ባይደን ን500 ሽሕ ሰነዳት ዘይብሎም መጻምዲ-ሓዳር ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ኣማኢት ኣሽሓት መጻምድቲ፡ ካብ ምስጓግ ዝከላኸል ሓድሽ ፖሊሲ ክእውጅ ምዃኑ ሰበስልጣን እቲ ምምሕዳር ገሊጾም።
ኣብ ኣመሪካ፡ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሓዊሱ ብዙሓት ብፍላይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም፡ ብዘይ ሰነዳት ዝነብሩ ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ነዞም ካብታ ሃገር ኣብ ዝዀነ እዋን ከይስጐጉ ክሰግኡ ንዝፀንሑ ዛጊድ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይረኸቡ ስደተኛታት፡ እዚ ውሳነ ኣዝዩ ዘሕጉስ ዜና ምዃኑ ይዝረብ።
ከምኡ ዀይኑ’ውን ግን፡ እቲ ኣዋጅ ብውሑዱ ን10 ዓመታት ኣብታ ሃገር ንዝጸንሑ ዝምልከት ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ኣዋጅ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት እቲ ዝዓበየ ትርጉም ዘለዎ ውሳነ እዩ ተባሂሉ።
ዋይት ሃውስ፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰብሓዳር በቲ ኣዋጅ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ።
ብተወሳኺ፡ ወለዶም ምስ ኣመሪካዊ ዜጋ ዝተመርዓዉን ትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም 50 ሽሕ መንእሰያት’ውን ተራባሕቲ ከምዝዀኑ ተገሊጹ።
ምስ ስደተኛታት ብዝተኣሳሰር ክንቀፍ ዝፀንሐ ሚስተር ባይደን፡ ኣብ መባእታ ወርሒ ሰነ መስርሕ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ "ዝያዳ ፍትሓውን ርትዓውን" ክገብሮ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ገለ ዳህሳሳት ከምዘመልክትዎ፡ ቅድሚ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ፡ ሕግታት ኢሚግሬሽን ንብዙሓት መረጽቲ ቀንዲ ስክፍታ ኰይኑ እዩ።
እዚ ሓድሽ ኣዋጅ፡ መበል 12 ዓመት መደብ ዳካ ንምዝካር ዝተወስደ ውሳነ ዀይኑ፡ እቲ ዝቐደመ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኦባማ ዝወፅኣ ሕጊ፡ ‘ድሪመርስ’ ብዝብል ንዝፍለጡ ልዕሊ 530 ሽሕ ስደተኛታት ብንኡሶም ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ካብ ምስጓግ ዘድሓነ እዩ።
ትማሊ ሰኑይ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር እታ ሃገር፡ ሰነዳት ዘይብሎም መጻምድቲ ዜጋታት ኣመሪካ፡ ኣብታ ሃገር ን10 ዓመታት ዝተቐመጡ ኩሎም ብቑዓት ከምዝኾኑ ገሊጾም።
ንቐዋሚ መንበሪ ፍቐድ ንምምልካት ሰለስተ ዓመት ዘለዎም ኰይኑ፡ መጀመርታ ናይ ሰለስተ ዓመት ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክወሃቦም እዩ።
ብማእከላይ ገምጋም ዋይት ሃውስ ነዚ መስርሕ ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ኣመሪካ ን23 ዓመታት ዝኣክል ዝነበሩ ከምዝርከቡዎም ይኣምን።
"ምሕረት" ክግበረሎምን ኩነታቶም እናተቐየረ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ክፍቀደሎምን እዩ።
‘ናምበርስ ዩኤስኤ’ ዝተባህለ ጉጅል ተጣባቒ ስደተኛታት ግን፡ ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ባይደን፡ "ብደንቢ ዘይተሓስበሉ" ክብል ነቒፍዎ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ጀምስ ማሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ቅልውላው ዶብ ደው ኣብ ክንዲ ዘብል፡ ንመረጽትን ኣብ ኮንግረስ ንዝርከቡ ወከልቶምን ንምሕጓስ፡ ኢ-መንግስታዊ መስርሕ ተጠቒሙ ልዕሊ ስልጣኑ ይጥቀም ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ኦሃዮ ኣብ ዝርከብ ኬዝ ዌስተርን ሪዘርቭ ዩኒቨርሲቲ ጠበቓ ኢሚግሬሽንን ፕሮፌሰርን ኣሌክስ ኩይክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስጉምቲ ን"ንእሽቶ ጉጅለ" ዝጸሉ እኳ እንተኾነ፡ ዝተሓላለኸ ጸገማት ዘጋጥሞ ክፋል ህዝቢ ኣመሪካ ብታሪኽ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ዘለዎም ደረጃ፡ ዋላ ብቑዓት ኣብ ዝኾኑሉ እዋን እዮም ክሳቐዩ ፀኒሖም - ይብል።
"ዝበዝሑ ካብኣቶም ብሕጋዊ መንገዲ ንምእታው ካብታ ሃገር ክወጹ [ዝግደዱ]። ብኣካል ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ'ዮም፡ ናይ ኢሚግሬሽን 'ነፍሶም' ግን ምስኦም ኣይመጽእን'ያ።"
ሚስተር ኩይክ ወሲኹ፡ ሓደ መጻምድቲ ሕጋዊ ቀዋሚ መንበሪ ንምምልካት ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣብ ዘድልየሉ እዋን፡ ምስ ስድርኡ ምፍልላያት ከምዘጋጥሞ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ መስርሕ ምምልካት ኣብ ቀረባ እዋን ክፉት ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር እታ ሃገር ትማሊ ሶኑይ ገሊጹ።
ዋይት ሃውስ ብተወሳኺ ክእለት ዘለዎም ግን ስነዳተው ዘይብሎም ስደተኛታት፡ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ዲግሪ ዝረኸቡ ወይ ድማ ኣብ ዓውዶም ናይ ስራሕ ዕድል ዝረኸቡ መስርሕ ቪዛ ንምቅላልን ንምቅልጣፍን መደብ ኣለዎ።
ሚስተር ባይደን እዚ ዝገለጸ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሕቶታት ዑቕባኦም ከየሰላስሉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ከውጽኡ ዘኽእሎም ስፍሕ ዝበለ ፈጻሚ ስጉምቲ ድሕሪ ምውጽኡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን'ዩ።
ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነታት ኣሜሪካ [ACLU]፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንምምሕዳር ባይደን በቲ ስጉምቲ፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ጥሒሱ ብምባል ምክሳሱ ዝዝከር እዩ።
ሚስተር ባይደን ኣብቲ ምልክታ ዝተገልጸሉ እዋን፡ ነቶም ነቲ ስጉምቲ "ኣዝዩ ተሪር" ገይሮም ዝቖጽርዎ "ዓቕሊ ክገብሩ" ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
"[ኣብ] ዝቕጽሉ ሰሙናት፡ ከመይ ጌርና ስርዓተ ኢሚግሬሽንና ዝያዳ ፍትሓውን ፍትሓውን ክንገብሮ ከም እንኽእል ክዛረብ እየ" ኢሉ ነይሩ።
ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ትራምፕ ዝነሓናሕ ዘሎ ባይደን፡ እቲ ክንቀፈፍ ዝፅነሐ ምምሕዳሩ፡ በዚ ኣዋጅ “ገለ ኣወንታዊ ምላሽ ንኽረክብ" ክሕግዞ ከምዝኽእል ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







