ቭላድሚር ፑቲን ንሰላም ቅሩብ ድዩ ዋላስ ግዜ'ዩ ዘናውሕ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ "ንኣሽቱ ኣፈላላያት፡" እኳ እንተ'ለዉ ሩስያ ውግእ ደው ንምባል ድልውቲ እያ ኢሉ። እዚ ንምቕባል ድማ ቅድመ-ዅነት ኣቐሚጡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ፑቲን ነቲ ውጥን ዝሃቦ ምላሽ "መታለሊ" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳ ክግበር ጸዊዑ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጽላታት ነዳዲ፡ ጋዝን ባንክን ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ኣንቢራ።
ፑቲን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ እማመ ተዅሲ ደው ምባል "ቅኑዕ'ዩ - ንሕና ድማ ንድግፎ - ክንዛተየሎም ዘለና ሕቶታት ግን ኣለዉ፡" ኢሉ።
ምቍራጽ ተዅሲ፡ "እዚ ምቍራጽ'ዚ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሰላም ዘምጽእን ጠንቂ እዚ ቅልውላው ዘወግድን ክኸውን ኣለዎ፡" ይብል።
ፑቲን ወሲኹ፡ "ዩክረይን እቲ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ክትቅበል ጽቡቕ ክኸውን'ዩ፣ ንሕና ንድግፎ ኢና፡ ግን ንኡሳን ነገራት ኣለዉ፡" ክብል ተዛሪቡ።
እዚኦም እቶም ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዘቕርቦም ዝነበሩ'ዮም።
ንዩክረይንን ምዕራባውያን መሻርኽታን ድማ ብዙሓት ካብኣቶም ተቐባልነት ዘይብሎም ወይ ግብራዊ ክዀኑ ዘይኽእሉ ክዀኑ'ዮም።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ተጻብኦታት ደው ንምባል ብዝቐረቡ እማመታት ንሰማማዕ ኢና፡" ክብል ብእወታ ክጅምር እንከሎ፡ ብኣድላይነት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሰላም ዘይሰማማዕ ሰብ የሎን።
ዩክረይን ኣባል ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ክትከውን ትደሊ - እዚ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር'ውን ተሰኒዱ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ድሮ ኣብ ኣባልነት ዩክረይን ጥርጣረታት ኣርእዩ'ኳ እንተ ነበረ፡ ፑቲን ግን ንልዑላውነት ዩክረይን ብተደጋጋሚ ይነጽጎ።
እዚ ድማ ንብዙሕ ካብቲ ንሱ ዝቐረጾ ንኡስ ነገራት እቲ ሓደ እዩ።
ዩክረይን ሰራዊታ ምድልዳልን ቀረብ ኣጽዋር ምምላእን ደው ከተብሎ ይደሊ፣ ስለዚ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት እትቕበሎ ሓገዝ ኣጽዋር ኣይክህልውን እዩ።
እዚ ድማ ብመን ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ክፈልጥ ይደሊ።
ፑቲን ካብ ምጅማር እዚ ኲናት ኣትሒዙ፡ ኪቭ ትሕዝቶ ወተሃደራታን ኣጽዋራን ክጐድል ይጠልብ ነይሩ።
ብመሰረቱ ፑቲን ብግልባጡ ውሕስነት ጸጥታ እዩ ዝደሊ ዘሎ።
ኣብ ግንባር ዘለዉ ወተሃደራት ዩክረይን፡ እቲ ኲናት ኣብ ቀረባ ክውዳእ'ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘይብሎም ይዛረቡ።
ሞስኮ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል ክትገብር ምዃና ክትሓስበሉ እንከላ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ወተሃደራዊ ብልጫ ትረክብ'ያ ዘላ።
ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ግዜ ዝወስድን ከቢድን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዓውደ ውግእ ግን፡ ኵሉ ነገር ብዝጠፍአ ህይወት'ዩ ዝዕቀን።
ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል፡ ብዙሓት ውጉኣት ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ግዳያት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እዮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዩክረይናውያን ወተሃደራት እዚ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Matthew Goddard
ከቢድ ጕድኣት ዝበጽሖ ወዲ 30 ዓመት ማክሲም፡ ብዛዕባ እቲ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝሰምዐ እኳ እንተ ገለጸ፡ "ንፑቲን ከም ቀታሊ እየ ዝቘጽሮ፡ ቀተልቲ ድማ ብቐሊሉ ኣይሰማምዑን፡" ይብል።
ቮቫ ዝተባህለ ወተሃደር ብወገኑ፡ "ኣይኣምኖን እየ፡" ኢሉ።
ኣብ ጥቓ እታ ተኸቢባ ዝነበረት ከተማ ፖክሮቭስክ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መጥቃዕቲ ሩስያ የጋጥሞም ከም ዝነበረ ይዛረብ።
"ዕርቂ ክመጽእ'ዩ ኢለ ኣይኣምንን፡" ኢሉ።
ካልእ ማክሲም ዝተባህለ ወተሃደር፡ ንኻልኣይ ግዜኡ ከም ዝቘሰለ ይዛረብ።
"ተዅሲ ደው ምባል ክህሉ እዩ ዝብል እምነት የብለይን፣ ሕጂ ምሳይ ዘየለዉ ብዙሓት መሓዙት ነይሮምኒ። ኵሉ ጽቡቕ ክኸውን እዩ ኢለ ክኣምን ደስ እብለኒ። ንሩስያ ግን ክትኣምና ኣይትኽእልን፡ ፈጺምካ።"
ዩክረይ ምስ ሩስያ ኣብ ዝገበረቶም ዝርርባት ብዙሕ መሪር ተመኵሮ ኣለዋ።
ብሩስያ ዝድገፋ ሓይልታት ንመጀመርታ ግዜ ንገለ ክፋል ምብራቓዊ ዩክረይንን ክሪሚያን ኣብ ዝወሰዳሉ እዋን፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ 2014ን 2015ን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተዅሲ ደው ክብል ሸምጊለን።
እንተዀነ፡ እዚ ውጽኢታዊ ኣይኰነን።
ሩስያ ድማ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ምሉእ ወራር ፈጺማ።
ሕጂ ሩስያ፡ ሰራዊታ ዳግማይ ምዕጣቕ ወይ ምውዳብ ደው ከተብሎ ክትሰማማዕ ድያ?
እዚ ዘይኸውን ይመስል። ኣብቲ ኣብ ክረምሊን ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ'ውን ዝዀነ ሕድገት ከም ዝህሉ ዘመላኽት ነገራት ኣይነበሮን።
ፑቲን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ብኸፊል ብዩክረይን ዝተታሕዘት ዞባ ዶብ ሩስያ ኩርስክ ልዑል መንፈስ ሒዙ'ዩ ተመሊሱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕጂ ሩስያ ኣብ ኩርስክ ላዕለዋይ ኢድ ኣለዋ።
እዚ ድማ፡ ፑቲን ሓያል መደራደሪ ሒዙ ዝቐረበ ኰይኒ ይስምዖን ክስእኖ ከም ዘይደሊን ግልጺ'ዩ።
"ን30 መዓልታት ወተሃደራዊ ስጕምትታት ደው እንተ አቢልና እንታይ ማለት እዩ? ኵሉ ኣብኡ ዘሎ ካብቲ ውግእ ክወጽእ ድዩ?"
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወተሃደራቱ ነታ ዩክረይናውያን ክሕዝዋ ክኢሎም ዝነበሩ ዝዓበየት ከተማ ሱድዛ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቘጻጸሩ ኣፍሊጡ።
ስለዚ፡ ሩስያ ስለምንታይ ሕጂ ደው ተብል?
"ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዕጽዋ እንተ ኣጋጢሙ፡ ዝዀነ ሰብ ፈጺሙ ክወጽእ ኣይክእልን'ዩ። ክልተ ኣማራጺታት ጥራሕ'ዮም ክህልዉ - ኢድካ ምሃብ ወይ ምማት፡" ክብል ፑቲን ተዛሪቡ።
ኣብ ምሉእ እቲ 1000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ቅድመ ግንባር እውን ተመሳሳሊ ነገር ዝህሉ ኰይኑ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብቕልጡፍ ይቕየር ከም ዘሎን ወተሃደራት ሩስያ "ብተግባር ኣብ ኵሉ ከባቢታት ይግስግሱ፡" ከም ዘለዉን ገሊጹ።
ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቕ ገለ ዓወት እኳ እንተ ረኸበት፡ መብዛሕትኡ ግንባር ኣብ ዕጽዋ እዩ ዘሎ።
ፑቲን፡ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ሩስያ ሕጂ ዝረኸበቶ ብልጫ ክትስእንን ዩክረይናውያን ዳግማይ ክጥርነፉን ክዓጥቁን ዘኽእሎምን እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
"ከምዚ ዝበለ ነገር ከም ዘይፍቀድ እንታይ እዩ ዋሕስና፡" ክብል ኣብቲ መግለጺኡ ሓቲቱ።
ክሳብ ሕጂ፡ ውዕላት ዝዀነ ይዅን ተዅሲ ደው ምባል ዝዕቀበሉ ኣገባብ ኣይተቐረበን።
15 ሃገራት ምዕራብ፡ ብግዝያውነት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክልእኻ ሓሳብ'ኳ እንተ ኣቕረባ፡ ተዅሲ ደው ምባል ዘይኰነስ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ሰላም ምስ ዝፍጸም ጥራሕ እየን ነዚ ግብራዊ ክገብራ ዝኽእላ።
ዝዀነ ኰይኑ ግን ሩስያ ነዚ ምድላው ክትፈቅድ እያ ማለት ኣይኰነን።
እዚ ኵሉ "ንኡስ ነገራት" ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፑቲን ተዅሲ ደው ምባል ንሩስያ ብኸመይ ክጠቕማ ከም ዝኽእል ጥርጣረ ዘሕድር ይመስል።
እቲ ንሱ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ "ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብኸመይ ይምዕብል ኣሎ ኣብ ዝብል ዝተመርኰሰ፡" እዩ ነይሩ።
ፑቲን ትማሊ ሓሙስ ኣጋምሸት ምስ ልኡኻት ትራምፕ ብፍላይ ድማ ምስ ስቲቭ ዊትኮፍ ኣብ ሞስኮ ተራኺቡ።
እቲ ኣገዳሲ ዝርርብ ግን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝገብሮ ከም ዝኸውን ይፈልጥ እዩ።
"ምስ ኣመሪካውያን መሳርሕትና ክንዘራረብ ዘለና ይመስለኒ... ምናልባት ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ብቴለፎን ብዛዕባ እዚ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







