ኣደን ጓልን ዝምውና ንኽሰትራ ዝፈጸማኦ ዘስደምም ውዲት ቅትለት

ምንጪ ስእሊ, LEICESTERSHIRE POLICE
ሳቒብ ሑሴንን ሃሺም ኢጃዙዲንን፡ ኣብ 21 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ከባቢ ሌስተር ኣብ ዝርከብ ኤ46 ዝተበሃለ መንገዲ ተቐቲሎም።
ድሕሪ'ዚ ፍጻመ፡ 46 ዓመት ዝዕድመኣ ኣንስሪን ቡካሪን 24 ዝዕድመኣ ጸላዊት ቲክቶከር ጓላ ማሄክ ቡካሪን ንሕልፈት ተፈሪደን።
ኣብቲ ብኣደን ጓልን ዝተወጠነ ቅትለት ተሓባበርቲ ዝነበሩ መሓዙተን’ውን ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም።
ማሄክ ቡካሪ፡ ህብብትን ጸላዊትን ኮኾብ ቲክቶክ እያ ነይራ። ኣደኣ ኣንስሪን እውን ብውዕዉዕ ስምዒት ትድግፋ’ያ።
ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን ኣደን ጓልን ህይወተን ናብ ምትላልን ታህዲደ-ምቅላዕን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ቅትለትን ኣምሪሑ።
ማሄክ፡ ዩኒቨርስታ ኣቍራጻ፡ ከም ሞያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትነጥፍ ዕላማ ሒዛ ነቒላ።
ዕላማኣ ውጽኢት ክርከቦ ጀሚሩ። ዳርጋ 129 ሽሕ ተኸታተልቲ ዝነበራ ኰይና፡ ንግዳዊ ትካላት ብምልላይ ኣታዊ ትረክብ ነይራ።
ብተወሳኺ ምስታ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቪድዮታታ እትጽንበራ ኣደኣ ኣንስሪን "ፍሉይ ርክብ" ከም ዘለዋ ትምካሕ።
እንተዀነ ኣንስሪን ምስ ወዲ 21 ዓመት ሳቒብ ሑሴን ምስ ተራኸበት፡ ሰንሰለታዊ ፍጻመታት ኣበጊሱ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣደን ጓልን ብድርብ ቅትለት ተፈሪደን።
ሕጂ ክልቲአን ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪደን ኣለዋ፤ ማሄክ እንተወሓደ ን31 ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኣደኣ ኣንስሪን ድማ እንተወሓደ ን26 ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ክእሰራ እየን።
ንምዃኑ እዘን ኣደን ጓልን ዘጋጠመን ሰንሰለታዊ ፍጻመታት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, OTHER
ዝምውና
ኣንስሪንን ሳቒብን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2019 ብቪድዮ ኢንተርነት ዕላል ጀሚሮም፤ ቍጽሪ ተሌፎን ድሕሪ ምልውዋጦም ዕላሎም መዓልታዊ ኰይኑ። ርክቦም ሓሓሊፉ ይዝሕል’ኳ እንተነበረ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ግን ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ፖሊስ ከተማ ሌስተርሻየር መርማሪ ኢንስፔክተር ማርክ ፐሪሽ፡ እታ ኣደ፡ ሳቒብ ኣብ ልዕለኣ ብዘርኣዮ ተገዳስነት "ምውዳስ" ተሰሚዕዋ ይብል።
ብዙሕ ግዜ ኣብ ሆቴላት፡ ኣብያተ መግቢ እንዳ ሺሻን ይራኸቡ ከም ዝነበሩ’ውን ይገልጽ።
ኣብ 2021 ግን እቲ ርክቦም ክበላሾ ጀሚሩ፤ ኣንስሪን ከተቋርጾ ፈቲና፡ ሳቒብ ግን ተረቢሹ።
ምስቲ ዘጋጠሞ ንጽገት እናተቓለሰ፡ ዳግማይ ክትሓስበሉ ለሚንዋ። ነገራት እናተጋደዱ ምስ ከዱ፡ ሳቒብ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮም ርክብ ግሉጽ መልእኽቲ ናብ በዓል ቤታ ክሰድድ ምዃኑ ከፈራርሓ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, TIKTOK
ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት ኣንስሪን ኵሉ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንጓላ ነጊራታ። ማሄክ ግን ብዛዕባ እቲ ታህዲደ-ምቅላዕ ኣብ ክንዲ ንፖሊስ ምሕባር፡ ባዕላ ስጕምቲ ክትወስድ ወሰነት።
"ንስድራቤት ሳቒብ ስለ ዝፈልጦም፡ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ነገር ካብ ምግባር ምዓገትዎን ነይሮም እፈልጥ እየ" ይብል ኢንስፔክተር።
እተን ኣደን ጓልን "ንፖሊስ እንተዝሕብራ ነይረን፡ እዚ ዅሉ ኣይምተፈጥረን፤ ኣብዚ ደረጃ ኣይምበጽሐን።"

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED
ውዲት
ማሄክ ንኣደኣ ንምሕጋዝ ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ናብ ሬካን ካርዋን ዝበሃል መካኒክ ዓርካ ኣቕኒዓ።
ምስኡ ኰይኖም ድማ ንሳቒብ 3000 ፓውንድ ከም ዝህብዎ ኣምሲሎም ምስኦም ክራኸብ ውዲት ኣሊሞም። ሳቒብ፡ ክንድኡ መጠን ገንዘብ ንኣንስሪን ከም ዘውጽአ የማርር ነይሩ’ዩ።
ሬካን፡ ካብ ሬይስ ጀማል ዝተበሃለ ቀንዲ ዓርኩ፡ ረየስ ኣሚር ጀማል ካብ ዝተበሃለ ወዲ ሓውቦኡን ከምኡ'ውን ካብ ሳናፍ ጉሉሙስጣፋ፡ ናታሻ ኣኽታርን መሓመድ ፓቴልን ዝተበሃሉ ካልኦት ኣዕሩኽቱን ሓገዝ ሓቲቱ።
ኣብ ኣጋ ምሸት 11 ለካቲት 2022፡ ኵሎም ኣብ ሌስተር ኣብ ዝርከብ ቴስኮ ሱፐርማርኬት ንሳቒብ ክጽበይዎ ጀሚሮም፤ እቲ ውጥን ድብያ ንምፍጻም እዩ።
ሳቒብ፡ ካብ ከተማ ባንቡሪ ናብ ሌስተር ዝማልኦ መኪና ንምድላው ንዝተወሰኑ ኣዕሩኽቱ ክተሓባበርዎ ሓቲቱ። ሓደ ካብኣቶም ሃሺም ኢጃዙዲን ፍቓደኛ ኰይኑ።
"ሃሺም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣይፈልጥን፡ ዓርኩ ስለዝዀነ ኣብታ መዓልቲ ምሸት ንሳቒብ ብመኪናኡ ናብ ሌስተር ክወስዶ ጥራይ'ዩ ተሰማሚዑ - ብንጽህና" ይብል ኢንስፔክተር ማርክ።
"ነተን ተኸሰስቲ ኣይፈልጠንን፡ ምናልባት እቲ እንኮ ኣብ ዘይግቡእ ቦታ ኣብ ዘይግቡእ ግዜ ዝተረኸበ ሰብ ክኸውን ይኽእል።"

ምንጪ ስእሊ, LEICESTERSHIRE POLICE
ሃድን
ሳቒብን ሃሺምን 01፡17 ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ኣብ መቘም መካይን ቴስኮ ምስ በጽሑ ፍጥነቶም ቀኒሶም ንገለ ካልኢታት ተጸበዩ፤ ግን ገለ ዝዀነ ጌጋ ከም ዘሎ ተሰሚዕዎምዖም።
ቀልጢፎም ካብቲ ቦታ ወጺኦም፤ ግን ክልተ መካይን ስዒበናኦም - ረይስ ዝዝውራ ሰማያዊት ሲት ሊዮንን ሬካን ዝሓዛ ኦዲ ቲቲን።
ማሄክን ኣንስሪንን ኣብታ ኣውዲ ከም ዝነበራ እውን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ማሄክ ንሳቒብ ከም ዝደወለት ፖሊስ ካብ መዛግብቲ ተሌፎን ኣረጋጊጹ።
ብርሱን ስምዒት ከም ዝተዘራረቡ እንተዀነ ግን እንታይ ከም ዝተበሃሃሉ ከም ዘይፈልጡ እቲ ኢንስፔክተር ይሕብር።
ድሕሪ ሓደ ደቒቕ፡ ሳቒብ ናብ 999 ደዊሉ ዝዀነት መኪና ትከታተሎምን ገጭያ ካብ ጽርግያ ከተውጽኦም ትፍትንን ከም ዘላ ገሊጹ።
እቲ ዕግርግር ዝመልኦ ጻውዒት ተሌፎን ኣስታት ሓሙሽተ ደቓይቕ ዝወሰደ ኰይኑ፡ ሳቒብን ሃሺምን ካብታ እትስዕቦም መኪና ንምምላጥ ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ ይጥሕሱ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, LEICESTERSHIRE POLICE
"እቲ ካብ ሓደ መሸጢ መካይን ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ነታ መኪናኦም ፍሬን ብምሓዝ ደው ክተብል ብትዕጽር ኣብ ቅድሚቶም ዝነበረት መኪና ከም ዝተዓገተት ብንጹር ዘርኢ'ዩ" ይብል።
"[ኣብቲ ተሌፎን] ሳቒብ ንሃሺም 'ስደዶ፡ ስደዶ' ክብል ይስማዕ፡ እዚ ድማ ንሓሺም ካብቲ ከባቢ ንኽወጹ ዝሃቦ ምልክት'ዩ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ፍርሕን ጭንቀትን ብንጹር ምግማት ይከኣል - ቀይሕ መብራህቲ ጥሒሶም'ውን ካብታ እትስዕቦም መኪና ኣየምለጡን።"
እተን ናይ መወዳእታ ህሞታት ኣዝየን ዘጨንቓ ነይረን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መስመር ተሌፎን ን10 ካልኢት ጸጥ ይብል፡ እቲ ኦፕሬተር’ውን ሳቒብ ኣብ መስመር እንተሃልዩ ይሓትት።
ሳዕቤን
ድሕሪ 01፡30 ቅሩብ ጸኒሑ፡ ሓደ መራሒ መኪና ኣብ መንገዲ ኤ46 እናተጓዕዘ እንከሎ፡ ሓንቲ መኪና ኣብ ጥቓ ገረብ ክትቃጸል ርእዩ። ናብ ፖሊስ ዝደወለ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ፈለጠ ድማ ብናይ ጽዕነት መኪናኡ ነቲ መንገዲ ዓጺይዎ።
እቶም ቀዳሞት ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ኣስታት 10 ደቓይቕ እዮም መጺኦም፤ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ እውን ስዒቦም።
እቲ ሓዊ ምስጠፍአ፡ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ሬሳታት ክልተ ሰባት ኣብታ መኪና ረኺቡ።

ምንጪ ስእሊ, LEICESTERSHIRE LIVE/BPM MEDIA
ብድሕሪኡ ማሄክ ነታ ኦዲ፡ ናታሻ ድማ ነታ ሲት ሒዘን ብጥቓ እታ ትነድድ ዝነበረት መኪና ሓሊፎሞ ናብ ሌስተር ተመሊሶም።
ኣብታ ከተማ ምስ በጽሑ፡ ሰብ ከይርእዮም ኣብ ጽምው ዝበለ ጽርግያ ሱተን ፕለይስ ደው ኢሎም። ኣባላት እታ ጕጅለ ካብተን መካይን ወሪዶም ክኸዱ ጀሚሮም።
ኣብ ከባቢ ሰዓት 02፡00 ኣብቲ ከባቢ እናተንቀሳቐሱ ብድሕነት ካሜራ (ሲሲቲቪ) ተቐሪጾም።
ድሒሮም ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዘረጋገጹ መኮንናት እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ርግጸኛታት ክዀኑ ኣይከኣሉን፤ ሓደ ግምት ግን ገበኖም ዝሽፍኑሉ ዛንታ የዳልዉ ነይሮም ዝብል እዩ።
ምዝግብቲ ወናኒት ናይታ ሲት መኪና ዝዀነት ናታሻ፡ ናብቲ ኣብ በርሚንግሃም ዝርከብ ገዛኣ ክትምለስ ጕዕዞኣ ክትጅምር ከላ፡ ኣደን ጓልን ድማ ናብ ሰሜን ገጸን ናብ ስቶክ ኦን ትሬንት ኣምሪሐን።

ምንጪ ስእሊ, LEICESTERSHIRE POLICE
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፖሊስ ሌስተርሻየር፡ ኣባላት እታ ጕጅለ ዘይፈልጥዎ ነገር ይፈልጡ ነይሮም።
ሳቒብ ናብ 999 ዝደወሎ ናብ መርመርቲ ስለዝተሰጋገረ፡ ኣውቶማቲክ ቁጽሪ ታርጋ መለለዪ ካሜራታት ምፍታሽ ተጀሚሩ እዩ።
መጠንቀቕታ ተዘርጊሑ ስለዝነበረ፡ ኣብ ዌስት ሚድላንድስ ዝነበሩ ክልተ መኮንናት ንናይ ናታሻ መኪና ርእዮም ክስዕቡዋ ጀሚሮም። ድሒሮም ድማ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ደው ኣቢሎምዋ። ቅድሚኡ ግን ብስንባደ ናብ ረየስ ደዊላ እያ።
ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

ምንጪ ስእሊ, CPS/STAFFORDSHIRE POLICE
ድሕሪ ሰዓት 08:00 ቅሩብ ጸኒሑ ማሄክን ኣንስሪንን ኣብ ገዛአን ፖሊስ ምስ ሓውን ኣቦን ማሄክ ክዛራረቡ ሰሚዐን ተበራቢረን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ማሄክ፡ ካብቲ ፖሊስ ንናታሻ ከም ዝሓዛ ዝፈልጥ ረየስ ብዙሕ ዘይተላዕለ ጻውዒት ተሌፎን ከም ዘለዋ ኣስተብሂላ።
እቶም መኮንናት ምስቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ናይቲ ገዛ እናተዘራረቡ እንከለዉ፡ ማሄክ ናብ ረየስ ደዊላ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣብ ዝቕጽል ክፍሊ ዝነበረት ኣደኣ መልእኽቲ ሰዲዳ፡ ንመኮንናት እንታይ ከም እትብሎም ድማ ገሊጻትላ።
ማሄክ፡ ኣብታ ሓደጋ ዘጋጠመላ ምሸት፡ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝካየድ መደብ ክሳተፋ ናብ ኖቲንግሃም ይኸዳ ከም ዝነበራ ናይ ሓሶት ቃል ንፖሊስ ሂባ።
ድሒሩ ኣደን ጓልን ተታሒዘን ናብ መደበር ፖሊስ ሌስተር ተወሲደን።

ምንጪ ስእሊ, CPS/LEICESTERSHIRE POLICE
ማሄክ ኣብ ማእሰርቲ ቃላ ክትህብ እንከላ፡ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ብዛዕባ ዝገበረቶ ነገር ምሕሳው ቀጺላ።
ፖሊስ፡ ሳቒብ ናብ 999 ዝገበሮ ጻውዒት ምስ ኣስምዕዋ ግን፡ ዝተገረመት ኰይና ተራእያ።
ስዕረት ኣብ ክንዲ ትእመን፡ ብንብዓት ተሰባቢራ፡ ሳቒብ "ኣዝዩ ምሕሳዉ"ን ነቶም ንፍጻመታት "ምልውዋጡን" ገሊጻ።
ኣደን ጓልን ከምኡ’ውን እቶም ካልኦት ሽዱሽተ ሰባትን ብቕትለት ተኸሲሶም።
ሓደ ካብ ድሒሮም ካብ ኵሉ ክስታት ነጻ ዝዀኑ መሓመድ ፓተል እዩ፤ ንሱ ምሉእ እቲ ዛንታ ንፖሊስ ብምንጋር፡ ኣብ እዋን ሃድን እንታይ ከም ዘጋጠመ ድማ ኣቃሊዑ።
ሬካንን ረየስን ኣብቲ ሃድን ሳቒብ ዝተሳፈረላ መኪና ንምግልባጥ ኣመልኪቱ ብተሌፎን ከም ዝተዘራረቡ ንመኮንናት ኣገዳሲ ሓበሬታ ሂቡ።
ንብዓት ኣብ እዋን ፍርዲ
ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ዓርቢ 4 ነሓሰ 2023 ድሕሪ ቀትሪ ስድራቤት ግዳያት ዕጫ ናይቶም ተኸሰስቲ ክሰምዑ ተዳልዮም።
ዳያኑ ልዕሊ 28 ሰዓታት ዝወሰደ ምይይጥ ኣካይዶም።
ኣቐዲሙ ኣብታ መዓልቲ፡ ማሄክ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፍርዲ ምስ ጋዜጠኛታት ክትስሕቕን ኢዳ ንሰላምታ ከተወዛውዝን ተራእያ።
ርእሰ ተኣማንነታ ነዊሕ ከይጸንሐ ጠፊኡ። ዳያኑ ንኣደን ጓልን ብኽልተ ገበናት ቅትለት ገበነኛታት ኰይነን ምስ ረኸብወን ንብዓት ከተውሕዝ ጀሚራ።
መራሕቲ እተን ክልተ መካይን ዝዀኑ ሬካን ካርዋንን ረየስ ጀማልን እውን ብኽልቲኡ ቅትለት ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም።
ናታሻ ኣኽታር፡ ሰናፍ ጉላሙስጣፋን ኣሚር ጀማልን ነፍሲ ወከፎም ብኽልተ ገበናት ቅትለተ-ሰብ ተፈሪዶም።
ግዳያት
ድሕሪ እቲ ብይን፡ ዓድል ባሃር ዝተበሃለ ወዲ ሓወቦ ሳቒብ ምስ ቢቢሲ ተዘራሪቡ፤ እቶም ስድራቤታት ፍትሒ ንምርካብ ዘሕለፍዎ ቃንዛ ገሊጹ።
ንሱ፡ ንሳቒብ "መዓልታዊ ከም ዝናፍቖ" ዝገለጸ ዓድል ባሃር፡ ሳቒብ "ንኽምለስ ዝዀነ ይዅን ምገበርኩ" ይብል።
"ኣብ ቤት ፍርዲ ኮፍ ኢልና ዳያኑ ኣብ ውሳነ ምስ በጽሑ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ልበይ በቃ [ከምዚ] ትትኮስ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።"

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED
ንዝኽሪ ሃሺም ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ኩዕሶ እግሪ መደረ ዘስምዑ ክልቲኦም ዓበይቲ ኣሕዋቱ፡ ዘለዎም ልባዊ ክብሪ ገሊጾም።
መሓመድ ዛሂር፡ "ኣብ ሓጺር ዕድመኡ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኣብ መላእ ዓለምን ንብዙሓት ተንኪፉ’ዩ" ኢሉ።
"ብሉጽ ዓርከይ እዩ ነይሩ። ብሉጽ ዓርኪ ዝዀነ ሓው ክህልወካ ከሎ ኣዝዩ ፍሉይ ነገር'ዩ።"
መሓመድ ዛይን እውን ዳርጋ ኵሉ ቦታታት ንሓዉ ከም ዘዘኻኽሮ ተዛሪቡ።
"እቲ እንኮ ሓቀኛ ህቡብን ጸላውን ቲክቶከር ሃሺም'ዩ ነይሩ" ኢሉ።
"ኵሉ ሰብ ሓዉ ክኸውን’ዩ ዝደሊ። ፍሉይን ዝድነቕን ካብ ሚልዮን ሓደ እዩ ነይሩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







