ንትራምፕን ዘለንስኪን ዘሰሓሕብ ዘሎ ግዝኣት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ሃገሩ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ክሪሚያ ንዘለዋ ቍጽጽር ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ድሕሪ ምግላጹ፡ "ንዘተ ሰላም ብምዝራግ" ትራምፕ ከሲስዎ።
ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሜድያኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝግበር ስምምዕ "ኣመና ቀረባ" ምንባሩ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ዘለንስኪ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ነጥቢታት እማመ ምቕባል ምእባዩ ግን ነቲ ግጭት "ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ካልእ ውጽኢት ኣየምጽእን" ኢሉ።
ኣቐዲሙ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ ነቲ ስምምዕ ዝምልከት ዝተቐመጠ ራእይ ኣመሪካ፡ "ነቶም ኣብዚ እዋን ዘለዉ ግዝኣታዊ መስመራት [...] ዘርግእ እዩ" ኢሉ።
ዩክረይን ነታ ኣብ 2014 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሩስያ ዝተጐብጠት ሓውሲ ደሴት ክረሚያ ከምዘይትገድፋ ካብ ነዊሕ እዋን ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ቫንስ፡ በቲ እማመ ስምምዕ መሰረት፡ ሩስያን ዩክረይንን "ክልቲአን ገለ ካብቲ ሕጂ ዝውንናኦ ዘለዋ መሬት ክገድፋ ክግደዳ እየን" ኢሉ።
ምምሕዳር ትራምፕ እንታይ ዓይነት ግዝኣታዊ ሕድገታት ክግበር ከምዘለዎ ዘነጽር ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ኣይሃበን።
እቲ ምምሕዳር፡ ክረሚያ ከም ልኡላዊ ግዝኣት ሩስያ ኣፍልጦ ክህብ ብዛዕባ ምዃኑ፡ ትራምፕ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ ጥራይ እየ ዝደሊ ዘለኹ ዝብል ምላሽ ሂቡ።
"ዝዀነ ብፍሉይ ዝፈትዎ የብለይን፤ ዝዀነ ዝፈትዎ ክህልወኒ'ውን ኣይደልን፤ እቲ ውዕል ክግበር ጥራይ እየ ዝደሊ" ኢሉ።
ሩስያ ንክረሚያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምጕባጣ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት፡ ዘለንስኪ ብፖለቲካዊ መዳይ ክቕበሎ ዘይከኣል ጉዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ዶባት ብሓይሊ ክቕየር የብሉን ዝብል ሕጊ ዝጻረር'ውን እዩ።
ዘለንስኪ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሓውሲ ደሴት ክረሚያ ዘለዋ ሕቶ ክትገድፎ ዝቐረበ ሓሳብ ብቐጻሊ ክነጽጐ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ "ኣብዚ ጉዳይ ዝዛረበሉ ነጥቢ የለን፣ ኣንጻር ቅዋምና'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ኣብ መንጐ ትራምፕን ዘለንስኪን ዝግበር ዘሎ ምምልላስ ርእይቶታት፡ መርኣያ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ዘይረግአ ዝምድና ክልቲኦም መራሕቲ እዩ።
ኣብ ለካቲት፡ ክልቲኦም ኣብ 'ኦቫል ኦፊስ' - ቤተመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ናብ ገርጨውጨው ከምርሑ ተራእዮም እዮም።
ትራምፕ፡ ብረቡዕ ካብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ምስ ዩክረይን ምስ ሩስያ ምዝርራብ ከምዝቐልል ተዛሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ሩስያ ስምምዕ ክገብሩ ከምዝቐረቡ ከምዝኣምን ብምግላጽ፡ ምስ ዩክረይን ግን ከምኡ ዓይነት ቅሩብነት ከምዘየለ ብምምልካት፡ "ሩስያ ድልውቲ ዘላ እመስለኒ" ኢሉ።
ምስ ዘለንስኪ ምዝርራብ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት እዩ ነይሩኒ፤ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣመና ከቢድ እዩ ዘሎ፡ እውን ኢሉ።
መራሕቲ ዓለም፡ ቀዳም ናብ ስነስርዓት ቀብሪ ር.ሊ.ጳ. ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዘቕንዑሉ፡ ምስ ዘለንስኪ ንምዝርራብ ከም ተኽእሎ ክፉት ገዲፍዎ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ኣመሪካ፡ ንኲናት ዩክረንን ሩስያን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ደው ከምዘብሎ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለጸ፡ ግዜ ስልጣኑ 100 መዓልታት ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ እዋን ግን ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ጭቡጥ ውጽኢት ኣይተራእየን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ ፕረዚደንት [ትራምፕ] ተስፋ ቈሪጹ'ሎ፡" ብምባል፡ "ትዕግስቱ ይጽንቀቕ ከምዘሎ" ገሊጻ።
ቫንስ፡ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሐን ኣመሪካ ካብቲ ናይ መንጐኛነት ተራኣ "ክትወጽእ እያ" ክብል ኣጠንቂቑ። እዚ መጠንቀቕታ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ትራምፕን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ዝሃብዎ ርእይቶታት ደጊሙ ዘቃልሕ እዩ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝግበር ዝርርብ ኣተኲሮም፡ እቲ ኲናት ንምቍራጽ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ እናተቐላጠፈ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ካብ ኣኼባ ኣብ ለንደን ኣንሳሒቦም ኣለዉ።
ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ንምርግጋጽ፡ ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ዩክረይንን ኣመሪካን፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ለንደን ካብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ሩቢዮን ፍሉይ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮፍን ድሕሪ ምንስሓቦም እቲ ኣኼባ ደረጃኡ ከምዝነከየ ይግለጽ።
ኣብ ክንድኡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ ኣብ ዩክረይን ጀነራል ኪት ኬሎግ ኣብ ኣኼባ ለንደን ዝተሳተፈ ኰይኑ፡ ዊትኮፍ ንራብዓይ ግዜኡ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ናብ ሩስያ ክኸይድ እዩ።
ሰበስልጣን ብሪጣንያ፡ ሩቢዮን ዊትኮፍን ካብ ኣኼባ ለንደን ንምንታይ ከምዝወጽኡ ከምዘይነጸረሎም ገሊጾም።
ሩስያ፡ ድሕሪ'ቲ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ዝተገብረ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ካብ ረቡዕ ጀሚራ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ኣሐይላ ቀጺላ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







