ልዕሊ 20 ኣንስቲ ዝነበራኦ፡ 'ነቢይ እየ' ዝብል መራሕ ሃይማኖት

ኣሜሪካዊ መራሕ ሃይማኖት ሳሙኤል ባትማን፡ ልዕሊ 20 ኣንስቲ ከም ዝነበራኦ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንነብሱ ከም ነቢይ ዝርእያ ሳሙኤል ባትማን ገሊአን ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዘለወን ልዕሊ 20 ኣንስቲ ከምዝነበራኦ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ።

ሳሙኤል ራፒለ ባቲማን፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር’ዩ ብምባል ምስ 20 ዝዀና ኣንስቱ ጾታዊ ርክብ ከምዝፈጸመ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ።

ወዲ 46 ዓመት ባትማን፡ ቈልዑ መፍቶ ጾታዊ ርክብ ንክዀኑ ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ይንቀሳቐሱ እንተነይሮም ክምርምር ንዝድለ መዛግብቲ ብምዕናው፡ ንስርዓተ ፍትሒ ብምስንኻሉ ኣብ መስከረም ተኸሲሱ ነይሩ።

እቲ ዝርዝር ካብቲ ትማል ዓርቢ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ዝሃቦ ጸብጻብ እዩ መጺኡ።

ባትማን ናይ ገዛእ ርእሱ ሞርሞን ዝበሃል ቤተክርስትያን ክሳብ ዝምስርት ኣባል ናይታ ዳሕራይ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ዝተባህለት ቅድም መባእታዊ ቤተክርስትያን ክርስቶስ እዩ ነይሩ።

ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ እቶም ንባትማን ብገንዘብ ዝድግፍዎ ደቂ ተባዕትዮ ተኸተልቱ፡ ኣንስቶምን ደቆምን ከይተረፈ ኣንስቱ ንክዀና ኣሕሊፎም ይህብዎ ከምዝነበሩን ነቶም ከም ነቢይ ዘይርእዩዎ ሰዓብቱን ተኸተልቱን እውን ከምዝቐጽዐ ሓቢሩ።

ኣብ ነሓሰ፡ ባትማን ኣብ ሓንቲ ተጐታቲት መኪና ካብ 11 ክሳዕ 14 ዝዕድሚአን ሰለስተ ኣዋልድ ሒዙ እንከሎ ምስተታሕዘ፡ ብዋሕስ'ኳ እንተወጽአ፡ ዳሕራይ ግን መዛግብቲ ብምጥፋእን ፍትሒ ብምስንኻልን ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይዛ ዓመት፡ ትሽዓተ ኣዋልድ፡ ካብ መዕቆብን መእለይን ባትማን፡ ብኣገልግሎት ቈልዑ ኣሪዞና ተኣልየን። ዝሓለፈ ሕዳር ከኣ ሸሞንተ ካብኣተን ካብቲ ብሓባር ዝነብራሉ ዝነበራ ኣባይቲ ሃዲመን።

ሓደ በዓል ስልጣን ዋሽንግተን ስተይት፡ ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ባትማን ንእትዝውራ ዝነበረት መኪና ብምስዓብ፡ ከምዝተኸታተልዎም እቲ ምስክርነት የረድእ። እታ መራሒት መኪናን ክልተ ኣንስቲ ባትማንን ብምስግጋር እተጨውዩ ቈልዑ ተኸሲሰን ከምዘለዋ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ።

እታ መራሒት መኪና፡ ጓል 18 ዓመት እንከላ ሰይቲ ባትማን ከም ዝዀነት፣ 18 ዓመት ምስ መልአት ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ከኣ ከምዝወለደት ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ።

እተን ካብ መዕቆቢ ባትማን ዝተወስዳ ትሽዓተ ደቀንስትዮ፡ ኣብቲ ምስ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝገበራኦ ቃለመጠይቓት፡ ንባትማን ብጾታዊ ዓመጽን ማህሰይትን ኣይጠቐሳኦን፤ ኣብ መጽሔታት ግና ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበረን እየን እቲ ቃለ ምስክርነት ዝገልጽ። ከም ሳዕቤኑ መባእታዊ ቤተ-ክርስትያን የሱስ ክርስቶስ ከም ጕጅለ ጽልኢ ተሰይማ ኣላ።

ብ2011፡ ሓደ መራሒ እታ ቤተክርስትያን ንኽልተ ትሕቲ ዕድመ ደቀንስትዮ ከም ኣንስቱ ወሲዱ ጾታዊ ዓመጽ ስለዘብጽሓለን ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ እዩ።