ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ክጾሙ ይምከር'ዶ?

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ኣብ ዓበይቲ እዋናት ጾም እዮም ዝርከቡ - ጾመ ኣርብዓን ጾመ ሮሞዳንን።
ኣብዞም ክልተ ዓበይቲ እዋናት ጾም ድማ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባት ከይተረፉ ክጸምዎ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ሰባት፡ "ጾም ሕማም ሽኮርያ ንምንካይ ይሕግዝ'ዩ፡" ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ።
ንምዃኑ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ክጸሙ ይምከር'ዶ? ሕማም ሽኮር'ከ ምስ ጾም እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ?
"ክንጸውም እንከለና ቀንዲ ረብሓኡ ናይ ኢንሱሊን መጠንና ትሑት እዩ ዝኸውን፡" ትብል ዶክተር ሄለን ይፍጠር።
ዶክተር ሄለን ይፍጠር ኣብ ርዋንዳ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሰል ከም ሕማም ሽኮር፡ ሕማማት ታይሮይድ፡ መኻንነት፡ ጉዳያት ዕብየት፡ ጸገማት ምምሕያሽ መግቢ ዝኣመሰሉ ሕማምት እትሕክም ክኢላ ወይ ኢንዶክሪኖሎጂስት እያ።
ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎም መግብታት ምብላዕ፡ መጠን ሽኮር ኣብ ደምና ክውስኽን ክወርድን ክገብር ከም ዝኽእል ክኢላታት ስነኣመጋግባ ይገልጹ።
ኣካላትና ድማ ካርቦሃይድሬት ትሕዝቶ ዘለዎም መግብታት ንምልዋጥ ኢንሱሊን ዝተበሃለ ፕሮቲናዊ ሆርሞን እዩ ዝጥቀም። እዚ ሆርሞን ኣብ ሰብነትና ዝርከብ መጠን ሽኮር ንኽወርድ ዝሕግዘና እዩ።
ብኣንጻሩ እታ ኢንሱሊን እትጭንጕዕ ክፍሊ ኣካላትና (ጣፍያ) ሽግር ምስ ኣማዕበለት፡ ኣካላትና ንኢንሱሊን ዘይምእዛዝ ይጅምር።
ኢንሱሊን ብዝድለ መጠን ኣብ ዘይህልወሉ ኵነታት ድማ ብፍላይ ዓይነት-2 ሕማም ሽኮርያ ይገሃድ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ሰብነትና ኣብ ዝውውር ደም ዘሎ መጠን ሽኮር (ግሉኮስ) ኣብ ረብሓ ከውዕሎ ኣይከኣለን ማለት እዩ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ጸገማት ሕማም ልቢ፡ ወቕዒ፡ ጸገም ኵላሊትን ምቍራጽ እግርን ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ።
ሕማም ሽኮር ዕድመ ልክዕ ዝጸንሕን በብዓመቱ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ዝቐትልን ከቢድ ሕማም እዩ።
ብዘይ ኣፈላላይ ድማ ዝዀነ ሰብ በዚ ሕማም ክትሓዝ ይኽእል'ዩ።
እንተዀነ፡ ለውጢ ኣገባብ መነባብሮ ብምግባር መብዛሕትኡ እዋን ነዚ ሕማም ምክልኻል ከም ዝከኣል መጽናዕትታት የመልክቱ።
ሓደ ካብዚኦም ድማ እናዕረፍካ ጾም ወይ 'ኢንተርሚተንት ፋስቲን' ብምግባር ከም ዝዀነ እዮም ክኢላታት ዝገልጹ።
ዶክተር ሄለን'ውን "ንነዊሕ ሰዓት ክንጸውም እንከለና ናይ ሽኮር መጠንና ትሑት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፡" ብምባል ጾም ምስ ትሑት ሽኮር ምትእስሳር ከም ዘለዎ ተስምር።
ኣብ ቀረባ ግዜ በብእዋኑ ወይ እናኣረሓሓቕና እንገብሮ ጾም ዝህቦ ረብሓ ኣዝዩ እናገነነ ይመጸእ ኣሎ። ክብደት ሰብነት ንምጕዳል ስለ ዝሕግዝን ጥዕናዊ ረብሓታት ስለ ዝህብን ድማ ብዙሓት ሰባት ከዘውትሩዎ ይረኣዩ ኣለዉ።
"ብዙሕ መግቢ ክንምገብ እንከለና ንሰውነትና ብዙሕ ናይ ካሎሪ ጸቕጢ ኢና ንፈጥረሉ። ስለዚ፡ እዚ ጸቕጢ ክንቅንሰሉ እንከለና መጠን ኢንሱሊን ይወርድ ኣሎ፣ መጠን ሽኮር'ውን ይወርድ ማለት'ዩ። ክብደትና ይቕንስ ኣሎ።"
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ሰውነትና ንነዊሕ ግዜ መግቢ እንተ ዘይረኺቡ፡ ነቲ ዝተኸዘነ ሓይሊ ክጥቀም ስለ ዝግደድ ከም ዝዀነ ዶክተር ሄለን ትዛረብ።
"ሰውነትና ብመልክዕ ስብሒ እዩ ሓይሊ ዘዋህል፣ ስለዚ፡ ነዚ ዝተኸዘነ ስብሒ ይጥቀም ኣሎ ማለት እዩ።"
ስብሒ ምስ ዝቃጸል ድማ ዘየድሊ ክብደት ሰብነት ንምንካይን ይሕግዝ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ዝኣመሰሉ ሕማማት ንምክልኻልን የኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ብተወሳኺ ንነዊሕ ግዜ ምጻም ኣብ ኣካላትና ዝፈጥሮ እወታዊ ጽልዋ እውን ኣሎ።
"ንሰውነትና ኣድላይቲ ዘይኰኑ ንብሎም ነገራት ኣለዉ። ስለዚ፡ ሰውነትና ነዞም ኣድላይቲ ዘይኰኑ ነገራት ዘወግደሉ ግዜ ይረክብ፡" ትብል እታ ዶክተር።
ብሓፈሻ ንሰውነትናን ንጥዕናናን "ጾም ጽቡቕ" ከም ዝዀነ መርትዖታት ከም ዘረጋግጹ ድማ ወሲኻ ትሕብር።
ዶክተር ሄለን፡ ጾም ኣብ ማሕበራዊ ህይወትናን ጥዕናናን እወታዊ ጽልዋ'ኳ እንተ'ለዎ፡ ብፍላይ ከቢድ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ክወስድዎ ዝግብኦም ጥንቃቐ ከም ዘሎ ግን ተተሓሳስብ።
"ሓደ ሰብ ሕማም ሽኮርያ እንተ'ልይዎ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ከባቢ እቲ ሽኮር ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ዝወስዶ መድሓኒት እንተ ዘይኣልዩ፡ ጾም ጽቡቕ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ትብል።
ዶክተር ሄለን ከም እትብሎ፡ ኢንሱሊን ንዝወስድ ሰብ፡ ጾም ከቢድ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
"ስለዚ እቲ ሰብ እንታይ ዓይነት ሽኮር እዩ ዘለዎ፡ መጠኑ ክንደይ እዩ፡ እንታይ ዓይነት መድሓኒት እዩ ዝወስድ ዘሎ ኢልና ርኢና ኢና ክጸውም ይኽእል ድዩ ወይስ ናይ ግድን እቲ ዝበልዖ ነገር ኣመጣጢኑ መድሓኒት ዝወስድ እንተዀይኑ ኣብ ሰዓቱ ክበልዕ ኣለዎ ዝብል ምኽሪ ክንህብ እንኽእል፡" ብምባል ክውሰድ ዘለዎ ጥንቃቕ ትገልጽ።
ብዘይካ እዚ፡ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ክጾሙ ኣለዎም ዝብል ምኽሪ ምሃብ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ድማ ትጠቅስ።
ስለዚ፡ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት "ክጾሙ ይኽእሉ ድዮም፡ ካብ ክንደይ ሰዓት ክሳዕ ክንደይ ክጾሙ ይኽእሉ፡ ምስቲ ዝወስድዎ መድሓኒት ከመይ ገይሮም ከስማምዕዎ ይኽእሉ ዝብል መጀመርታ ምስ ሓኪሞም ክላዘቡ፡" ከም ዘለዎም ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







