ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ይጸልዎም ዶ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
መዕቆቢት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ እትሰርሓሉ ዘላ ካብ እዋን ‘መግዛእቲ’ ጀሚሩ ዝጸንሐ መስርሕ ኢሚግሬሽን ከተመሓይሾ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሕጊታት ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ዘትርር ከምኡ’ውን ኣገባባት ዜግነትን ዑቕባን ንምምሕያሽ ዝዓለመ ሓድሽ መደባት ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።
ሚኒስተር ኣሮን ሞትሶኣለዲ (ዶክተር)፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን "ውርሻ ዘመነ መግዛእቲ" ክብል ገሊጽዎ።
እማመ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ብድሕሪ’ቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ ህዝባዊ ምምኽኻር ብካቢነ ሚኒስተራት ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ጸዲቑ’ሎ።
እንተዀነ፡ ሕጊ ኰይኑ ንክጸድቕ፡ እቲ ረቂቕ ብሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ።
‘እማመ ዜግነት፡ ኢሚግሬሽንን ሓለዋ ስደተኛታትን’ ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ ረቂቕ ሕጊ ወግዓዊ ዝተገበረ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ግንቦት ንዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።
ኣብቲ መረጻ ጉዳይ ስደተኛታትን ኢሚግሬሽንን ቁልፊ ዛዕባ ከምዝኸውን ይግመት።
ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 32.6 ሚእታዊ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ኰይኑ ይስራዕ።
ምስዚ ጐድኒ ጐድኒ፡ እቶም ንዝሓሸ ናብራ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ‘ስራሕ፡ መንበሪ ገዛን ካልእ ዕድላትን ካብ ዜጋታት ይምንጥሉ ኣለዉ’ ዝብል ቍጥዐ ብተደጋጋሚ ይስማዕ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ብውሕዱ 2.4 ሚልዮን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ከምዘለዋ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘካየደቶ ቈጸራ ህዝቢ የመልክት።
እቶም ዝበዝሑ ካብ ጐረቤት ሃገር ዚምባብወ ዝመጽእዋ እኳ እንተዀኑ፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ዲሞክራሲያዊ ኮንጎ፡ ሶማልያ፡ ባንግላድሽን ለሴቶን ዝኣተዉ ስደተኛታት እውን ብብዝሒ ይርከቡ።
ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝሓሸ ስራሕን ናብራን ዝመጽእዋ ስደተኛታት ብዝሖም ምስ 62 ሚልዮን ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ 3 ሚእታዊት ይሕዝ።
ይዅን እምበር ብዙሓት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ስደተኛታት በቶም ‘ስራሕን ዕድላትን መንጢሎምና’ ዝብሉ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዘለዎም ዜጋታት መጥቃዕቲ የጋጥሞም።
ብፍላይ ካብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ቅትለት፡ ምዝማትን ምዕናው ንብረትን ኣጋጢምዎም እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ከተመሓይሾም ዝሓሰበት ጉዳያት እንታይ እዮም?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ካብ ዓለምለኻዊ ስምምዓት ምውጻእ
ጨቋኒ፡ ዓሌታውን ኣግላልን ስርዓት ኣፓርታይድ ድሕሪ ምውዳቑ ኣብ መፋርቕ 90ታት ናብ ስልጣን ዝመጸ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) ብዙሕ ዓለምለኻዊ ስምምዓት ምፍራሙ 'ዓቢ ጌጋ' ምንባሩ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ ዶክተር ኣሮን ይገልጽ።
እቲ ሚኒስተር ከምዝበሎ፡ እዚ ስምምዓት እቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ናይ ገዛእ ርእሱ ፖሊሲ ቅድሚ ምምዕባሉ ዝተፈረመ እዩ።
ንሱ ካብ ዝጠቕሶም ስምምዓት፡ ውዕል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 1951፡ ፕሮቶኮል 1967 ከምኡ’ውን ውዕል ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ነበር 1969 ይርከብዎም።
ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ስምምዓት ክትቅበሎ እንከላ፡ “ዝተወሰኑ ዓንቀጻት ዘይፍጸሙሉ ወይ ዝግደፉሉ ኵነታት ኣየመቻቸአትን” ይብል።
ደቡብ ኣፍሪቃ ካብዞም ስምምዓት ክትወጽእ ሓሳብ ዘቕረበ እቲ ሚኒስተር፡ ነዚ ከም መካትዒ ዘቕረቦ ሓሳብ ድማ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ከም ኣገልግሎታት ትምህርትን መንበሪ ኣባይትን ምሃብን ካልእ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ቍጠባውን ረብሓታት ክተቕርብ ዓቕሚ የብላን ዝብል እዩ።
ዶክተር ኣሮን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንገለ ካብቶም ዓንቀጻት ካብቲ ስምምዓት ከም ዘውጽኣቶም ምስ ኣረጋገጸት ዳግማይ ነዞም ስምምዓት ክትፍርሞም ምዃና’ውን ሓቢሩ’ሎ።
'መትከል ውሑስቲ ሃገር'
መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 250 ሽሕ ስደተኛታት-ሓተትቲ ዑቕባ ይርከቡ። ካብዚ ብተወሳኺ ቍጠባዊ ዕድላት ዝደልዩ ዝርከብዎም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሰነዳት ዘለዎምን ዘይብሎምን ወጻእተኛታት ኣለዉ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ እማመ፡ መዓስከራት ስደተኛታት ናብ ዶባዊ ከባቢታት ክጽግዓ እየን። እዚ ድማ ቍጠባዊ ስደተኛታት፡ ሕጋውያን ስደተኛታት ወይ ፖለቲካዊ ሓተትቲ ዑቕባ ንምፍላይን ናብታ ሃገር ኣትዮም 'ዝጠፍኡ' ሰባት ንምግታእን ዝዓለመ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ 'መትከል ቀዳመይቲ ውሑስቲ ሃገር' እውን ትትግብር እያ። እዚ መትከል እዚ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ካብ መበቆል ሃገሮም ምስ ወጹ ኣብታ ቀዳመይቲ ውሑስቲ ዝዀነት ሃገር ዑቕባ ክሓቱ ይጠልብ።
በዚ መሰረት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዑቕባ ዘይሓተቱ ስደተኛታት ሕቶኦም ዝንጸግ ይኸውን። ሕቶኦም ተቐባልነት ዝረክብ ነዚ ክገብሩ ዘይከኣሉሉ "ፍሉይ ዘዕግብ ምኽንያት" ምስ ዝህልዎም ጥራይ እዩ።
እዚ ግን ዘይጸልዎም ክህልዉ ከምዝኽእሉ እቲ እማመ የመልክት። ጽላት ሕርሻ እታ ሃገር ኣብቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ዝምርኮስ ስለዝዀነ ንሰራሕተኛታት ሕርሻ ዘይክምልከት ከምዝኽእል እዩ ዝጠቅስ።
ምቕያር ስርዓት ቪዛ
ኣብ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ለውጢ ከምዘድሊ ዘስመረሉ ዶክተር ኣሮን ነቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዋ 17 ዓይነታት ቪዛ 'ምምሕዳራዊ ሕልሚ' ክብል ገሊጽዎ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስርዓት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ዘመድ መሕተቲ ቪዛ፡ ትካላዊ ቪዛን ናይ ኩባንያ ቪዛን ክመሓየሹ፡ ክጥርነፉ ወይ ክስረዙ ይኽእሉ እዮም።
ካልእ ዝቐረበ መመሓየሺ ድማ ‘ንዝተወሰነ እዋን ዝወሃብ ቀዋሚ መንበሪ ቪዛ' ምስ ምቕራብ ዝተሓተ ናይ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ኣተሓሒዝዎ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ኣብ ዝፍጸሙ ናይ ሓሶት መርዓታት እውን ቍጽጽር ከምዝግበር እቶም ሓለፍቲ ገሊጾም።
'ስፓዛ' ድኳናት ብቤት ማዘጋጃ ይምዝገባ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብታ ሃገር ጽልኢ ወጻእተኛታት ብዘለዎም ዜጋታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ጸለምቲ ተነጺሎም ኣብ ዝነበሩለን 'ታውንሺፕ' ተባሂለን ዝፍለጣ ከተማታት ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ድኳናት ዘነጻጸረ እዩ።
እዘን ዘይወግዓውያን ድኳናት 'ስፓዛ' ተባሂለን ዝጽውዓ ኰይነን መብዛሕትኡ ግዜ ወነንተን ወጻእተኛታት እዮም። መንግስቲ እታ ሃገር እዘን ድኳናት ከም ካልኦት ትካላት ሸቐጥ ብተመሳሳሊ መንገዲ ክሰርሓ ዝገብር ጽኑዕ ደንቢ ከውጽእ እዩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ደንቢ፡ እዘን ድኳናት ኣብ ኣብያተ ማዘጋጃ ክምዝገባ ከምኡ’ውን ዋናታተን ዘለዎም ናይ ስደተኛነት ኵነታት ክፍለጥ ክግበር እዩ።
እቶም ወነንቲ ሰነዳት ዘይብሎም ኰይኖም እንተተረኺቦም እተን ድኳናት ክዕጸዋ እየን። ትኽክለኛ ሰነዳት እንተሃልይዎም ግን ግብሪ ክኸፍሉን ብሕጊ ጥዕናን ድሕነትን ሃገር ክመሓደሩ ከምዘለዎም ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ኣብዘን ድኳናት ምግቢ ምብሳል፡ ምድቃስን ጸሎት ምክያድን ከኣ ይኽልክል።
እቲ ሓድሽ ደንቢ እዘን ድኳናት ኣበይ ከባቢ ክኽፈታ ከም ዘለወን ዝድንግግ ይኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







