ጠንቂ ምውሳኽ ሕማም ሽኮርያ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዝሒ ብዓይነት-1 ሕማም ሽኮር ዝተትሓዙ ህጻናትን መንእሰያትን፡ ካብ እዋን ኮቪድ ጀሚሩ ዘይተለምደ ወሰኽ ከምዘርኣየ ተመራመርቲ ገሊጾም።
ኣብ መጽሄት ጃማ ኔትወርክ ኦፐን ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኽፉ ልዕሊ 38 ሽሕ ቆልዑት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መረዳእታ ኣዋህሊሉ።
እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ምውሳኽ ብዝሒ ሕሙማት ሽኮርያ ‘ልዕል ዝበለ’ ከምዝዀነ ይገልጹ።
እዚ ንምንታይ ክኸውን ከምዝኸኣለ ንምርዳእ፡ ዝያዳ ስራሕ ከምዘድሊ'ውን ይዛረቡ።
ገለ እቲ ወሰኽ ብሰንኪ ኮቪድ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝዕጸወሉ እዋን ዝመጽአ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን እዚ ጠንቂ ንኹሎም ሓደስቲ ሕሙማት ከምዘይኮነ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።
ቅድሚ እቲ ለበዳ፡ መጠን ናይ ህጻናት ዓይነት-1 ሕማም ሽኮር፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 3 ሚኢታዊት ይውስኽ ምንባሩ መረዳእታት የመልክቱ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝስዕብ ውጽኢት ኣረጋጊጹ፤
- ኣብ ቀዳማይ ዓመት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ምስ ቅድሚ -ኮቪድ ምምጽኡ እንትነጻጸር፡ 14 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ
- ኣብ ካልኣይ ዓመት ኮቪድ፡ እቲ መጠን ቅድሚ ለበዳ ካብ ዝነበረ ደረጃ ኣስታት 27 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ጠንቂ ብዘየገድስ፡ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ብዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ዝተጠቕዑ ህጻናትን መንእሰያትን ዝያዳ ገንዘብን ደገፍን ከድሊ ከምዝኽእል ይዛረቡ።
ዓይነት-1 ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ?
- እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ደረጃ ሽኮር ደሞም ብቐረባ ክከታተሉን ንምቁጽጻሩ ኢንሱሊን ክወስዱን ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣካላቶም ነዚ ብቐጥታ ክገብሮ ስለዘይክእል።
- ነዚ ምኽንያቱ ኣብ ጣፍያ ዝርከቡ ኢንሱሊን ዘፍርዩ ዋህዮታት ብጌጋ ብናይ ኣካላቶም ስርዓተ ምክልኻል ስለ ዝጠፍኡ እዩ።
- እዚ ኣብ ህጻናትን ዓበይትን ዝኽሰት ኮይኑ፡ ጠንቁ ግን ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ስለዘይተፈልጠ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መድሃኒት የብሉን’።
ብድሕሪ እዚ ወሰኽ እንታይ እዩ ዘሎ?
ተመራመርቲ፡ ነቲ ምውሳኽ ቁጽሪ ሕሙማት እንታይ ከም ዘበገሶ ንጹር ኣይኮነን ይብሉ፡ ገለ ክልሰ-ሓሳባትን ግምታትን ግን ይጠቕሱ።
ሓደ ካብዚ ክልሰ ሓሳብ፡ ኮቪድ-19 ኣብ ገለ ህጻናት ግብረ መልሲ ከበግስ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ንምውሳኽ ሓደጋ ሕማም ሽኮር የቃልዕ ዝብል እዩ።
ካብቶም ነዚ ዓይነት ግምታት ዝድግፉ፡ ንገለ ካብቶም ናይ ገዛእ ርእሱ ጥዑያት ዋህዮታት ከጥቅዕ ዝጅምረሉ ኩነተታት ይጠቕሱ - እዚ ክልሰ-ሓሳብ ንኹሎም እቶም ተርእዮታት ዝድግፍ መርትዖ ግን ኣይረኸቡን።
ካልእ ግምታዊ ሞጉት ድማ፡ ኣብ ግዜ ንእስነት ንገለ ጀርምታት ምቅላዕ፡ ካብ ሕማም ሽኮር ሓዊሱ ካብ ሓያሎ ሕማማት ንምኽልኻል ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ግዜ ዕጽዋን ኣብ እዋን ኣካላዊ ምርሕሓቕን፡ ብዙሓት ህጻናት ንጀርምታት እኹል ምቅላዕ ከምዘይረኸቡን ነዚ ተወሳኺ መከላኸሊ ዝፈጥርሉ ኣጋጣሚ ኣምሊጡዎም ክኸውን ከምዝኽእልን ይኣምኑ።
ኣብ ትካል ግብረ ሰናይ [JDRFUK] ዳይረክተር ፖሊሲ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር፡ ሂላሪ ናታን፡ "እዚ መጽናዕቲ ኣብዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንህይወት ብዙሓት ስድራቤታት ዝቕይር፡ ሓጋዚ 'ዩ" ኢላ።
ሰባት ንምልክታት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ትኹረት ክህቡ ብምትሕስሳብ - ድኻም፣ ጽምኢ፣ ቀቀልጢፍካ ናብ ሽቓቕ ምኻድ፣ ከምኡ'ውን ክብደት ሰብነት ምጉዳል ወይ ድማ ክብደት ዘይምውሳኽ፤ ብሓባር ኣርባዕተ ‘ቲኤስ’ ተባሂሎም ንዝፍለጡ ምልክታት- ከስተውዕሉ ሓቢራ።

"ነዞም ምልክታት ምፍላጥን ብኣግኡ ምርመራን ቅልጡፍ ሕክምና ምግባርን ህይወት ዘድሕን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።
ሕጂ ወዲ 9 ዓመት ዝኾነ ቲዮ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ። ኮቪድ ምስ ተታሓዘ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ሓሚሙ። ኣዲኡ ጆ፡ እቲ ኩነታት ሃንደት ከምዝዀና ትዛረብ፡ "ብዛዕባ ሕማም ሽኮር ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን።"
"ናይ ምርመራ ጌጋ ድማ መሲሉኒ ነይሩ። ብኣግኡ ስለዝፈለጥናዮ ግን ኣዚና ዕድለኛታት ኢና።"
እቲ ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዝነብር ቲዮ፡ ሕጂ ኢንሱሊን ይወስድ ኣሎ።
ኣብ ሕማም ሽኮር ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰርሕ፡ ዶክተር ፋየ ራይሊ፡ "ብደረጃ ዓለም ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንላዕሊ ብዝሒ ሕማም ሽኮር ሓፍ ኢሉ ኣሎ። እዚ መጽናዕቲ ድማ ነቲ ሓቅታት ዘራጉድ እዩ።"
ንሱ፡ ንቕድሚት ዝካየዱ መጽናዕቲታት፡ ብፍላይ ዓይነት-1 ሕማም ሽኮር ክውስኽ ምኽንያት ዝኰኑ ነገራት ንምንጻር፤ ካልኦት ጠንቅታት’ውን እንተሃልዮም ንምፍላይ ኣዝዩ ኣገደሳሲ መበገሲ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







