ትራምፕ፡ ንፑቲን ስለምንታይ ክጠራጠሮ ጀሚሩ?

ምንጪ ስእሊ, Andriy Yermak/Telegram
ድሕሪ'ቲ ኣብ ለካቲት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ቁጥዐ ዝመልኦ ርክብ፡ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ኣቡነ ፍራንሲስ።
ትራምፕ፡ ካብ ሮማ ምስ ወጸ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ "ፑቲን ናብ ሲቪላዊ ከባቢታት ሚሳይላት ዝትኩሰሉ ምኽንያት ኣይተረድአንን" ክብል ቁጥዕኡ ገሊፁ።
"ትራምፕ ንዓይ የታልለኒ ድዩ ዘሎ" ክብል'ውን ኣብ ልዕሊ ድሌት ሰላም ፑቲን ዝሓደሮ ጥርጠረ ኣቃሊዑ።
ትራምፕን፡ ቅድሚ እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ምጅማሩ ምስ ዘለንስኪን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዓሚቝ ዝርርብ ተራእዮም።
ዋይት ሃውስ ነቲ ምስ ዘለንስኪ ዝተኻየደ ናይ 15 ደቓይቕ ርክብ "ኣዝዩ ውፅኢታዊ" ክብል ገሊጽዎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ብወገኑ፡ ኣብቲ ሓጺር ርክብ፡ "ታሪኻዊ ናይ ምዃን ተኽእሎ" ከምዘለዎ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ 'ትሩዝ' ዝተብሃለ ሶሻል ኣካውንቱ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ "ምናልባት ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ዘይደሊ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ንዓይ ጥራይ'ዩ ዘታልለኒ ዘሎ፡ ብኻልእ መንገዲ ብ'ባንኪ' ወይ ብ'ካልኣይ እገዳ' ምላሻ-ክወሃቦ ኣለዎ" ኢሉ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ልኡኹ ስቲቭ ዊትኮፍን ፕረዚደንት ሩስያን ብዓርቢ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ዝርርብ ሩስያን ዩክረንን "ንስምምዕ ኣዝየን ቀሪበን" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ብኻልእ ወገን ክረምሊን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፑቲን ሩስያ ምስ ዩክረይን ቀጥታዊ ዝርርብ ክትኣቱ ድልውቲ ምዃና ንዊትኮፍ "ብዘይ ቅድመ ኩነት" ከምዘረጋገጸት ገሊጹ።
ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ፡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዘካይዶ ዘሎ ወራር ክነቅፍ ንፈለማ እዋን እዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ዩክረይን ነቲ ኲናት ከም ዝጀመረት ክወቅስ ዝጸንሐ ታራምፕ፡ ዘለንስኪ ንልዝብ ሰላም ዕንቅፋት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከሲሱ ነይሩ።
እዚ ድማ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ኤውሮጳን ኣጋጭዩዎ ዝፀንሐ ዀይኑ፡ ኣገዳስነት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ'ውን ኣብ ሕቶ ኣእትዩዎ ነይሩ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ርክብ፡ ትራምፕ ንዘለንስኪ "ዝዀነነ ካርድታት የብልካን" ክብልን ኣንጻር ሩስያ ከምዘይዕወትን፡ ዝበሎ ክሰምዕን ገሲጽዎ ነይሩ።
እቲ ካብ መገዲ ዲፕሎማሲ ዝወፅአ ተባሂሉ ዝተነቕፈ ኣጋጣሚ ብዙሕ ኣዘራራቢ ኰይኑ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ትራምፕ ነዚ መልእኽቲ ኣብዚ ሰሙን ደጊሙዎ ተሰሚዑ ነይሩ።
ዋይት ሃውስ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ትማሊ ቀዳም ዝርርብ ዝያዳ ኣወንታዊ ቃና ክህብ እንከሎ፡ ዘለንስኪ ድማ ነቲ ኣጋጣሚ "ኣዝዩ ምሳልያዊ"ን 'ትርጕም ዘለዎ ክኸውን ዝኽእልን' ክብል ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, Andriy Yermak/Telegram
ዝተዘርግሑ ምስልታት
ክልተ ምስልታት ናይቲ ኣኼባ ዝተዘርሑ ዀይኖም፡ ሙሉስ ሰማያዊ ሱፍ ዝለበሰ መራሒ ኣመሪካን፡ ሙሉእ ጸሊም ላዕለዋይን ስረን ዝለበሰ ፕረዚደንት ዩክረይንን ፊተ-ንፊት ኮፍ ኢሎም ኣብ ዓᎁቕ ዕላል ተዋሒጦም ዘርእዩ እዮም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣንድሪ ሲቢሃ'ውን "ኣገዳስነት ናይዚ ታሪኻዊ ኣኼባ ንምግላጽ ዝኾነ ቃላት የብለይን። ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሰላም ዝሰርሑ ክልተ መራሕቲ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ምስሊ ናይቲ ኣኼባ ኣብ ኤክስ ለጢፉ።
ካልእ ልኡኽ ዩክረይን ካብ ውሽጢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተለጠፈ ስእሊ፡ እቶም ክልተ መራሕቲኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ደው ኢሎም ዘርኢ እዩ።
እቶም ክልተ መራሕቲ ኤውሮጳ - ብቐጻሊ ንትራምፕን ዘለንስኪን ከም መንጎኛታት ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ ዀይኖም፡ ኣብቲ ጽልምት ዝበለ ድሕረ ባይታ ናይቲ ቀብሪ፡ ነዞም ክልተ ኣብ ሓደ ንምምጻእ ከምዝሓገዙ ዘመልክት እዩ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ርክባት ግን፡ ኣብ እዋን እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከይተረፈ እዞም መራሕቲ፡ ካብ ነንሕድሕዶም ሓጺር ርሕቀት ኮፍ ዝበሉ ዀይኖም፡ ማክሮንን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ኣብ መንጎኦም ነይሮም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዩክረናዊ መዘናኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ብፍላይ "መላኺ" ኢሉ ድሕሪ ምጽውዑ፡ ምትፍናን ክልቲኦም መራሕቲ ተጐሃሂሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ዘለንስኪ፡ ብዛዕባ እቲ ሃገሩ ዘይተሓወሰትሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዝርርብ ሩስያን ኣመሪካን ቅረታ ነይሩዎ።
ትራምፕ፡ ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ ዝወደበቶ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተኻየደ ኣኼባ ከም ዝበሎ፡ ዘለንስኪ "ንጆ ባይደን ኣብ ምትላል ጥራይ'ዩ ንፉዕ ነይሩ፡" ኢሉ።
ንሱ፡ "መላኺ" ዝብል ነቐፌታ ምጥቃሙ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ "ደሞክራሲያዊ ተቐባልነት ዘለንስኪ ምኽሓድ ግጕይን ሓደገኛን'ዩ፡" ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







