ልዕሊ 340 ስደተኛታት ኣብ ተጐታቲ መኪና ጽዕነት ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰበስልጣን ሜክሲኮ ኣብ ግዝኣት ቬራክሩዝ ኣብ ዝተገደፈ ተጐታቲ መኪና ጽዕነት ልዕሊ 340 ስደተኛታት ረኺቦም።
ካብዚኦም እቶም 103 ናባዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝዀኑ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።
እዚ ድንገት'ዚ፡ ብዙሓት ህጻናት ስደተኛታት ብሜክሲኮ ኣቢሎም ክጓዓዙ ካብ ዝተረኽቡሉ ናይ ቀረባ እዋናን ዓበይቲ ርኽበታት ሓደ ኰይኑ’ሎ።
ኵሎም እቶም ስደተኛታት ጕድኣት ዘይወረዶም ክዀኑ እንከለዉ፤ እቲ ተጎታቲ’ውን ንፋስ መእተዊ ከምዝነበሮ ሰበስልጣን ገሊጾም።
እቲ መራሒ መኪና ዛጊት ደሃዩ ኣይተፈልጠን። እቶም ስደተኛታት ካብ ጓቲማላ፡ ሆንዱራስ፡ ኤል ሳልቫዶርን ኢኳዶርን እዮም።
ብዙሓት ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ድኽነትን ዓመጽን ማእከላይ ኣሜሪካ ብምህዳም ንኣሰጋገርቲ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ዶብ ኣሜሪካ ክሰግሩ ከምዝፍትኑ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳስ፡ 53 ስደተኛታት ኣብ ዝተደርበየ ተጐታቲት መኪና ጽዕነት ሞይቶም ተረኺቦም ነይሮም።
ብሰንበት ምሸት ድማ 343 ሰባት ኣብታ መኪና ከምዝተረኽቡ ሃገራዊ ትካል ስደተኛታት ሜክሲኮ ኣፍሊጡ።
ስደተኛታት ናብ ዶብ ኣሜሪካ ንምስጋር ኣብ ዝውዕል ሓባራዊ መስመር ከምዝተረኽቡ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እቶም ስደተኛታት ዓማዊል ኣሰጋገርቲ ምዃኖም ንምፍላጥ፡ ሕብሪ ዘለዎ ኣምባር ኣብ ኢዶም ከምዝተኣሰረሎም ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ኣብ ጉዳዮም ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ሜክሲኮ ክናበዩ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።
ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ጥቅምቲ ዝረኸቦ መረዳእታ ሓለዋ ዶባት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ብውሕዱ 853 ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከምዝሞቱ ይሕብር።
እዚ ድማ፡ ዓመተ 2022 ብዙሓት ስደተኛታት ዝሞቱሉ ኰይኑ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ክምዝገብ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ። ቅድሚኡ ኣብ 2021 ዝሞቱ ስደተኛታት 546 ብምንባሮም ብደረጃ ክብረወሰን ተመዝጊቡ ነይሩ።
ሓለዋ ዶባት ኣሜሪካ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ዶብ ደቡባዊ ምዕራብ 2.2 ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተወ ኰይኑ፤ እዚ ድማ ብደረጃ ክብረወሰን ዝተመዝገበ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







