ሞስኮ፡ ላዕለዋይ ሩስያዊ ጀነራል ይቕተል፡ ልኡኽ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ይራኸብ

ምንጪ ስእሊ, INVESTIGATIVE COMMITTEE OF RUSSIA/HANDOUT/Getty Images
ሓደ ላዕለዋይ ሩስያዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም። እቲ ቅትለት፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን'ዩ ተፈጺሙ ዘሎ።
ጀነራል ያሮስላቭ ሞስካሊክ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ ከምዝተቐትለ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቲ መጥቃዕቲ ብዩክረይን ዝተፈጸመ ከምዝኾነ'ዮም ሰብመዚ ሩስያ ዝዛረቡ ዘለዉ።
ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ስርዓት ኪቭ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ሽበራዊ ንጥፈታት ምፍጻም ይቕጽሎ ኣሎ" ክብል ነቒፉ።
ብወገን ዩክረይን ግን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ይኹን ብሞስኮ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።
ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል'ኳ እንተዘየለ፡ ዩክሬናውያን ዝፈጸምዎ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይንገር።
እቲ ጀነራል ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ሩስያ ሓላፊ ስርሒታት ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓያለ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሞስኮ ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2024፡ ሓላፊ ኑክሌራዊ፡ ስነ ቀመማዊን ስነ ህይወታዊን ኣጽዋር ሰራዊት ሩስያ ዝነበረ ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ ኣብ ኣፍደገ ዝነብረሉ ዝነበረ ህንጻ ብዝተጻወደ ቦምባ ምቕታሉ ይዝከር።
ሒደት መዓልታት ኣቐድም ኣቢሉ'ውን፡ ፍሉጥ ሳይቲስት ሚሳይላት ሩስያ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ተቐቲሉ ተረኺቡ ነይሩ'ዩ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ፡ "ግብረ-ሽበራ" እዩ ክትብል ንቕትለት ናይቲ ጀነራል ገሊጻቶ'ላ።
"ሎሚ፡ ሓደ ኣባል ሰራዊት ሩስያ በቲ ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ምስ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ደው ክብል ከምዘለዎ ኣመልኪታ።
ካልኦት ምስ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ርክብ ኣለዎም ወይ ንፕረዚደንት ፑቲን ይድግፉ'ዮም ዝብሃሉ ወልቀሰባት'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክቕተሉ ጸኒሖም'ዮም።
ብኻልእ ወገን፡ ንኲናት ዩክረይን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ብፕረዚደንት ትራምፕ ፍሉይ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዘሎ ኣመሪካዊ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮፍ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቡ ተዘራሪቡ'ሎ።
እቲ ንሰለስተ ሰዓታት ዝቐጸለ ዝርርብ ውጽኢታዊ ምንባሩ ተሓጋጋዚ ፑቲን ዩሪ ኡሻኮቭ ተዛሪቡ። እቲ ርክብ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣመሪካን፡ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኪኖኡ ዝኸይድ ፍልልይ ከምዘጽበቦ'ውን እቲ ተሓጋጋዚ ገሊጹ።
ክልቲኦም ወገናት ሩስያን ዩክረይንን ቀጥታዊ ዝርርብ ዘካይዳሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ ልዝብ ከምዘካየዱ'ውን ኡሻኮቭ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኑ፡ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ "ተቓሪብና ኣለና" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ'ሎ።
ሰነድ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ከምዝረኸበ ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ እማመታት ከምዘለዉ ይሕብር። እቲ ሓደ ብኣመሪካ ዝቐረበ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብሕብረት ኣውሮጳን ዩክረይንን ዝቐረበ'ዩ።
ክልቲኡ እማመታት ጸጥታዊ ውስሕስነት ክህሉ ዝጠልብ ኮይኑ፡ እቲ ብወገን ኣውሮጳን ኪቭን ዝቐረበ ግን እቲ ውሕስነት ብተምሳል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክኸውን ዝብል ይርከቦ።
እቲ ካልኣይ ብኣውሮጳን ዩክረይንን ዝቐረበ ኮይኑ፡ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሩስያ ካብቲ ጎቢጣ ሒዛቶ ዘላ ከባቢታት ዩክረይን ዝተወስዱ ኣሽሓት ህጻናት ክምለሱ፡ ከምኡ'ውን ናይ ኩሎም ምሩኻት ኲናት ምልውዋጥ ክግበር ይጽውዕ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ እማመታት፡ ንግዝኣታዊ ኣፍልጦ ናይቶም ብሩስያ ዝተጎብጡ ዞባታት ምብራቕ ዩክረይን (ክራይሚያ፡ ሉሃንስክ፡ ዶነትስክ፡ ዛፖርዢዣን ከርሶንን)፡ ከኡም'ውን ብዛዕባ ዳግመህንጻ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጽን ከተማታትን ዩክረይን ዝምልከት'ዩ።
ጉዳይ ካሕሳ'ውን ከምዝተላዕለ'ዩ ጸብጻብ ሮይተርስ ዝጠቅስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







