ቀረጽ እንታይ'ዩ፡ ስለምንታይከ ከገድሰና ይግባእ?

ኢትዮጵያ ብቐንዱ ምህርታት ዓለባ ሰደድ ትገብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ሰፊሕ ቀረጽ ግብራዊ ክገብር ምዃኑ ኣፈራሪሑ ኣሎ።

እዚ፡ ንመንግስታት፡ ኣውፈርትን ተንተንቲ ቍጠባን ብማዕረ ኣስጊኡዎም ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንብረት ዝተነብረ ኣድማሳዊ ቀረጽ 10 ሚእታዊት ኰይኑ፡ ነተን ትራምፕ "ኣዝየን ዘትክራ" ዝበለን ሃገራት ድማ ዝለዓለ መጠን ቀረጽ ወሲኑ ኣሎ።

እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ዝጸሉ ምዃኑ ድሮ ክትዓት ኣልዒሉ ይርከብ።

ሕብረት ኤውሮጳ "ንቝጠባ ዓለም ዓቢይ ጽፍዒት፡" ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ቻይና ሕነ ክትፈዲ ተሓንያ።

ኣውስትራልያ ድማ፡ "መሓዛ ከምዚ ኣይገብርን፡" ትብል።

ቀዳማይ ምኒስትር ሰር ኬር ስታርመር ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተነብረ 10 ሚኢታዊት ቀረጽ "ቍጠባዊ ጽልዋ ከም ዝህሉ ብንጹር" እኳ እንተ ገለጸ፡ ንዝህቦ መልሲ ግን "ብህድኣት" ከም ዝሓስበሉ ገሊጹ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ቀረጽ 10 ሚእታዊት ዝተነብረለን ሃገራት ምዃና፡ ፎርብስ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ካብ መጻኢ ቀዳም ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ኣመሪካ እትልእኾም ኣቝሑ ተወሳኺ 10 ሚእታዊት 'ታሪፍ' ክትከፍል እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2024 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ ኣስታት 465 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ምህርት ናብ ኣመሪካ ከም ዝልኣኸት ጸብጻባት የመልክቱ።

እቶም ናብ ኣመሪካ ዝለኣኹ ምህርቲታት ብቐንዱ ቡንን ውጽኢታት ዓለባን ምዃኖም'ውን ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣመሪካ ዝለኣኸቶ ምህርቲ ምስቲ ብ2023 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ 24.4 ሚልዮን ዶላር ምንካይ ዘርኣየ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓሸ ዕድላት እትረኽበሉ ዝነበረት ኣጎዋ ምስ ተኣገደት፡ ብፍላይ ኣብ ንግዲ ወጻኢ ዓለባ ምንካይ ከም ዝተርኣየ ሓበሬታ ምኒስትር ገንዘብ የመልክት።

ካብ ኣጎዋ ቅድሚ ምእጋዳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት፡ ብ2011 (ኣ.ግ)፡ ነቲ ዕድል ብምጥቃም 246 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኦም ምህርቲታት ናብ ኣመሪካ ልኢኻ'ያ።

ካልኦት፡ ሽዱሽተ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ'ውን በቲ ትራምፕ ትማሊ ዘሕለፎ ውሳነ ተጸልየን ኣለዋ።

ኣመሪካ፡ ነዚ ሓድሽ ቀረጽ ዘየንበረላ ጐረቤት ሃገር ሶማልያ ጥራሕ ኰይና፡ ኬንያ፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብተመሳሳሊ ቀረጽ 10 ሚእታዊት ክኸፍላ ምዃና ሓበሬታ ፎርብስ የመልክት።

ኣብ ልዕሊ ግብጺ'ውን ተመሳሳሊ ቀረጽ ከንብር እንከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ዝዀነ 47 ሚእታዊት ኣብ ልዕሊ ማዳጋስካር ዝተነብረ ውሳነ ኰይኑ ኣሎ።

ቦትስዋና 37 ሚእታዊት፡ ኣንጎላ 32፡ ሊብያ 31፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ 30 ሚእታዊት ዝተነብረለን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

ቀረጽ እንታይ'ዩ፡ ብኸመይከ ይሰርሕ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀረጽ ወይ ታሪፍ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝኣትዉ ኣቑሑት ዝኽፈል ግብሪ እዩ።

ከም ልሙድ ታሪፍ ካብ ዋጋ ሓደ ፍርያት ብሚእታዊት ይሕሰብ።

ንኣብነት፡ 100 ዶላር ዝዋግኡ ፍርያት ናብ ሃገርኩም ክመጽእ እንከሎ 10 ሚኢታዊት ቀረጽ ተወሲኹዎ ይኣቱ ማለት'ዩ።

ናይ ወጻኢ ኣቑሑት ናብታ ተቐባሊት ወይ ተጠቃሚት ሃገር ዘምጽኣ ኵባንያታት ድማ ነቲ ግብሪ ንመንግስቲ ክኸፍላ ኣለወን።

እተን ትካላት፡ ነዚ ወጻኢታት ብኸፊል ወይ ብምልኡ ናብ ዓማዊል ከሕልፋኦ ክመርጻ ይኽእላ እየን።

እቲ ትራምፕ ወግዓዊ ዝገበሮ ኣድማሳዊ "ሕድሕዳዊ ቀረጽ"፡ ነተን ድሮ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያት ክፍሊት ዘኽፍላ ዘለዋ ተቐናቐንቲ ሃገራት ዒላማ ንምግባር ዝዓለመ'ዩ - ዋላ'ኳ እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝሓቶ ዘሎ ቀረጽ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተነብረ ቀረጽ ዝነኣሰ ምዃኑ እንተ ገለጸ።

ከምቲ ኣብ ውዱእ ኣቝሑ ዝኽፈል ዘሎ ቀረጽ፡ ኣብ ጥረ ኣቝሑ'ውን ቀረጽ ይኽፈል'ዩ።

እዚ ድማ ወጻኢታት ኣፍረይቲ ብዓብዪ ደረጃ ክውስኽ ይድርኽ። ብመሰረት ጸብጻብ ማእከል ስትራተጅያውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት፡ ከም ሞተር፡ መሳርሒታት ፈነወ (ትራንስሚሽን)ን ካልእ ኣካላት መኪናን ዝኣመሰሉ ክፍልታት፡ ዶባት ኣመሪካን ካናዳን ኣመሪካን ሜክሲኮን ክሳብ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ግዜ ክሰግሩ ይኽእሉ።

ቀረጽ፡ ነጋዶን ተጠቀምትን ካብ ወጻኢ ኣብ ዘእትዉዎም ኣቝሑ ወሰኽ ዋጋ ክህሉ'ውን ይገብሩ።

ተንተንቲ ቍጠባ፡ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ዋጋ ሓደስቲ መካይን ካብ 4000 ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ከም ዘዕብዮ ይገልጽ።

ኣብ ኣመሪካ ካብ 2018 ክሳብ 2023 ካብ ወጻኢ ኣብ ዝኣቱ መሽናት መሕጸቢ ዓለባ ዘንበረቶ ቀረጽ ስዒቡ፡ ዋጋኦም ብ34 ሚእታዊት ከም ዘዕበዮ ወግዓዊ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ ቀረጽ ዝተነብረሉ ግዜ ምስ ተወድአ ድማ እቲ ዋጋታት ወሪዱ።

ተንተንቲ እቲ ሓድሽ ቀረጽ ንፍርያት መካይን ኣመሪካ ብዓቢኡ ከም ዝዘርግን ንተጠቀምቲ ዋጋታት ከም ዝኸብሮምን ኣጠንቂቖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተንተንቲ እቲ ሓድሽ ቀረጽ ንፍርያት መካይን ኣመሪካ ብዓቢዩ ከም ዝዘርግን ንተጠቀምቲ ዋጋታት ከም ዝኸብሮምን ኣጠንቂቖም

ስትራቴጂ ትራምፕ እንታይ'ዩ?

ኣመሪካ ካብ ፍርያት ሃገራት ወጻኢ ዝዓበየ ኣታዊ እትገብር ሃገር'ያ።

ኣብ 2023፡ ሰለስተ ትሪልዮን ዶላር ዝዋግኡ ፍርያት ዓዲጋ። ብተወሳኺ፡ ዝዓበየ ንግዳዊ ሕጽረት ኣቑሑ ኣለዋ።

ትራምፕ፡ እቲ ሕጽረት ካብ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ዝወጽእ "ዘይፍትሓዊ" ኣሰራርሓ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ከማርር ጸኒሑ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምህርቲ ፋብሪካታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ምዝንባሉ ድማ ኣብ ቍጠባ ኣመሪካ ከም ምልክት ድኽመት ይርእዮ።

ስለዝዀነ ድማ ካብ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ሕድገታት ንኽመጽእ ከም መሳርሒ ድርድር ተጠቒምሎም ኣሎ።

ፖለቲካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ተቐይሩ እዩ።

ሓደ ነገር ግን - ካብ 1980ታት ጀሚሩ - ኣይተቐየረን፣ ቀረጽ፡ ንቝጠባ ኣመሪካ ንምዕባይ ውጽኢታዊ መሳርሒ እዩ ዝብል እምነት እቲ ፕረዚደንት ነዊሕ ዝገበረ'ዩ።

ትራምፕ "ኣዝየን ዘትክራ" ኣብ ዝበለን ሃገራት

ሰብ መዚ ዋይት ሃውስ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ቻይናን ሓዊሱ ዋይት ሃውስ "ኣዝየን ዘትክራ" ካብ ዝበሉወን ኣስታት 60 መሻርኽቲ ንግዲ ዝመጽኡ ኣቑሑት ዝለዓለ መጠን ቀረጽ ክእዮም ክስልዑ።

እዚኦም፡ ካብ 9 ሚያዚያ 2024 ጀሚሮም ግብራዊ ክዀኑ'ዮም።

  • ሕብረት ኤውሮጳ፡ 20 ሚእታዊት
  • ቻይና፡ 54 ሚእታዊት (እዚ ድማ ኣቐዲሙ ዝነበረ ታሪፍ ዘጠቓልል)
  • ቬትናም፡ 46 ሚእታዊት
  • ታይላንድ፡ 36 ሚእታዊት
  • ጃፓን፡ 24 ሚእታዊት
  • ካምቦድያ፡ 49 ሚእታዊት
  • ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 30 ሚእታዊት
  • ታይዋን፡ 32 ሚእታዊት