ን123 መዓልታት ኣድማ ምሕሳም-መግቢ ዝገበረ ሓረስታይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወዲ 70 ዓመት ህንዳዊ ሓረስታይ ን123 መዓልታት ናይ መግቢ-ምሕሳም ኣድማ ኣካይዱ።
በዓል-ፀጋ ዕድመ ጃግጂት ሲንግ ዳሌዋል፡ መንግስቲ ፌደራል ንጠለባት እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ሓረስቶት ምላሽ ክህብ ጸቕጢ ንምግባር እዩ ኣድማ መግቢ ዘካይድ ዘሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሓረስቶት ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳሮም፡ ንሸሞንተ መዓልታት ማይ እኳ ምጥዓም ኣብዮም ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መንግስቲ ፑንጃብ እቶም ሓረስቶት ጥዕንኦም ምስ ኣንቆልቆለ ፖሊስ ናብ ሆስፒታል ከሰጋግሮም ኣዚዙ ነይሩ።
እዚ ናይ ሓረስቶት ኣድማ ምሕሳም-መግቢ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓረስቶት ኣብ ዶብ ግዝኣታት ፑንጃብን ሃርያናን ዝተልዓለ ተቓውሞ እዩ።
ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበሉ ዝበዝሕ ህዝቢ መነባብርኡ ኣብ ሕርሻ ዝተደረኸለን ከባብታት፡ ምስ መቐሎ መሬት፣ ግብር ቀረብ ዘበናዊ ድኽዕን ተመሳሰልቲ ቅረታታት ይለዓሉ።
ሓሓሊፉ ድማ ናብ ተቓውሞታት ከምርሑ ይረኣዩ።
ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ንውድቀት ስርዓት ሃፀይ ሃይለስላሴ ጠንቂ ከብ ዝዀኑ ነገራት ሓደ፡ ተቓውሞ ሓረስቶታት ኰይኑ ምስ ግብሪ ዝተኣሳሰር ከምዝነበረ ድርሳናት ይሕብሩ።
እቶም ሓረስቶት ዘቕርብዎ ዘለዉ ጠለባት፡ ንገለ ዝራእቲ ውሕስነት ዋጋታት፣ ምሕረት ልቓሕ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ተቓውሞታት ህይወቶም ዝሰኣኑ ሓረስቶት ካሕሳ ይወሃቦም ዝብሉ ይርከብዎም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓረስቶት ናብ ርእሰ ከተማ ደልሂ ንምብጻሕ ገለ ፈተነታት እኳ እንተገበሩ፡ ኣብቲ ነቑጣታት ብዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ተዓጊቶም።
ሓረስቶት ህንዲ ተቓውሞኦም ናብ ጎደናታት ከውጽኡ እዚ ናይ መጀመርታ እዋን ኣይኮነን።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሓረስቶት መእተዊን መውጽእን ርእሰ ከተማ ህንዲ ደልሂ ተቖጻጺሮም ነይሮም።
እቶም ሓረስቶት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘጽደቖም ሰለስተ ሕግታት ሕርሻ ኣንጻር ረብሓና እዮም ብምባል እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ።
መንግስቲ እቶም ሕግታት መሸጣ ፍርያት ሕርሻ ብምምሕያሽ ንማሕበረሰብ ሓረስቶት ዝጠቕሙ እዮም እንተበለ'ኳ፡ እቶም ሓረስቶት ምዝመዛ ዘስዕቡ እዮም ብምባል ኣይቅበሉዎን።
እቲ ተቓውሞታት ምስ በርትዐ እቲ ሕጊ እንተተሰረዘ'ኳ፡ ኣብቲ እዋን ሓረስቶት ዘቕረብዎም ካልኦት ሕቶታት ግን ክሳብ ሕጂ ከምዘይተመለሱ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጃግጂት ሲንግ ዳሊዋል መን እዩ?
ሓረስታይ ዳሌዋል ተወላዲን ነባሪን ግዝኣት ፑንጃብ እዩ።
ኣታዊ እቲ ግዝኣት ብቐንዱ ኣብ ግብሪ ዝተመርኮሰ ዀይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል እቶት ሕርሻ፣ ሓረስቶት ኣብ ዕዳ ክወድቁ፣ ክስደዱ፣ ዓርሰ-ቅትለት ክፍፅሙ ጠንቂ ኮይኑ ኣሎ።
ዳለዋል መራሒ ናይቲ 'ሳምዩክታ ኪሳን ሞርቻ' ዝበሃል ጥምረት ማሕበራት ሓረስቶት እዩ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ኣብ ፑንጃብ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ዝፍጸም ምሕዳግ-መሬት ተቓውሞታት ሓረስቶት መሪሑ እዩ።
ኣብ 2018 ሓያሎ ትራክተራት ናብ ደልሂ ዘቕናዓሉ ተቓውሞ ብምምራሕ'ውን ይፍለጥ።
ዳሌዋል ኣድማ መግቢ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብፖሊስ እታ ግዝኣት 'ንሕቶታት ንደልየካ ኢና' ብዝብል ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ነይሩ።
ኣብ ሆስፒታል ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ሓረስታይ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ናብቲ ተቓውሞ ተመሊሱ ተፀምቢሩ።
ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ እቲ ሓረስታይ መንሽሮ ፕሮስቴት ሓዊሱ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘለዎ ፀብፂበን።
ኣብ መበል 101 መዓልቱ [ምሕሳም-ምግቢ]፡ ኣእጋሩ ከም ዝሓበጠ፣ ማይ ምስታይ ጠጠው ከምዝበለን ሓካይም ድማ ኩነታቱ ይከታተልዎ ከም ዝነበሩን ይንገር።
ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ናይ መግቢ-ምሕሳም ኣድማ ዝገበሩ ሓረስቶት 17 ሄክታር መሬቶም ንደቆምን ስድራቤቶምን ክመቕሉ ፍቓድ ከምዝገበሩ ተገሊጹ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ካብ ዝሓለፉ ብኸመይ ይፍለ?
ብመንጽር ጠለባት ሓረስቶት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን።
ተንተንቲ ግን መንግስቲ ሞዲ ነዚ ዙርያ ተቓውሞ ካብቲ ዝሓለፉ ብዝተፈለየ መንገዲ ይምልሶ ከምዘሎ ይዛረቡ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ መንግስቲ ፌደራል ምስቶም ሓረስቶት ተደጋጋሚ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ።
ሚኒስተር ሕርሻን መግብን ህንዲ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣካል ናይቲ ድርድር እዮም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ እቶም ሓረስቶት ናብ ደልሂ ንምጉዓዝ መደብ ከምዘለዎም ኣብ ዝገለጹሉ እዋን፡ ወሰንቲ ሚኒስተራት ፌደራል ምስቶም መራሕቲ ክልተ ዙርያ ዝርርብ እኳ እንተገበሩ፡ ዝኾነ ለውጢ ግን ኣይተራእየን።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ መንግስቲ ፌደራል ካብቲ ተቓውሞታት ዝረሓቐ ይመስል።
ሚኒስተር ሕርሻ፡ ነቶም ሓረስቶት ንዘተ ክዕድሞም ድዩ ዝብል ሕቶ ዝሓለፈ ሰሙን ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ነይሩ። እቲ ሚኒስተር ብወገኑ መንግስቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝወሃብ ዝኾነ ይኹን መምርሒ ከፈፅም ምዃኑ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ናይ ዝሓለፈ ተቓውሞ ፍጻመታት ከይድገም፡ ጥንቃቐ ይገብር ከምዘሎ ክኢላታት ይኣምኑ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣከብቲ ግብሪን ማሕበራት ሓረስቶትን እታ ሃገር ዝተኻየደ ፍሹል ድርድር፡ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ተቓውሞ ኣስዒቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







