ብሪጣንያ፡ ሕቶኡ ዝተነጽገ ፈላማይ ስደተኛ 'ብወለንታኡ' ሩዋንዳ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሪጣንያ፡ ፈላማይ ሕቶ ዕቝባኡ ዝተነጽገ ውልቀሰብ ብወለንታኡ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝልኣኸት ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወግዓዊ ዝዀነ መስርሕ፡ ኣብታ ሃገር ሕቶ ዕቝባ ዘይሰለጦም ስደተኛታት ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ፓውንድ እናተኸፍሎም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ’ዮም።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ግዱድ መስርሕ ምምላስ ስደተኛታት ተግባራዊ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ’ኳ እንተነበረ፡ እዚ ናይ ሕጂ ውጥን ግን እቶም ስደተኛታት ብወለንታኦም ናብታ ሃገር ክምለሱ ዝገብር ምዃኑ ይገልጽ።
እዚ፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ክደናጐ ዝጸንሐ ኰይኑ ካብ መፋርቕ ሓምለ ጀሚሩ ከም ዝጅምር ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ውጥን፡ ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዕቝባ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት ኣብ ብሪጣንያ ክጸንሑ መሰል ዘይብሎምን ገበነኛታት ዜጋታት ወጻእን’ውን ናብ ሩዋንዳ ክሰጋገሩ’ዮም።
ዘ-ሳን ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ ሽሙ ዘይተጠቕሰ ሓደ ውልቀሰብ ብሰኑይ ምሸት ብነፋሪት ናብታ ሃገር ከም ዝግዓዘ ገሊጹ።
ሰብ መዚ፡ እቲ ሓታቲ ዕቝባ 'ኣብ ብሪጣንያ ንምጽናሕ ዘኽእሎ መሰል ንምርካብ ዝነበሩ ዕድላት ጸንቂቝ ተጠቒሙ’ዩ' ካብ ምባል ወጻኢ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃብዎ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
መንግስቲ ሩዋንዳ፡ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዕቝባ ዘይሰለጦ ውልቀሰብ ትማሊ ምሸት ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወ'ኳ እንተገለጸ፡ ንብሕትውና እቲ ውልቀሰብ ብዝብል ዝርዝር መግለጺ ከም ዘይህብ ኣመልኪቱ።
ሩዋንዳ፡ እቶም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝስደዱ ስደተኛታት ንምቕባል ኣብ ኪጋሊ ‘ሆፕ’ ዝተባህለ ሆስቴል ኣዳልያ ጸኒሓ እያ። እቲ ትማሊ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ውልቀሰብ ግን ኣብቲ ሆስቴል ኣትዩ ክኸውን’ዩ ዝብል ግምት የለን።
ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ጉዳያት እንግሊዝ፡ እቶም ተመለስቲ ስደተኛታት ዝወሃቦም ገንዘብ ኣብታ ዝኣትውላ ሃገር ንግዝያዊ ናይ መንበሪ ወጻኢታት ወይ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ቢዝነሳት ንምጅማር ንዘድልዮም ወጻኢታት “ክሽፍን” ከም ዝኽእል ይገልጽ።
እቲ ውጥን ኣብ ዝሓለፈ ለከቲት ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ሕቶ ዕቝባ ዘይሰለጦም ሰባት ብወለንታኦም ዝምለስሉ ዝጸንሐ መስርሕ ከም ዝፍለ ድማ ጸብጻባት የመልክቱ።
ከም ጸብጻብ መንግስቲ እታ ሃገር እንተዀይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሪጣንያ ክጸንሑ መሰል ዘይነበሮም 19 ሽሕን 253 ሰባት ብወለንታኦም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ተገይሩ’ዩ።
ካብዚኦም፡ እቶም 3319 ብኽፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት “ፓኬጅ ዳግመ ምጥያስ” ተዋሂቡዎም ወይ ወጻኢታት በረራ ተኸፊሉሎም’ዩ።
ካልኦት ብዙሓት ውልቀሰባት’ውን ናብ ሩዋንዳ ንምኻድ ተመሳሳሊ ጠለብ ከም ዝቐረበሎም ኣብ ዙርያ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝሰርሓ ትካላት ይገልጻ።
ነዚ ውጥን እትነቅፍ ተመዓዳዳዊት ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር ግን፡ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ መንግስቲ እታ ሃገር “ከባቢያዊ መረጻታት ቅድሚ ምጅማሮም ድሮ ሓደ ሰብ ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ገንዘብ ከፊሉ ኣሎ” ክትብል ነቒፋ።
ሰብ መዚ፡ እዚ ውጥን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብመትረብ እንግሊዝ ብንኣሽቱ ጃልባታት ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ይምጉቱ።
ይዅን’ምበር ትማሊ ሰኑይ ከይተረፈ ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ሃብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ።
ኣብዚ ዓመት ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 7 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝኣተዉ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብሩ።
ሩዋንዳ፡ ኣብ ፈላማይ ዙርያ 5700 ሓተትቲ ዕቝባ ክትቕበል ከም ዝተሰማመዐት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ገሊጹ ነይሩ።
ይዅን’ምበር ካብኣቶም እቶም 3,557 ደሃዮም ክርከብ ከምዘይከኣለ ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት የመልክቱ።
ብመሰረት እቶም ሰነዳት፡ እቶም ደሃዮም ንቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጦም ናብ መዳጐኒ ክኣትዉ ዝኽእሉ 2,143 ሓተቲ ዕቝባ ጥራይ እዮም።
ሓደ ምንጪ መንግስቲ ግን ደሃይ እቶም ሓተቲ ዕቝባ ጠፊኡ ንዝብል ጸብጻብ ነጺግዎ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







