ብመትረብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንኸይምለሱ እገዳ ምሉእ ዕምሪ ይጽበዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመትረብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ብሪጣን ካብታ ሃገር ክስጎጉ፣ ኣብ መጻኢ ዳግማይ ከይኣትዉ ክእገዱን ዜግነት ምሕታት ክኽልከሉን እዮም።
እዞም ስጕምትታት ንዝዀነ ይዅን ብንኣሽቱ ጃልባ ናብ ገማግም ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ዝበጽሕ ሰብ ከምዝምልከቱ ተፈሊጡ’ሎ።
መንግስቲ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ንጽባሕ ሰሉስ ከፍለጥ ትጽቢት ይግበር።
ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ነቲ ውጥናት ብምንቃፍ ብሰንኪ እዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ "ብቐዋምነት ኣብ ምድንጋር" ክተርፉ ምዃኖም ኣጠንቂቝ።
"ጀላቡ ደው ምባል" ሓደ ካብቲ ቀዳምነታቱ ዝገበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጣ መይል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣይትጋገዩ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብዚ እንተመጺእኩም ክትጸንሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም" ኢሉ።
እቲ ሓድሽ ሕጊ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ንዝዀነ ብንእሽቶ ጃልባ ዝኣተወ ሰብ ናብ ሩዋንዳ ወይ፡ "ውሑስ" ሳልሳይ ሃገር "ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን" ከውጽእን ንሓዋሩ ከይምለስ ክእግድን ሓላፍነት ዝህብ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ብሪጣንያ ዝመጹ ሓተቲ ዕቝባ ብመሰረት ውዕል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳን ሓለዋ ናይ ምሕታት መሰል ኣሎዎም።
መንግስቲ እታ ሃገር ምውሳኽ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓደገኛ መገዲ ዝጓዓዙ ሓተቲ ዕቝባ ንምቍጽጻር ንነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክጽዕር ጸኒሑ’ዩ።
ይዅን እምበር መሰል ሓተትቲ ዕቝባ ብኸመይ ክድርት ይውጥን ከምዘሎ ንጹር ኣይኰነን። ሓተትቲ ዕቝባ ንምስጓግ ዝተሓሰበ መደብ እውን ኣይተነፀረን።
ነዚ ሓድሽ ሕግታት እተተኣታቱ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱኤላ ብራቨርማን ትማሊ ሰንበት ንጋዜጣ ሳን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "እቲ እንኮ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘእቱ መገዲ ውሑስን ሕጋውን መስመር ክኸውን'ዩ" ኢላ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘእትዉ ብርክት ዝበሉ "ውሑሳትን ሕጋውያንን" መስመራት ከምዘለዉ ይገልጽ።
ይዅን እምበር ገሊኦም ከም ኣፍጋኒስታንን ዩክረይንን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ወይ ድማ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝርከቡ ሃገራዊ ደረጃ ዜግነት ዝሓዙ ጥራይ እዮም ዝረኽብዎም።
ካልኦት ኣማራፅታት ዕቝባ ድማ ውሱን ቍጽሪ ስደተኛታት ጥራይ እዮም ዝቕበሉ።
ካብ 2001-2004 ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰልፊ ዕዮ ዝነበረ ሎርድ ብሉንኬት፡ ዝዀነ ሓድሽ ፖሊሲ ስደት ደገፍ ፈረንሳ ከምዘድልዮ ብምግላፅ፤ ነዚ ግን ክረኽቦ ከምዘይክእል መንግስቲ ይፈልጥ'ዩ ኢሉ።
ሊበራል ዲሞክራትስ [ሊብ ዲኤምስ] ነቲ ውጥናት፡ "ንዝሰግራ ንኣሽቱ ጀላቡ ደው ንምባል ኣብ ዘይከኣለሉ ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ዘይስነምግባራዊ፡ ውጽኢታዊ ዘይኮነን ከቢድን ወጻኢታት ዝሓትት እዩ" ክብሉ ገሊጾምዎ።
ንሓተቲ ዕቝባ ሓገዛት ዝህብ ትካል ግብረ ሰናይ ‘ፍሪደም ፍሮም ቶርቸር’ [Freedom from Torture]፡ "ቂመኛን ዘይሰርሕን" ክብል ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ዘለዎ ተቓውሞ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ 2022፡ ብድምር 45 ሽሕን 755 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኸዱ ቢቢሲ ዝኣከቦም መንግስታዊ ኣሃዛት የመልክቱ።
እዚ ኣሃዛት እዚ ኣብ 2018 ብመንግስቲ ክእከብ ካብ ዝጅምር እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ እዩ።
ዳሕረዋይ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዘመልክቶ፡ ድሮ ኣብዚ ዓመት 2,950 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ብጃልባ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ በጽሑ ዕቝባ ይሓቱ፤ ጉዳዮም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክጸንሑ ከመልክቱ ይኽእሉ።
ይዅን እምበር፡ ብ28 ሰነ 2022 ወይ ድሕሪኡ ዝቐርብ ሕቶታት ዕቝባ፡ እቲ ኣመልካቲ "ምስ ውሑስ ሳልሳይ ሃገር ምትእስሳር" እንተሃልይዎ፡ ከም ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ክነጽግ ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







