ሓተትቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣሰረት ሃንጋሪ ብሕብረት ኤውሮጳ ተቐጺዓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃንጋሪ፡ ፖሊሲታት ዑቕባ ሕብረት ኤውሮጳ ብምጥሓሳ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ሕብረት 200 ሚልዮን ዩሮ ተቐጺዓ።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ፖሊሲኣ ክሳዕ ተመሓይሽ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚልዮን ዩሮ ክትቅጻዕ'ውን ወሲኑ ኣሎ።
ሃንጋሪ፡ ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር ንምእታው ናብ ቤልግሬድ ወይ ኪየቭ ገይሾም ናይ መገሻ ፍቓድ ክሓቱ ከምዘገደደት እቲ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ።
እዚ ተግባር’ዚ ብመሰረት እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝጥሕስ እዩ።
ሃንጋሪ፡ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ንዝሓተቱ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምእሳራን ኣብ ልዕሊ ሕቶኦም ዝቐረበ ይግባይ ክሳዕ ዝውሰን ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ መሰሎም ዘይምኽባርን ዘጠቓለል ጥሕሰታት ከምዝፈጸመት’ዩ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ውሳነ ቤት ፍርዲ ሕብረት ኤውሮጳ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ማሕባራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ንምክልኻል" ዝወሃብ መቕጻዕቲ "ዘሕፍርን ተቐባልነት ዘይብሉን" ምዃኑ ገሊጹ።
ሃንጋሪ፡ ኣብ 2015 መብዛሕትኦም ካብ ኲናት ሶርያ ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ናብታ ሃገር ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ወጻኢ ዝመጹ ስደተኛታት ሕግጋታ ኣትሪራ እያ።
መንግስቲ ሃንጋሪ፡ ሓጹር ዶባት ብምትካል ብዙሓት ዶብ ከይሰግሩ ክዓግት ፈቲኑ’ዩ።
ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ዓዱ ካብ ዘሎ ስቓይ ዝሃድም ኵሉ ሰብ፡ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ክሓትት መሰል ከምዘለዎ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ ከቢድ ሓደጋ ሞት ወይ ስቅያት ከጋጥሞ ተኽእሎ እንተሃልዩ ድማ ብግዲ ናብ ሃገሩ ክምልስ ከምዘይብሉ ይገልጽ።
ቤት ፍርዲ ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃንጋሪ "ኮነ ኢላ" ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ምትግባር ከምዝተቖጠበትን፡ እዚ ድማ "ተራእዩ ዘይፈልጥን ኣዝዩ ከቢድን ጥሕሰት ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ" ምዃኑን ኣመልኪቱ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ሃንጋሪ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይምኽታላ፡ ሓላፍነት ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ሕብረት ዘመሓላልፍን ምትሕግጋዝ ዘዳኽምን እዩ ኢሉ።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ መስርሕ ዑቕባ ንምቅልጣፍ ዝዓለመ ሓድሽ ፖሊሲ ከምዘውጽአ ይፍለጥ።
እቲ ፖሊሲ፡ ኣባላት ሃገራት ካብ ከም በዓል ኢጣልያ፣ ግሪኽን ስጳኛን ዝኣመሰላ ኣብ ቅድሚት ጉዕዞ ስደት ዝርከባ ሃገራት ኣሽሓት ስደተኛታት ክቕበላ ወይ ድማ ኣብ ክንድኡ ተወሳኺ ምወላ ወይ ሓገዛት ክህባ ይጠልብ።
ሃንጋሪ ግን ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ብዘየገድስ ዘይስሩዕ ስደተኛ ከምዘይትወስድ’ያ ቃል ኣትያ።
እታ ሃገር ኣብ 1 ሓምለ ሓላፍነት ፕረዚደንትነት ሕብረት ኤውሮጳ ከምእትወሰድ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







