ህፃናት ብምቕታል ዓለም ተዘራርብ ዘላ ነርስ መን እያ?

ሉሲ ሌትቢ

ምንጪ ስእሊ, SWNS

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ንግሆ ንግሆ፡ ሉሲ ሌትቢ ንመጀመርታ ግዜ ብመቑሕ ተኣሲራ ካብ ገዝኣ ተወሲዳ።

እታ ኣብቲ እዋን ጓል 28 ዓመት ዝነበረት ነርስ ሕጻናት፡ ናይ ብሓቂ ዘይግመት ገበናት ክሲ ቀሪብዎ።

ንሳ፡ ኣብ ዘመናዊ ግዜ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እታ ዝበዝሐ ተኸታታሊ ቅትለት ህጻናት ዝፈጸመት ኰይና ኣላ።

ኣስታት 70 ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ዘሳተፈን ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደን መርመራ ስዒቡ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።

እቲ እንኮ ዕላማ እቲ መርመራ፡ ኣብ ሓደ ቅድመ ወሊድ ሆስፒታል ካውንተስ ኦፍ ቸስተር ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ቅትለትን ፈተነ ቅትለት ናይቶም ኣብ ዘይግዜኦም ዝውለዱ ህጻናት ምጽራይ እዩ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ዜና ማእሰርቲ ሌትቢ ኣብ መላእ ዓለም ኣርእስታት ዜና ኰይኑ።

ፈለማ ብዋሕስ ፖሊስ ተፈቲሓ፡ ድሕሪኡ ግን ክልተ ግዜ ተወሳኺ ተታሒዛ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሕዳር 2020 ተኸሲሳ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ እዛ ሕጂ ጓል 33 ዓመት ዝዀነት መንእሰይ፡ ኣብ መንጎ ሰነ 2015ን ሰነ 2016ን 7 ዕሸላት ብምቕታልን ካልኦት 10 ድማ ንምቕታል ብምፍታንን ናብ ቤት ፍርዲ ማንቸስተር ቀሪባ።

እታ ነርስ ንኹሉ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ 22 ክስታት ብጽኑዕ ነጺጋቶ፡ እንተዀነ ግን ብ7 ገበናት ቅትለትን 7 ገበናት ፈተነ ቅትለትን ገበነኛ ኰይና ተረኺባ ኣላ።

7 ደቂ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ዳያኑ፡ ን9 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘሕዝን መርትዖታት ምስ ሰምዑ ንልዕሊ 110 ሰዓታት ተመያይጦም እዮም።

ሌትቢ ብኽልተ ገበናት ፈተነ ቅትለት ነጻ ክትከውን እንከላ፡ እቶም ኣባላት መጋባእያ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ዕሸላት ዘሳተፈ ሽዱሽተ ክስታት ፈተነ ቅትለት፡ ውሳነ ከሕልፉ ኣይከኣሉን።

ክትኣልዮም ዝግብኡ ዕሸላት ዝቐተለትን ክትቀትል ዝፈተነትን ሉሲ ሌትቢ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ክትፍረድ እያ።

ሉሲ ሌትቢ ኣብ እዋን ፍርዳ ንመጀመርታ ግዜ መርትዖ ክትህብ ከላ እናነብዐት ነይራ

ምንጪ ስእሊ, PA/ELIZABETH COOK

መግለጺ ስእሊ, ሉሲ ሌትቢ ኣብ እዋን ፍርዳ ንመጀመርታ ግዜ መርትዖ ክትህብ ከላ እናነብዐት ነይራ

ነርስ ሉሲ ሌትቢ መን እያ?

ሌትቢ ብ4 ጥሪ 1990 ተወሊዳ፡ ምስ ኣዲኣን ኣቡኣን ጆንን ሱዛንን ኣብ ሄረፎርድ ዓብያ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርትን ኮለጅን ተማሂራ፡ ዕላማታታን ባህግታታን ንምዕዋት ክሕግዙዋ ኢላ ዝኣመነትሎም ትምህርትታት መሪጻ እያ።

"ኩሉ ግዜ ምስ ህጻናት ክሰርሕ ይደሊ ነይረ" ትብል ንመጋባእያ ዳያኑ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ።

ካብ ስድራኣ ፈላመይቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወት ሉሲ ሌትቢ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቸስተር ንሰለስተ ዓመት ነርሲንግ ተማሂራ።

ኣብ እዋን ትምህርታ ብዙሕ ናይ ስራሕ ልልምዳት ኣካይዳ እያ።

መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ሆስፒታል ካውንተስ ኦፍ ቸስተር ዝመደበሮም ኮይኖም፡ ወይ ኣብ ክፍሊ ህጻናት ወይ ኣብ ቅድመ ወሊድ ነይሮም።

ኣብ መስከረም 2011 ከም ነርስ ባንድ 5 ብቕዕቲ ኰይና፡ ካብ ጥሪ 2012 ጀሚራ ኣብቲ ሆስፒታል ምሉእ ግዜ ክትሰርሕ ጀሚራ። ብድሕሪኡ ኣብ 2015 ኣብ ክፍሊ 'ጽዑቕ ክንክን ዕሸላት' ክትሰርሕ በቒዓ።

ሌትቢ ካብቲ እዋን ጀሚራ ግዜኣ "ብዓብላሊ መልክዑ" ነቶም ኣብቲ ክፍሊ ዝነበሩ ዝሓመሙ ዕሸላት ንምሕብሓብ ከም ዘሕለፈቶ ንቤት ፍርዲ ገሊጻ።

ብተወሳኺ ንሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ተማሃሮ ነርስታት ብኸመይ ከም ዘለማመደተንን ኣብ 2015ን 2016ን ኣማኢት ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ከም ዝተከናኸነት ሓቢራ።

ኣብ ኣሃዱ ቅድመ ወሊድ ሆስፒታል ካውንተስ ኦፍ ቸስተር

ምንጪ ስእሊ, CHESHIRE POLICE

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣሃዱ ቅድመ ወሊድ ሆስፒታል ካውንተስ ኦፍ ቸስተር

ኣብ መስከረም 2016፡ ሌትቢ፡ ብዛዕባ ሞት ዕሸላት ኣብ ትሕቲ መርመራ ከምዘላ ካብ ሮያል ኮሌጅ ነርሲንግ ብዝተልኣኸ ደብዳበ ብወግዒ ተሓቢርዋ።

ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዓመት፡ ካብ ክሊኒካዊ ስራሕ ተኣልያ፤ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓደጋን ድሕነት ሕሙማትን ናይ ጸሓፍነት ተራ ተዋሂብዋ ነይሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊኣ ዝተመዝገበ ፍርዲ፡ መግናሕቲ ወይ መጠንቀቕታ ዘይነበራ እታ ነርስ፡ ኣብቲ እዋን ሰራሕተኛታት ስርሖም ክሰርሑ ብቑዓት ምዃኖም ንምፍታሽ ምዃኑ ስለዝኣመነት፡ ናብቲ እትፈትዎ ስራሕ ክትምለስ ተስፋ ነይርዋ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ግን ሌትቢ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ቅድሚ ኣኽበርቲ ሕጊ ረኺባቶ።

ሌትቢ ኣብ እዋን ፍርዳ ኣብ ሳንዱቕ መሰኻኽር ን14 መዓልታት መርትዖ ክትህብ ጸኒሓ እያ
መግለጺ ስእሊ, ሌትቢ ኣብ እዋን ፍርዳ ኣብ ሳንዱቕ መሰኻኽር ን14 መዓልታት መርትዖ ክትህብ ጸኒሓ እያ

ጉጅለ ጠበቓኣ፡ እቶም ኣብቲ ክፍሊ ቅድመ ወሊድ ዘጋጠሙ ሞት፡ "ድኽመት ተኸታታሊ ክንክን" ከም ዝዀነን፡ እታ ነረስ ድማ ግዳይ "ተወቃሲት ሓበራዊ ጌጋ" ከም ዝዀነትን ተማጒቶም።

ንሳ ንመጋባእያ ዳያኑ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣዝዩ ንጡፍ ማሕበራዊ ህይወት ነይሩኒ" ኢላ።

"ቀደም ብቐጻሊ ኣብ ክፍሊ ሳልሳ ዳንስ ይሳተፍ ነይረ፡ ምስ ኣዕሩኽተይ ይወጽእ ነይረ፡ ምስ ኣዕሩኽተይ ንበዓል ይኸይድ ነይረ። ጂም ይሰርሕ ነይረ።"

ናይቲ ንመጀመርታ ግዜ ዝተኣስረትሉ ገዝኣ ስእሊ፡ መጋባእያ ዳያኑ ክርእይዎ ክግበር እንከሎ ክትነብዕ ጀሚራ።

ኣብ ቸስተር ዝርከብ ገዝኣ ድሕሪ ናይ መጀመርታ ማእሰርታ ተፈቲሹ

ምንጪ ስእሊ, CHESHIRE POLICE

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቸስተር ዝርከብ ገዝኣ ድሕሪ ናይ መጀመርታ ማእሰርታ ተፈቲሹ

ሌትቢ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ቸስተር ቅድሚ ምግዓዛ ኣብ ኣሽ ሃውስ ኣብ ዝርከብ ናይ ሰራሕተኛታት መንበሪ ገዛ ትነብር ነይራ።

ኣብ ሰነ 2015 ናብ ኣሽ ሃውስ ተመሊሳ፡ ኣብ ሚያዝያ 2016 ድማ ናብቲ ኣብ መንገዲ ዌስትቦርን ቸስተር ዝዓደገቶ ገዛ ግዒዛ።

ኣብ ክሽነ ዝነበረ ሰሌዳ ብስእልን ደብዳቤታትን ዝተሸፈነ ኰይኑ፡ ብናይ ኣልገ ጓላ ዝተሳእለን "ቁጽሪ 1 እኖልገ ንሉሲ ለትቢ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተር ዝሓዘ ነይሩ።

ኣብ ዓራታ፡ መጻወቲታት ክህልዋ እንከሎ፡ ኣብ ሳሎን ኣብ ዝነበረ ሳጹን ድማ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ሕክምናዊ መዘኻኸሪታትን ናይተን ክልተ ደማሙኣ ይረአ።

ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናብ ማእሰርቲ ዝተመልሰት ሌትቢ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲራ እያ።

መስርሕ ፍርዳ ትኹረት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣንበብቲ ረኺቡ ኣሎ።

ብዙሓት ድማ ሓንቲ ነርስ ኣብ ልዕሊ ዕሸላት ከመይ ጌራ ከምዚ ዓይነት ጽዩፍ ተግባራት ክትፍጽም ከም እትኽእል ክርድኡ ኣይከኣሉን።

ኣብ ክፍሊ ክንክን ህጻናት ዝነበሩ 7 ዕሸላት ብምቕታልን ሽዱሽተ ዕሸላት ንምቕታል ብምፍታን ገበነኛ ኮይና ዝተረኸበት ሉሲ ሌትቢ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ክትፍረድ እያ።