ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ብሓቂ ጎዳኢ'ዶስ ጠቃሚ? ምስ መንሽሮ'ኸ እንታይ የራኽቦ?

ጻዕዳ ሽጉርቲ

ጻዕዳ ሽጉርቲ ሰዓል ከም ዝፍውስ፡ ልዑል ጸቕጢ ደምን ኮለስትሮልን ከም ዘጉድልን ካልኦት ጥዕናዊ ረብሓታት ከምዘለዎን ይንገር።

ነዞም ኣባሃህላታት ዝኣምኑ ሰባት፡ ዝኾነ ሰዓል ነገር ምስ ዝስምዖም፡ ናበ ሽጉርቲ ክጓየዩ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮንነን።

አረ ገሊኦምስ ብጥረኡ ኣብ ኣፍንጫኦም ክውትፍዎ ይረኣዩ እዮም!

እዞም ኣባሃህላታት ግን ኣብ ብሳይንስ ዝተመርኮሱ ድዮም?

ጻዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕና ረብሓ ኣለዎ'ዶ?

"ጻዕዳ ሽጉርቲ ልዑል መጠን ፖታስየም፡ ፎስፎረስ፡ ዚንጎ፡ ሳልፈርን ማእከላይ መጠን ማግነዝየም፡ ማንግኒዝን ሓጺንን ዝሓዘ እዩ። ቁሩብ መስተንክራዊ ተኽሊኣ'ዩ" ትብል ክኢላ ኣመጋግባ ህጻናትን ከምኡ'ውን ወሃቢት ቃል ማሕበር ክኢላታት ኣመጋግባ ብሪጣንያን ባሂ ቫን ደ ቦር።

"ጥረ ጻዕዳ ሽጉርቲ ልዑል ትሕዝቶ ኣሊሲን ኣለዎ። ኣሊሲን ምስ ዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ረብሓታት ዝተኣሳሰር ውህደት ሳልፈር ኮይኑ ንዓና ፍጹም ጽቡቕ ረብሓ ይህብ" ትብል።

ኣገደስቲ መኣዛታት ጥራይ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ብሉጽ ምንጪ ፕሪባዮቲክ ፋይበር ኮይኑ'ውን ከምዘገልግል ትገልጽ። ፕሪባዮቲክ ፋይበር (ጽሕጊ) እቶም ኣብ መዓንጣና ዝነብሩ ጠቐምቲ ባክተርያ መግቢ ንክረኽቡ ኣብ ምግባር ወሳኒ ኣበርከቶ ኣለዎ።

"እዞም ጠቐምቲ ማይክሮብስ ንኽዕምብቡን ሓፈሻዊ ጥዕና ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢና ንኽዕቅቡን ፕሪባዮቲክ ፋይበር (ጽሕጊ) የድልዮም እዩ።"

ጻዕዳ ሽጉርቲ ኮሌስትሮልን ጸቕጢ ደምን ከጉድል ይኽእል ድዩ?

ኣብ 2016 ኣብ ኢራን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተሳተፍቲ ንሸሞንተ ሰሙናት መዓልታዊ 20 ግራም ጻዕዳ ሽጉርትን ሓደ ማንካ ጽማቝ ለሚንን ሓዋዊሶም ክወስዱ ተገይሩ።

እቲ ውጽኢት እወታዊ ነይሩ፤ ክልቲኡ ደረጃ ኮሌስትሮልን ጸቕጢ ደምን ከምዝነከየ ኣመልኪቱ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ዝተሓትመ ካልእ መጽናዕቲ፡ መመላእታ ጻዕዳ ሽጉርቲ ጸቕጢ ደም ከጉድል ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ 2007፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ ንኮለስትሮል የጉድሎ ዝብል 'ጽውጽዋይ' ዘቃልል ጽሑፍ ኣሕቲሞም ነይሮም።

"ብመጠኑ ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ዘለዎም ብሓፈሻ ጥዑያት 200 ዓበይቲ ሰባት፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ ሓደ ክፋል ጻዕዳ ሽጉርቲ ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ ደሞም ዝነበረ ኮሌስትሮል (LDL-cholesterol) ኣይጎደለን" ይብል መራሒ ናይቲ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ጋርድነር።

ጻዕዳ ሽጉርቲ ንልብን ስርዓተ ደምን ረብሓታት ክህብ ይኽእል እዩ ዝብሉ መጽናዕትታት ብዝምልከት "ጻዕዳ ሽጉርቲ ብዙሕ ንጥዕና ረብሓታት ክህልዎ ከምዝኽእል ሓቂ ዝመስል ነገር እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ግን ብጽቡቕ ዝተነድፈ፡ ከምኡ'ውን ብጽቡቕ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ምርኣይ በዳሂ'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።

ጻዕዳ ሽጉርቲ ምስ ጠስሚ

ጻዕዳ ሽጉርቲ ጸረ መንሽሮ ትሕዝቶ ኣለዎ ድዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኖርወይ ቲኤንዩ ፕሮፌሰር ማሪት ኦተርለይን ጉጅለኣን፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንሽሮ ዝገበርዎ ምርምር ነዚ ሕቶ ዳህሲሶም።

"ሐዱሽ ቅብኣት ጥረ ሽጉርቲ ናብ ንጥፈት ዋህዮኣዊ ጸቕጢ መካኒዝም ከም ዝመርሕ ረኺብና፡ እዚ ድማ ኣብ ምፍራይ/ምሕዳስ ፕሮቲኖም ጸገም ዘለዎም ዋህዮታት ንምጽራይ/ምቕታል ኣገዳሲ እዩ። እዚ ጻዕዳ ሽጉርቲ [ኣብ መንሽሮ] ንዝህልዎ ንስነ ህይወታዊ ጽልዋታት ኣገዳሲ ይመስለና።"

እታ ጉጅለ ካብ ሐዱሽ ጥረ ሽጉርቲን ኤታኖልን እያ ቅብኣት ወይ ፈሳሲ ኣዳልያ።

እሞ እቲ ውጽኢቱ'ኸ?

"ኣብ ሓያሎ ዓይነታት መንሽሮ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓያሎ መጽናዕትታት ስነ-ሕማም ለበዳ፡ ኣብ ከም መዓንጣ፡ መሃንቱስ፡ ጡብን ፕሮስቴትን ዝኣመሰሉ መንሽሮታት ጠቓሚ ውጽኢት ከምዘለዎ ይሕብሩ ኣለዉ። ነቲ ቅብኣት ኣብ መንሽሮ ዘለዎ ጡብ ረብሓ ንምርኣይ፡ ሞዴል ኣንጭዋ ፈቲንናዮም፡ ጸረ-መንሽሮ ውጽኢት ከምዘለዎ ድማ ረኺብና" ትብል ፕሮፌሰር ማሪት ኦተርለይን።

እዚ ውጽኢታት እዚ ግን ሓላፍነት ዘድልዮ እዩ።

ንኣብነት እቲ ዉሕደት ጻዕዳ ሽጉርቲ 'ተለዋዋጢ' ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ኣብ በረድ ክነቅጽ ምስተገበረ እውን ውጽኢታዊ ኣይነበረን።

"ብዙሓት ፍርያት ጥዕና ኣብ በረድ ክነቕጹ ስለዝግበር ድማ፡ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል።

ካልኣይ ድማ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ሰብ ዘይኮነስ ኣብ እንስሳታት እዩ ተኻይዱ።

ይኹን እምበር፡ ኦተርለይ እዚ ኣብ ሰባት ክድገም ከም ዝኽእል ርእሰ ተኣማንነት ኣለዋ።

"ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ጥረ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ቅብኣት ጻዕዳ ሽጉርቲ ወይ ኣሊሲን ብምጥቃም ኣብ 83 ሰባት ዝተገብረ ፈተነታት ምትእትታው ገምጊሙ፤ መንሽሮ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ጠቓሚ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ" ትብል።

"ብዙሓት ካብቶም መጽናዕትታት ስነ-ሕማም ለበዳ፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ክልተ ዓንካር ጥረ ጻዕዳ ሽጉርቲ ዝሓዘ ኣመጋግባታት ዳህሲሶም፡ እዚ ምስ ትሑት ሓደጋ መንሽሮ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ድማ ረኺቦም።"

ጻዕዳ ሽጉርቲ ካብ ሰዓል ይከላኸል ድዩ?

ጻዕዳ ሽጉርቲ ካብ ሰዓል ክከላኸል ከምዝኽእል ዝሕብሩ መጽናዕትታት ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ማርክ ኮሄን ካብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራባዊ ሲድኒ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ ካብ ሰዓል ዝከላኸል እንተኾይኑ ዝምርምር መጽናዕቲ ኣካይዱ። እቲ መጽናዕቲ ግን ነዚ ዘረጋግጽ ወይ ዝነጽግ እኹል መርትዖ ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። ጻዕዳ ሽጉርቲ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ግን እቲ ፕሮፌሰር ይኣምን።

"ጻዕዳ ሽጉርቲ ንረኽሲ ክሕግዝ ከምዝኽእል ዝገልጹ መርትዖታት ተቐልቂሎም ኣለው፤ ጻዕዳ ሽጉርቲ ሓያል ጸረ-ረኽሲ፡ ጸረ-ቫይረስን ጸረ-ፋንጋስን ባህርያት ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ ሓያል ጸረ-ቫይረስ ንጥፈት ከም ዘለዎን ጎዳእቲ ቫይረስ ናብ ዋህዮታት ከይኣትው ክዓግት ከም ዝኽእልን ይሕብር" ይብል።

ጻዕዳ ሽጉርቲ ብኸመይ ኣብ ኣመጋግባና ንሕውሶ?

ጻዕዳ ሽጉርቲ ጥዕናዊ ረብሓታት እንተሃልይዎ፡ "ኣብ ኣመጋግባና ብቐጻሊ ምጥቃምታ ቁልፊ እዩ" ትብል ክኢላ ኣመጋግባ ህጻናትን ከምኡ'ውን ወሃቢት ቃል ማሕበር ክኢላታት ኣመጋግባ ብሪጣንያን ባሂ ቫን ደ ቦር።

"ንኹሉ ዝኸውን ሓደ ዓይነት መጠን እኳ እንተዘይሃለወ፡ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጻዕዳ ሽጉርቲ ኣብ መግቢና ክንሓውስ ዕላማ ግበር።"

ጻዕዳ ሽጉርቲ ክጭፍለቕ ከሎ ኩሎም ውህደታት ይፍነው'ዮም፤ ስለዚ ኣዝዩ ሓያል ጣዕሚ ሽጉርቲ እንተደሊና፡ ዝተጨፍለቐ ጥረ ጻዕዳ ሽጉርቲ ንጠቐም።

ጻዕዳ ሽጉርቲን ቃንጥሻን

ጻዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ሙቐት ዘለዎን ደረቕን ጽልምት ዝበለን ክፍሊ'ምበር ኣብ ፍሪጅ እንተዘየቐመጥና ዝሓሸ ይኸውን።

እንተለስሊሱን ክቁረጽ ከሎ ሕብሩ ቀይሩ ቡናዊ ኮይኑ እንተረኺብናዮን፡ እንተዘይተጠቐምናሉ ይምረጽ።

ጻዕዳ ሽጉርቲ ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ድዩ?

ኣብ ገለ ሰባትን፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ ኩነታት ከስዐ ከጋድድ ተኽእሎ ኣሎ።

"እቲ ዘሕዝን ብሓቂ ንገለ ውልቀሰባት ብፍላይ ድማ ነቶም ምልክታት ኣይቢኤስ (IBS) ዘለዎም ጠንቂ ሕማም ክኸውን ይኽእል እዩ" ትብል ቫን ደ ቦር።

ምልክታት ኣይቢኤስ (IBS) ብቐንዱ ተደጋጋሚ ቃንዛ ከብዲ ወይ ቅርጸት ዘጠቓልል ልሙድ ጸገም ምሕቃቕ መግቢ እዪ።

"ስለዚ ዝኾነ ሰብ፡ እንተላይ ምልክታት ኣይቢኤስ ዘለዎም ህጻናት፡ ንጻዕዳ ሽጉርቲ ዘለውም ውልቃዊ ደረጃ ተጻዋርነት ምፍላጥ ወሳኒ'ዩ" ክትብል ተተሓሳስብ።