ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንብረት ስደተኛታት ዝወርርን ዘዕኑን ዘሎ ዕሉል ጉጅለ 'ዱዱላ'

ኣባላት ስርሒት ጉጅለ ዱዱላ
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ስርሒት ዱዱላ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምንቅስቓስ መናእሰይ ዝዀነ ጉጅለ ዱዱላ፡ ትካላት ንግዲ ዜጋታት ወጻኢ ብምውራርን ድኳናት ክዕጸዋ ብምግዳድን ዕሉል ኰይኑ ኣሎ። ‘ቢቢሲ ኣፍሪካ ኣይ’፡ ኣባላት ናይቲ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ምንቅስቓስ ጐደናታት ኣንጻር ስደተኛታት ንምዝርራብ ሳሕቲ ዘጋጥም ዕድል ረኺቡ ኣሎ።

ዲማካትሶ ማኮኤና፡ ኣብ ምብራቓዊ ጆሃንስበርግ እትርከብ ከተማ ክዋ ቴማ ኣብ ዝርከብ ክሽነ ቤት ትምህርቲ ሳንድዊች ትሰርሕ ነይራ።

እዛ ጓል 57 ዓመት ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብኡ ከሻኒት ኰይና ጸኒሓ። ደቃ ንበይና’ያ እተዕቢ።

“ሓቂ ክነግረኩም ንወጻእተኛታት ይጸልእ እየ። ንብረቶም ዓሺጎም ጥራይ ካብ ዓድና እንተዝወጽኡ ምተመነኹ" ትብል ንብዓታ ንምቁጽጻር እናተቓለሰት።

ማኮኤና ስእሊ ወዳ ንምርኣይ ቴለፎና ክሳብ እተውጽእ ዕምቈት ንወጻእተኛታት ዘለዋ ጽልኢ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ነይሩ።

ኣብ ኣዒንቱ ዝማህመነ ዝመሰል ኣጠማምታ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላቱ ድማ ክሳብ ቅልጽሙን ገጹን በሰላታት ቃጸሎ ይርኣይ።

"ወዲ 14 ዓመት ኰይኑ’ዩ ዕጸ ፋርስ ክጥቀም ጀሚሩ” ትብል። በዚ ምኽንያት ወዳ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ስርቂ ከም ዝኣቱ ትዛረብ።

ሓደ መዓልቲ ገለ ገመዳት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወሲዱ ክሸይጥ ፈቲኑ፤ ግን ኤሌክትሪክ ሒዙዎ ተቓጺሉ።

ወዳ፡ ‘ክሪስታል ሜትን ንያኦፐን’ ዝበሃል ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ዘዕነወ ኣዝዩ ልዑል ወልፊ ዘለዎ ሓሽሽ ይጥቀም።

'ወጻእተኛታት’ዮም ነዚ ዕጸ ፋርስ ዝሸጡ ዘለው' ኢላ ምንቃፍ ምስ እትጅምር’ዩ፡ ንጉጅለ ዱዱላ ዘለዋ ምኽንያትን ደገፍን ንጹር ዝኸውን።

“ዱዱላ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ንክቕጽል ዝገብረኒ” ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።

ስርሒት ዱዱላ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሶዌቶ ተጀሚሩ።

እዚ፡ ነቲ ኣብ 1994 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ምሕደራ ኣፓርታይድ ምስ ተዛዘመ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝጅምር ዝነበረ ማዕበል ሰፊሕ መጥቃዕቲ ዝዀነ ጽልኢ ወጻእተኛታት ቅርጺ ክሕዝ ገይሩ።

እዚ ጉጅለ ንርእሱ ሲቪክ ምንቅስቓስ ኢሉ ዝጽውዕ መድረኽ ኣንጻር ስደተኛታት ኰይኑ፡ ብቋንቋ ዙሉ፡ ‘ዱዱላ’ ማለት ‘‘ኣባርርዎም’’ ወይ ‘‘ይኺዱልና’’ ማለት እዩ፡፡

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሶዌቶ፡ ተቓውሞ ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝተቦኰረላን መንበሪ እቲ ፈላማይ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላን እያ።

ሕጂ ድማ እታ ከተማ መዕቆቢ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝፍለጥ ጉጅለ ጸረ ስደተኛታት ኰይና ኣላ።

ኣብታ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ዘይምዕሩይ ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር፡ ሓደ ካብ ሰለስተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሸቕሊ ኣልቦ’ዮም።

በዚ ምኽንያት ወጻእተኛታት ብቐሊሉ ዒላማ ኰይኖም ኣለዉ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ስደተኛታት ግን ኣዝዩ ዝተጋነነ እዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ዝመደበሩ ናጻ ትካል መጽናዕቲ ዝዀነ ኢንስቲትዩት ፎር ሴኩሪቲ ስታዲስ (ISS) ኣብ 2022 ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 3.95 ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዘለዉን፡ እዚ ድማ 6.5 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዝዀነን ይጠቅስ።

እዚ ኣሃዝ ድማ ምስ ኣህጉራዊ ኣሃዝ ዝሰማማዕ እዩ።

እዚ ኣሃዝ፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኰነ ካበይ ከም ዝመጽኡ ዘይፍለጥ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዘጠቓልል እዩ።

ገለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ፖለቲከኛታትን ጸረ ስደተኛታት ጉጅለታትን ዝጥቀሙሉ ጽልኢ ወጻእተኛታት፡ እታ ሃገር ብስደተኛታት ተዋሒጣ ኣላ ዝብል ጽውጽዋይ መጉሃሃሪ ክኸውን ሓጊዙ እዩ።

ኣብ 2021 ዝተኻየደ መጽናዕቲ 'ሶሳል ኣቲትዩድስ' ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘመልክቶ፡ ዳርጋ ፍርቂ ካብ 60 ሚልዮን ህዝቢ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 17 ክሳብ 40 ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ይኣምን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ከም ዘመልክቶ፡ ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ብማንዴላ ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ኤኤንሲ (ANC) ዘሎ ደገፍ ንፈለማ እዋን ትሕቲ 50 ሚኢታዊት ክወርድ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ስርሒት ዱዱላ፡ ነቲ ክፍተት ንምምላእ ህርፋን ዘለዎ ኰይኑ፡ ሕጂ ካብ ናይቲ ከባቢ ጉጅለ ጸረ ስደተኛታት ናብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምቕያር፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምውድዳር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ፕረዚደንት ስርሒት ዱዱላ ኰይና ዝተመርጸት ዛንዲለ ዳቡላ፡ ብዛዕባ መልእኽቲ ናይቲ ጉጅለ ከተብርህ እንከላ ብዝሃድአ መንፈስ እዩ።

“ወጻእተኛታት- ጠንቂ ቁጠባዊ ጸገም ደቡብ ኣፍሪ" እዮም ትብል።

'እዚ ጎስጓስ ኣብ ጽልኢ ጥራይ ዝተመርኮሰ ዶ ኣይኰነን' ብዝብል ንዝቐረበላ ሕቶ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ “ኣብዚ መብዛሕትኡ ጸገማት ዋሕዚ ዜጋታት ወጻኢ ዘንቀሎ ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና” ትብል።

“ሃገርና ዝተዘርገት እያ። ዜጋታት ወጻኢ ንደቡብ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ውጥን 20 ዓመት ሒዞም ይሰርሑ ኣለዉ”።

ኣብ ሓቅነት እዚ ርኢይቶ ኣመልኪታ መርተዖ ክተቕርብ በዳሂ ሕቶ ምስ ቀረበላ፡ 'ወረ ምዃኑ' 'ኳ እንተኣመነት፡ ሓቂ ምዃኑ ግን ከም እትኣምን ትዛረብ።

“ኣብ ኩሉ ቦታ ሓሽሽ ትርኢ እሞ መብዛሕትኦም ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎም ሰባት ካብ ወጻእተኛታት ንላዕሊ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ እዮም። ስለዚ፡ እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ? ንሳቶም ንክቈጻጸሩዋ ንክሕዙ ንክቐሎም ድዮም ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝህቡዎም ዘለው?” ትብል።

እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ቁጥዐ ግን ኣብቶም ብሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዘለዉን ኣብ ሕጋዊ ሞያታት ዝሰርሑን ክውዕል ይኽእል እዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ብኣባላት ጉጅል ዱዱላ፡ ዒላማ ዝዀነ ናይጀርያዊ ነጋዳይ፡ እተን ንዕኡ ዘጥቅዕኦን ክዳውንቱ ኣብ ጐዳጉዲ ብምድርባይ ዘዕነዋን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሕቶታት ምሕታት ደው ከም ዘየበላ ንቢቢሲ ይገልጽ።

ናብኡ እናተኰሳ፡ “ናብ ናይጀርያ ክትከይድ ኣለካ . . . ንሕና ዱዱላ ኢና፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኢና” እናበላ ከም ዝመሓላሉ ይዛረብ።

ዝተረፎ ስለ ዘይብሉ፡ ሕጂ ኣብ ጎደናታት ይድቅስ ኣሎ።

“ኣብዛ ሃገር እየ ዝመርጽ፤ ዜጋ እየ። ሃገር ንሰባት ብኸምዚ ክትሕዝ ግን ርእየ ኣይፈልጥን። ዘይሕጋዊ ነገር እንተገይረ ጽቡቕ - ኣባረሩኒ። ኣነ ግን ዘይሕጋዊ ነገር ኣይገብርን እየ። ሕጂ ህይወተይ ሕሱር ትገብራ ኣለኻ፡ ክራይ ገዛይ ክኸፍል ኣይክእልን። ብጣዕሚ በዚሑኒ ክኸይድ እየ”።

ስርሒት ዱዱላ፡ ኣብቶም ኣዝዮም ዝተሓረሙ ማሕበረሰባት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ዓቢ ዋሕዚ ዕጸፋርስ ስክፍታ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

እዚ ድማ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጥርዓኖም ምዃኑ ይገልጽ፤ እንተዀነ ሓሽሽ ዝሸጡ ሰባት ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣይኰኑን ዝብል ኣበሃህላ ዝድግፍ መረዳእታ የለን።

ዲማካትሶ ማኮኤና: ወጻእተኛታት ዕጸ ፋርስ እናሸጡ ህይወተእ ወዳ ከም ዘዕነውዎ ትነቅፍ
መግለጺ ስእሊ, ዲማካትሶ ማኮኤና: ወጻእተኛታት ዕጸ ፋርስ እናሸጡ ህይወተእ ወዳ ከም ዘዕነውዎ ትነቅፍ

ዋላ’ኳ ጸብጻብ ኣይኤስኤስ (ISS) ንሚኒስተር ፍትሒ ብምጥቃስ ኣብ 2019 ካብ ኩሎም ዝተፈርዱ ክስታት 8.5 ሚኢታዊት፡ ኣብ 2020 ድማ 7.1 ሚኢታዊት ስደተኛታት ምዃኖም እንተገለጸ፡ ንገበናት ዕጸፋርስ ዝምልከት ንጽጽራዊ ስታቲስቲክስ የለን።

ኣይኤስኤስ ወሲኹ ኣብ ዓመት ካብ ዝእሰሩ እሱራት 2.3 ሚኢታዊት ሰነዳት ዘይብሎም ወጻእተኛታት ምዃኖም ይገልጽ።

ኣብ ምብራቓዊ ሶዌቶ ኣብ ዝርከብ ዲፕክሉፍ፡ ቢቢሲ ናብ ሓደ ሓይሊ ዕማም ዱዱላ ዝተባህለ ጉጅለ ኣትዩ።

ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ፡ መካረይት ገዛ ክራይ ገዛኡ ኣይከፈለን ናብ ዝበለቶ ሞዛምቢካዊ በዓል ድኳን ክገጥሙ ይኸዱ።

ሓደ ካብቶም ጉጅለ መናእሰይ ዝዀነ ማንዴላ ሌንኮሲ ነቲ በዓል ድኳን ክሃርሞ ምዃኑ ከፈራርሖ ምስ ጀመረ ናብ ጐንጺ ኣምሪሑ።

ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ግፍዒ ዝመኦ ባህርያቶም ክሓትት እንከሎ፡ ሕጊ ኢና ነኽብር ዘለና ዝብል መልሲ ይረክብ።

ነባሪ ሶዌቶ ሌንኮሲ፡ ስራሕ የብሉን፤ ኣብ ልዕሊ ኣባይትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ስደተኛታት ኣብ ዝካየድ ዘመተ ክኣ ይሳተፍ።

ዒላማ እዚ ዝምታን መጥቃዕትን ዝዀኑ ድማ ካብ ንግዲ ዕጸፋርስ ክሳብ ዕለት ቪዛኦም ሓሊፉ ኣብታ ሃገር ብምጽናሕ ዝጥርጠሩ’ዮም።

ንሱ፡ ንጸገማት ዕጸ ፋርስ ብምጥቃስ፡ “ነገራት ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ኣዝዩ ዝሓሸ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ኣፓርታይድ ኢና ዓቢና” ይብል።

“[ሽዑ] ሕጊ፡ ብሓቂ ሕጊ እዩ ነይሩ።”

ደጋፊ ዱዱላ ዝዀነ መሓዝኡ ሴድሪክ ስቶን፡ “ደቡብ ኣፍሪቃ ናብታ ቀደም እንፈልጣ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትምለስ ኣለዋ” ይብል።

“ሹቓት ዝጀመሩ ኣቦታትና’ዮም፤ ሎሚ ግን ኩለን ወጻእተኛታት ብፍላይ ድማ ባንግላደሻውያን፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ሒዞምወን። ስለምንታይ?”።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ኣንጻር እቲ ጸረ ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ተቓውሞታት ተዛሪቡ ነይሩ።

እዞም ጉጅለታት ንስደተኛታት የሸግሩን የጥቅዑን ብምህላዎም ድማ ኰኒኑ።

ኣብቲ ግዜ፡ እቶም ጉጅለታት ዝኽተሉዎ ዘለው ኣገባብ ምስቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ንጸለምቲ ማሕበረሰባት ንምጭቋን ዝወሰዶ ስትራተጂታት ኣመሳሲልዎ እዩ።

ኣብ 2019 ዓሌታውነትን ጽልኢ ወጻእተኛታትን ንምምካት ሃገራዊ ውጥን ኣበጊሱ፤ ጎስጐስቲ ግን ካብ መንግስቲ ዝያዳ ይጽበዩ።

ተሓላቒት መሰላት ኣማኻሪ ፓነል ስደተኛታት ጆሃንስበርግ ኣኒ ማይክልስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንሕማማቶም ንጌጋ ሰባት ይወቅሱ ከም ዘለዉን ብሓቂ ድማ ስደተኛታት ብህይወት ንምንባር ዝገብሩዎ ጻዕሪ ክንእዱ ከም ዘለዎምን ትዛረብ።

“ኣብ ኩርናዓት ኰፍ ኢልካ ምዕጉምጓምን ምሟትን ደው ኣብል፤ ነቲ መዓልታዊ ዝፈሽለካ ዘሎ መንግስቲ ምጽባይ’ውን ኣቋርጽ" ትብል።

ዳቡላ ብወገና፡ ስርሒት ዱዱላ ሓበራዊ ዓመጽ እዩ ዝብል ኣገላልጻ ጌጋ ምዃኑ ትዛረብ።

“ዓመጽ ኣይነስፋሕፍሕን፤ ሰባት ድማ ምግፋዕ ክስምዖም ኣይንደልን ኢና። ብዜጋታት ወጻኢ ክንዕብለልን ብዛዕብኡ ስቕ ክንብልን ግን ኣይንኽእልን” ትብል።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ሃገራዊ ዋዕላ ንምስታፍ ኣማኢት ደገፍቲ ተረኺቦም፤ ኣባላት እታ ጉጅለ ነቲ ጉጅለ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ድምጾም ሂቦም።

ስርሒት ዱዱላ ንዲማካትሶ ማኮኤና ብዛዕባ መጻኢ ስምዒት ዕላማን ተስፋን ይህባ
መግለጺ ስእሊ, ስርሒት ዱዱላ ንዲማካትሶ ማኮኤና ብዛዕባ መጻኢ ስምዒት ዕላማን ተስፋን ይህባ

ናብቲ መአከቢ ኣዳራሽ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ባንዴራታት ደቡብ ኣፍሪቃ የንበልብሉ፡ ይስዕስዑን ይዝምሩን ነይሮም።

ዓብዪ ጽምብል ኰይኑ ይስምዓካ።

እንተዀነ እቲ ዝደርፉዎ ደርፍታት “ወጻእተኛ ኣቃጽልዎም። ናብ ጋራጅ ከይድና ነዳዲ ገዚእና ንወጻእተኛ ከነቃጽሎ ኢና" ዝብል ዘስግእ መልእኽቲ ዝሓዙ እዮም።

እቲ ዝተኸደኑዎ ወተሃደራዊ ክዳን’ውን ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ እዩ።

ኩሉ ክኣ ንውግእ ዘሎ ድልውነት የርኢ።

ማኮኤና እውን ፍሽኽ እናበለትን ናይቲ ውድብ ማልያ ተኸዲና “ስርሒት ዱዱላ ሎሚ ታሪኽ ክሰርሕ እዩ” ትብል።

ኣብቲ መድረኽ፡ ቴክኒካዊ ኣማኻሪ ስርሒት ዱዱላ ዝዀነ ኢሳቕ ለሶለ፡ ነቶም ዝዕልሉ ዘለው “ምስ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ሰላም ንገብር ዲና?” ኢሉ ይሓትት።

ተሳተፍቲ፡ ብሓደ ድምጺ “ኣይፋልን” ኢሎም ይጭድሩ።

ብመሰረት ሕጊ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ሰልፊ ምምዝጋብ ማለት፡ ብቐጥታ ኣብ ምርጫ ንኽወዳደር ብቑዕ ይኸውን ማለት ኣይኰነን።

ዋላ እኳ ፕሬዝደንት ዳቡላ ብዘይካ ሰሜናዊ ኬፕ ኣብ ኩሉ ኣውራጃታት ህላወ ከም ዘለዎም እንተገለጸት፡ ስርሒት ዱዱላ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘለዎ መርገጺ ማኒፌስቶ ወይ ካልእ ፖሊሲ የብሉን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ደገፍቲ እዚ ሓድሽ ሰልፊ ኣብ ማሕበረሰቦም ነገራት ክእረሙ ዝደልዩ ይመስሉ።

ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘሎ ኩነታት ዝሰልቸዎም ሰባት ናይ ለውጢ ስሚዒት ዘንጸባርቑ እዮም።

ይኹን’ምበር መርዛም ምትሕውዋስ ድኽነት፣ ዕጸ ፋርስን ፍርሕን ስደተኛታት መስዋእቲ ዝዀኑሉ ምንቃፍ (blame game) ኣስዒቡ ኣሎ።