ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ በይናዊ ምቁራጽ ተዂሲ ኣዊጃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተዂሲ ኣዊጁ።
ቤተመንግስቲ ክረምሊን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ በይናዊ ምቁራጽ ተዂሲ ካብ 8 ክሳብ 11 ግንተት ዝጸንሕ'ዩ። እቲ ሰሙን፡ ሩስያ ዝኽሪ ዓወት ካልኣይ ወግእ ዓለም እትጽንብለሉ ምዃኑ ይፍለጥ።
"ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው" ፑቲን ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ'ዩ እቲ መግለጺ ዝጠቅስ።
ብተወሳኺ "ብወገን የክረይን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ሩስያ ትጽቢት ትገብር" ይብል መግለጺ ሞስኮ።
"እቲ ምቁራጽ ተዂሲ ብወገን ዩክረይን እንተ ተጣሒሱ ግን፡ ሓይልታት ምክልኻል ፈደረሽን ሩስያ ኣድላዪን ኣድማዒን ግብረመልሲ ክህቡ'ዮም"።
"ሩስያ፡ ሕጀ'ውን ንመሰረታዊ ጠንቅታት ቅልውላው ዩክረይን ንምውጋድ ብዘይ ቅድመኩነት ንሰላም ዘለዋ ቅሩብነት ኣዊጃ'ላ"።
"ምስ ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ ሃናጺ ጽምዶ" ክትገብር ድልውቲ ምዃና'ውን ሞስኮ ኣሚታ።
ኲናት ዩክረይን ኣብ 2022 ካብ ዝውላዕ ንድሓር ልዕሊ 20 ፈተነታት ምቁራጽ ተጻብኦታት ተገይሩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ከይወዓለ ከይሓደረ'ዩ ክጠሓስ ተራእዩ።
እቲ ዝደሓረ ሩስያ ብኣጋጣሚ በዓል ትንሳኤ ዝኣወጀቶ ን30 ሰዓታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተዂሲ'ውን ተመሳሳሊ ዕጫ'ዩ ኣጋጢምዎ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ምቁራጽ ተዂሲ ብምጥሓስ ንሓድሕዶም ክካሰሱ'ዮም ጸኒሖም።
ነቲ ደማዊ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከካይድ ዝጸንሐ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዒላማታት እትፍጽሞ መጥቃዕትታት ደው ከተብሎ ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ።
ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምርግጋጽ እዚ ሰሙን'ዚ "ወሳኒ" ምዃኑ'ውን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማርኮ ሩብዮ ተዛሪቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







