'ህይወት ዝሃበትኒ እንኮ ሓጐስ፡ ብጭካነ ተመንጢለ'

ፓቶ፡ በዓልቲ ቤቱ ፋቲን ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓሎም ማሪን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በረኻ ቱኒዝያ ከምዝሞታ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፓቶ፡ በዓልቲ ቤቱ ፋቲን ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓሎም ማሪን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በረኻ ቱኒዝያ ከምዝሞታ ይገልጽ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዓልቲ ቤት ፓቶን ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓሉን ንሻድሻይ ግዜ ናብ ኣውሮጳ ክስደዱ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ እዮም ኣብ በረኻ ቱኒዝያ ሞይተን።

ፓቶ ብዝብል ዝፍለጥ ምቤንጉ ንዪምቢሎ ክረፒን፡ ቅድሚ ኣስታት 7 ዓመት ናብ ሰራዊት ምጽንባር ድሕሪ ምእባዩ፡ ሓፍቱ ምስ ተቐትለትን ገዛኡ ምስ ተቓጸለን ካብ ካሜሩን ከም ዝሃደመ ይዛረብ።

ፈለማ ናብ ናይጀርያ ከይዱ። ኣብ መወዳእታ ናብ ሊብያ ተሰዲዱ ንሸውዓተ ዓመት ተቐሚጡ። ኣብኡ ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ፋቲ ተራኺቡ፡ ሜሪ እትበሃል ጓል ወሊዶም።

እዛ ስድራቤት ንሜሪ ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንምድላይ ኣብ መንጎ 2016ን 2022ን፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊራ ናብ ኢጣልያ ንምኻድ ሓሙሽተ ዘይዕዉት ፈተነታት ኣካይዳ’ያ።

ብ13 ሓምለ 2023፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ቱኒዝያ ብምእታው ንሻድሻይ ግዜ ካብ ሊብያ ክወጹ ፈቲኖም። ፓቶ ግን ብሰበስልጣን ቱኒዝያ ናብ በረኻ ከምዝተደፍኡ ይዛረብ።

ብ15 ሓምለ ድማ ሕክምናዊ ሓገዝ እናሓተቱ እንደገና ዶብ ሰጊሮም፡ ብፖሊስ ግን ናብ በረኻ ተመሊሶም።

ኣብ በረኻ ዝነበረ ኵነታት ከዘንትው እንከሎ፡ "ሞት ቀስ እናበለ’ዩ ዝመጸካ" ይብል።

ኣብቲ ሙቐቱ 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ በረኻ፡ መግቢ፡ ማይ ይኹን ኮምፓስ ኣይነበሮምን።

ብህይወት ንኽነብር እናተቓለሰን ክመውት ዝቐረበ ዝመሰሎን ፓቶ፡ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ብዘይ ንሱ ናብ ውሑስ ቦታ ናይ ምብጻሕ ዝሓሸ ዕድል ክህልወን እዩ ኢሉ ሓሲቡ ንድሕሪት ተረፈ።

“ብሙቐት ተዓፊንካ ኣለኻ፣ ብጽምኢ ተሳዒርካ፡ ኣካላዊ ሓይልኻ ተዳኺሙ ኣሎ።”

“እቲ እንኮ ትደልዮ ነገር ሞት ቀልጢፉ ክመጽእ ጥራይ እዩ። ግን ኣዝዩ ቀስ ኢሉ በቶም በላዕቲ ሬሳ ትብላዕ ከምዘለኻ እዩ ዝስምዓካ። ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክዎ ዝኸፍአ ቃንዛ እዩ” ይብል።

'ሞት ቀስ እናበለ’ዩ ዝመጸካ'

ፓቶ ንሓደ መዓልቲ ኣብ በረኻ ድሕሪ ምድቃሱ ካልኦት ስደተኛታት ኣድሒኖምዎ። ብድሕሪኡ ስድራኡ ንምድላይ ናብ ትሪፖሊ ተመሊሱ። ድሕሪ መዓልታት ሓደ ዓርኩ ኣብ በረኻ ደቂሶም ዝነበሩ ክልተ ህይወት ዘይብሎም ሬሳታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ኣርኣዮ ብኡ ንብኡ ክዳን ጓሉን በዓልቲ ቤቱን ኣለለየ።

ፓቶ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝገበሮ ፈተነ ቀጺሉ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ኢጣልያ ክበጽሕ ክኢሉ።

ሕጂ ግዝያዊ ፍቓድ መንበሪ ሒዙ ዑቕባ ይጽበ ኣሎ።

ምስቲ ማሕበረሰብ ምውህሃድ ክመሃር ዝጸንሐ ፓቶ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ክጅምር ይጽበ'ሎ። ንቡር ናብራ ክነብር ከም ዝደሊ ድማ ይዛረብ።

'ስምዒት ቃንዛ'ዩ፤ ኣብ ውሽጠይ ቃንዛ ይስምዓኒ። ሓደ ሓደ ግዜ ንሰን እናተሳቐያ ኣብኡ ስለ ዘይነበርኩ ንነብሰይ እወቕሳ። ብህይወት ኣዝየ ይሓርቕ” ይብል።

ቅልውላው ስደት

ቍጽሪ ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክስደዱ ተስፋ ብምግባር ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝበጽሑ ኣፍሪቃውያን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ 2023፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቱኒዝያ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ብ209 ሚእታዊት ዝበዝሑ ስደተኛታት ከምዝመዝገበ ይገልጽ።

ብዙሓት ካብቲ ኣብ ዓዶም እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት ዝሃድሙ እዮም።

ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ጉጅለ ስደተኛታት ኣብ በረኻ ከምዝተሓደጉ ይዛረቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ጕጅለ ስደተኛታት ኣብ በረኻ ከምዝተሓደጉ ይዛረቡ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታትን ማእከል ምትሕውዋስ ስደትን ብሓባር ዘውጽእዎ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሳሕል ብዝተፈጥረ ሓድሽ ግጭታት ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም እዮም።

እዚ ቍጽሪ'ዚ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ግጭት ወሲኹ እዩ። ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሚልዮን ሱዳናውያን ካብ መረበቶም ክመዛበሉ እንከለዉ ልዕሊ 2 ድማ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከምዝሰገሩ የመልክተ።

"ኣብ ሳሐል ካብ ኲናት ማሊን ቡርኪናፋሶን ብኻልእ ሸነኽ ኣፍሪቃ ድማ ካብ ኲናት ሱዳን ዝመዛበሉ ሰባት ንርኢ ኣለና" ይብል ቪንሰንት ኮቸተል፡ ፍሉይ ልኡኽ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኵነታት ማእከላይ ባሕሪ።

ኣብ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ድማ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዘምጽኦ ድርቂን ውሕጅን እውን ሰባት ይመዛበሉ ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

በረኻ ንምስጋር ልዑል ሓደጋታት'ኳ እንተሃለዎ፡ ብሰንኪ ስሕበት ዘይወግዓዊ ዕዳጋ ስራሕ ሊብያን ንኣውሮጳ ቅርበት ዘለዎ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ግን ድሕነት፡ ስራሕ፡ ትምህርቲ ወይ ምጥርናፍ ስድራቤት ተስፋ ዝገብሩ ኣሽሓት ሰባት ይስሕብ ኣሎ።

መንገዲ ሊብያ

መብዛሕትኦም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ዝኽተልዎ መስመር ካብ ቡርኪናፋሶ ወይ ማሊ እዩ ዝጅምር። ካብኡ ብቐጥታ ብደቡባዊ ዶብ ወይ ብኣልጀርያ ኣቢሎም ናብ ሊብያ ይኣትዉ።

ንኒጀር ዝሰግሩ ኣስገርቲ ስደተኛታት ክሳብ ዶብ ሊብያ ጥራይ እዮም ዝወስዱ። እቶም ስደተኛታት ምስ ሰገሩ፡ ካልኦት ነጋዶ ይቕበልዎም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንነዊሕ እዋን የጽንሕዎም።

“ብዙሓት ካብኣቶም ኣብኡ ኣብ ደቡባዊ ሊብያ ግዱድ ዕዮን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ምዝመዛን የጋጥሞም” ይብል ቪንሰንት ኮቸቴል።

ኮቸቴል፡ ካብታ ኣንጻር ስደተኛታት ድሕረ-ባይታ ዝረኣየላ ጎረቤት ሃገር ቱኒዝያ፡ ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ሰባት ዝያዳ ቁጠባዊ ዕድላት ከምዝረኽቡን ግን ሓደጋ’ውን ከምዘለዎን ወሲኹ ይዛረብ።

"ሓደ ሓደ ግዜ፡ ስድራቤታት ገንዘብ ክሰዱ ንምግዳድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቪድዮ ዝዝርግሑ ነጋዶ ንበጃ ይሕዙ" ይብል።

ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዕጡቓት ጕጅለታትን ሓይልታት ጸጥታ ሊብያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ግህሰት ሰኒዱ።

“እዚ ድማ ብዘይ ፍቓድ ምእሳር፡ ብግዴታ ምጥፋእ፡ ስቅያት የጠቓልል” ትብል ኦሊቭያ ሱንድበርግ ዲዝ፡ ተጣባቒት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደትን ዑቕባን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ትሪፖሊ ቅድሚ ምምላስ እናተጸበዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ናብ ትሪፖሊ ቅድሚ ምምላስ እናተጸበዩ

ኣብ በረኻ ዘጋጥም ሞት

ብመሰረት ናጻ ኣካል ዳታን መጽናዕትን ሚክስድ ሚግሬሽን ፕላትፎርም (MMP) ካብቶም ንሰሃራ ክሰግሩ ዝሞቱ ስደተኛታት እቶም ንማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝሰግሩሉ እዋን ዝሞቱ ስደተኛታት ይበዝሑ።

1,031 ስደተኛታት ኣብ መንጎ 2021ን 2024ን ኣብ በረኻ ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ባሕሪ 8,381 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይግለጽ።

እዞም ኣሃዛት እዚኣቶም ግን ነቲ ምሉእ ታሪኽ ዘንጸባርቑ ኣይኰኑን።

“ካብ ኣርባዕተ ሓደ ሰብ ኣብ በረኻ ዝሞተ ሰብ ከምዝፈልጥ ይነግረና” ይብል ቪንሰንት ኮቸተል።

“ሓደ ሰብ ወይ በቲ ነጋዳይ ተደርብዩ፡ ወይ ካብታ ናይ ጽዕነት መኪና ወዲቑ፡ ወይ’ውን ሓሚሙ ዝተደርበየ ሰብ ይፈልጡ’ዮም።”

ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ መንጎ ሊብያን ቱኒዝያን ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ዝሰኣኑ ምቤንጉ ኒምቢሎ ክረፒን ተራኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ መንጐ ሊብያን ቱኒዝያን ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ዝሰኣኑ ምቤንጉ ኒምቢሎ ክረፒን ተራኺቦም

“ብዛዕባ ምጥሓል መራኽብ ክመጽእ ከሎ፡ ቍጽሪ ኣለና፡ ዝያዳ ንጹር መረዳእታ ኣለና። ኣብ በረኻ ግን ሞት እንጽብጽበሉ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ የብልናን። ካብቲ ምስክርነት ግን ኣብ በረኻ ሞት ይበዝሕ ኣሎ ኢልና ንኣምን” ክብል የብርህ።

ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ሰባት ሓለዋ ዘይምርካቦም ሓደ ቍልፊ ጉዳይ ምዃኑ'ውን ይገልጽ።

"ካብቶም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ሰባት 79 ሚእታዊት፡ ኣብቲ መስመር ዘሎ ሓደጋታት እንተዝፈልጡ ነይሮም፡ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ኣይምገበርዎን ነይሮም ይብሉና ኣለዉ" ይብል።

ቢቢሲ ካብ ምስ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱኒዝያን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ፓቶ ዝኽሪ ጓሉ ሜሪ ከም ዝቕጽል ይዛረብ፡ ‘ሕልሚ ሜሪ ቦክሰኛ ምዃን’ዩ ነይሩ። ምስ ዓበየት ሻምፕዮን ዓለም ከምትኸውን ትነግረኒ ነይራ” ይብል።

“ብህይወት ዝተመልአት’ያ ነይራ። ነገራት ክሓምቁ እንከለዉ ንሳ’ያ ነይራ መነቃቕሒተይ።”