ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ መደብ ብሪጣንያ ብቤት ፍርዲ ተበዲሁ

ምንጪ ስእሊ, UK PARLIAMENT
ብዘይሕጋዊ መስመራት ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ሕቶ ዑቕባኦም ኣብ ርዋንዳ ኰይኖም ከቕርቡ ተባሂሎም ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ተኽእሎ ዝጸንሖም ሰባት፡ ንፖሊሲ 'ታ ሃገር ብሕጋዊ መስርሕ ክብድሁ ዘኽእል ዕድል ብቤት ፍርዲ ተዋሂብዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ መስርሕ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ትማሊ ዝተወሃበ ብይን ከኣ፡ ብሪጣንያ መስርሕ ይግባይ ናይቶም ናብ ርዋንዳ ክምለሱ ዝተበሃሉ ስደተኛታት መዓልቦ ከይትገብረሉ፡ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክትመልስ ዝኽልክል እዩ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ ስዋላ ብረቬርማን፡ ድሕሪ ብይን ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ ፖሊሲ ንኽስርሕ ክሳብ መወዳእታ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምዃና ገሊጻ።
ብመስረት እንግሊዝ ዘውጽኣቶ ኣከራኻሪ ፖሊሲ፡ ካብ በዓል ፈረንሳን ብጃልባ ሰጊሮም ናብ እንግሊዝ ዝኣትዉን ካብ ድሕነትን ዘተኣማምን ሃገራት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉን ስደተኛታት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ሕቶ ዑቕባ ምስ ዘቕርቡ፡ ናብ ርዋንዳ ተመሊሶም ሕቶ ዕቝባኦም ኣብ ርዋንዳ ምስ ከዱ ክጻረን ዘገድድ’ዩ።
እቲ መደብ ክሳብ ሕጂ 140 ሚልዮን ወጻኢታት ተገይርሉ ኣሎ፤ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ናብ ርዋንዳ ዝተመለሰ ስደተኛ የለን።
ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ቤት ፍርዲ፡ ዳያኑ ላዕዋይ ቤት ፍርዲ እቶም ናብ ርዋንዳ ክምለሱ ተዳልዮም ዘለዉ 11 ስደተኛታት፡ ርዋንዳ ብጽቡቕ ከምእትሕዞም ውሕስነት ንኽወሃቦም ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክብሉ ምሉእ መሰል ከምዘለዎም ብምግላጽ ናይ ይግባይ መሰል ሂብዎም ኣሎ።
እቶም ስደተኛታት ይግባይ ዝብልሉ መዓልቲ’ኳ እንተዘይተፈለየ፡ ብሪጣንያ ካብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ ኩኔነ ቀሪቡላ ነይሩ’ዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ታሕሳስ፡ ሕቶ ዕቝባ ንዘቕረቡ ስደተኛታት ብዘይ ድሌቶም ናብ ዘይመረጽዎ ሃገር ምስዳድ፡ መቕጻዕትን ዘይሕጋዊን ምዃኑን’ውን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
‘ኣሳይለም አይድ’ ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ’ውን፡ እቲ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ ሓሳብ ዘይሕጋውን ዘይግቡኡን’ዩ ብምባል እኹል መርትዖታት ብምቕራብ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከምዝብል ገሊጹ ኣሎ።
ብዘይካ ‘ኣሳይለም አይድ’፡ ካልኦት ሰለስተ ማሕበራት’ውን ነቲ ንስደተኛታት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ ሓሳብ ብምቅዋም ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓነን ኣቕሪበን ኣለዋ።
ብመሰረት ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን፡ እቲ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ መስርሕ ብውሕዱ እዚ ዓመት እዚ ክሳብ ዝውዳእ ወይ’ውን ልዕሊኡ ተወንዚፉ ክጸንሕ ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ስዋላ ብረቬርማን፡ ድሕሪ ብይን ቤት ፍርዲ ነቶም ስደተኛታት መዓስ ናብ ርዋንዳ ከምዝመልስዎም ዝሕብር ሓሳብ ኣይሃበትን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ነቶም ንመትረብ እንግሊዝ ቈሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ናይ ምዕጋት መደብ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ምህላውን ብፍላይ ከኣ ምስ ፈረንሳ ብሽርክነት ይሰርሕ ምህላዉን’ዩ ዝግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







