ከም የሱስ ክርስቶስ 40 መዓልቲ ክጸውም ዝፈተነ ፓስተር ሞይቱ

ፓስተር ፍራንሲስኮ ባራጃህ

ምንጪ ስእሊ, BARAJAH FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ፓስተር ፍራንሲስኮ ባራጃህ

ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ ፓስተር፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ዛንታ 40 መዓልታት ጾም የሱስ ክርስቶስ ክፍጽም ኣብ ዝፈተነሉ ከም ዝሞተ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ መስራቲ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ሞዛምቢክ፡ ዞባ ማኒካ ዝመደበሩ 'ሳንታ ትሪንዳደ ኢቫንጀሊካል ቸርች' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤተክርስትያን ዝኾነ ፍራንሲስኮ ባራጃህ ከምዝሞተ ትባሊ ረቡዕ'ዩ ተረጋጊጹ።

ወዲ 39 ዓመት ፓስተር ባራጃህ፡ ብጽኑዕ ተሃስዩ፡ ናብቲ ኣብ ከተማ በይራ ዝርከብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ን40 መዓልታት ክጸውም ዝገበሮ ፈተነ፡ ን25 መዓልታት እኽለ-ማይ ከለኸፈ ድሕሪ ምቕጻሉ ኣዝዩ ተሰኒፉ፡ ነዛ ደው ምባል ይኹን፡ ክሕጸብ ወይ ክንቀሳቐስ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ።

ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት፡ ኩነታቱ ዘሻቐሎም መቕርቡን ሰዓብቱን ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ኣገዲዶሞ።

እቲ ኩነታት፡ ዋሕዲ-ደም (ኣኔሚያ)፡ ከምኡ'ውን ምቁራጽ ስርዓተ-ምሕቃቕ (ዳጀስቲቭ ሲስተም) ኣስዒቡሉ።

ብኢንፊጅን ከምዝጠልልን ብፈሳሲ መልክዕ ዝተዳለወ መግቢ ከምዝወስድ ብምግባር ህይወቱ ንምድሓንጻዕርታት ተኻይዱ።

እንተኾነ ግን፡ ኣካላቱ ማሲኑ ኣዝዩ ተሃስዩ ብምጽንሑ ንምድሓኑ ዝተኻየደ ጻዕሪታት ሓካይም ስለዘይተዓወተ ብረቡዕ ዓሪፉ።

ፓስተር ፍራንሲስኮ ባራጃህ ንኣገልግሎት ኣብ ዝተቐብኣሉ

ምንጪ ስእሊ, BARAJAH FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ፓስተር ፍራንሲስኮ ባራጃህ ንኣገልግሎት ኣብ ዝተቐብኣሉ

ኣባላት እቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ጾም ክፍጽሙ ንቡር'ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ክንድኡ ዝጸንሕ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ካብ ዝፈርሕዎ ዘይወጹ ሰዓብቲ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ቤተክርስትያን፡ ኣካላቱ ብጥምየት ማሕቊቑን ተባላሽዩን ብምንባሩ ምማቱ ኣይደንጸዎምን።

እቲ ፓስተር፡ ኣብ ከተማ መሲካ ቋንቋ ፈረንሳ ይምህር ምንባሩ'ውን ተገሊጹ።

ሓዉ፡ ማርከስ ማኑኤል ባራጃህ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፓስተር ኣብ ጾም ምንባሩ'ኳ እንተረጋገጸ፡ ንመግለጺ መርመራ ሓካይም ግን ከምዘይተቐበሎ ብምግላጽ "እቲ ሓቂ፡ ሓወይ ብሰንኪ ትሑት ጸቕጢ ደም'ዩ ሞይቱ" ክብል ይምጉት።

ነቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ጾም 40 መዓልታት ንምድጋም ዝተፈጸመ ናይ ፈለማ ፈተነ ኣይኮነን።

ኣብ 2015፡ ሓደ ዚምባብያዊ፡ ን30 መዓልታት ጾይሙ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪበናሉ ነይረን።

ኣብ 2006 ድማ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ተመሳሳሊ ነዊሕ ጾም ንምክያድ ኣብ ዝፈተነትሉ ከምዝሞተት መርመርቲ ብሪጣንያ ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብ በረኻ ደቂሱ ዝርአ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Noticias

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ናይጀርያ፡ ሓደ ፓስተር ከላሽን ሒዙ ናብ መድረኽ ምምጽኡ ከዘራርብ ቀንዩ ነይሩ።

እቲ AK-47 ዝዓይነቱ ጠበንጃ ተሓንጊጡ ዝተራእየ ፓስተር ኡቸ ኣይጊበ፡ ‘ገለ ሰባት ነገረይ ደልዮምኒ ስለዘለዉ’የ ተዳልየ መጺአ’ ብምባል ክዋዘ ተሰሚዑ።

እቲ ብዛዕባ “መንፈሳዊ ኣጽዋር” ንምስባኽ ነቲ ብረት ናብቲ ቤተክርስትያን ሒዝዎ ከም ዝኸደ ዝገለጸ ፓስተር ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ዋላ’ኳ ጽቡቕ ሃቐነ ዘበገሶ እንተነበረ፡ ብረት ሒዙ ናብ ቤት ጸሎት ምምጽኡ ብምጥዓስ ይቕሬታ ሓቲቱ'ዩ።