‘ጓለይ ንኸይርእያ ፈሪመ’ - ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ኣብ ኢጣልያ

ኣባይ ግርማ

ዝወለደታ ጓላ ኣብ ኣፍልባ ክትሓቁፍ ኣይተዓደለትን፤ ንጓላ እትፈልጣ ኣብ እዋን ጥንሳ ጥራይ’ዩ። ሽዑ’ውን እንተዀነ ኣብ ማህጸና ክትገለባበጥ እንከላ ንምስማዕ ግዜን ህድኣትን ኣይረኸበትን።

እቲ ዝኸፍአ ግን ነታ ዝወለደታ ዕሸል ንኸይትርኢ ክትፍርም ምግዳዳ’ዩ ነይሩ።

እዛ ዘሕዝን ዛንታኣ ካብ ንእስነታ ዝጅምር ኣደ፡ ኣባይ ግርማ ትበሃል።

ኣቦኣ፡ ኵሎም ደቁ ዕዉት ህይወት ክመርሑ ምርኣይ ወትሩ ይሓልም ነይሩ፤ ከምቲ ዝሓሰቦ ግን ኣይረኣየን።

ኣባይ ኣብ ትምህርታ ዕዉትቲ ስለዘይነበረት፡ ኣቦኣ ይሓዝን ነይሩ።

ወትሩ ብሓዘን ዝተጸወገ ገጹ ትርኢ ዝነበረት ኣባይ፡ ኣብ ንእስነታ ስደት ንኽትመርጽ ዘገደዳ ፍሉይ ምኽንያት ኣይነበራን። ከም ካልኦት ህይወታ ንኸተመሓይሽ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ሞጆ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣባይ፡ ብመዛኑኣ ተደፋፊኣ ናብ ዱባይ ተሰዲዳ።

ዱባይ ግን ኢዳ ዘርጊሓ ኣይተቐበለታን።

ብዕድመኣ እምነት ዝሰኣኑ ኣስራሕታ፡ ን6 ኣዋርሕ ብዘይ ደሞዝ ኣስሪሖምዋ። ኣብቲ ግዜ’ቲ እንተስ ብተሌፎን ይዅን ብደብዳበ ምስ ስድራኣ ኣይተራኸበትን። ስድራቤታ’ውን ኣበይ ከምዘላ ኣይፈልጡን ነይሮም።

"ይህረም፡ ዓሌታዊ ጸርፊ ይጽረፍ ነይረ" ትብል ኣባይ።

"ዕረፍቲ ኣይነበረንን፤ ኣብ ሰለስተ ደርቢ ገዛ ምጽራይ፡ ዓራውቲ ምንጻፍ፡ መካይን ምሕጻብን ካልእ ስራሕን ተጸሚደ’የ ዝውዕል። ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰዓት ጥራይ ይድቅስ ነይረ።"

በዚ ዘማረረት ኣባይ፡ ካብቲ ገዛ ጠፊኣ ናብ ሻርጃ ብምኻድ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተቘጺራ ክትሰርሕ’ኳ እንተፈተነት፡ እዚ’ውን ኣይሰመረላን።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ካብ ሰንቀ ኣቕሓ ከተውርድ ኣብ ትፍትነሉ ዝነበረት እዋን ወዲቓ ኣዝያ ተጐዲኣ።

ካብቲ መጕዳእቲ ድሕሪ ምሕዋያ ምስ ካልኦት ሰነዳት ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ሰሙን ኣሕሊፋ ናብ ኢትዮጵያ ተጠሪዛ።

ግን ስደት ይኣኽለኒ ኣይበለትን።

ኣብ ዱባይ ኣብ ዝሰርሓትሎም ኣርባዕተ ዓመታት ብዙሕ ገንዘብ’ኳ እንተዘየዋህለለት፡ ካልእ ዕድል ክትፍትን ወሲና። ብኣጋጣሚ ዝረኸበቶ ዕድል ተጠቒማ ድማ ናብ ሱዳን ኣቕኒዓ።

ኣብ ሱዳን ዝኸፍአ ነገር ኣየጋጠማን፤ እንዳ ሰብ ተቘጺራ ካብ ምስራሕ ክሳብ ናይ ገዛእ ርእሳ ቤት መግቢ ምኽፋት በጺሓ ነይራ።

ኣብ መንጐ’ዚ ምስ ሓደ ስደተኛ መንእሰይ ኣብ ፍቕሪ ወደቐት።

ኣባይ ከምእትብሎ፡ እቲ ኣፍቃሪኣ ናብ ሱዳን ዝተሰደደሉ ምኽንያት ንሕቶ መንነቱ መልሲ ንምእላሽ’ዩ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝነብር ኣቦኡ ኣይፈልጦን። ‘ኣቦይ መን’ዩ? ኣበይ ኣሎ?’ ብዝብሉ ሕቶታት ቅሳነት ዝሰኣነ እቲ መንእሰይ፡ ናብ ጀርመን ተጓዒዙ ምስ ኣቦኡ ክፋለጥ ሕልሚ ነይርዎ።

ብሰንኪ’ዚ ሕልሚ፡ እቶም መጻምድቲ ቀሲኖም ኣብ ሱዳን እናተመሓየሸ ዝኸይድ ዝነበረ ህይወቶም ንኽቕጽሉ ኣየኽኣሎምን።

ንብረቶም ሸይጦም፡ በረኻን ባሕርን ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ወሲኖም።

ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ በረኻ ሰሃራ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መደቦም፡ ኣባይ ኣብ ሱዳን እንከላ ሕጋዊ ሰነዳት ስለዝነበራ ብነፋሪት ክትስዕቦ’ዩ ነይሩ። እዚ ስለዘይሰመረ ግን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብበረኻ ስዒባቶ።

ኣባይ፡ "ቀሊል መሲሉኒ ነይሩ" ትብል። ብሓቂ ግን ኣብ ህይወታ ከምኡ ዓይነት ብድሆ ኣጋጢምዋ ከምዘይፈልጥ ትዛረብ።

ልዕሊ 300 ስደተኛታት ኣብ ሰለስተ ፒክኣፕ ተጸቓቒጦም ነቲ ነዊሕን መወዳእታ ዘይብሉን በረኻ ሰጊሮም ናብ ሊብያ ኣትዮም።

"ኣብ ክልቲኡ መንኵበይ፡ ኣብ ኣብራኸይ ሰባት ኰፍ ኢሎም ነይሮም፤ ብኸምዚ ኢና ተጓዒዝና" ክትብል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ትገልጽ።

መካይን ክበላሸዋ እንከለዋ ከምኡ’ውን እቲ መንገዲ ውሑስ ኣብ ዘይነበረሉን እዋን እናተሓብኡ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣሕሊፋ።

ዝሰትይዎ ይዅን ዝበልዕዎ ነገር ኣይነበረን። ክጸምኦም ከሎ ኣብ ናይ ቤንዚን ጀሪካን ዝተመልአ ማይ ይጥዕሙ ነይሮም።

ኣብ ጥራሕ ከብዶም ዝሰትይዎ ዝነበሩ ዘይጽሩይ ማይ ዝፈጥሮ መጉሳዕቲ በንዚን በንዚን የብላ ከምዝነበረ ኣባይ ትዝክር።

ኣብቲ ጕዕዞ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽን ግህሰትን ተፈጺሙ’ዩ፤ እቶም ደላሎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ብዘይረብሕ ምኽንያት መግረፍቲ ይፍጽሙ ነይሮም።

ኣባይ ነዚ ክጻወሩ ብዘይምኽኣሎም ኣብ በረኻ ወዲቘም ዝተረፉ ከምዘለዉ ትዝክር።

ብኸምዚ ዝበለ ኵነታት ኣብ መፈተሺ ነቝጣ ምስ በጽሑ ካብታ ፒክኣፕ ወሪዶም ናብ ነዊሕ ተጐታቲት መኪና ከም ዝሰግሩ ተገይሮም።

"ኣብ ልዕለና ዕንጸይቲን ተረቢቡ፡ 'ኣባጊዕ እዮም' እናበሉ ሓሊፎምና" ትብል።

ኣባይ ነቲ መፈተሺ ነቝጣ ምስ ሰገረት፡ ካብቶም ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ዝዕድጉን ዝሸጡን ነጋዶ ክትሃድም ካብ መኪና ወሪዳ፡ ብታክሲ ናብቲ ኣፍቃሪኣ ዝርከበሉ ቦታ ኣምሪሓ።

እቲ ንብዙሓት ዘጋጥሞም ቃንዛን ፈተናን ድማ ብዕድል ሓሊፋቶ።

ኣፍቃሪኣ፡ ብመጠኑ ምስታ ሃገር ተላሚዱ ስለዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ብባሕሪ ዝጓዓዙላ መዓልቲ እትበጽሕ ገለ መዓልታዊ ዕዮታት እናሰርሑ ተጸብዮም።

ቅብኣ ስደተኛታት

መዓልቲ ጕዕዞ ባሕሪ (ዜሮ ሰዓት)

እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ እቶም ደላሎ ኵነታት መርሚሮምን ገምጊሞምን ነቶም ስደተኛታት ንጕዕዞ ባሕሪ ዘዳልዉላ ዕለት’ያ።

ኣባይን ኣፍቃሪኣን ናብዝን ናብት ከይበሉ ናብቲ ዝተነገሮም ቦታ ከዱ።

እቶም ደላሎ፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ቅድሚ ምብጽሖም ኣብ መዳጐኒ’ዮም ዘጽንሕዎም። ኣባይን ኣፍቃሪኣን’ውን ናብቲ ብህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝመልአ መዳጎኒ ክኣትዉ ተገዲዶም።

ኣብቲ ጕዕዞ፡ ንሳ ባዕላ እትርከበን ብዙሓት ነፍሰጾራት፡ መብዛሕትአን ድማ ዝበጽሓ ከምዝነበራ ኣባይ ትዝክር።

ዝብላዕን ዝስተን የለን፤ ከምዘይሞቱን ከምዘይሰሩን ሓሓሊፎም ጽማቝ ይድርብይሎም ነይሮም።

ብጥሜት ተቐጺዖም፤ በቲ በረኻ ዝደኸመ ሓይሎም ዝገደደ ክጽንቀቕ ጀሚሩ።

ብኸምዚ ኵነታት ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብቲ መዳጎኒ ክወጹ ተኣዚዞም፤ ካብቲ ዝነበርዎ ቦታ ርሒቓ ትጽበዮም ሓንቲ መኪና ነይራ።

ግን እቶም ስደተኛታት ዝሳፈሩላ ዘይኰነትስ፡ እቶም ደላሎ ነቶም ስደተኛታት ከም እንስሳ ብድሕሪት እናገረፉ ዘጓይዩላ’ያ።

"ነፍሰጾር የለ ህጻናት እናጓየዩ’ዮም ዝወስዱና። ንሳቶም ብመኪና እናሰዓቡ ንድሕሪት ዝተረፈ እናገረፉ የጓይዩና። ኣብ መንጎ’ዚ ዝወድቁ ብዙሓት’ዮም" ትብል ኣባይ።

ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ኮንተይነር ኣብ መኪና ተጻዒኖም፤ እዚ ግን ናይ መወዳእታ ጕዕዞ ኣይነበረን።

ካብታ መኪና ወሪዶም መሊሶም ናብ ገማግም ባሕሪ ክጎዩ ነይርዎም። ዝደኸመ ንድሕሪት እናተረፈ፡ ዝበርተዐ እናጐየየ ኣብቲ ባሕሪ በጺሖም።

ኣብኡ ንእሽቶ ጃልባ ተዳልያ ነይራ። እታ ጃልባ ናብ ሓንቲ መልህቕ ዘይብላ ንእሽቶ መርከብ ኣብጺሓቶም። ብድሕሪ’ዚ 360 ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ተሰቒሎም ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ከምዝጀመሩ ኣባይ ትዝክር።

"ንላዕሊ እንተጠመትና ሰማይ፡ ንታሕቲ እንተጠመትና ባሕሪ'ዩ። ካልእ ዝርአ ነገር ኣይነበረን። ጉዳይ ሞት ወይ ህይወት እዩ። ብዘይካ ፈጣሪ ካልእ ኣይንሓስብን ነይርና” ብምባል ተዘክሮኣ ተካፍል።

ኣብ ማእከል እቲ ባሕሪ ምስ በጽሑ፡ እቲ ኣንፈት ዘመልክቶም ካርታ ብምጥፍኡ ድሕሪ ናይ 36 ሰዓታት በዳሂ ጕዕዞ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ላምፔዱሳ በጺሖም።

ኣብቲ እዋን ኣባይ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሰጾር’ያ ነይራ።

"ጥንስቲ’ኳ እንተነበርኩ፡ ከብደይ ግን ኣይፍለጥን ነይሩ" ትብል ኣባይ።

ኣብ ላምፔዱሳ ድሕሪ ምብጻሓ፡ ከም ኵሎም ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብነጻ ሕክምናዊ መርመራ ተገይሩላ። ሽዑ እታ ሓኪም ከምዝሰንበደት ኣባይ ትዝክር።

ቋንቋ ጣልያን ኣይትሰምዕን፤ ስለዚ እንታይ ከምዘጋጠመ ኣይተረድኣን። ዝተወሃባ መረዳእታ ሕክምና ጥራይ ሒዛ ናብ ቀይሕ መስቀል ተወሲዳ። ኣብኡ’ውን እቶም ነቲ መረዳእታ ሕክምና ዝረኣዩ ሰንቢዶም።

ን15 መዓልታት ድማ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ፤ እዚ ንዓኣ ሕንቅልቅሊተይ’ዩ ነይሩ።

"ብዘይካ ምጭናቕ እንታይ ከምዘጋጠመ ኣይተረድኣንን። ካብ ምብካይ ሓሊፈ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን" ክትብል ትዝክር።

ድሕሪ ሓያሎ ዝርርብ ሕክምና ጥራይ’ዩ ነይሩ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ዝተነገራ፤ እቲ ኣብ ማህጸና ዝተሰከመቶ ዕሸል ጥዕና ከምዘይብሉ ተነጊርዋ።

ምቍራጽ ጥንሲ ንምክያድ ግዜኡ ሓሊፉ’ዩ፤ ዝሓሸ ሕክምና ከይትረክብ ድማ እዚ ዝበሃል ገንዘብ ኣይነበራን።

ስለዝዀነ ክሳዕ ትሽዓተ ወርሒ ተጸብያ ክትሓርስ ወሲና።

‘ውላደይ ንኸይርእያ ፈሪመ’

ኣባይ ቀዳመይቲ ውላዳ ብመጥባሕቲ ተገላጊላ፡ ከም ኣደ ግን ሓቚፋ ኣይሰዓመታን።

እቶም ሓካይም ከምዝገለጹላ፡ ጓላ ጥዕይቲ ኣይነበረትን። ጓላ ቅርጽን መልክዕን ሰብ ኣይሓዘትን። ብሰንኪ’ዚ ኣእምሮኣን ስነ-ልቦናኣን ከይጉዳእ ብዝብል እዩ ንጓላ ንዘይ ምርኣይ ክትፍርም ዝወሰነት።

"እቲ ፍጻመ ንምንታይ ከም ዘጋጠመ ክሳብ ሕጂ ኣይተረድኣንን" ትብል ኣባይ። ምድረበዳ ሰሃራ ክሰግሩ እንከለዉ ብብልዕታ ዝኣቱ ዝነበረ ነዳዲን ግራሶን፡ ዝሰትይዎ ዝነበሩ በንዚን፡ ከምኡ’ውን እኹል መግብን ማይን ዘይምርካቦም ዝፈጠረላ ጸገም ከምዝዀነ’ያ ትግምት።

“ብዛዕባ ጥንሰይ ኣዝየ እሰግእ ነይረ። ኣማራጺ ስለዘይነበረኒ ግን ዝረኸብክዎ እበልዕን እሰትን ነይረ" ትብል ኣባይ።

ኣባይ ካብዚ ኵሉ መከራ ሓሊፋ ንኻልኣይ ግዜ እኳ እንተጠነሰት፡ ተመሳሳሊ ጸገም’ዩ ኣጋጢምዋ።

"ምስ ኣምላኽ ተባኢሰ። ዳግማይ ውላደይ ከምዘይሓቁፍ ክሓስብ እንከለኹ፡ ህይወት ኣጽሊኣትኒ። ንነብሰይ ክቐትል ፈቲነ" ብምባል ብድሕሪ'ዚ ንዓመታት ብብኽያት ከምዘሕለፈት ትገልጽ።

ፍቕሪ እቲ ምስኣ ዝተሰደደ በዓል ቤታ እውን እናዘሓለ ከይዱ። ብኸምዚ ኵነታት ኣብ ኣውሮጳ ምንባር’ውን ክኸብዳ ጀሚሩ።

ብተወሳኺ ካብቲ ክሳዕ እትሓርስ ተባሂሉ ብማሕበራት ረድኤት ዝተዋህቦም ገዛ’ውን ክወጹ ተነጊርዎም።

ዕጹው ገዛ ምስባር

ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስደተኛታት ድሕሪ ዘስካሕክሕ ጕዕዞ ከም ዕድል ናብ ኣውሮጳ እንተኣተዉ እውን መዕረፊ ኣይረኽቡን። ኣብ መደብራት ባቡርን ኣውቶቡስን ዝሓድሩ ሒደት ኣይኰኑን።

ገሊኦም ዝተዓጽወ ገዛ ሰቢሮም ብምእታው ህይወቶም ክነብሩ ይጅምሩ።

ግን እዚ’ውን ቀሊል ኣይኰነን። ተቓውሞታት መንግስቲ ምድጋፍ የድሊ እዩ፤ ተቓወምቲ ኣብ ዝጽውዕዎም ሰልፍታት ጭርሖ ሒዞም ክሳተፉ፡ እቲ ቋንቋ እንተዘይተረድኦም’ውን ኣብ ኣኼባታት ተቓወምቲ ክሳተፉ ግድን ይዀኖም።

ኣባይ ነዚ ዝተረድአት ኣብ ሓደ ኣደባባይ ሮማ ተቓዋሚ መንግስታዊ ክጭድር ድሕሪ ምርኣያ እዩ።

እቶም ተቓወምቲ ስደተኛታት ናብ ዝተዓጽወ ገዛውቲ ሰቢሮም ከምዘእትዉ ወረ ሰሚዓ።

ገዛ ንምርካብ ክትብል ምስቶም ሰልፈኛታት ክትሰልፍን ኣብ ዝወደብዎም ሰልፍታት ክትርከብን ጀሚራ። ዘይተረድኣ ጭርሖታት እናጨደረት ዘይትፈልጦ መንግስቲ ንሓደ ዓመት ተቓዊማ።

ብድሕሪ'ዚ ኣብ ከተማ ሮማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ዝነብሩሉ 'ኣናኒና' ዝበሃል ከባቢ፡ ዕጹው ገዛ ሰቢሮም ኣትዮም።

እቲ ገዛ ሆቴል መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ቃዛፊ ከምዝዀነ ይንገር።

ኣባይ ኣብቲ ገዛ ን11 ዓመት ተቐሚጣ፤ ክልተ ጥዑያት ቈልዑ እውን ወሊዳ።

ዋላ ኣብ ጣልያን እኳ 15 ዓመት እንተኣሕለፈት፡ ሕጂ’ውን ክራይ ገዛ ክትከፍል ትጽገም’ያ። ሓደ መዓልቲ መንግስቲ ጥልያን ሕቘኡ እንተሂቡዋ፡ መውደቒ ኣክህልዋን’ዩ።

ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ - ዱባይ - ሱዳን - ሊብያ - ጥልያን ዝሓለፈቶ ጕዕዞ ስደት ኣብ ጣልያን ደው’ኳ እንተበለ፡ ዕላማ ምብጋሳ፡ ነቲ ንስደት ዝደፍኣ ኣቦኣ ዝዓለመ ዕላማ ግን ኣይተዓወተን።

ኣቦኣ ስቓያ እምበር ኣበይ ከምዝበጽሐት ከይረኣየ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ’ዩ።

ምስቲ ምስኣ ዝተሰደደ ኣፍቃሪኣ ነበርን ኣቦ ክልተ ደቃን እውን ተፈላልዮም እዮም።

ኣቦ ደቃ፡ ነቲ ቅሳነት ዘስኣኖ ሕቶ መንነቱ መልሲ ከይረኸበ ኣቦኡ ስኢኑ።

ቢቢሲ፡ ካብቶም ዝተሰደድክሎም ዕላማታት ኣብ ክንደይ ተዓዊትኪ ክብል ንዘቕረበላ ሕቶ፡ ኣባይ ዝሃበቶ መልሲ ሓጺር’ዩ ነይሩ።

"ዋላ ሓንቲ!"