ኣብ ክልል ኦሮሚያ ውላድ ዘመዱ ጨውዩ ዝቐተለ ውልቀሰብ ኢዱ ሂቡ

መቁሕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ጥርጡር፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ከተማ ዶዶላ ንዝጨወዮ ቈልዓ ክልተ ዓመት ንምፍናው ዝሓተቶ ገንዘብ ስለ ዘይተኸፍሎ እቲ ቘልዓ ከም ዝቐተሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ጥርጡር ኢዘዲን ከማል፡ እቲ ዝጨወዮ ቈልዓ ዘመዱ ኮይኑ፡ ንዕኡ ንምፍናው 100 ሽሕ ብር ክኽፈሎ ከም ዝሓተተ ወሲኹ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፡ ክፍሊት እቲ ዝሓተቶ ገንዘብ ብዘይምፍጻሙ ነቲ ቈልዓ ብዘስካሕክሕ መገዲ ድሕሪ ምቕታሉ ኢዱ ንፖሊስ ከም ዝሃበ ተሓቢሩ።

ፖሊሲ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ተሾመ ተኤራ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ከተማ ዶዶላ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣዝማዱ ‘ናብ ኣቡኡ ክወስዶ’ ኢሉ ነቲ ቈልዓ ሒዙዎ ከም ዝተወሰረ ተዛሪቡ።

እቲ ጥርጡር ዝሓተቶ ገንዘብ ክረክብ ስለ ዘይክኣለ ግን፡ ነቲ ቘልዓ ቀቲሉ ጉድጓድ ኩዒቱ ከም ዝቐበሮ ተኣሚኑ፤ እቲ ጭውያ ምስ ፈጸመ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት ኢዱ ከም ዝሃበ ተገሊጹ ኣሎ።

ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ እቲ ጥርጡር ብ1 ለካቲት 2015 ዓ.ም ነቲ ቈልዓ ሒዙ ምስ ተሰወረ ንኣቦ እቲ ቈልዓ 100 ሽሕ ብር ክኸፍሎ ሓቲቱ።

ኣቦ እቲ ቈልዓ ግን እቲ ዝተሓተቶ ገንዘብ ክኸፍል ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ፖሊስ ክፈልጦ ገይሩ።

ኢንስፔክተር ተሾመ እቲ ጥርጡርን ኣቦ እቲ ቈልዓን ዝምድና ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ፖሊስ’ውን እቲ ቈልዓ ንምርካብ ዝገብሮ ጻዕሪ ንምሕጋዝ ስእሊ እቲ ቈልዓ ዝሓዘ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሑ ነይሩ።

“ኢዘዲን ገንዘብ ኣይኣተወለይን ብምባል ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ነቲ ቈልዓ ቀቲሉ ቀቢሩዎ” ክብል ፖሊስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ጥርጡር ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝሃደመ ምዃኑ ሓበሬታ ኣለና እዩ ዝብል እቲ ኢንስፔክተር፡ ብሰኑይ 13 ለካቲት 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኮፈሌ ኢዱ ንፖሊስ ከም ዝሃበ ገሊጹ።

ኣስክሬን እቲ ቈልዓ ድማ ንመርመራ ናብ ሆስፒታል ጳውሎስ ተላኢኹ ኣሎ።