ጆ ባይደን፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዘውጽኦ ተሪር ሕጊ እንታይ'ዩ?

ብዝሒ ብዶባት ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ 2024 እናነከየ መፂኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብዶባት ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣቢሎም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ንምስጓግን ዶባቱ ንምሕላውን ዘኽእሎ ሓድሽ ተሪር ሕጊ ኣጽዲቑ።

ብመሰረት እቲ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ግብራዊ ከምዝኾነ ዝኣተወጀ ትእዛዝ፡ ሰበስልጣን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ንሕቶታት ዑቕባኦም ከየሰላስሉ ብቕልጡፍ ክሰጉ ይኽእሉ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ናብ ኣመሪካ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብበዝሒ ዝኣተዉ ብምዃኖም: እቲ ሓድሽ ትእዛዝ: ከቢድ ፅልዋ ክፈጥረሎም ከም ዝኽእል ይንገር።

ቅድም ክብል፡ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኣዋጅ፡ ንብዙሓት ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይረኸቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሓዊሱ፡ ንብዙሓት ብዘይ ‘ሕጋዊ’ መገዲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ጭንቅን ሻቕሎትን ኣእትዩዎም ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት እቲ ባይደን ኣብ ግበሪ ከውዕሎ ኣፅዲቑዎ ዘሎ ትእዛዝ: ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉን ዛጊድ ሕቶ ዑቕባኦም ቅቡል ዘይተግበርን ስደተኛታት፡ ብቕልጡፍ ክስጎጉ ከም ዝኽእሉ፡ ኣብ ኣመሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኰነ ሲቢኤስ ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ ትእዛዝ፡ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ንዋሕዚ ስደተኛታት ክድርቱ ዘኽእሎም ምዃኑ፡ ብዛዕባ እቲ ትእዛዝ ሓበሬታ ዝተዋህቦም ሰለስተ ስሞም ዘይተጠቕሰ ምንጭታት፡ ንሲቢኤስ ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ጆ ባይደን ልዕሊ 6.4 ሚልዮን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ክሰግሩ ከምዝተትሓዙ ፀብፃባት የመልክቱ።

እዚ ብዝሒ ኣብ ታሪክ ኣመሪካ ዝለዓለ ከም ዝዀነ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ባይደን ዳግማይ መረፃ ንምዕዋት ውዕዉዕ ጎስጓስ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ብምኻኑ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ትርጉም ይወሃቦ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ኩነታት ስደተኛታት ከም ሓደ ፖለቲካዊ ድኽመት ተራእዩ ንነቐፌታ ኣቃሊዕዎ ፀኒሑ እዩ።

ሰብ ሞያ ኣብ ቀፃልነቱ ሕቶ እንተለዎም’ኳ: ኣብዚ ዓመት ግን ዋሕዚ ስደተኛታት ነክዩ’ሎ።

ጆ ባይደን ነቲ ኣብ 1952 ዝወጸ ሕቶ ዑቕባ ቀያዲ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ሕጊ፡ ንምጥቃም ይህቅን ከም ዘሎ ፀብፃባት ዝሕብሩ::

እቲ 212(f) ብዝብል ዝፍለጥ ሕጊ፡ ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ዋሕዚ ወጻእተኛታት "ንረብሓ እታ ሃገር ዝጎድእ" ምዃኑ እንተኣሚኑሉ ንክእግድ ዘፍቅደሉ እዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ: ብብዝሒ ኣስላም ካብ ዝነብሩለን ሃገራት ዝመጽኡ፡ ከምኡ’ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ዝሰገሩ፡ ዑቕባ ከይረኽቡ ንምኽልካል ተመሳሳሊ ደንቢ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እንተዀነ ክስታት ዓሌትነት ኣለዓዒሉ ምንባሩ ኣይዝንጋዕን።

ኣብ መእተዊ ዶባት መስርሕ ዑቕባ ብመሰረት እቲ ትእዛዝ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

መዓልታዊ፡ ኣስታት 1500 ሓተትቲ ዑቕባ በቶም ዶባት ኣቢሎም ነቲ መስርሕ ይሓልፍዎ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ልዕሊ መዓልታዊ ዝተደረተ ብዝሒ፡ ዝዀነ ይኹን ስደተኛ ኣይከተኣናግዱን፡

ከንቲባታት ሓያሎ ዶባዊ ከተማታት፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዋሽንግተን ነቲ ሓድሽ ኣዋጅ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ተዓዶሞም ተራእዮም።

ንኣባላት ባይቶ ዲሞክራት እውን ብዛዕባ እቲ ውጥን መብርሂ ከምዝተዋህቦም ዝግለፅ ኰይኑ፡ ካብ ተጣበቕቲ ኢሚግሬሽን ወይ ካብ ብሪፓብሊካን ዝምራሓ ግዝኣታት፡ ነቲ ኣዋጅ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ተኽእሎ ኣሎ።

ዛጊድ ገለ ኣባላት ሪፐብሊካን ኣብ ልዕሊ እቲ ትእዛዝ ተቓውሞ ዘስምዑ ኾይኖም፡ ባይደን ብወገኑ፡ ቅድም ክብል፡ ነዚ ዓላማ ዝተዳለወ ካልእ ኣዋጅ ከይጸድቕ ኣብ ኮንግረስ ከምዘዐንቀፉ ብምዝኽኻር ከምዚ ኢሉ፡

"ልዕሊ እዚ ክንዕገስ ኣይንኽእልን፡ ዋላ ሓንቲ ዘይምግባር ኣማራጺ ኣይኮነን"።

ተጣበቕትን ገለ ኣባላት ባይቶ ዲሞክራትን ትማሊ ሰሉስ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ 'ካፒቶል' ወጻኢ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ጋዜጣዊ መግለጺ ብምሃብ ንውሳነ ሚስተር ባይደን ነቒፎም ኣለዉ።

ኣደ መንበር ገስጋሲ ባይቶ ኮንግረስ ፕራሚላ ጃያፓል፡ በቲ ፈጻሚ ስጉምቲ "ኣዝያ ተስፋ ከምዝቖረጸት" ብምግላጽ፡ "ናብ ጌጋ ኣንፈት ዝወስድ ስጉምቲ" ኢላ።

እቲ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ መረፃ ፕረዚደንትነት፡ ቀንዲ መነሓንሕቲ ሚስተር ባይደን ኰይኑ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ በወገኑ፡ ኣብ ጎስጓሱ እዚ ትእዛዝ "ንይቕሬታ እምበር ንድሕነት ዶብ ሓልዩ ዝገበሮ ኣይኰነን" ክብል ሞጒቱ ነይሩ።