ሪሺ ሱናክ፡ ሕቶ ዕቑባ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጽኡ ስደተኛታት ከብቅዕ ክገብር’ዩ

ብጃልባ ዝመጽኡ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመሰረት እቶም ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ወግዓዊ ክኾኑ ትጽቢት ዝግበር ሓደሽቲ ሕጋጋት፡ ዝዀነ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣቱ ሰብ ዑቕባ ንኸይሓትት ክኽልከል'ዩ።

በዚ መሰረት፡ ሚኒስተራት ዝዀነ በቲ መስመር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጽእ ሰብ "ብምኽንያታዊ ግብራዊ" ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናይ ምእላይ ግዴታ ክህልዎም እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ "ጀላቡ ደው ምባል" ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ቀዳምነታት ኢሉ ዘቐመጦም ዕማማቱ’ዩ።

ገባሪ ሰናይ ትካል ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያ ግን፡ ነቲ ውጥናት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ክብል ገሊጹዎ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሱኤላ ብራቨርማን እቲ ሓድሽ ሕጊ መጻኢ ሰሉስ (7 ለካቲት 2023) ክተኣታቶ ትጽቢት ይግበር ኢላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ክስማዕ ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ መሰል ኣለዎም።

ብመሰረት እቶም ሓድሽቲ ሕጋጋት ግን እቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ከይሓቱ ክኽልከሉ፤ ናብ ሩዋንዳ ወይ "ውሑስቲ ሳልሰይቲ ሃገር" ክግዕዙን ንሓዋሩ ከይምለሱ ክእገዱን'ዮም።

ሪሺ ሱናክ ብሰንበት ንጋዜጣ ሜይል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣይትጋገ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብዚ እንተመጺእካ፡ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን ኢኻ" ኢሉ።

ንሱ መጻኢዓርቢ ኣብ ዋዕላ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ንምስታፍ ናብ ፓሪስ ክገይሽ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዝህልዎ ምርኻብ ድማ ድሕሪ 2018 ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ክኸውን እዩ።

ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ቅልውላው ንኣሽቱ ጀላቡ ክዛተዩ እዮም ዝብል ግምት ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሱናክ "ነተን ጀላቡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ከብለን" ቃል ኣትዩ ኣሎ።

"ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ልዕሊ ከፈልቲ ግብሪ እንግሊዝ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ብሕጋዊ መንገዲ ናብዚ ዝመጽኡ ፍትሓዊ ኣይኰነን። ከምኡ'ውን ገበነኛ ጕጅለታት ዘይስነምግባራዊ ንግዶም ክቕጽሉ ክፍቀደሎም ቅኑዕ ኣይኰነን። ነተን ጀላቡ ደው ንምባል ዝኣተኽዎ መጽብዓ ንምፍጻም ቆሪጸ ኣለኹ " ክብል ንጋዜጣ መይል ብሰንበት ተዛሪቡ።

ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያ፡ እቶም ውጥናት ድሕነት ደልዮም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትው ዘለው ሰባት ደው ከብሉዎ ኣይኽእሉን ይብል።

ንሓተቲ ዑቕባ ፍወሳ ዝህብ ‘ናጽነት ካብ ስቅያት’ ዝተባህለ ካልእ ገባሪ ሰናይ ድማ እቶም ሕጋጋት "ሕነ ዝፈድዩን ዘይሰርሑን" ክብል ኰኒኑዎም።

መጽብዓ መንግስቲ ቀጥታዊ ኣይኰነን።

ክሳብ ሕጂ ናብ ሩዋንዳ ዝተላእከ ስደተኛ የለን፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ነዚ ንምግባር ዝወጽአ መደብ’ውን ጠጠው ኢሉ’ዩ ዘሎ። ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተገብረ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት እውን የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስቲ ብሪጣኒያ ብመሰረት ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝኣተዎ ስምምዕ ሓተቲ ዑቕባ ብሓንቲ ትኬት ናብታ ሃገር ንምልኣኽ ስምምዕ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ይኹን እምበር እቲ ውጥን ካብ ጎስጓሳትን ሕጋዊ ምትእትታዋትን ብርቱዕ ተቓውሞ ስለ ዘጋጠሞ ገና ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ተቓወምቲ ሩዋንዳ ውሑስ መዕረፊት ከም ዘይኰነትን እቲ ውጥን፡ ሕጋታት ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ምዃኑን ይምጉቱ።

ይኹን እምበር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ውጥን ንውዕል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይጥሕስ ወሲኑ። እቲ ውሳነ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ተወሳኺ ብድሆታት ከጋጥሞ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት እቲ ውጥን፡ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሩዋንዳ ክጸንሑ ወይ ኣብ "ውሑስ ሳልሰይቲ ሃገር" ዑቕባ ክሓቱ ናይ ስደተኛታት ደረጃ ክወሃቦም ይኽእል እዩ።

መንግስቲ ካልኦት ንመትረብ ኢንግሊዝ ንከይሰግሩ ተስፋ ከነቑርጾም ኢና ይብል፤ ክሳብ ሕጂ ግን ዘጋጠመ መርትዖ የለን።

ኣብ 2022፡ ብድምር 45 ሽሕን 755 ስደተኛታት ንመትረብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኸዱ ቢቢሲ ዝኣከቦም መንግስታዊ ኣሃዛት የመልክቱ።

እዚ ኣሃዛት እዚ ኣብ 2018 ብመንግስቲ ክእከብ ካብ ዝጅምር እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ እዩ።

ዳሕረዋይ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዘመልክቶ፡ ድሮ ኣብዚ ዓመት 2,950 ስደተኛታት ንመትረብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ብጃልባ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ በጽሑ ዑቕባ ይሓቱ፤ ጉዳዮም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክጸንሑ ከመልክቱ ይኽእሉ።

ይኹን እምበር፡ ብ28 ሰነ 2022 ወይ ድሕሪኡ ዝቐርብ ሕቶታት ዑቕባ፡ እቲ ኣመልካቲ "ምስ ውሑስ ሳልሳይ ሃገር ምትእስሳር" እንተሃልይዎ፡ ከም ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክነጽግ ይኽእል።