ብዘስካሕክሕ ቅትለት ደቂ ሰብኣያ ተጠርጢራ ክትድለ ዝቐነየት ሰብ ተታሒዛ

ነጋሴ ከበደ ብሩ

ምንጪ ስእሊ, BURAYOU POLICE

መግለጺ ስእሊ, እታ ብዘስካሕክሕ ቅትለት ቈልዑ ተጠርጢራ ክትድለ ዝቐነየት ሰብ፡ ብምትሕብባር ህዝቢ ብፖሊስ ተታሒዛ

ክልተ ኣሕዋት ዝዀኑ ደቂ ሰብኣያ ብምቕታል ተጠርጢራ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዛ ብፖሊስ ክትድለ ዝጸንሐት ሰብ፡ ትማሊ ሰሉስ ናይ ምሸት ከም ዝተታሕዘት ፖሊስ፡ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቡራዩ - ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣባል ክፍሊ ወንጀል ምርመራ ፖሊስ ቡራዩ ዝዀነ ዋና ሳጅን ቀነኒሳ ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ተጠርጣሪት ክትተሓዝ ዝኸኣለት ብምትሕብባር ሕብረተሰብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ዙርያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሸገር ተባሂሉ ኣብ ዝተጸውዐ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝረከብ፡ ኣብ ትሕቲ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ቡራዩ ዝበሃል ከባቢ፡ ክልተ ቈልዑ፡ ብሰይተ’ቦኦም ተቐቲሎም ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ፖሊስ ኣብ ዝለዓለ ምክትታልን ሃድንን ከም ዝጸንሐ፡ ሳጅን ቀነኒሳ የመልክት።

እቲ ገበን ብቐዳም 6 ግንቦት 2023፡ ወረዳ ካታ ሳልሳይ ቡራዩ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተፈጸመ ብፖሊስ ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ለዕሊቶም ህጻናት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ገበን ብለይቲ ከም ዝተፈጸመ እቲ ገበን በታ ሓዳስ ሰይተ'ቦኦም ብጭካነ ከም ዝተፈጸመ ከም ዝጥርጠር ፖሊስ ወሲኹ ገሊጹ ነይሩ።

"እታ ጥርጥርቲ ነጋሴ ከበደ ብሩ ዝተባህለት ኰይና ንክልተ ደቂ ሰብኣያ ርእሶም ቈሪጻ፡ ኣብ ዝደቀሱሉ ኮቦርታ ከዲና ሓዊ ኣቃጺላ፡” ከም ዝሃደመት ክትድለ ከም ዝቐነየትን ሳጅን ቀነኒሳ የዘኻኽር።

እቲ መርማሪ ፖሊስ ከም ዝገለጸ፡ እታ ብኸቢድ ክትህደን ዝቐነየት ተጠርጣሪት፡ “ኣብዚ ቡራዩ ኤጀርሳ ጎሮ ሳንሱሲ ኣብ ዝበሃል ስፍራ፡ ነብሳ ክትቀትል ሓሲባ፡ ናብ ጫካ ገጻ ክትከይድ እንከላ፡ ቀዲሙ ናብ ፖሊስ ብዝበጽሐ ሓበሬታ ተታሒዛ።”

ኣብዚ እዋን ነጋሴ ከበደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘላን፡ ነቲ ገበን ዝምርምር ጕጅለ መርመርቲ ቈይሙ፡ ዘድሊ መሰርሕ ምርመራ ጀሚሩ ከም ዘሎን ተፈሊጡ።

እዛ ብገበን ቅትለት ተጠርጢራ ተታሒዛ ዘላ፡ ነጋሴ ከበደ ብሩ፡ ሰራሕተኛ ገዛ ምዃና ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ክግለጽኳ እንተቐነየ፡ ሳጅን ቀነኒሳ ታደሰ ግን፡ ከምቲ ዝበሃል ሰራሕተኛ ገዛ ዘይኰነትስ፡ ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣትሒዛ ምስ ኣቦ እቶም ቈልዑ ሓዳር ዝመስረተት ሰይተ’ቦኦም እያ ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቦ እቶም ቈልዑ ኣቶ ጌታሁን ባልቻ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ እንዳ ማሕረድቲ ስጋ ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ድሕሪቲ ፍጻመ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዘጋጠመላ ምሸት ምስ በዓልቲ ቤቱ ብዛዕባ ደቆም ሓደ-ክልተ ተበሃሂሎም ከምዝነበሩ ምግላጹ ይዝከር።

“ብዛዕባ ደቀይ ተዘራሪብና ነይርና። ከምዚ እንተዀይኑ ንፈላለ ተበሃሂልና፤ ንሳ ድማ "እሞ ኣነ ክኸይድ እየ፣ ንስኻ ድማ ኣብዚ ትተርፍ" ዝተበሃሃልዎ ናይ መወዳእታ ዕላሎም ይዝክር።

ምሸት ኣብታ ንመወዳእታ ዘዕለሉላ እዋን ኣቶ ጌታሁን ካብ በዓልቲ ቤቱ ዝዀነ ምፍርራሕ ወይ ከምዚ ናብ ዓይነት ተግባር ከምርሕ ዝኽእል ዝዀነ ምልክታት ከምዘይረኣየ ገሊጹ።

"ድሕሪ ሰዓት ሰለስተ ለይቲ ንገዛይ ክምለስ ከለኹ፡ ማዕጾ እቲ ገዛ ክፉት እዩ ነይሩ" ኢሉ። ንውሽጢ ክኣቱ ከለኹ ትኪ ዓፊኑኒ፤ ኣብቲ ግዜ እቲ ደቀይ ኣብ ዓራቶም ነይሮም፣ እቲ በዅሪ ወደይ ተቓጺሉ ነይሩ፤ ንእሽቶ ጓለይ’ውን ኣውጺአያ ናብ ደገ ምስ ኣውጻእክዎም ግን ኣብ ልዕሊኦም ወዲቐ ኣእምሮይ ስሒተ፡" ብምባል ብድሕረኡ እንታይ ከም ዝዀነ ከምዘይፈልጥ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣቶ ጌታሁን፡ ነቶም ቈልዑ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣዮም፡ ብህይወት ዘለዉ መሲልዎ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ምስተበራረበረ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢን ፖሊስን ብዛዕባ ኣማውታኦም ከም ዝሰምዐ ገሊጹ ነይሩ።

ሳጅን ቀነኒሳን ካልእ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኣቶ ጌታሁን ንጽባሒቱ ሰንበት ካብቲ ዝነበሮ ምጥፋእ ሃለዋት ከም ዝተበራበረ ይዛረቡ።

"ደቀይ ከዕቢ እየ ዝደሊ፡ ስለዚ ንፈላለ ኢለያ፡ " . . ኣነ ክኸይድ እየ ንስኻ ድማ ኣብዚ ጽናሕ ኢላ። ንሳ ጥራይ ኢና ተበሃሂልና፤ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ደቀይ፡ ኣብ ስድራይሲ ይትረፍ ኣብ እንስሳታት’ውን ክትገብር እያ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፡" ብዘስካሕክሕ ኣማውታ ደቍ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ።

ካብቶም ብጭካነ ዝተቐትሉ ደቂ ኣቶ ጌታሁን እቲ ወዲ፡ 13 ዓመት ዕድመ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ጓል 4 ዓመትን መንፈቕን እያ።

ክልቲኦም ርእሶም ከምዝተቘርጸ ፖሊስ ኣረጋጊጹ እዩ።

እዚ ጭካነ ዝመልኦ ዘስካሕክሕ ኣቀታትላ ንብዙሃት ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ፖሊስ ነታ ጥርጥርቲ ንምህዳን ብዝተፈላለየ መገዲ ስእላ ዘርጊሑ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።