‘ፈቲንካ ምሟት ይሓይሽ...’- ደሴታት ካናሪ ንምብጻሕ ዘይሕለል ሰብኣይ

ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት

ሰኔጋላዊ ሓረስታይ መሓመድ ዓሊ ብባሕሪ ተጓዒዙ ኣይፈልጥን፤ ሕጂ ግን ነቲ ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ናብ ጃምላዊ መቓብር ዝቐየረ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ንምስጋር ተዳልዩ ኣሎ።

“መራሕቲ እታ ጃልባ ደዊሎምለይ፤ ክዳሎ ከም ዘለኒ ነጊሮምኒ ኣለዉ። ንኽትጽልዩለይ እየ ዝሓተኩም ዘለኹ፤ ግዜኡ ኣኺሉ እዩ” ይብል።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ፡ ነቲ ስደተኛታት ብምዕራብ ኣፍሪቃን ደሴታት ካናሪን ብዘሎ ሓደገኛ መሳገሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝትስፈውሉ ሚስጥራዊ ዓለም ክበጽሕ ዕድል ረኺቡ ኣሎ።

መሓመድ ካብቶም ናብቶም ደሴታት ዝበጽሑ ስደተኛታት ክኸውን ይደሊ። ብዝሖም ልዕሊ ዝዀነ እዋን ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ።

ሰብመዚ እቲ ከባቢ፡ ስደተኛታት ኣብቶም ኣኻውሕ ዝበዝሖም ደሴታት “ዝደኸመን፡ ኣብ ምፍርራስ ዘሎን” ስርዓት ከም ዝጽበዮም’ኳ እንተጠንቀቝ፡ ቘራጽነት መሓመድ ግን ዋላ ሓደ ዝብድሆ ዘሎ ኣይመስልን።

ኣብታ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐትን ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓነትን ፒሮጋ ዝዓይነታ ጃልባ መግፈፊ ዓሳ ተሰቒሉ፤ ኣብቲ በዳሂ ባሕሪ መዓልታት ወይ ሰሙናት ከሕልፍ ይኽእል እዩ።

ካብ ሰኔጋል ክሳብ’ቲ ውቅያኖሳዊ ደሴት ካብ ሓደ ሽሕ ክሳብ ክልተ ሽሕ ኪሎሜትር ከም ዝርሕቕ ይግመት። ካበይ ከም ትብገስ እዩ ዝውስኖ፤ እዚ ጕዕዞ ንሜድትራንያን ኣቋሪፀን ምስ ዝጓዓዛ መራክብ እንክነጻጸር ብ10 ዕጽፊ ዝረሓቐ እዩ።

ስደተኛታት፡ ምስ ህቦብላ ውቅያኖስን ከቢድ ኵነት ባሕርን እናተቓለሱ፡ህዋሳት ተጋራጫዊ ሓበሬታታት ናብ ሓንጐል ምስ ዝልእኹ ብዝፍጠር ሕማምን (severe motion sickness) ከቢድ ፍርሕን እናተሳቐዩ መብዛሕትኡ ግዜ ዋሕዲ ማይ የጋጥሞም።

ለይቲ፡ ብጸሊም ማያት ተኸቢቦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቀልቦም ይስሕቱ፤ ብፍርሒ ይደኽሙን ሰብነቶም ማይ ዋሕዲ የጋጥሞን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብቲ ገማግም ርሕቕ ኢሎም ኣብ ሰኔጋል ምብራቓዊ ታምባኮውንዳ ዝርከቡ ደቂ መሓመድን ስድራኡን፡ በቲ ብሕርሻ ኣቢሉ ዝረኸቦ ቅሩብ ገንዘብ እዮም ሂወቶም ዝመርሑ።

እቲ ወዲ 40 ዓመት መሓመድ ዓሊ ናብቶም ኣብ ጥቃ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ መበገሲታት ናብቲ ሓደ ካብ ዝቐርብ ኣትሒዙ፡ ንስድራኡ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ኣይረኣዮምን።

ንሱ ናብ ደሴታት ካናሪ ብመርከብ ንምስጋር ዘድሊ ሓደ ሽሕ ዶላር ንምውህላል፡ ኣብኡ ከም ሞተረኛ ኰይኑ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ፡ ካብ ኣዕሩኽቱ’ውን ገንዘብ ተለቂሑ።

ከይታለል ስለ ዝሰግአ ድማ፡ በታ ጃልባ ሓንሳብ ምስ ሰገረ ምሉእ ክፍሊት ከም ዝኸፍል ምስቶም ኣስገርቲ ተሰማሚዑ።

“ኣብቲ ማያት እንታይ ከም ዘጋጥመኒ ዝዀነ ኣይፈልጥን። ሕማቕ መንፈስ እቲ ባሕሪ ክቐትለኒ ይኽእል’ዩ” ብምባል፡ ኣብ ድሕነት እቲ ገማግም ባሕሪ ኰይኑ ንቢቢሲ ስግኣቱ ገሊጹ።

“እታ ጃልባ ተገምጢላ ኵላትና ክንመውት ንኽእል ኢና። ናብቲ ማይ እንተወዲቐ፡ እንታይ ሒዘ እየ ክድሕን? እቲ እንኮ ተኽእሎ ሞት ጥራይ እዩ፤ ግን ንዝመጽእ ሓደጋ ሓላፍነት ክትወስድ ኣለካ።”

ብዙሓት ጃላቡ ሂወት ኣማኢት ሰባት ሒዘን ጠፊአን እየን። ብዘይ ስሩዕ ክትትልን ቍጽጽርን ገሊአን ኣንፈተን ስሒተን፣ ማዕበል ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ደፊኡ ናብ ገማግም ባሕሪ ብራዚል ኣስጊርወን እዩ።

መሓመድ ካብዚ ጕዕዞ እንተድሒኑ፡ ንስድራኡ ንምሕብሓብ እኹል ገንዘብ ክረክብ ይትስፎ፤ ስድራኡ ንኸየሻቕሎም ግን መደባቱ ብምስጢር እዩ ሒዝዎ ዘሎ።

ሰኔጋል፡ ዋላ’ኳ ካብ 2010 ኣብ ዘሎ ዓሰርተ ዓመት ዓቢይ ቍጠባዊ ምዕባለ እንተመዝገበት፡ ልዕሊ ሲሶ እታ ሃገር ሕጂ’ውን ኣብ ድኽነት ከም ዝነብር ባንክ ዓለም ይገልጽ።

“ኵሉ ዓይነት ስራሕ ሰሪሐ እየ፤ ነገራት ግን ኣይተመሓየሹን። ገንዘብ እንተ ዘይብልካ ዋጋ የብልካን። እንኮ ተስፋኦም ኣነ እየ፤ ግን ገንዘብ የብለይን” ይብል።

ከምኡ ዝኣመሰሉ፡ ዝበዝሑ በዚ መስመር ዝሰግሩ ካብ ግጭትን ብክሊማዊ ለውጥን ዝተጋደደ ድኽነትን ዝሃድሙ ስደተኛታት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ እዮም።

ሰኔጋላዊ ሓረስታይ መሓመድ ዓሊ ብባሕሪ ተጓዒዙ ኣይፈልጥን፤ ሕጂ ግን ነቲ ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ናብ ጃምላዊ መቓብር ዝቐየረ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ንምስጋር ተዳልዩ ኣሎ።
መግለጺ ስእሊ, ሰኔጋላዊ ሓረስታይ መሓመድ ዓሊ ብባሕሪ ተጓዒዙ ኣይፈልጥን፤ ሕጂ ግን ነቲ ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ናብ ጃምላዊ መቓብር ዝቐየረ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ንምስጋር ተዳልዩ ኣሎ

ደሴታት ካናሪ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ተስፋ ንዝገበሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ቀንዲ ኣፍደገ ኰይነን ኣለዋ። ሃገራት ኢጣልያን ግሪኽን፡ ባሕሪ መዲትራንያን ኣቋሪጾም ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ንዝመጽኡ ስደተኛታት ንምግታእ ስጕምትታ ክወስዳ ድሕሪ ምጅማረን ብፍላይ፡ ስደተኛታት ገጾም ናብ ደሴታት ካናሪ ኣዚሮም።

ኣብ 2023 ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ካናሪ ኣትዮም፤ እዚ ኣሃዝ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት እቲ ዝዓበየ እዩ። ኣብዚ ዓመት ድማ ልዕሊ 30 ሽሕን 800 ክኣትዉ ክኢሎም እዮም። እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ዝነበረ መጠን ብዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።

መንግስቲ ደሴታት ካናሪ፡ ኵነታት ኣየር ኣትላንቲክ ኣብ ዝመሓየሸሉ እዋን “እቲ ዝኸፍአ” ብሕጂ ከም ዝመጽእ እዩ ዝሰግእ።

ፕረዚደንት ደሴታት ካናሪ ፈርናንዶ ክላቪሆ ንቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ብፍሉይ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ነቲ ስርዓተ ህጹጽ ሓደጋ “መጠኑ ዝሓለፈ” ብምባል ይገልጾ፤ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን፡ ፖሊስን ወለንተኛታት ቀይሕ መስቀልን ድማ ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝዀኖም ይሕብር።

ክላቪሆ፡ “ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት ሰባት ክሞቱ እዮም፤ ንስደተኛታት ከም ዝግበኦም ክንሕግዝ ኣይንኽእልን” ይብል።

“ሕጂ ብባሕሪ መዲትራንያን ንኣውሮጳ ምእታው ኣይከኣልን። እዚ ማለት እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ቀታልን መስመር ኣትላንቲክ መህደሚ መስመር ኰይኑ ኣሎ።”

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋ፡ በዚ ኵነታት ከም ዝረብረቡ ገሊጾም።

ሓደ ኣባል እቲ ኣገልግሎት፡ “ካብ ሕጂ ሰራሕተኛታት ሞትን ዕንወትን ምርኣይ ክጻወርዎ ኣይኽእሉን’ዮም” ኢሉ።

ደሴታት ካናሪ

ካብ ፈለማ 2023 ጀሚሮም ናብታ ዝነኣሰት ደሴት ኢል ሂረሮ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ብዝሒ ህዝቢ እታ ደሴት ልዕሊ ዕጽፊ - ኣስታት 30 ሽሕ ክኸውን ደሪኾም ኣለዉ።

ዜጋታት ኣውቶቡሳት ክጥቀሙ ኣይኽእሉን፤ ምኽንያቱ ስደተኛታት ንምጓዓዝ የገልግላ ስለ ዘለዋ ዝብል ፕረዚደንት ደሴታት ካናሪ ክላቪሆ፡ እዚ ድማ ጽልኣት ወጻእተኛታትን ማሕበራዊ ናዕቢን ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።

“ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክሳብ መንግስቲ ስጳኛ ኵላትና ሓላፍነት ክንወስድ ይግባእ። ምኽንያቱ ደሴታት ካናሪ ንበይንና ነዚ ቅልውላው ክንጻወሮ ምግዳፍ ኣይከኣልን” ይብል።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተርኣየ ምውሳኽ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ኣብ ስጳኛ ብርቱዕ ሃገራዊ ክትዕ ኣስዒቡ። ዘይሕጋዊ ስደት ብኸመይ ምዕጋት ይከኣል፣ ንስደተኛታት ብፍላይ ድማ በይኖም ንዝመጽኡ ህጻናት ምሕብሓብ ኣብ ዝብል ክትዕ ይካየድ ኣሎ።

ካናሪ፡ ሃገራት ንዝመጽኡ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ንብሕቶም ንዝመጽኡ ህጻናት ክሕግዛ ጸዊዓ ኣላ።

ናብ ሰኔጋል ምስ እንምለስ፡ መሓመድ ናብቶም ኣብ ምስጢራዊ ቦታ ዝርከቡ ካልኦት ስደተኛታት ክሕወስ በቶም ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ተጸዊዑ ኣሎ። ካብዚ ንነዘ ዕጫኡ ኣብ ኢድ እቶም ኣስገርቲ እዩ።

“ብዙሓት ኢና፤ ነቲ ገዛ መሊእናዮ ኣለና። ካብ ማሊን ጊኒን ዝመጽኡ ሰባት ኣለዉ። ክሳብ ናብታ ዓባይ ጃልባ ንበጽሕ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሰባት ብዝሕዛ ንኣሽቱ ጃላቡ ይወስዱና። ብድሕሪኡ ጕዕዞ ክንጅምር ኢና” ይብል።

ንሱ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ንምብዳህ ቅሩብ ጠራሙስ ማይን ብኣጻብዕቲ ዝቝጸር ብሽኩቲን ጥራይ እዩ ሒዙ።

ኣብ ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ብተኸታታሊ ሓሚሙ። እታ ዝተጨናነቐት ጃልባ ቦታ ስለ ዘይብላ ዝበዝሕ ግዜ ደው ኢሉ እዩ ዘሕልፎ፤ ምስ ነዳዲ ኣብ ዝተሓወሰ ማይ ባሕሪ ድማ ይድቅስ።

እቲ ዝሓዞ ቅሩብ ማይ ስለ ዝወድአ ማይ ባሕሪ ክሰቲ ግድን ኰይንዎ።

ኣብታ ጃልባ ካብ ዝተጸዓኑ ሰባት ገሊኦም ከእውዩን ከህትፍትፉን ጀሚሮም። ናብቲ ባሕሪ ከይወድቁ ወይ ንኻልእ ሰብ ከይደፍኡ፡ እቶም ካልኦት ኣብታ ጃልባ ዘለዉ ሰባት ክሕዝዎም ተነጊርዎም።

መስመር ውቅያኖስ ኣትላንቲክ፡ ብቕልጡፍ ሓደ ካብቶም ቀተልቲ ዝዀኑ ስደተኛታት ዝጓዓዝሎም መስመራት ይኸውን ከም ዘሎ መረዳእታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት- ኣይኦኤም የመልክት።

ኣብ 2024: 807 ሰባት ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝጠፍኡ ይግመት። እዚ ኣሃዝ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንክነጻጸር ብ76 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከይተመዝገቡ ዝተረፉ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ፡ እዚ ኣሃዝ ዝሞቱ ክዛይድ ይኽእል እዩ።

ፕረዚደንት ደሴታት ካናሪ ፈርናንዶ ክላቪሆ፡ “ኣብ ነፍስወከፍ 45 ደቓይቕ ሓደ ስደተኛ ናብ ገማግም ባሕርና ንምብጻሕ ኣብ ዝፍትነሉ ይመውት። እዚ ማለት ማፍያታት ኣስገርቲ እናደንፍዑ ይመጽኡ ኣለዉ ማለት እዩ” ይብል።

ቤት-ጽሕፈት ገበናትን ዕጸ-ፋርስን ሕቡራት ሃገራት፡ በዚ መስመር ስደተኛታት ዘስግሩ ገበነኛታት ኣብ ዓመት ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ከም ዝረኽቡ ይግምት።

ኣብ ስጳኛ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ካብ ዝቘመ ጕጅለ ኣባል ዝዀነ ሌተናንት ኣንቶንዮ ፉየንተስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እዞም ነዞም ጕዕዞታት ዘዋድዱ ማፍያታት፡ እዚ ከም ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ምዃኑን ትሑት ናይ ምኽሻፍ ዕድል ከም ዘለዎን ተረዲኦም’ዮም” ኢሉ።

“ንዕኦም፡ ስደተኛ ተራ ሸቐጥ እዩ። ዕጸ-ፋርስን ኣጽዋርን ከም ዝጽዕንዎ፡ ስደተኛታት ይጽዕኑ፤ ብቐሊሉ ግዳያት እዮም።”

ነዚ መርበብ ገበነኛታት ብዝበለፀ ንምርዳእ ቢቢሲ ንሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ጃላቡ ዘዋድድ ሰኔጋላዊ ኣስጋሪ ኣዘራሪቡ።

እዚ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣስጋሪ፡ “ሓንቲ ዓባይ ጃልባ ካብ 200 ክሳብ 300 ሰባት ትጽዕን። ነፍስወከፎም ድማ 500 ዶላር ይኸፍሉ። ብዛዕባ ብዙሕ ገንዘብ ኢና ንዛረብ ዘለና” ይብል።

ብዛዕባ’ዚ ካብ ከባቢኡ ብዙሓት ዝቐተለ ገበናዊ ተግባራቱ ካብ ቢቢሲ በዳሂ ሕቶ ዝቐረበሉ እዚ ኣስጋሪ፡ “ገበን እዩ፤ ዝተትሓዘ ክእሰር ይግባእ። ግን መፍትሒ የብሉን። ሰባት ኣብ ባሕሪ ክሞቱ ትርኢ ኢኻ፤ እታ ጃልባ ግን ጕዕዞኣ እያ ትቕጽል” ይብል።

ቢቢሲ ንሓሙሽተ መዓልታት ካብ መሓመድ ዓሊ ደሃይ ኣይሰምዐን። ሓደ ምሸት ግን ደዊሉ።

“ሞተር እታ ጃልባ ረሲኑ፣ ከቢድ ንፋስ’ውን ነይሩ። ገለ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሞሮኮ ክንከይድ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም። ካፕተን እታ ጃልባ ግን ኣይከውንን ኢሉ። ‘ቀስ ኢልና እንተተጓዒዝና ሰዓት 6፡00 ስጳኛ ክንኣቱ ኢና” ኢሉ።

መሓመድ፡ ናብ ደሴታት ካናሪ ንምብጻሕ ሓደ መዓልቲ ዘይመልእ ኣብ ዝተረፎ ሞተር እታ መርከብ ጸገም ኣጋጢምዎ፤ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ድማ ሓንሳብ ናብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ኣብ ዝኸድሉ ከቢድ ንፋስ ከይመጽኦም ኣብ ፍርሒ ተሸሚሞም፤ ኣንጻር እቲ ካፕተን ተላዒሎም።

“ኵሉ ንሕድሕዱ ክጨቓጨቕን ክጻረፍን ጀሚሩ። እቲ ካፕተን ኣብ መወዳእታ ተሰማሚዑ ናብ ሰኔጋል ተመሊሱ።”