ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ዩክረይን መዓርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ተዓጽዩ

ዩክረይን ኣብ ሞስኮ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ድሮን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያ፡ ዩክረይን ንኽልተ ተኸታተልቲ ለይትታት ንሞስኮ ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዘካየደት ሓቢራ።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕነት ንምርግጋጽ ተባሂሉ ንሓያሎ ሰዓታት ተዓጽዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ድሒሮም ግን ኣገልግሎት ከም ዝጀመሩ ተቘጻጻሪት ኣቭየሽን ሩስያ ሮዛቪትያትስያ ብተለግራም ሓቢራ።

ከንቲባ ሞስኮ ሰርገይ ሶብያኒን፡ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ናብታ ከተማ ዝመጽኣ ዝነበራ ብውሕዱ 19 ድሮናታት ገና ናብታ ከተማ ከይኣተዋ እንከለዋ ከም ዝተወቕዓ ገሊጹ። ገለ ካብቲ ክፋላተን ኣብ ሓደ ካብቶም ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ዓበይቲ ጽርግያታት ከም ዝዓለበን ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘየስዓበን'ውን ሓቢሩ።

ዩክረይን ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን ዘላ።

ከንቲባ ከተማ ካርኪቭ ግን ብኣንጻሩ፡ ሩስያ ኣብታ ከተማ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ኪቭ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዘካየደት ገሊጹ።

ኣመሓደርቲ ካልኦት ከተማታት ሩስያ - ንፔንዛን ቮሮነዝን ሓዊሱ - ናብ ሰሉስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብሮናት ከም ዝተሃርማ ገሊጾም።

ዘይተረጋገጸ ግና ብወተሃደራውያን ብሎግራት ሩስያ ዝወጽአ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሞስኮ ናይ ዝርከቡ ኣባይቲ መስኮታት ከም ዝተሰባበረ ሓቢሮም።

ሩስያ ብዩክረይን መጥቃዕቲ ድሮን ዝፈጸመላ ዘሎ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ምሸት እዩ። ትማሊ ሰኑይ ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ሓደ ለይቲ 26 ድሮናት ዩክረይን ከም ዘዕነወ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሩስያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ብምሉእን ወራር ድሕሪ ምጅማራ፡ ኪቭ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ብዙሕ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣካይዳ ኣላ። እቲ ኣብ መጋቢት ዘካየደቶ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ።

ዩክረይን ናብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ንምስጋር ሓድሽ ፈተነ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ትማሊ ሰኑይ ሓቢራ ኣላ።

ኪቭ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከባቢ ኩርስክ ኣብ ጥቓ ቍሸት ትዮትኪኖ ሩስያ ንዝነበረ መአዘዚ ነቝጣ ብድሮን ከም ዝሃረመቶ ሓቢራ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ሞስኮ፡ ሓይልታት ዩክረይን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽሙ ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ንመላእ እቲ ከባቢ ዳግማይ ከም ዝተቘጻጸረት ገሊጻ ነይራ። ኪቭ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ስግረ-ዶባዊ ስርሒት ዘካይዱ ወተሃደራት ከም ዘለውዋ ትገልጽ።

ኣብ ከተማ ሪልስክ ዝርከብ ንኡስ መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ ብዩክረይን ድሕሪ ዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣገልግሎቱ ከም ዘቋረጸ ሰበስልጣን ሩስያ ሓቢሮም።

በቲ ፍንጀራ ናይቲ መደበር ድማ ክልተ መንእሰያት ከም ዝቘሰሉ ወሲኾም ኣፍሊጦም።

ብዙሓት ወተሃደራት ሩስያ ዝዀኑ ብሎግራት ከም ዝገልጹዎ፡ ሓይልታት ዩክረይን ናብታ ዓዲ ክሰግሩ ከም ዝፈተኑ ብምግላጽ፡ ተሽከርከርቲ ነቲ ብታንክታት ከም ዒላማ ዝተኣስረሉ ዶብ ጥሒሰን እናሓለፋ ዘርኢ ኣሳእል ለጢፎም።

እቲ ኣሳእል ግን ገና ብቢቢሲ ኣተረጋገጸን።

ትማሊ ሰኑይ ሓይልታት ዩክረይን ናብቲ ዶብ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከም ዘካየዱን ፍሉያት መካይን ተጠቂሞም ጥሒሶሞ ከም ዝሰገሩን እቶም ብሎገራት ገሊጾም።

ዩክረይን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ስርሒት ኩርስክ ካብ ዝጅምር ኣብ ትሽዓተ ወርሑ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ዶብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ወተሃደራዊ ህላውኡ ከም ዘረጋገጸ ሓቢራ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ካብ ትዮትኪኖ ኣስታት 12 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሱሚ፡ ሰበስልጣን፡ ሰባት ካብ ክልተ ከተማታት ክወጽኡ ከም ዝሓተቱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዩክረይን ኣብ ነሓሰ 2024 ብሃንደበት ናብ ኩርስክ ዝኣተወት፡ መከላኸሊ ዞባ ንምፍጣርን ሱሚን ኣብ ጥቓኣ ንዝርከቡ ከባቢታትን ንምሕላውን እያ። ኣብ ዝመጽእ ዝርርባት ከም መዋገዪ ክትጥቀመሉ'ውን ተስፋ ገይራ ኣላ።