ኣምባሳደር ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከይስደዱ ተማሕጺኑ ምንባሩ ተፈሊጡ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል (ጸጋም) ምስ ርዋንዳዊ መዘንኣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣቐዲሙ ዘይተራእየ ምስ ስምምዕ ምስግጋር ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ዝተኣሳሰር ሰነዳት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ተቐሊዑ።

ሓደ ካብቶም ሰነዳት፡ ንውሕስነት ርዋንዳ ዝምልከት "ወድዓዊ፡ ዘይሻራዊን ናጻን" ገምጋም ቅድሚ ምሕታሙ መንግስቲ ርዋንዳ ርእይቶኡ ክህበሉ በቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ ኤምባሲ ብሪጣንያ ከምዝተዋህበ የነጽር።

ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ዝቐረበ ሓፈሻዊ ምጉት፡ ጠበቓታት ናይቶም ነቲ ፖሊሲ ዝቃወሙ ዘለዉ ወገናት፡ እቲ ኣብቲ ኤምባሲ ዝርከብ ጉጅለ ውሽጣዊ ጉዳያት "መንግስቲ ርዋንዳ ብዛዕባ ኣብ ሰባዊ መሰላት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ርእይቶ ክህብ ዕድል ምሃቡ" ናጻን ዘይሻራውን ንክብሃል ከቢድ ምዃኑ ይጠቅስ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ርዋንዳ፡ ንክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ምስ ርዋንዳ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምስግጋር ስምምዕ ከይግበር ተማሕጺኑ ነይሩ።

ኣብቲ ዝለኣኾ መዘክር፡ ርዋንዳ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላትን ንእትወስዶ ተሪር ጸጥታዊ ስጉምቲታትን ብምንቃፍ፡ ስምምዕ ስደተኛታት ምፍጻም፡ "ንኽብርና ጸገም ዝፈጥርን፡ ብመሰረት ሚኒስተራት ዝሃብዎ መምርሒታት፡ ከበድቲ ጉዳያት ነቲ ስርዓት ኣብ ምልዓል'ውን ጽልዋ ክህልዎን ይኽእል'ዩ" ይብል።

ገለ ሰበስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ውሽጣዊ ጉዳያትን ብሪጣንያ ተቓውሞታቶም ከምዝገለጹ'ውን እቶም ዝወጹ ሰነዳት ይጠቕሱ።

እቲ ስምምዕ እንተተፈጺሙ፡ "መርገጺ ብሪጣንያ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላት ርዋንዳ ንምግታእ ድሉዋት ክንከውን ከድልየና ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ፓርላማን ዘይመንግስታውያን ውድባትን ንዝመጸና ነቐፌታታት ክንጻወሮ ኣለና" ክብሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ 2022፡ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ንምስግጋር ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ከምዝተሰማምዐ ብወግዒ ምግላጹ ይዝከር።

ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ እንታይ'ዩ?

እቲ ንፈተነ ንሓሙሽተ ዓመታት ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ፖሊሲ፡ ካብ ብሪጣንያ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ዑቕባ ክሓቱ ዝገብር'ዩ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ክጸንሑ ዘኽእሎም ቀዋሚ ዑቕባ ክወሃቦም ይኽእል። እንተዘይኮይኑ ድማ፡ ብኻልእ መልክዕ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ወይ ድማ ናብ "ውሑስ ሳልሳይ ሃገር" ዑቕባ ክሓቱ ይኽእሉ።

እቲ ፖሊሲ ነቶም፡ መንግስቲ "ብዘይሕጋዊን ሓደገኛን ኣገባባት" ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ዝበሎም ሰባት ዝምልከት'ዩ። ከም ፈረንሳ ኣብ ዝበላ ካልኦት ውሑሳት ሃገራት ዑቕባ ካብ ምሕታት ብናኣሽቱ ጃላቡ ወይ ብዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ በቲ ውሳነ ዝጽለዉ እዮም።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ርዋንዳ ክሰጋገሩ ይኽእሉ?

ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2020 ኣትሒዙ "ዝኾነ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ" ናብ ርዋንዳ ክሰጋገር ይኽእል። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ከምዝበሎ፡ እቲ ስምምዕ ናይ ቁጽሪ ገደብ የብሉን።

ኣብቲ ፈላሚ በረራ፡ 37 ሰባት ክሰጋገሩ መደብ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዝቐረቡ ሕጋዊ ጥርዓናት እቲ ቁጽሪ ናብ ኣስታት ሸውዓተ ሰባት'ዩ ወሪዱ፡ እቶም ሸውዓተ'ውን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝጸንሑ ተገይሩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ብሪጣንያ ንገለ ተነቀፍቲ ዝበለቶም ስደተኛታት ክትመልሶም ርዋንዳ ክትሓትት ትኽእል። እዚ ግን ንውሑዳት ጥራይ ዝምልከት ከምዝኸውን ርዋንዳ ትገልጽ።

ንዋሕዚ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣጉዲሉዎዶ?

ካብ 14 ሚያዝያ 2022 ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጥራይ 7,432 ሓተትቲ ዑቕባ ብናኣሽቱ ጃላቡ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ። ምስቲ ናይ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክናጻጸር እንከሎ ብ60 ሚእታዊት ወሲኹ። ኣብ 2021 ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 4,554 ሰባት'ዮም ብጃላቡ ኣትዮም።

ኣብ ምሉእ ዓመተ 2021 ብሓፈሻ 28,526 ሰባት ብናኣሽቱ ጃላቡ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ኣብ 2020 ድማ 8,404 ስደተኛታት ኣትዮም።

ሓለዋ ዶባት ብሪጣንያ ከምዝብልዎ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብጠቕላላ ኣስታት 60,000 ስደተኛታት ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

ሓደ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ፍሉይ ኮሚቴ ፓርላማ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ብምጥቃም፡ ነቶም ስደተኛታት ቀልጢፎም እንዘይኣትዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ብሪጣንያ ኣይክትእቶን'ያ ብምባል ዝያዳ ሰባት ብጃላቡ ክሰግሩ ኣብ ምግባር ዕድል ከምዝፈጠረሎም ይእምት።

ካብቶም ኣብ 2021 ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት እቶም 75 ሚእታዊት ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 39 ዝርከቡ ደቂ-ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5 ሚእታዊት ድማ ልዕሊ 40 'ዝዕድሚኦም ደቂ-ተባዕትዮም እዮም። እቶም ዝተረፉ 7 ሚእታዊት ልዕሊ 18 ዕድመ ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ፡ እቶም 12 ሚእታዊት ድማ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ ኮይኖም፡ ሰለስተ ርብዒ ካብኦም ደቂ-ተባዕትዮ እዮም።

ብዓይኒ ዜግነት ክረአ እንከሎ ድማ፡ 30 ሚእታዊት ካብቶም ብጃልባ ዝኣተዉ ኢራናውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ 21 ሚእታዊት ዒራቓውያን፡ 11 ሚእታዊት ኤርትራውያን፡ 9 ሚእታዊት ድማ ሶርያውያን ምዃኖም ጸብጻብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ይጠቅስ።

ዘጋጠሞ ሕጋዊ መሰናኽላት እንታይ ይመስል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ዝኾና ትካላትን ጠበቓታት ሓተትቲ ዑቕባን፡ ኣንጻር እቲ ፖሊሲ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ጥርዓናት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ነቲ ስምምዕ ዝቃወሙ ወገናት፡ ርዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ስለዘይኮነት፡ እቲ መደብ ንውዕል ሰባዊ መሰላት ኣውሮጳ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ይምጉቱ።

ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ገለ ካብቶም ንፈለማ እዋን ናብ ርዋንዳ ክሰጋገሩ ዝተመደቡ ስደተኛታት ካብታ ፈላሚት ነፋሪት ከምዝወርዱ ተገይሩ። እንተኾነ ግን፡ ነቲ ፖሊሲ ምሉእ ብምሉእ ንምስራዝ ዝቐረበ ሕጋዊ ምጉት ብይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ፖሊሲ ሕጋዊ ክብል ፈሪዱ ነይሩ'ዩ።

እንተኾነ ግን ቤት ፍርዲ ሰባዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣብ መወዳእታ ብዘሕለፎ ትእዛዝ እቲ ፈላሚ በረራ ክቋረጽ ተገዲዱ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣካል ሕብረት ኣውሮጳ ዘይኮነ፡ በቲ ብሪጣንያ ኣባሉ ዝኾነት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ (ካውንስል ኦፍ ዩሮፕ) ዝምእከል'ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፈላሚ በረራ ክሰጋገሩ ዝተመደቡ ዝኾነ ዒራቓዊ ስደተኛ ብዘይ ድሌቱ ናብ ርዋንዳ እንተ ተወሲዱ "ክፍወስ ዘይክእል ጉድኣት" ከጋጥሞ ከምዝኽእል ብምግላጽ ከይውሰድ ኣዚዙ።

እቲ ብዪን እቶም ካልኦት'ውን ተመሳሳሊ ጥርዓናት ከቕርቡ ብምትብብዑ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኩሎም እቶም በታ ናይ መጀመርታ ነፋሪት ክበሩ ዝሓሰቡ ስደተኛታት ክተርፉ ክኢሎም።

ሚኒስተር ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ "ዘጒሂ'ዩ" ብምባል "ሕጂ ንዝቕጽል በረራ ምድላው ክጅምር'ዩ" ክትብል ኣብ ውሳንኣ ከምዝጸንዐት ተዛሪባ ነይራ።

ነቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ንምግባር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ወርሒ መስከረም ሕጋዊ ገምጋም ክገብረሉ ትጽቢት ይግበር። እቲ ገምጋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ'ዩ ክካየድ ተሓሲቡ ነይሩ።

ነቲ ጉዳይ ዝምርምሩ ዳኛታት፡ እቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ኮይኑ እንተረኺቦሞ፡ ኣብ መንጎ ዝተወስዱ ስደተኛታት ንኽምለሱ ዘኽእል'ዩ ክኸውን።

ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ገምራዊ ገምጋም ህዝቢ (ኦፒንዮን ፖል) ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጉዳይ ንርእይቶ ህዝቢ ብሪጣንያ ዝመቓቐለ ኮይኑ ይርከብ።

ካብቶም ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይትኦም ዝሃቡ 2,463 ሰባት፡ 44 ሚእታዊት ነቲ ፖሊሲ ዝደገፉ ኮይኖም፡ 27 ሚእታዊት ካብኦም "ኣዝዮም" ከምዝድግፍዎ ኣነጺሮም። እቶም 40 ሚእታዊት ድማ ነቲ ፖሊሲ ከምዝቃወሙ ገሊጾም (28 ካብኦም "ኣዝዮም" ከምዝቃወምዎ ዘነጸሩ'ዮም)።

ኤርትራ እትርከቦም ሓያሎ ወገናት'ውን ነቲ "ዘይሞራላዊ" ዝበልዎ ፖሊሲ ዘለዎም ነቐፌታን ተቓውሞን ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ክንደይ ገንዘብ ክውድእ'ዩ?

ስርዓተ ዑቕባ ስደተኛታት ብሪጣንያ ኣብ ዓመት ኣስታት 1.5 ቢልዮን ፓውንድ ከምዝውድእ መንግስቲ ይገልጽ። ኣስታት 4.7 ሚልዮን ካብዚ መዓልታዊ ነቶም መንበሪ ኣባይቲ ዘይብሎም ስደተኛታት ንምዕቋብ ንሆቴላትን ሆስቴላትን ዝኽፈል'ዩ።

ነቐፍቲ ግን እቲ ልዑል ወጻኢ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘይወድኦ ን10 ዓመታት ዝተዋህለለ ሕቶ ዑቕባ ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ።

እቲ ገንዘብ ነቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጹ ተሓባበርቲ ሓይልታት ኔቶ ዝነበሩ ዜጋታት ዝሽፍን ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

ታሕተዋይ ሚኒስተር ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ቶም ፐርስግሎቭ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 120 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ከምዝወሃብን፡ ተወሳኺ ክፍሊታት ክስዕብ ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ክፍሊት ኣብ ዝተናወሐ እዋን፡ ገንዘብ ኣብ ምቑጣብ ዝሕግዝ ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር ዲኤታ ይገልጽ።

ሂወት ኣብ ርዋንዳ

ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ርዋንዳ ኣብ ካባቢ ርእሰከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ቦታ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝሰጋገሩ ስደተኛታት ዝኸውን ሆስቴላት ኣዳልያ ኣላ።

መንግስቲ ርዋንዳ፡ ኣብቲ ንፈተነ ዝካየድ ናይ 5 ዓመት ውጥን፡ ኣስታት 1,000 ስደተኛታት ክቕበል ከምዝኽእል ይገልጽ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ርዋንዳ ውሑዳት ጠበቓታትን ተርጎምትን ዘለዋ ሃገር ብምዃና እቲ ቁጽሪ ልዕሊ ዓቕማ ክኸውን ከምዝኽእል ዘለዎ ስክፍታ ይጠቅስ።

ኣፈኛ መንግስቲ ርዋንዳ፡ ዮላንደ ማኮሎ ብወገና፡ "ርዋንዳ ተቐባሊት ሃገር ክትከውን ድሌት ስለዘለና፡ እቶም ስደተኛታት ዘድልዮም ኣልያ ክግበረሎም ምዃኑን፡ ኣብዚ ሂወቶም ክመርሑ ክኽእሉ'ዮም" ክትብል ተዛሪባ ነይራ።

ርዋንዳ፡ ድሮ 150 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣዕቊባ ምህላዋ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሊብያን እስራኤልን ተቐቢላ ነይራ።

ገለ ስደተኛታት፡ ኣብ ሕርሻን ናይ ገዛ ንጥፈታትን ተዋፊሮም ከምዝሰርሑ ይግለጽ። እቶም ዝበዝሑ ግን ስራሕ-ኣልቦ ኮይኖም፡ በቲ ኣብ ወርሒ ዝወሃቦም 35 ፓውንድ ዝናበሩ'ዮም።

መንግስቲ ርዋንዳ ግን፡ እታ ሃገር ካብቲ ኣብ 1994 ዘጋጠማ ግፍዕታት ምጽናት ዓሌት ወጺኣ፡ "ተኣምራታዊ" ቁጠባዊ ምዕባለ ከምዘርኣየት ይምጉት።

እንተኾነ ግን፡ ካብቲ 13 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝባ እቲ 70 ሚእታዊት ኣብ ናይ ዕንጋሎ ሕርሻዊ እቶት ዝምርኮስ እዩ።