ኣብ ዝርዝር ሓድሽ ኣህጉራዊ ቀረጽ ትራምፕ ዘይኣተወት ሃገር መን'ያ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ዝወሰዶ ስጕምቲ ቀረጽ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ተንኪፉ ኣሎ።
ሓንቲ ሃገር ግን ኣብቲ ዝርዝር ኣይኣተወትን፣ ሩስያ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ንማዕከን ዜና ኣመሪካ ኣክሲዮስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ናይዚ ምኽንያት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበረቶ እገዳ "ዝዀነ ትርጕም ዘለዎ ንግዲ ዝኽልክል" ብምዃኑን ኵባ፡ ቤላሩስን ሰሜን ኮርያን እውን ኣብቲ ዝርዝር ከም ዘይኣተዋን ኣመልኪታ።
ይዅን እምበር፡ ምስ ኣመሪካ ዝያዳ ዝወሓደ ንግዳዊ ርክብ ዘለወን ከም ብዓል ሶርያን ኤርትራን ዝበላ ሃገራት ኣብቲ ዝርዝር ኣትየን ኣለዋ።
ብመሰረት 'ትሬዲንግ ኢኮኖሚክስ' ዝጠቕሶ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሶርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 11 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ዝግመት ፍርያት'ያ ሰደድ ገይራ።
ኣመሪካ ኣብ 2022፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ሰፊሕ እገዳ ኣንቢራ።
ትራምፕ ብሓፈሻ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ ምሕዝነታዊ ኣካይዳ እዩ ዝኽተል ዘሎ።
ንሱ ነቲ ኲናት ምዝዛም ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሩስያ ድማ ኣብዚ ሰሙን ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ንምርኻብ ኣብ ዋሽንግተን እዩ ዝርከብ። ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ንኽግበር ዝካየድ ድርድር ድማ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዅሲ ደው ምባል እንተ ዘይተቐቢሉ፡ ነዳዲ ሩስያ ኣብ ዝገዝኣ ሃገራት 50 ሚእታዊት ቀረጽ ክገብር ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።
ብሓሙስ ማዕከናት ዜና ሩስያ እውን ብሰንኪ ዝጸንሐ ኣብ ዝርዝር ስፍሕ ዝበለ ቀረጽ ከም ዘይኣተወት ገሊጸን።
"ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝዀነ ቀረጽ ኣይተገብረን፣ እዚ ግን ብሰንኪ ገለ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኣይኰነን። ምዕራባውያን ድሮ ኣብ ልዕሊ ሃገርና እገዳ ስለ ዝገበራ ጥራሕ'ዩ፡" ክትብል መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሮሲያ 24 ቲቪ ገሊጻ።
ብመሰረት ሮሲያ 1 ድማ ሩስያ ኣብቲ ዝርዝር ዘይኣተወትሉ ምኽንያት፡ "ንብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ንምሕራቕ'ዩ፡" ኢላ።
ብዙሓት ብክረምሊን ዝምእዘና ማዕከናት ዜና ብፍሉይ ምኒስትሪ ንግዲ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት ንፎክስ ኒውስ ፡ "ሩስያን ቤላሩስን፡ ምስአን ኣይንነግድን ኢና፣ ድሮ እገዳ ኣለወን፡" ብምባል ዝተዛረቦ ክጠቕሳ ተራእየን።
ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ንግዲ ኣመሪካ፡ ኣብ 2024 ካብ ሩስያ 3.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቑሑት ኣእትያ።
ብቐንዱ ድዅዒ፡ ኒዩክለሳዊ ነዳዲን ገለ ሓጺናትን ዝሓቘፈ ምዃኑ ትሬዲንግ ኢኮኖሚክስን ማዕከናት ዜና ሩስያን ይሕብሩ።
ደጋፊ ክረምሊን ዝዀነ ኤንቲቪ፡ ትራምፕ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ መሻርኽቲ ኣመሪካ ከም "ኣገልገልቲ" ገይሩ ከም ዝሕዞምን፡ ንሳቶም ድማ "ብሕርቃን" ጥራሕ ዝምልሱ ምዃኖም ገሊጹ።
ብዙሓት ከም ብዓል ብምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ እትመሓደር ዝቨዝዳ ቲቪ፡ ሰብ ዘይነብረለን ደሴታት ሄርድን ደሴታት ማክዶናልድን ኣብ ዝርዝር ቀረጽ ምእታወን ክጠቕሳ ተራእየን።
ዩክረይን ብወገና ናብ ኣመሪካ ኣብ እትገብሮ ሰደድ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ተገይርሉ ኣሎ።
ቀዳመይቲ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ዩልያ ስቪሪደንኮ፡ እቲ ሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ መብዛሕትኡ ንናኣሽቱ ኣፍረይቲ ዝጸሉ ምዃኑ ገሊጻ።
ብተወሳኺ፡ ዩክረይን "ዝሓሸ ውዕላት ንምውሓስ ትሰርሕ ከም ዘላ፡" ገሊጻ።
ኣብ 2024 ዩክረይን 874 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣቑሑት ናብ ኣመሪካ ከም ዝሰደደትን ካብ ኣመሪካ ድማ 3.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቕሓ ከም ዘእተወትን ሓቢራ።
"ዩክረይን ከም እምንቲ መሓዛን መሻርኽትን ንኣመሪካ ብዙሕ ክትህብ ትኽእል እያ። ፍትሓዊ ታሪፍ ከኣ ንኽልቲአን ሃገራት ይጠቅም።"
ዋላ'ኳ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምልውዋጥ ንግዲ ንእሽቶ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ ኣብ እትገብሮ ኲናት ርኡይ ንዋታዊ ደገፍ ሂባ እያ።
ሕጂ ከም ኣካል ናይቲ ኲናት ንምቍራጽ ዝግበር ድርድር፡ ማዕድናት ዩክረይን ንምርካብ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ክትፍትን ጸኒሓ'ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







