታታት ይመልክቱ።

ኢንዱስትሪ ኪነታዊ ብልሒ ብዛዕባ ኤኣይ2027 እንታይ ይብል?

ፈጸምቲ ስራሕ እቶም ንሓድሕዶም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ በላሕቲ ሞዴላት ክፍንው ዝነሓንሑ ዘለው ገዘፍቲ ኩባንያታት ኤኣይ፡ ነቲ ጸብጻብ ኣይተቐበሉዎን።

እዞም ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ዘቕርብዎ ስርሓት ኤኣይ ካብቲ ኤኣይ2027 ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ኦፕን ኤኣይ ሳም ኣልትማን፡ ንቻትጂፒቲ ዝሰርሐ እዩ።

"ወዲሰብ ዲጂታላዊ 'ሱፐርኢንተለጀንስ' ንምህናጽ ቀሪቡ ኣሎ፡" ኢሉ።

እዚ ድማ "ልኡም" ሰውራ ዘእቱን ንደቂ ሰባት ሓደጋ ዘይብሉ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለ ከምጽእን እዩ።

እቲ ዝገርም ግን፡ ንሱ ከይተረፈ፡ እዘን ልዕሊ ዓቐን በላሕቲ ማሽናት ምስ ድሌት ወዲ ሰብ ተሰሊፈን ክሰርሓ ንምርግጋጽ ክስገር ዘለዎ 'ናይ ኣሰላልፋ ጸገም' ከም ዘሎ ይኣምን።

ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ነገራት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ካባና ዝበላሓ ማሽናት ናይ ምስራሕ ውድድር ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኰነን።