ትራምፕ 'ንኣመሪካ ዳግም ሃብታም ዝገብር' ዝበሎ ንመራሕቲ ዓለም ዘቘጠዐ ጉዳይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC
መራሒት ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒን ኣውስትራልያዊ ኣንቶኒ ኣልባነስን ካብቶም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ መላእ ዓለም ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ፍርያት ብዘንበሮ ቀረጽ ዝተጥቘጥዑን ነቐፌታ ዘስምዑን መራሕቲ ዓለም እዮም።
ሜሎኒ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተገብረ 20 ሚእታዊት ቀረጽ "ጌጋ" ክትብሎ እንከላ፡ ኣልባነስ ድማ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ኣውስትራልያ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ምትእትታው "ዘይምኽኑይ፡" ኢሉዎ።
መራሒ ኣመሪካ ወግዓዊ ዝገበሮ ውሳነ፡ ካብ 5 ሚያዝያ 2025 ጀሚሩ ኣብ ኵሉ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንብረት 10 ሚእታዊት መበገሲ ቀረጽ ግብራዊ ክኸውን ዘጠቓልል እዩ።
ሕብረት ኤውሮጳን ቻይናን ሓዊሱ ኣስታት 60 ሃገራት ከኣ ካብ 9 ሚያዝያ ጀሚረን ግዳይ ዝለዓለ ቀረጽ ክዀና እየን።
ትራምፕ እዚ ስጕምትታት፡ "ንኣመሪካ መሊሱ ሃብታም ክገብራ'ዩ፡" ብምባል ኣብ ውሳነታቱ "ኣዝዩ ሕያዋይ" ምንባሩ ገሊጹ።
መሓዛ ትራምፕ ዝዀነት ሜሎኒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተነበረ ቀረጽ፡ "ንኽልቲኦም ወገናት ኣይምጥንን፡" ብምባል፡ ነቲ "ንግዳዊ ኲናት ክትገትእ" ምስ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም እትሰርሕ ገሊጻ።
ስጳኛዊ መዘንኣ ፔድሮ ሳንቸዝ ሃገሩ ንኹባንያታታን ሰራሕተኛታታን ክትከላኸልን፡ "ኣብቲ ናጻ ዓለም ብተወፋይነት ክትቕጽል እያ፡" ክብል እንከሎ፡ መራሒ ኣየርላንድ ታኦይሳክ ሚከል ማርቲን ብወገኑ፡ ውሳነ ትራምፕ "ኣዝዩ ዘሕዝን"ን "ንማንም" ከም ዘየርብሕን ገሊጹ።
ሓንቲ ካብተን ብፕረዚደንት ኣመሪካ "ኣዝየን ዘትክራ" ተባሂለን ዝተፈረጃ ሃገራት ዝዀነት ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ፍርያታ 54 ሚእታዊት ግብሪ ብምውሳኹ ኣዝያ ከም ዝተሃሰየት ይግለጽ።
ምኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር፡ ኣመሪካ ነቲ ቀረጽ "ብቝልጡፍ ክትስርዞ፡" ብምምሕጻን፡ ቻይና "ናይ ገዛእ ርእሳ መሰላትን ረብሓታትን ንምሕላው ጽኑዕ ግብረ-መልሳዊ ስጕምትታት ክትወስድ እያ፡" ኢሉ።
ቅድሚ ውሳነታት ትራምፕ ወግዓዊ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ፍርያት ኵሉ ቀረጽ ዝሰረዙ ሰበስልጣን ቍጠባ እስራኤል ድማ በቲ 17 ሚእታዊት ቀረጽ "ኣብ ስንባደ" ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን።
ሓደ ብዓል ስልጣን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ፍርያት ምሉእ ብምሉእ ቀረጽ ናይ ምስራዝ ውሳነና ነዚ ስጕምቲ ከም ዝከላኸል ርግጸኛታት ኢና ነይርና፡" ኢሉ።
ግዝያዊ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሃን ዳክ-ሱ፡ ዓለማዊ ኲናት ንግዲ "ክውን ኰይኑ" ከም ዘሎን፡ እታ ምብራቕ እስያዊት ሃገር ግዳይ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ድሕሪ ምዃና፡ መንግስቱ "ቅልውላው ንግዲ ንምብዳህ፡" ዝሕግዙ መንገድታት ከም ዝጥምት ኣፍሊጡ'ሎ።
ጃፓን ኣብ ልዕሊኣ ዝዓረፈ 24 ምኢታዊት ቀረጽ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ምዃኑን ስምምዓት ውድብ ንግዲ ዓለም፣ ከምኡ'ውን ኣመሪካን ጃፓንን ክጥሕስ ከም ዝኽእል ክትገልጽ ከላ፡ ታይላንድ ድማ ኣብቲ ዝተደንገገላ 36 ሚእታዊት ቀረጽ ክትደራደር ምዃና ሓቢራ።
ቬትናምን ካምቦድያን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት እስያ'ውን ካብቶም ብሓድሽ ስጕምትታት ትራምፕ ዝያዳ ዝተጸልዋ እየን።
ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ፡ እቲ ቀረጻት ብፍላይ ንኸም ብዓል ቻይና ዝኣመሰላ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ኣመሪካ ዝለዓለ ቀረጽ ዝሓታ፡ ኣብ ንግዲ ኣመሪካ "ቀረጽ ዘይኰነ" ዕንቅፋታት ዝገብራ ወይ ድማ ብኻልእ መንገዲ ንቝጠባዊ ዕላማታት ኣመሪካ ዘዳኽማ መሲለን ኣብ ዝተርኣያ ዝተወሰደ ግብረ-መልሲ ከም ዝዀነ ሓቢሮም።
መራሕቲ ካብተን መበገሲ ብዝዀነ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ዝግደዳ ሃገራት'ውን ንስጕምትታት ትራምፕ መልሰ-ተግባር ሂቦም ኣለዉ።
ኣውስትራልያዊ ቀዳማይ ምኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ኣመሪካውያን ኣብ መወዳእታ ነቲ "ዘይምኽኑይ ቀረጽ" ከቢድ ዋጋ ክኸፍሉ እዮም ክብል ኣጠንቂቑ።
ሓደ ምንጪ ዳውኒንግ ስትሪት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተነበረ ትሑት ቀረጽ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኣመሪካ ንግዳዊ ስምምዕ ንምፍጻም ዝገበሮ ጻዕሪ "ዘረጋግጽ" ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ቍጠባ ዘለዋ ብራዚል ብወገና፡ ነቲ ብትራምፕ ዝተጸዓነቶ 10 ምኢታዊት ቀረጽ ንምምካት፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮንግረስ ሓድሽ ሕጊ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ኣጽዲቓ።
ድሕሪ ውሳነታት ትራምፕ ወግዓዊ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት፡ ሃገራት "ሕነ ክፈድያ ከይፍትናን"ን "ስቕ ኢለን ክቕበልኦ"ን ኣጠንቂቑ።
"ምኽንያቱ፡ ሕነ እንተ ፈዲኹም፡ ዝያዳ ምንህሃር ክህሉ'ዩ፡" ክብል ኣብ ፎክስ ኒውስ ተዛሪቡ።
እተን ክልተ ዓበይቲ ንግዳዊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀና ካናዳን ሜክሲኮን፡ ኣብቲ ናይ ረቡዕ ኣዋጅ ኣይተጠቕሳን።
ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጽአ ፈጻሚ ትእዛዝ፡ ምስ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝራኸቡ ገሊጾም ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ካናዳ በቲ ቀረጽ ክትጽሎ ምዃና ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ማርክ ካርኒ ይገልጽ።
ከምቲ ካብ ሓሙስ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ መካይን ዝኽፈል 25 ሚእታዊት ቀረጽ ዝኣመሰሉ ስጕምትታት "ንሚልዮናት ካናዳውያን ብቐጥታ ክጸልዎም'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።
ንሱ፡ "ነዞም ቀረጻት ብግብረ-መልሳዊ ስጕምትታት ክቃለሶም፡" ምዃኑ ብምሕናይ፡ እቲ ኣመሪካ ተታኣታትዎ ዘላ ቀረጽ፡ "ንዓለማዊ ስርዓተ-ንግዲ ካብ መሰረቱ ክቕይሮ'ዩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







