ካብ ደሴት ኢንግሊዝ ናብ ርዋንዳ ዝተወስዱ ስደተኛታት እንታይ ይብሉ?

እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ርሑቕ ግዝኣት ብሪጣኒያ ካብ ዝርከብ ከባቢ ናብ ርዋንዳ ካብ ዝመሓላለፉ ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሮም ኣለው።
ኣብዚ፡ ድሕነት ከም ዘይስምዖምን ተነጽሎ ከም ዝገጥሞምን ብምግላጽ፡ ርዋንዳ “ክፍቲ ቤት ማእሰርቲ” እያ ክብል ሓደ ካብኣቶም ይዛረብ።
ብሪጣኒያ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ክትሰዶም ስምምዕ ከም ዝገበረት ይፍለጥ።
ፖለቲከኛታት ብሪጣኒያ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣካታዒ ዝዀነ ሓድሽ ውጥን ርዋንዳ ሓደ ዓይነት መርገጺ እኳ እንተዘይሃለዎም፡ እዚ ንኡሽቶ ጉጅለ ስደተኛታት ግን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣሕሊፉ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ናብዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምኻድ ኣርባዕተ ካብዞም ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ኣሎ።
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብ እትርከብ ደሴት ዲጎ ጋርሲያ እዮም ተመሊሶም።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብሰንኪ ኣብ ሕሉፍ ዝበጽሖም ጾታዊ ዓመጽን ምስቓይን ዝስዓቡ ጥዕናዊ ጸገማት ንዘድልዮም ሕክምናዊ ጠለባት ኣብ ርዋንዳ ይረኽቡ ከም ዘየለው ይዛረቡ።
ነፍሲወከፎም፡ ንመግብን ካልኦት ወጻኢታትን ኣብ ሰሙን 50 ዶላር ይወሃቦም።

ብመሰረት ኣብ መንጐ መንግስታት ርዋንዳን ብሪጣኒያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ኣብታ ሃገር ስራሕ ንክሰርሑ ፍቓድ የብሎምን።
ኣርባዕቲኦም፡ ኣብ ጐደናታት እታ ሃገር ምግፋዕን ኣድላዪ ዘይኰነ ጾታዊ ትንኰያን በጺሑዎም።
ነዚ ስዒቡ፡ ክሳብ እቲ ኣብ ብሪጣኒያ ቀዋሚ መንበሪ ዝረኽቡ ካብቲ ዝነብርሉ ንምውጻእ ስለ ዝሰግኡ ናይ “ነብሶም እሱራት” ኰይኖም ይነብሩ ከም ዘለው ይገልጹ።
እዞም ስደተኛታት፡ ካብ ስሪላንካ ታሚል ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነ ነፍሰ ቅትለት ንህጹጽ ሕክምና ናብ ርዋንዳ ዝተመሓላለፉ’ዮም።
ሕጂ ካብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ወጺኦም ኣብ ወሰናወሰን ኪጋሊ ይነብሩ ኣለው። እቲ ክራይ ገዛ ብሰብ መዚ ብሪጣኒያ’ዩ ዝኽፈል።
እዚኦም፡ ልክዕ ከምቲ ካብ ብሪጣኒያ ናብ ርዋንዳ ክምለሱ’ዮም ዝብሃሉ ዘለው ሓተትቲ ዕቑባ ዝህልዎም ሕጋዊ ኵነታት የብሎምን።
ጠበቓታት እቶም ክልተ ስደተኛታት፡ እቲ “ዘጋጠሞም ኣሉታዊ ተሞክሮታት” ርዋንዳ “ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ስደተኛታት” ውሑስ ሃዋህው ክትፈጥር ድያ ዝብል ዓብዪ ስክፍታ ዘልዕል’ዩ ይብሉ።
ሓንቲ በዓል ስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ ስርዓት ጥዕናን ውሕስናን ሃገራ “ሙሉእ እምነት” ከም ዘለዋ ብምግላጽ “ኣብዚ ቁጽሩ ዝዓቢ ዘሎ ብዝሒ ወጻእተኛታት’ዩ ዘለና” ኢላ።
ድሕነት እቶም ስደተኛታት ንምሕላው ብዝብል ሽሞም ተቐይሩ ኣሎ።
እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣርባዕተ ስደተኛታት፡ ናብ ብሪጣኒያ ክኣትው ኣይፈተኑን።
እንታይ ድኣ፡ ኣብታ ከም ሚስጥራዊ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሪጣኒያን ኣመሪካን ኰይና እተገልግል ዲጎ ጋርሲያ ኰይኖም ሕቶ ዕቑባ ኣቕሪቦም።
እዚኦም፡ ካብ መንጐ እቶም ብ2021 ናብታ ደሴት ዝኣተው ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ሰባት’ዮም።
ግፍዕን ስቅያትን ብምስጋእ ካብ ሃገሮም ከም ዝሃደሙን ኣብ ካናዳ ዕቑባ ክሓቱ ከም ዝወጽኡን ይገልጹ።
እቶም ቢቢሲ ኣብ ርእዋንዳ ዝረኸቦም ኣርባዕተ ስደተኛታት፡ ኣብ ሃገሮም ግዳያት ስቅያትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝዀኑ ገሊጾም።
እዚኦም፡ ገሊኦም ቅድሚ 15 ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ስሪላንካ ዝተስዓሩ ዕጡቓት 'ታሚል ታይገርስ' ዝነበሩ ከም ዝዀኑ ሓቢሮም።
ኣዝሃጉ ብዝብል እንጽውዖ ስደተኛ፡ ብሕክምና ኣዝዩ ከቢድ ድሕሪ ኲናት ዘጋጥም ስንባደ ከም ዘለዎ ከም ዝተነግሮ ብምግላጽ ብዛዕባ መጻኢኡ ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ።
እቲ ዝገጥሞ ዘሎ ተነጽሎ ድማ ነገራት ዝያዳ ዝተሓላለኹ ክዀኑ ከም ዝገብሮም ሓቢሩ።
እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ “ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣይንረክብን፤ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ኣለና። ሓካይም ብዛዕባ ጸገምና ክንነግሮም እንከለና ክሕግዙና ኣይኽእሉን” ይብል።
ሓካይም ርዋንዳ፡ ክንዲ ንጸገምና ክርድኡ ክፍትኑ ኣጕባዕቢዖምና ዝብል ኣዝሃጉ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ነብሱ ጉድኣት ምስ ኣብጽሐ ምፍርራሕ ማእሰርቲ ከም ዝበጽሖን ናብ ዲጎ ጋርሲያ ክስጐግ ከም ዝኽእል ከም ዝተነግሮን ገሊጹ።
ወዲ 26 ዓመት ማዩር፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ናብ ዝረኽበሉ ቦታ ምኻድ ጠጠው ከም ዘበለ ይዛረብ።
ኣብዙ፡ ግቡእ ሕክምናን “ጽቡቕ ዕላልን” ከም ዘይረክብ ብምግላጽ፡ “ብሰንኩ’የ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ዘይደሊ” ኢሉ።
ካብ ብሪጣኒያዊ ትካል ሌይ ዴይ ጠበቓ እዞም ስደተኛታት ዝዀነ ቶም ሾርት፡ “ነፍሲ ወከፍ ዓሚል ኣብ ርዋንዳ ክማላእ ዘይኽኣለ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ” ርኢና ኢና ይብል።
እዞም ታሚል ሕክምናዊ ሓገዝ ይረኽብሉ ንዝነበረ ወተሃዳራዊ ሆስፒታል እኳ እንተተወከስናዮ፡ ንመንግስቲ ርዋንዳ ከነዘራርብ ከም ዘለና እዩ ሓቢሩና።
ኣብ መንግስቲ ርዋንዳ፡ ሓተትቲ ዕቑባ ካብ ብሪጣኒያ ናብ ርዋንዳ ክምለሱ ዝተበጽሐ ስምምዕ እትመርሕ ዘላ ዶርሲ ኡችየዛ ፒካርድ፡ ስርዓት ጥዕና ሃገራ ምዕሩይ ከም ዝዀነ ብምግላጽ እቶም ሰደተኛታት “ዓቕሚ እታ ሃገር ብዝፈቕዶ” ተሓኪሞም’ዮም ኢላ።

ሰለስተ ካብቶም ስደተኛታት (ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን)፡ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ክግበረሎም ዘቕረቡዎ ሕቶ ንዲጎ ጋርሲያ የመሓደረር ብዘሎ ምምሕዳር ግዝኣት ውቅያኖስ ህንዲ ብሪጣኒያ ከም ዝጸደቐ ሓቢሮም።
ሕቡራት ሃገራትን ጠበቓታትን፡ እዚ ስደተኛ ኰይኖም ቅቡልነት ክረኽቡ ከም ዘኽእሎም ይገልጹ።
እቲ ራብዓይ፡ ምስ ጓሉ ክኸውን ዝተፈቕደሉ ወዲ 47 ዓመት ኣቦ’ዩ። እዚ ማለት፡ እዚ ጉጅለ ናብ ስሪላንካ ክምለስ ኣይኽእልን።
ብሪጣኒያ ክኣ ኣይቕበሎም ኢላ ኣላ።
መንግስቲ ብሪጣኒያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ደሴት “ምምሕዳር ዲጎ ጋርሲያ ገበላ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣይኰነን” ብምባል ኣብ ዲጎ ጋርሲያ ዕቑባ ምሕታት ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንምእታው ውሕስነት ዝህብ ኣይኰነን ምባሉ ዝዝከር’ዩ።
ምምሕዳር ዲጎ ጋርሲያ ኣብ ትሕቲ ሉእላውነት ብሪጣኒያ እኳ እንተዀነ፡ “ብሕገ-መንግስቲ ዝተፈለየ’ዩ” ይብሃል።
እቶም ኣብ ርዋንዳ ዘለው ስደተኛታት ናብ ብሪጣኒያ ንክሰጋገሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ሪሺ ሱናክ ሓዊሱ ናብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ብሪጣኒያ ዝጽሓፉዎም ሕጋዊ ሰነዳት፡ ናይ ዋትሳፕ መልእኽቲታት፡ ኢሜይላትን ደብዳበታትን ኣርእዮምና።
“ብዘይናጽነት ሃገር ዘይብሎም እሱራት መንግስቲ ብሪጣኒያ ኰይንና ንክንደይ ዓመታት ከም እንነብር ኣይፈልጥን” ይብል ሓደ መልእኽቲ።
እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ርዋንዳ ብዝገጥሞም ዘሎ ግህሰት ካብ ገዝኦም ንምውጻእ ከም ዝሰግኡ ይዛረቡ።
“ናብ ደገ ኣይንወጽእን፤ ወትሩ ብፍርሒ ተዋሒጥና ኢና ንንብር። ኣብዚ ምሳይ እትነብር ጓል ኣንስተይቲ የብለይን። መሓዙት የብለይን” ትብል ጓል 23 ዓመት ላክሻኒ።
ንሳን ኣቡኣን ብተደጋጋሚ ገዝኦም ብጐሓሉ መጥቃዕቲ በጺሑዎ’ዩ። ገዛ ሰይሩ ክኣቱ ብጐረባብቲ ናይ ዝተትሓዘ ውልቀሰብ ቪድዮ ኣርእዮምና።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብ መገዲ ተኣኪቦም ዝረኸቡዎም ውልቀሰባት ንኽልቲኦም ብምፍላይ ንላክሻኒ ክተናኽፉዋ ከም ዝፈተኑን “ዘይእዱባት ቃላት” ከም ዝተዛረቡዋን ገሊጻ።
ከምዚኦም ዝበሉ ኣጋጣሚታት ሕሉፍ በሰላታት ክዝክሩ ይገብሩዎም ከም ዘለው ሓቢራ።
ክልቲኦም፡ ኣብ ስሪላንካን ዲጎ ጋርሲያን ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑዎም ከም ዝነበረ ገሊጻ።
ኣዝሃጉን ማዩርን’ውን ኣብ መገዲ ንጾታዊ ርክብ ከም ዝተሓተቱ ገሊጾም።
“ዝዀኑ ሰባት መጺኦም ‘ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትደሊ’ዶ?’ ኢሎምና። በዚ ዝስሓቑ ሰባት ነይሮም፤ ሽዑ ጐይና ናብ ሆስፒታል ኣቲና”።
ክልቲኦም፡ እቲ ዘለዎም ስግኣት ምስ መንግስቲ ብሪጣኒያ ብምትሕብባር ኣብ ርዋንዳ ንዘለው ስደተኛታት ዘራኽብ ቀንዲ መሓውር ኰይኑ ንዝሰርሕ ዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ኩባኒያ ልምዓት ንዝዀነ ክራውን ኤጀንትስ ኣፍሊጦም’ዮም።

እንተዀነ፡ እቲ ኩባኒያ ንጥርዓኖም ብኣግባቡ ከም ዘየተኣናገዶ ይገልጹ።
“ ‘ናብ ጸገም ከምእትኣቱ እናፈለጥኻ ስለ ምንታይ ኢኻ ናብ ደገ ትወጽእ?’ ኢሎም ሓቲቶምኒ። ‘ኣብዚ ጸገም ከም ዘሎ እናፈለጥኹም ስለ ምንታይ ኣብዚ ክንጸንሕ ትገብሩና ኣለኹም?’ ኢለ ክኣ ሓቲተዮም። ኣይመለሱለይን” ይብል ኣዝሃጉ።
ክራውን ኤጀንትስ ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ንክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።
ጠበቓታት እዞም ስደተኛታት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መገዲ ዘጋጥሙ ግህሰታትን ፈተነታት ጉሕለትን ናብ ሰብ መዚ ዲጎ ጋርሲያ እኳ እንተአቕረቡዎም “ጭቡጥ መልሲ” ከም ዝሃቡዎም ሐባኢሮም።
ምምሕዳር እታ ደሴት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ’ውን መልሲ ኣይሃበን።
እቶም ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ኣብ ሕሉፍ ብደንቢ ልብሲ ዝተኸድኑ ሰባት ዝበጽሖም በደላት፡ ፖሊስ ርዋንዳ ንክሕግዞም ከም ዘይሓተቱ’ዮም ዝዛረቡ።
ፒስካርድ፡ “ሰብ መዚ እንተዘይፈሊጦምዎ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ኣይፈልጥን። እቲ ዘልዕሉዎ ስግኣታት ድሕነት ብዜጋታት ኰነ ካልኦት ነበርቲ ኣይልዓልን’ዩ። ብፍላይ ድማ እዛ ሃገር ንኹሉ ውሕስቲ ንክትኸውን ልዑል ጻዕሪ ኣብ እንገብረሉ ዘለና እዋን ኣብዛ ሃገር ዝዀነ ሰብ ድሕነት ኣይስምዓንን’ዩ ክብል ክሰምዕ እንከለኹ ኣዝየ ይሓዝን” ኢላ።
መንግሰትኢ ብሪጣኒያ፡ ኣብ ርዋንዳ መጠን ገበን ኣዝዩ ትሑት ከም ዝዀነ ይገልጽ፤ እንተዀነ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ኪጋሊ ስርቂ፡ ቦርሳ ምምንዛዕ፡ ክትራንን ገዛ ሰይርካ ዝፍጸም ስርቅን ከም ዘሎ የመልክት።
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ርዋንዳ እወንታዊ ተመኩሮ እኳ እንተሃለዎም፡ ስንባደ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠሞም ክሰግኡ ከም ዝግደዱ ይገልጹ።
ላክሻኒን ኣቡኣን፡ ኣብ ርዋንዳ ዘሎ ናብርኦም ካብቲ ኣብ መዓስከር ዲጎ ጋርሲያ ዝነበረ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ገሊጾም።
እዞም ቢቢሲ ዝረኸቦም ኣርባዕተ ስደተኛታት ታሚል፡ ኣብ ርዋንዳ ክጸንሑ ዘይደልዩ እንተድኣኰይኖም ክሳብ “ናብ ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር” ዝልኣኹ ናብ መዓስከር ዲጎ ጋርሲያ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ተነጊሩዎም’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ፡ ርዋንዳ ብቐዋምነት ስተደተኛታት ንክነብሩላ “ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር” ድያ ብዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ብዛዕባ ሓድሽ ውጥን መንግስቲ ብሪጣኒያ ዝሓተትናዮም ስደተኛታት ግን፡ “እዞም ስደተኛታት እቲ ንሕና ዘጓንፈና ዘሎ ግድላት’ዩ ከጋጥሞም” ብምባል ስግኣቶም ገሊጾም።
በዓልቲ ስልጣን ርዋንዳ ፒካርድ፡ ኣብ መንጐ ስደተኛታት ታሚልን እቶም ካብ ብሪጣኒያ ዝመጽኡ ስደተኛታት “ምምስሳል የለን” ብምባል፡ እቶም ናብ ርዋንዳ ዝልኣኹ ስደተኛታት “ናብ ሕብረተሰብና ክሕወሱ’ዮም” ኢላ።
እቶም ካብ ዲጎ ጋሪስያ ዝመጽኡ ስደተኛታት’ውን እንተዀነ ብቐዋምነት ኣብታ ሃገር ክነብሩ ንምዝርራብ “ድልውቲ” ከም ዝዀነት ብምሕባር ከምኡ እንተተገይሩ “እቲ ዝደልዩዎ ሓለዋን ውሕስነትን ከምኡ’ውን ምውህሃድ” ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ተዛሪባ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን “ሕክምናዊ ክትትል ከም ዘድልዮም” ስደተኛታት’ዮም ዝርኣዩ ክትብል ገሊጻ።
ርዋንዳ፡ ካብ ዲጎ ጋርሲያ ዝመጽኡ ስደተኛታት ክትቕበል ገንዘብ ከም ዘይተኸፍላ እትገልጽ ፒካርድ፡ ክልቲአን ሃገራት “ጠንካራ መሓዙት” ብምዃነን ጥራይ’ዩ ኣብ ስምምዕ ብሪጣኒያ-ርዋንዳ ክብጻሕ ተኻኢሉ ኢላ።
ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ፡ ጉዳይ ካብ ዲጎ ጋሪስያ ዝመጽኡ ስደተኛታት ብኸመይ ከም ዝትሓዝ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከይኰነ ተሪፉ’ዩ።
ሓበሬታ ናይ ምርካብ ናጽነት ብዝብል ሓበሬታ ምሃብ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዝጐድእ ከም ዝኸውን ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጐ ኤንባሲ ብሪጣኒያን ኣብ ኪጋሊን መንግስቲ ርዋንዳን ብቓል ዝተኣትወ ስምምዕ ኰይኑ፡ ብዝዀነ ሰነዳዊ ጽሑፍ ኣይተሰነየን።
ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣኒያ ነቶም ኣብ ርዋንዳ ዘለው ስደተኛታት “መፍትሒ ክትገብረሎም” ሓቲቱ።
ሰልፊ ዓቃባውያን ኰነ ሌበር ኣብ ዙርያ ዕጫ እዞም ስደተኛታት ዲጎ ጋርሲያ ርኢይቶ ኣይሃቡን።
ክልቲኦም ሰልፊታት ብዝሒ ስደተኛታት ክንክዩ’ዮም ዝደልዩ። ሌበር ግን ሓተትቲ ዕቑባ ብሪጣኒያ ናብ ርዋንዳ ምስጓግ ዝብል መደብ ዓቃባውያን ከም ዘትርፎ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







