ኣብ ውራያ ዘይተዓደመትሉ ዩክረይን፡ መን እንታይ ይኸስብ ኣሎ?

ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ሰሙን ንኲናት ዩክረይን ኣዝዩ ወሳኒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክልተ ብህጹጽ ዝተወደቡ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ፓሪስን ሪያድን ክካየዱ ቀንዮም ኣለዉ።

ልኡኻት ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕን ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ኣለዉ፤ መራሕቲ ኤውሮጳ ድማ ኣብ ፈረንሳ- ፓሪስ ተራኺቦም።

ትራምፕን ፑቲንን'ውን ኣብ ቀረባ ኣብ ሪያድ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ።

ትማሊ ሰሉስ፡ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭን ኣመሪካዊ መዘናኡ ማርኮ ሩቢዮን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

እቲ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ኣኼባ እዞም መራሕቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ልኡኻት ሩስያን ኣመሪካን ብወግዒ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ማይክ ዋልዝን ከምኡ'ውን ሓጋዚ ፕረዚደንት ሩስያ ዩሪ ኡሻኮቭን ሓላፊ ልኡላዊ ሃብቲ ሩስያ ኪሪል ዲሚትሪየቭን ተሳቲፎም።

ብድሕሪ'ዚ ላቭሮቭ፡ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ንሓድሕደን ኣምባሳደራት ክሸማን ክልተኣዊ "ምትሕብባር ምሉእ ብምሉእ" ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኵነታት ክፈጥራን እየን ኢሉ።

"ኣዝዩ ጠቓሚ ዝርርብ'ዩ ነይሩ። ንሓድሕድና ንደማመጽ ነይርና፤ ንሓድሕድና ድማ ተደማሚጽና፡" ኢሉ።

በዓልቲ ቤት እዚ ጕዳይ ዝዀነት ዩክረይን ግን ኣብቲ ኣብ ሪያድ ይዅን ፓሪስ ዝካየዱ ዘለዉ ክልተ መድረኻት የላን።

ብፍላይ በቲ ትራምፕ ዝኸዶ ዘሎ መገድታት ድማ ሕጕስቲ ኣይኰነትን።

ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ዝጀመረት ሩስያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ ሕምሲት ክፋል መሬታ -ብቐንዱ ኣብ ደቡብን ምብራቕን - ተቘጻጺራ ኣላ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ገለ ካብቶም ተዋሳእቲ ሓይልታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝርርባት መን እንታይ ክኸስብ ከም ዝህቅን ይትንትኑ።

መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ፓሪስ

ዓባይ ብሪጣንያ

ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታመር፡ ኣብ ዙርያ ንምክልኻል ዝግበር ወጻኢታት ሓፍ ምባል ኣመልኪቱ ኣብ መንጐ መራሕቲ ኤውሮጳን ትራምፕን ብዛዕባ ዝካየዱ ዝርርባት መራኸቢ ድልድል ክኸውን ተስፋ ይገብር።

ንሱ፡ ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ መሬት ዩክረይን ከዋፍር ምህቃኑ ኣካል ናይቲ ሃገሩ እትደልዮ እጃም እዩ።

መንግስቲ እንግሊዝ፡ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ሰላም ንዩክረይን እዩ ዝምልከት ክብል እዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ዩክረይን ናብቲ ብ2014 ዝነበረ ዶባታ ምምላስ "ዘይክውንነታዊ" ምዃኑ ምስ ኣአንፈት፡ እቲ ዝጸንሐ መርገጺኡ ተቐይሩ።

ኣብ ክንድኡ፡ ሰር ኬር ኣብ ፓሪስ ዝተኣኻኸባ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ስምምዕ ንክብጻሕን ሩስያ ዳግማይ ከም ዘይትወርር ንምግባር ዘኽእል ሓይሊ ኣብ ምውፋይ ክጽንበርኦ ይደሊ።

ንሱ ኣብ ፓሪስ እንከሎ ግን፡ ኣብ ለንደን እታ ሃገር ንምክልኻል ክንደይ ገንዘብ እያ ክትስልዕ ዘለዋ ዝብል ዓብይ ክትዓት ይካየድ ኣሎ።

ሰልፊ ዕዮ፡ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ሃገር ንምክልኻል ዝስላዕ ወጻኢታት ካብቲ ሕጂ ዘሎ 2.3 ሚእታዊት ናብ 2.5 ሚእታዊት ክብ ክብል እዩ ተመባጺዑ ዘሎ።

ምንጭታት ምክልኻል ብሪጣንያ ከም ዝሕብርዎ ድማ እዚ ርኡይ ወሰኽ እዩ።

እዚ መዓስ ከም ዝኸውን ግን ምግማት ኣይከኣልን፤ ብዙሓት ድማ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ህጹጽ ምዃኑ ይምጕቱ።

ጀርመን

ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ሃገራዊ መረጻ ክካየድ እዩ።

ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ናብቲ ኣብ ፓሪስ ዝጋባእ ዘሎ ኣኼባ ምኻዱ ድማ መራሕቲ ጀርመን በቲ ትራምፕ ንጕዳይ ዩክረይን ዝኣልየሉ ዘሎ መገድ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተናወጹ ዘርኢ እዩ።

ኵለን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር፡ ንዩክረይን ይዅን ንሕብረት ኣውሮጳ ዘግለለ ሓሳብ ስምምዕ ሰላም-ትራምፕ ኰኒነን ኣለዋ።

ኣኽረርቲ የማናውያንን ህዝበኝነት ዘጥቅዖም ጸጋማውያንን ፖለቲከኛታት፡ ምስ ፑቲን ዝግበር ዝርርብ ብሓጐስ ክቕበሉዎ እንከለው፡ ኪቭ ኣጽዋር ክትዕጠቕ ምግባር ደው ክብል ይደልዩ።

እዚኦም ግን ናብ ስልጣን ኣይክመጹን እዮም።

ስለዚ፡ መጻኢ መንግስቲ ጀርመን እንታይ እዩ ክመስል ዝብል ብዘየገድስ፡ በርሊን ንዩክረይን እትገብሮ ደገፍ ዛይዱ ክቕጽል እዩ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ፖለቲከኛታት በርሊን፡ ሕማቕ ስምምዕ ንልኡላውነት ዩክረይን ዘዳኽም ንጀርመን ድማ ኣዕናዊ ምዃኑ ስለ ዝግንዘቡ እዩ።

ግን ነቲ ቅድም ክብል ብኲናት ዝተሃስየ ቍጠባ ጀርመን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መረጽቲ ኲናትን ወረ ኲናትን ክሰምዑ ኣይደልዩን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እታ ሃገር ሰደድ-ጸዓት ሩስያ ስኢና፤ ወጻኢታት ምክልኻል ክብ ኣቢላ ኣላ።

እዚ ግን ንቍጠባ ጀርመን ኣዝዩ ስለ ዝሃስዮ፡ ጕዳይ ባጀት መንግስቲ ጀርመን ክፈርስ ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።

ስለዚ ፖለቲከኛታት ብውሑድ፡ ክሳብ እቲ መረጻ ዝሓልፍ፡ ብዛዕባ ከም ወጻኢታት ኔቶ ወይ ኣብ ዩክረይን ዝዋፈሩ ዓቀብቲ ሰላም ጀርመን ዝበሉ ተኣፈፍቲ ጕዳያት ህዝባዊ ዘተ ከይካየዱ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ፖላንድ

ፖላንድ ካብ ምጅማር ምሉእ ወራር ሩስያ ኣትሒዛ ቀንዲ ደጋፊት ዩክረይን ኰይና፡ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ወተሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት መሰጋገሪት ሎጂስቲክስ እያ።

ምሉእ ጸጥታ ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ፡ ሩስያ ኣብዚ ዝጻሕተረቶ ኲናት ክትዕወት ክፍቀደላ ከም ዘይብሉ ትኣምን።

ፖላንድ ንሩስያ ከም ወራሪትን ከም ሓደገኛን ኣብ እትርእየሉ እዋን፡ ኣመሪካ ንቀንዲ ጠለባት ሞስኮ ትቕበል ዘላ ምምሳላ የገርማ እዩ።

ሩስያ፡ ንፖላንድ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክትውስኽ፡ ሕጂ ድማ ክሳብ ኣስታት ሓሙሽተ ሚእታዊት ካብ ውሽጣዊ ፍርያታ ክትስልዕ ተገዲዳ ኣላ።

ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ'ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዳ ከም ዘለወን ትኣምን።

ኣብዚ ጕዳይ፡ ምስ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ገጽ ኣለዋ።

ቀዳማይ ምኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ታስክ፡ "ንሕና ኤውሮጳውያን ሕጂ ኣብ ምክልኻል ዓቢ ወጻኢታት ክንገብር እንተዘይክኢልና፡ ዝሰፍሐ ኲናት ክንከላኸል ዓሰርተ ዕጽፊ ዝያዳ ወጻኢታት ክንገብር ክንግደድ ኢና፡" ኢሉ።

ፖላንድ፡ ኣብ መወዳእታ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንምትግባር ንምሕጋዝ ወተሃደራታ ናብ ዩክረይን ክትልእኽ ድያ ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ግን፡ ዝያዳ ክቝጠብ መሪጹ።

ዴንማርክ

ዴንማርክ፡ ኣብቲ ብሰኑይ ዝጀመረ ኣኼባ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተሳተፈት እንኮ ኖርዲክ እያ።

ዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ግን፡ ወኪል ረብሓታት እተን ኣብ ምብራቕ ዝርከባ ጎረባብቲ ባልቲክ - ኢስቶንያ፣ ላቲቭያን ሉትዌንያን - እውን እያ ይብሉ።

ኵለን ምስ ሩስያ ዝዳወባ ብምዃነን፡ ንመጥቃዕቲ ፑቲን ተቓላዕቲ ኰይኑ ይስመዐን።

ትራምፕ፡ ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ዴንማርክ - ግሪንላንድ- ክቈጻጸራ ከም ዝደሊ ምግላጹ ቍጥዐ ፈጢሩ እዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ ምብጻሕ ገይራ ነይራ።

ብሰኑይ ድማ ዳግም ኣብቲ ብታሕዋኽ ዝተጸውዐ ኣኼባ ተረኺባ ፓሪስ ትራምፕ፡ ንጸጥታዊ ምትእስሳራት ስግር-ኣትላንቲክ ክቕይር ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሳት መልሲ ሂባ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣሰር ስታመር ስዒባ ናብ ዩክረይን ዓቃቢ ሰላም ክልእኽ'የ ግን ኣይበለትን ዘላ።

ምኒሰተር ምክልኻል እታ ሃገር ግን፡ "ኣይከውንን ኣይበሃልን፤ ግን ድማ ብዛዕባ እዚ ንምዝራብ ግዚኡ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ፈረንሳ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብሰኑይ ወግዓዊ ዘይኰነ ኣኼባ ብምጽዋዕ ኤውሮጳ፡ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ እቲ ዞባ ንዘርኣየቶ ንዕቐትን፡ ምስ ክረምሊን እትገብሮ ዘላ ሸበድበድን ዝዀነ ይዅን ምላሽ ንምውህሃድ ክሕግዝ'ዩ ኢሉ ይኣምን።

"ኤውሮጳውያን፡ ከምቲ ንዛረቦ ዘለና፡ ዉህደት የብሎምን። እንተዀነ፡ ቀንዲ ዛዕባ ዋዕላ ፓሪስ እዚ ክኸዉን ይኽእል'ዩ፤ ውህደትና እንጅምረሉ'ዉን ክኸዉን ይኽእል . . . ንዕኡ ድሉዋት ዲና? እቲ መልሲ ኣይፋል'ዩ። ክንዳሎ ንኽእል ዲና? እቲ መልሲ እወ'ዩ፡" ክብል ገዲም ክኢላ ወተሃደራዊ ፈረንሳ ፍራንኮይስ ሃይስበርግ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲዅ፡ ኤውሮጳ ንዩክረይን ከውሕስ ዝኽእል ዓቃቢ ሰላም ንምድላው ብሓባር ክትሰርሕ ከም ዘድልያ ርእይቶኡ ሂቡ።

ፈረንሳ፡ ወትሩ ካብ ጂኦፖለቲካዊ ምትዕጽጻፋት ኣመሪካ ጥንቅቕቲ ሃገር እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዶሚኒክ ደ ቪለፒን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ "ትዕቢተኛ" ትራምፕ "ብዘይ መትከል ወይ ኣኽብሮት ንዓለም ክገዝእ" ይፍትን ኣሎ ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ኣብ ኤውሮጳ "ኣብ ሰፊሕ ዋጅ ህጹጽ እዋን፡" ክትኣቱ ይግባእ ክብል ኣጠንቂቝ ነይሩ።

ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝመጽኣ ኣመሪካን ሩስያን

ሩስያ

ፑቲን፡ ኲናት ዩክረይን ደዉ ንምባል ዝግበር ዝርርብ ንምጅማር፡ ብሩስያ ዝተጐብጠ ግዝኣታት ዩክረይን ኣፍልጦ ክወሃቦም፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነበረ እገዳታት ምልዓልን ዩክረይን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ዘቕረበቶ ሕቶ ክንጸግን ኣለዎ ዝብሉ ቅድመ ኵነታት እዩ ከቕርብ ጸኒሑ።

መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ጠለባት ኣይቕበልኦን።

ኣመሪካ፡ ሩስያ እንታይ ሕድገታት ክትገብር ከም እትኽእል ኣብ ምዝታይ ልዑል ጥንቃቐ ክትገብር እያ ጸኒሓ።

ዋይት ሃውስን ፔንታጎንን ግን ካብ "ክልቲኡ ወገን" ሕድገታት ከም ዝጽበዩ እዮም ዝገልጹ።

ቀዳምነታት ሞስኮ፡ ኣብቲ ኣብ ስዑደ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ይሰምሩ ከም ዘለዉ ግልጺ እዩ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ኲናት ዩክረይን ደዉ ንምባል ኣመሪካ እተቕርቦ እማመታት "ክሰምዕ ከም ዝደሊ፡" እዩ ገሊጹ።

ሞስኮ፡ ኤውሮጳ ናብዚ መኣዲ ድረድር ምዕዳም ትርጕም የብሉን ትብል።

ፑቲን ንነዊሕ ዓመታት ብፍላይ ምስ ኣመሪካ ክዘራረብ ይደሊ ምንባሩ ዝሕባእ ኣይኰነን።

ሞስኮ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ኬር ስታርመር ዓቃቢ ሰላም ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ድልዊ እየ ብምባል ዝሃቦ መግለጺታት ዕሽሽ ኢላ ኣይትሓልፎን።

እቲ ዝርርባት ድማ፡ ሩስያ ዘይኰነ ዩክረይን ክትገብሮም ዝግባእ ሕድገታት ዝጠመተ ክኸዉን'ዩ።

ሩስያ ንዝዀነ ይኹን ሕድገታት ድልውቲ ድያ ኣይኰነትን ግን ጌና ኣይተፈልጠን።

ኣመሪካ

ሚኒስትር ጕዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ፍሉይ ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍን፡ ተደራዳሪ ልኡኽ ኣመሪካ ዝመርሑ ሰባት እዮም ክዀኑ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዘርእዮ ዘሎ ነገራት፡ እቲ ዕጫ ዩክረይን ኣመልኪቱ ምስ ሩስያ ዝግበር ድርድራት ብድሕሪ መጋረጃ ትዅረት ዝገብረሉ ጕዳይ ከም ዝዀነ ንጹር እዩ።

ትራምፕ ብሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ክግንዘብ ከም ዝጸንሐን እቲ ዝርርብ "ንቕድሚት ይስጕም ከም ዘሎን" ገሊጹ።

ናይ ሓጺር ግዜ ዕላምኡ፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ምባል እዩ።

ናይ ነዊሕ እዋን ድማ ዋላ'ኳ ኣመሪካ ናብ ኪቭ ዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ክትልእኽ እንተጸንሐት፡ ድሕሪ ሕጂ ዉሑድ ተሳትፎ ክህልዋ እዩ ዝደሊ።

ትራምፕ ካብ ዩክረይን ክቡራት መዓድናት ሓገዝ ብምቕራብ ወይ'ውን ኣመሪካ ድሮ ንዝሃበቶ ሓገዝ ካሕሳ ክኸውን ጸቕጢ ገይሩ'ዩ።

ዩክረይን፡ ድሕሪ ኲናት እንታይ'ያ ክትመስል ዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዛረበን ዘሎ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣካል ናይቲ "ዝርርባት" ክኸዉን ከም ዝኽል ትጽቢት ዝግበር እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ኣብ ሪያድ ዝካየድ ዘሎ ግን ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ዳሳ ዘይተዓደመት ዩክረይን

ሕጂ፡ መጻኢ ህዝቢ ዩክረይን ርጕጽ ኣይኰነን። ዩክሬናውያን ሰላም'ዮም ዝደልዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ሩስያ 25 ሚእታዊት ዩክረይን ተቘጻጺራቶ ትርከብ።

ዩክረይን፡ እቲ ውግእ ህይወት ዓሰርታት ኣሽሓት ዜጋታታ ኣኽፊሉዋ እዩ።

ኣብ ሕሉፍ፡ ዝዀነ ስምምዕ ሰላም፡ ምሉእ ምስሓብ ሓይልታት ሩስያ ካብ ግዝኣት ዩክረይን ዘጠቓለለ ክኸዉን ኣለዎ ክትብል ጸኒሓ።

እዚ ድማ ሩስያ ኣብ 2022 ወራር ካብ እትጅምር ንድሓር ዝሓዘቶ ከባቢታት ጥራይ ዘይኰነ ኣብ 2014 ዝሓወሰቶ ሓውሲ ደሴት ጸሊም ባሕሪ ክሪሚያን፡ ሩስያ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ንተገንጸልቲ ሓይልታት ብምድጋፍ ዝጐበጠትነ ዞባታት ዶኔትስክን ሉሃንስክን እውን የጠቓልል።

ዩክሬናውያን ከምቲ ኣብ 2014 ወይ 2015 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ሕጂ'ውን ፈሪሖም ኣለዉ።

ኣብቲ እዋን፡ ከቢድ ውግእ እኳ ደዉ እንተበለ፡ ኣብ ዶባት ዝቐጸለ ምልውወጥ ተዅሲ ግን ቀጻሊ ክሳራታት እዩ ዘስዕብ ነይሩ።

ዉሕስነት ጸጥታ እንተዘይሃልዩ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ሓድሽ ማዕበል ኲናት ክለዓል ይኽእል።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ እቲ ኣመሪካን ሩስያን ዘካይድኦ ዘለዋ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ዩክረይ፡ ብጀክኣ ዝግበር ዝርርብ ከምቲ ዝዀነ ይዅን ውጽኢት ዘይብሉ ዝርርብ እያ ትቖጽሮ፤ ንዓና ዘየካተተ . . . ብዛዕባና ዝግበር ስምምዓት ኣፍልጦ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።

ስዑዲ ዓረብ

እቲ ኣብ መንጐ መራሕቲ ሩስያን ኣመሪካን ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ንምእንጋድ ጠሊበን ዝነበራ ቻይናን ሕቡራት ኣረብ ኢመራትን ኣይሰመረልንን።

ስዑዲ ዓረብ፡ ኣኼባ ትራምፕን ፑቲንን ከተአንግድ ምኽኣል፡ ንዓኣ ከም ሻራዊት ሃገር ኰይና ምሕራያ ዓብዪ ዓወት እዩ።

ሪያድ ከም'ቲ ምፍራም ውዕላት ኣብርሃም፡ ማለት ኣብ መንጐ ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ዝተገበሩ ክልተኣዊ ስምምዓት፡ ካብ ኣመሪካ ዲፕሎማሲያዊ ከስቢ እትረኽበሉ ኣጋጣሚ ክኸዉን ከም ዝኽእል ትኣምን።

ፖል ሳሌም፡ ትራምፕ ብቍጠባዊ፣ ፋይናንሳዊ፣ ወፍሪን ስትራተጂካዊ ምኽንያታትን፡ ርክብ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ንምሕያል ሃንቀውታ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።

ትራምፕ ኣብ መጻኢ ክህሉ ዝኽእል ስምምዕ ኣመሪካን ስዑዲን እስራኤልን ንምርግጋጽ'ዉን ተገዳስነት ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

ፕሮፌሰር ስትራተጂካዊ ርክብ ዶክተር ኒዳል ቾውኬር፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፖሊሲታት ማእከላይ ምብራቕ ትራምፕ፡ ብፍላይ ምስ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ብዝምልከት ኣገዳሲት ምዃና ሓቢሩ።

ዶክተር ኒዳል ቾከየር፡ ትራምፕ ንስዑዲ ዓረብ ከም ወሳኒት ስትራቴጂካውን ቍጠባውን መሻርኽቲ እዩ ዝርእያ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ብፍላይ ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ናብ ኤስያ ክጥምት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ትራምፕ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዓብላሊ ቍጠባዊ ተራ ኣመሪካ ንምርግጋጽ ይጽዕር ከም ዘሎ እውን ይሕብር።

ትራምፕ፡ ከም ኣካል ናይቲ ዋሽንግተን ምስ ቻይና እትገብሮ ዘላ ስትራተጂካዊ ውድድር፡ ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ሰፊሕ ዞባን ንምድልዳል'ውን ይጽዕር ከም ዘሎ እውን ይእመን።