ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ርዋንዳ ዝልእኽ ውጥን ብሪጣንያ ሕጊ ኰይኑ ክጸድቕ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ንኣዋርሕ ከካትዕ ዝጸንሐን ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ዝተዛዘመን ምትህልላኽን ሰብ መዚ ብሪጣንያ፡ ስዒቡ ሪሺ ሱናክ ዝመርሖ ኣካታዒ እማመ ርዋንዳ ሕጊ ኰይኑ ክጸድቕ እዩ።
እዚ ወሳኒ ኣካል፡ መንግስቲ ገለ ሓተቲ ዕቝባ ናብ ርዋንዳ ንምልኣኽ ዝሓንጸጾ መደብ፡ ርዋንዳ ውሕስቲ ሃገር እያ ይብል።
እቲ እማመ ተቓወምቲ ውድባት ብትሪ ይነቕፉዎ’ኳ እንተሃለው፡ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግን ትማሊ ሰኑይ ኣማስያኡዩ ተቓውሞኦም ኣቋሪጾሞ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፡ ናብ ርዋንዳ ዝካየድ በረራታት ኣብ ውሽጢ 10 ክሳብ 12 ሰሙናት ክጅመር ምዃኑ ገሊጹ።
ይዅን’ምበር፡ እቶም በረራታት ብቤት ፍርዲ ክደናጐዩ ወይ ድማ ሓተትቲ ዕቝባ ዝጓዓዙለን ነፈርቲ ኣብ ምውሓስ ምድንጓይ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ጀምስ ክለቨርሊ፡ እቲ እማመ ምሕላፉ፡ “ኣብቲ ነተን ጀላቡ ደው ንምባል እንገብሮ መደብ ፍሉይ ህሞት እዩ” ኢሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ “ንቐዳማይ በረራ መገዲ ንምጽራግ ዘድሊ ኵሉ ክገብር ቃል ኣትየ ነይረ። ከምኡ ኢና ጌርና። ሕጂ ቀትርን ለይትን በረራታት ንምጅማር ኢና ንሰርሕ ዘለና” ክብል ተዛሪቡ።
ተመዓዳዳዊት ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር ግን ነቲ ውጥን “ኣዝዩ ክቡር ምትላል” ብምባል ነቂ ውሳነ ተቓዊማቶ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ እቲ ውጥን ርዋንዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምሉእ ድምጺ ካብ ዝወሰነሉ ሕዳር 2023 ጀሚሩ መንግስቲ ዘቕረቦ ውጥናት ምስግጋር ስደተኛታት ተዓንቂፉ ጸኒሑ።
ብሰኑይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ እቲ ሕጊ ምስ ጸደቐ በረራታት ክጅመር ከም ዝዀነን ነቶም ስደተኛታት “ክሳብ ርዋንዳ” ዝዕጅቡ 500 ሰራሕተኛታት ድሉዋት ምዃኖምን ገሊጹ።
“ውጥናት ኣብ ቦታኡ ኣሎ። እዞም በረራታት ድማ ክካየዱ’ዮም” ዝበለ ሱናክ፡ ኣብ ወርሒ ብዙሓት በረራታት ከም ዝህልው ብምምልኻት “. . . ምኽንያቱ ብከምኡ ኢኻ ስርዓታዊ መከላኸሊ ትሃንጽ፤ ብኸምኡ ኢኻ ድማ ነተን ጀላቡ ደው እተብለን” ክብል ተዛሪቡ።
ሱናክ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ፡ እቲ እማመኡ ንምጽዳቕን በረራታት ንምጅማር ኣባላት ባይቶ ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ መንጐ ታሕተዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ላዕለዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ዝተኻየደ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ክትዕ ክካየድ እንከሎ፡ እቲ እማመ ሓሙሽተ ግዜ ናብ ኣባላት ባይቶ ተሰዲዱ'ዩ።
እዚ ውጥን ንምጽዳቕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ዝበለ ሱናክ፡ ባይቶ እታ ሃገር ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ምኽኣሉ ከም ዓብይ ፖለቲካዊ ዓወት እዩ ዝርእዮ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓፈሻዊ መረጻ ዝካየደሉ ግዜ የርክብ እዩ ዘሎ፤ ውጥን ሱናክ ግን ክንደየናይ ርሕቐት ከም ዝጓዓዝ ኣይተረጋገጸን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ውጥን ርዋንዳ እንታይ'ዩ?
መንግስቲ ብሪጣንያ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ዝዓለመ ስምምዕ ከምዝገበረ ይዝከር።
እቲ ፈለማ ኣብ 2022 ዝወጸ ውጥን ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምብርዓኑ'ውን፡ መንግስቲ ነቲ ብዙሓት ዝነቕፍዎ ፖሊሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓድሽ ውዕል ምስ ኪጋሊ ፈሪሙ'ሎ።
እቲ ጉዳይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክካየድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ መረጻ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ድሮ ቀንዲ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኰይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ 2022 ዝተወጠነ ፖሊሲ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ብምስዳድ ጉዳዮም ኣብኡ ክውሰን ዝገብር ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዕል'ዩ።
ሕቶኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ዕቝባ ክወሃቦምን ኣብታ ሃገር ክጸንሑን ይኽእሉ።
እንተዘይኰይኑ ብኻልእ መልክዕ ኣብ ርዋንዳ ክጸንሑ ወይ ድማ ናብ ካልእ "ውሑስ ሳልሳይ ሃገር" ዕቝባ ክሓቱ ዝብል ይርከቦ።
ብሓጺሩ ናብ ብሪጣንያ ንምምላስ ሕቶ ዕቝባ ከቕርብ ዝፍቀደሉ ሓታቲ ዕቝባ ኣይክህሉን'ዩ።
ሰብመዚ ብሪጣንያ፡ እቲ ተሪር ሕጊ ነቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብጃላቡ መትረብ-እንግሊዝ ሰጊሮም ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ'ዮም ዝምጕቱ።
ክንደይ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ርዋንዳ ክሰጋገሩ ይኽእሉ?
ብመሰረት እቲ ፖሊሲ፡ ዝዀነ ድሕሪ 1 ጥሪ 2022 "ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ" ሰብ ናብ ርዋንዳ ክስደድ ይኽእል።
እቲ ውጥን ቍጽሪ ናይ ዝሰጋገሩ ሓተትቲ ዕቝባ ገደብ የብሉን።
ኣብ ሰነ 2022 ዝተፈተነ ፈላሚ በረራ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ከምዝተሰረዘ ይዝከር። ብሰንኪ'ቲ ውሳነ ዛጊት ናብ ርዋንዳ ዝተሰደደ ሓታቲ ዕቝባ የለን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፡ በረራታት ኣብ ወቕቲ ኣየት 2024 (እዚ ዘለናዮ ወቕቲ) ክጅምር ከምዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።
ክንደይ ሰባት ንምስዳድ ከምዝዓለመ'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ "ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ክረምቲን ክንዮኡን ወርሓዊ ብዙሕ በረራታት ንምክያድ" ውጥን ከምዘለዎ'ዩ ኣሚቱ ዘሎ።
ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍ'ውን ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ድሉው ኰይኑ ክጸንሕ ከምዝገበረ ይጠቅስ።
ነቶም ዝውሰዱ ሰባት ዝኸውን ልዕሊ 2,200 መጽንሒ ቦታታት ከምዝተደላወ፡ ከምኡ'ውን 500 ኣሰነይቲ በረራታት ከምዘሰልጠኑን ኣፍሊጡ'ሎ።
ንጉዳያት ሓትቲ ዕቝባ ንምጽፋፍ'ውን ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ 200 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት፡ 25 ሓደስቲ ክፍልታት ቤትፍርዲ፡ ከምኡ'ውን 150 ደያኑ ተመዚዞም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
ቀንዲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ እቲ ውጥን ክሰርሕ ዘይክእል ድሮ ሚልዮናት ገንዘብ ብኸንቱ ዘባኸነን ምዃኑ ይነቕፉ ኣለዉ።
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ እንታይ ነበረ?
ኣብ 2023፥ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ብሪጣንያ፡ ውጥን ርዋንዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምሉእ ድምጺ'ዩ ወሲኑ።
እቲ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ እቲ ፖሊሲ ነቲ ስቅያትን ኢሰብኣዊ ኣተሕሕዛ ሰባት ዝከላኸል ውዕል ሰባዊ መሰላት ኣውሮጳ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል'ዩ ኣበርዒንዎ። ብሪጣንያ ነቲ ውዕል ሰባዊ መሰላት ፈሪማትሉ'ያ።
ኣብ ርዋንዳ ዘሎ ድኹም ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላትን ስደተኛታትን'ውን ሓደ ካብቶም ነቲ ቤትፍርዲ ስክፍታ ዝፈጠርሉ ምኽንያታት'ዩ።
ኣብ 2021 መንግስቲ ብሪጣንያ ባዕሉ ኣብ ርዋንዳ፡ "ዘይሕጋዊ ምርሻን፡ ሞት ኣብ ቀይዲ፡ ግዱድ ምስዋርን ስቅያትን" ከምዝፍጸም ምግላጹ ደያኑ ከም መርትዖ ዝጠቐስዎ'ዩ።
ኣብ 2018 ፖሊስ ርዋንዳ ኣብ ልዕሊ ተቓውምኦም ዝገለጹ ስደተኛታት ጠያይት ምትኳሶም ከም ኣብነት ኣቕሪቦም ነይሮም።
ትሕዝቶ ናይቲ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ ዘሎ እማመ እንታይ'ዩ?
ብውሳነ ቤትፍርዲ ተስፋ ዘይቆረጸ መንግስቲ፡ ርዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ምዃና ዘረጋግጽ ሓድሽ እማመ ሕጊ ናብ ፓርላማ ኣቕሪቡ።
እቲ ብክልቲኡ ባይቶታት (ሎርድስን ኮመንስን) ክጸድቕ ዘለዎ እማመ፡ ኣብያተ-ፍርዲ ብሪጣንያ ንገለ ሕጊታት እታ ሃገርን ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ዕሽሽ ክብላ ዘገድድ'ዩ። ሓደ ካብዞም ክጉሰዩ ዝድለዩ ዘለዉ ሕጊታት፡ እቲ ግዱድ ምምላስ ስደተኛታት ዝእግድ ዓለምለኻዊ ውዕል ስደተኛታት እዩ።
ገለ ኣባላት ባይቶ ንዓለምለኻዊ ሕጊታት ዝጥሕስ ምዃኑ ክቃወሙ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ኣመና ተሪር ዘይምዃኑ ይነቕፉ።
ዋላ'ኳ ተቓውሞታት ገለ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ገጢምዎ እንተነበረ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ክፍላ ጥሪ ናይዚ ዓመት ብባይቶ (ኮመንስ) ሓሊፉ ነይሩ'ዩ።
እንተኾነ፡ ባይቶ ጐይቶት (ሎርድስ) ብቐጥታ ተቐቢሉ ከጽድቘ ብዘይምኽኣሉ፡ ንኣሽቱ ምምሕያሻት እናተገብረሉ ካብን ናብን እቶም ባይቶታት ክመላለስ ጸኒሑ።
መንግስቲ ዓብላሊ ደገፍ ኣባላት ባይቶ ዘለዎ ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ክሓልፍ ትጽቢት'ኳ ተገይሩሉ እንተነበረ፡ ሰኑይ ምሸት መደምደምታ ክወሃበሉ እዩ ትጽቢት ክግበር ቀንዩ።
ይዅን'ምበር፡ እቶም ነቲ ውጥን ካብ ፈለማኡ ዝተቓወምዎ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ነዚ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ቤትፍርዲ ክወስድዎ ይዳለዉ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ።
ምስ ርዋንዳ ዝተፈረመ ሓድሽ ውዕል
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ቀዳማይ ውጥኑ ብቤት ፍርዲ ምስበርዓነ፡ ምስ ርዋንዳ ሓድሽ ስምምዕ ፈሪሙ።
ብመሰረት ላዕለዋይ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ጄምስ ክለቨርሊ ዝበሎ፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ ዝዀነ ናብ ርዋንዳ ዝተሰጋገረ ሰብ ናብ ሃገሩ ብሓይሊ ከይምለስ ዝገብር'ዩ።
ሓደ ናጻ ተኸታታሊ ኣካል ብምቛም ድማ ርዋንዳ ንትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ምኽባራ ከረጋግጽ ምዃኑ እቲ ስምምዕ ይጠቅስ።
እቲ መስርሕ ናይ ይግባይ ዕድል ከምዝህልዎን፡ ነዚ ንምርኣይ ብሪጣንያውያን ደያኑ ክሳተፉ ምዃኖም'ውን ይእምም።
ዋጋ ናይቲ ውጥን ክንደይ ክበጽሕ'ዩ?
ኣብ መወዳእታ 2023፡ መንግስቲ ብሪጣንያ 240 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ከምዝኸፈለ ይፍለጥ።
ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት ድማ መጠን ዝኽፈል ዋጋ ክሳብ 370 ሚልዮን ከምዝበጽሕ ይግመት።
ልዕሊ 300 ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ እንተተወሲዶም፡ ብሪጣንያ ንቍጠባ እታ ሃገር ንምድንፋዕ 120 ሚልዮን ፓውንድ ክትህባ'ያ።
ብዘይካ'ዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝሰጋገር ሰብ 20,000 ፓውንድ ንርዋንዳ ክወሃብ'ዩ።
ተወሳኺ 50,000 ፓውንድ ንነፍሲ ወከፍ ዝሰጋገር ሰብ ንርዋንዳ ክምጦ'ዩ።
እዚ ነቶም ንርዋንዳ ብወለንታኦም ክኸዱ ዝደልዩ ዝኽፈል ገንዘብ ዘጠቓልል ኣይኰነን።
ቅድሚ ሕጂ ዝወጸ ወግዓዊ ጸብጻብ መንግስቲ፡ ንሓደ ናብ ርዋንዳ ዝስደድ ሰብ ብውሕዱ 63,000 ፓውንድ ወጻኢ ከምዝግበረሉን፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝሓቶ መጠን ምዃኑ ኣመልኪቱ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







