ንህጻናት፡ ‘ኣጋንንቲ ዘውጽእ’ መቕጻዕቲ ብኸመይ ይጸልዎም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል 4 ዓመት ጓልና፡ ምዕባያ ሓፍታ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኽትከይድ “ኣነ’ኸ” እናበለት ብቐጻሊ ትሓተና ነይራ። ትምህርቲ ምስ ጀመረት ከኣ ኵሉ ዕላላ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ነይሩ። ድሕሪ ሰሙን ግን እንታይ ከምዘጋጠማ እንድዒ፡ ተጸዊጋ “ኣይከይድን’የ” ኢላትና። ስለምንታይ ክትከይድ ከምዘይደለየት ግን ክትዛረብ ኣይፈቐደትን።
መምህራ፡ “ንወለድኹም እንተነጊርኩም፡ ካልኣይ መዓልቲ ናብዚ ቤት ትምህርቲ ኣይክትምለሱን ኢኹም” ከምዝበለቶም ግን ዓባይ ሓፍታ ዳሕራይ እያ ነጊራትና።
እቲ ወለዳ ክንፈልጦ ዘይተደለየ ሚስጥር “መቕጻዕቲ’ዩ”። መምህራ ከብዲ ኢዳ ብመስመር ወቒዓ፡ ከይትዛረብ’ውን ኣጠንቂቓታ።
ብሰንኩ ከኣ ናብቲ ዝተሃንጠየትሉ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኣፍሪሕዋ።
እታ ዳርጋ መዓልታዊ ከም ትውቃዕ ዝነገረትና ምዕባያ ሓፍታ፡ “ሰብ ኣይውቃዕን’ዩ ትብሉና፡ መምህርና ደኣ ንምንታይ ትወቕዓና?” ኢላ ሓቲታ።
ስነ-መጐታዊ ሕቶ’ዩ። ኣካላዊ መቕጻዕቲ ንቘልዑ ቅቡል ድዩ? ብኸመይ’ከ ይጸልዎም?
ኣካላዊ መቕጻዕቲ እንታይ’ዩ?

ህጻናት "ኣጋንንቲ" ስለዝቈጻጸርዎም’ዮም ኣደብ ዝስእኑ ኢሎም ዝኣምኑ ገለ ማሕበረሰባት ኣለዉ። ካብ ቍጽጽር "ድያብሎስ" ወጺኦም ኣደብ ንኽገብሩ ከኣ እቲ እንኮ ፍታሕ መቕጻዕቲ’ዩ ይብሉ።
ዘዘራረብናዮም መምህራን፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ሳዕቤን ከምዘለዎ’ኳ እንተተኣመኑ፡ ህጻናት ስነ-ምግባር ንኽመሃሩ ግን ኣድላዪ’ዩ ይብሉ።
ከም ብመስመር ኣእዳዎም ምህራም ዝኣመሰለ ጉድኣት ዘየስዕብ ቀሊል መቕጻዕቲ፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ (corporal punishment) ከምዘይኰነ ይምጕቱ።
ንምዃኑ 'ኮርፖራል ፓኒሽመንት' እንታይ ማለትዩ? ቅቡል ዝበሃል ኣካላዊ መቕጻዕቲ’ኸ ኣሎ ድዩ?
ኮሚተ መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፡ ኮርፖራል ፓኒሽመንትን ይዅን ፊዚካል ፓኒሽመንትን ክልቲኡ ንኣካላዊ መቕጻዕቲ ዝገልጽ ስለዝዀነ ፍልልይ ከምዘይብሉ ይገልጽ።
ዋላ እውን ፈኲስ ኣካላዊ መቕጻዕቲ፡ ቃንዛ ስለዝፈጥር መቕጻዕቲ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።
“መብዛሕትኡ፡ ብኢድ ኮነ ብበትሪ፡ ብሓለንጊ፡ ብቝልፊ፡ ስላዕ፡ ጫማ፡ ወዘተ ንህጻናት ምውቃዕ (ምጽፋዕ፡ ምህራም)" የጠቓልል።
“ንህጻናት ምርጋሕ፡ ምንጽናጽ ወይ ምድርባይ፡ ምፍሕጣር፡ ምቕንጣው፡ ምንካስ፡ ብጸጕሪ ወይ ብእዝኒ ምስሓብ” ከም ኣካላዊ መቕጻዕቲ እዮም ዝረኣዩ። ብተወሳኺ፡ ህጻናት ኰነ ኢልካ ከምዝፈርሑን ከምዝሓፍሩን ምግባር’ውን ጌጋን ጭካነን’ዩ።
ስለዚ፡ ቀሊል ወይ ቅቡል ዝበሃል ኣካላዊ መቕጻዕቲ የለን።
ኣካላዊ መቕጻዕቲ ንህጻናት ብኸመይ ይጸሉ?
ህጻናት ጥዕና፡ ምዕባለ፡ ትምህርቲ፡ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ኣካላዊ ምሉእነት ክረኽቡን ካብ ስቅያት፡ ኢሰብኣዊ ወይ ዘዋርድ ኣተሓሕዛን መቕጻዕቲን ነጻ ክዀኑ መሰል ኣለዎም። እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህጻናት ይጕድኡ፡ ይስንከሉ ወይ ይቕተሉ’ዮም።
ልኡም ይዅን ቀሊል ብዘየገድስ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ምስ ግዜ ድኹም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናን ጸገማት ባህሪ ከምዘስዕብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ዝተገብሩ ልዕሊ 300 መጽናዕትታት፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ክንዮ ኣሉታዊ ሳዕቤን ገለ እወታዊ ውጽኢት ከምዘለዎ መርትዖ ኣይረኸቡን።
ኣብ 1976 ዝተመስረተ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ኒኮላስ ንነዊሕ ዓመታት ኣካላዊ መቕጻዕቲ ክትግብር ጸኒሑ’ዩ።
ሕጂ ግን ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዝፍጸም ዝዀነ ዓይነት ኣካላዊ መቕጻዕቲ ከምዘይፈቅድ መምህር ጆን ማርቲን ይገልጽ።
መምህር ጆን፡ “ተምሃሮ ንመምህራኖም ክፈርሁ እምበር ንከኽብሩ ኣየተባብዕን። . . . ዝያዳ ፍርሒ’ዩ ዘስርጽ” ብምባል ኣካላዊ መቕጻዕቲ ንህጻናት ዘፍርሕ ሃዋህው ዝፈጥር ዓመጽ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ 20 መጽናዕትታት ዝተገብረ ገምጋም’ውን፡ ህጻናት ካብ ቤት ትምህርቲ ዝበዅርሉ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ስለዝፈርሑ ምዃኑ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኬንያ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ኣካላዊ መቕጻዕቲ ካብ እትኽልክል ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣሕሊፋ ኣላ።
እዚ ውሳነ ኣብ ትምህርቲን ተምሃሮን ርኡይ ለውጢ ከምዘምጽአ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ጆኣን ጆሮጌ ትሕብር።
ንሳ፡ ርእሰ ምትእምማን ተምሃሮ ክዓቢ እንከሎ ካብ ጸቕጢ ከምዝናገፉ ትገልጽ።
ብቐንዱ ግን፡ “ቍጽሪ ናይቶም ትምህርቲ ዘቋረጹ ተምሃሮ ኣዝዩ ነክዩ” ትብል።
ብተወሳኺ፡ ንኣካላዊ መቕጻዕቲ ዝተቓልዑ ህጻናት፡ ንጽገት፡ ፍርሒን ጽልእን ስለዝስምዖም ኣብ ሰብ ዘለዎም ምትእምማን ይንክን ጸረ-ማሕበራዊ ባህርያት ከማዕብሉን ይኽእሉ’ዮም ትብል። እዚ ድማ ንክጻረፉ፡ ንኽሕስዉ፡ ንኸታልሉ፡ ንኽጋጨዉን ንኽዕምጹን ዝድርኽ’ዩ።
ልኡም መቕጻዕቲ፡ ኣካላዊ ስቓይ ዘይክህልዎ ይኽእል፤ እንተዀነ “ሓደ ጸገም ንምፍታሕ ኢድካ ተልዕል እንተዄንካ፡ ተምሃራይ’ውን ተመሳሳሊ ትምህርቲ’ዩ ዝረክብ” ብምባል ክንዮ ኣካላዊ መከራ ዝህልዎ ሳዕቤን ተብርህ - እታ ሓንጻጺት ፖሊሲ።

ምንጪ ስእሊ, iStock
“ኣብ መጻኢ ሓደ ሰብ እንተሃሪሙኒ፡ ኣነ’ውን ክምልሰሉ’የ። ስለዚ፡ ባህሊ ዓመጽ ትፈጥር ኣለኻ። ዓመጽ መፍትሒ ጸገም ምዃኑ ትምህር ዘለኻ።”
ኣካላዊ ማህረምቲ ጥራይ ዘይኰነ ምጽራፍ እውን ተመሳሳሊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ትገልጽ።
“ምጽራፍ ምስ ምድንዳን’ዩ ዝምደብ። ስለዚ፡ ሓደ መምህር ክጻረፍ ከሎ፡ እቶም ተምሃሮ’ውን ንኽጻረፉ ወይ ንኽድንድኑ ይፈቅድ ኣሎ ማለት’ዩ” ይብል መምህር ጆን።
ከም ፊንላንድ፡ ሽወደን፡ ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ዝኽልክል ሕጊ ካብ ዝእውጃ ነዊሕ ገይረን እየን።
እተን ሃገራት ዝወሰዳኦ ስጕምትታት ዝመርመሩ መጽናዕትታት፡ ንኣካላዊ መቕጻዕቲ ዝተቓልዑ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ከም ጭንቀት፡ ነብሰ ቅትለት፡ ኣልኮላዊ መስተ ምዝውታርን ፍትሕን ዝኣመሰሉ ጸገማት ከምዘጋጠሞም የመልክቱ።
እቲ ስጕምቲ ድማ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ስርቂን ገበናትን ዝሳተፉን ነብሰ ቅትለት ዘጋጠሞምን መንእሰያት ክንኪ ሓጊዙ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕጊ’ኸ እንታይ ይብል?
ኣጀንዳ ዘላቒ ልምዓት 2030 ሕቡራት ሃገራት፡ “ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ግህሰት፡ ምዝመዛ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኵሉ ዓይነት ዓመጽን ስቅያትን” ክውገድ ከምዘለዎ የመልክት።
ኣብ 1989፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ነፍሲ ወከፍ ህጻን፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ፡ ዓመጽ ወይ ካልእ ጨካን ወይ ዘዋርድ መቕጻዕቲ ንኸየጋጥሞ ዝእግድ ውዕል መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣጽዲቝ’ዩ።
እንተዀነ፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ክሳዕ ሕጂ፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኣይኣገዳን፤ ገለ ሃገራት'ሞ መቕጻዕቲ ዝፈቅድ ሕጊ ከይተረፈ ኣለወን። ክሳዕ ሕጂ፡ 65 ሃገራት ጥራይ እየን ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኣጊደን። 12 ካብአን ከኣ ኬንያ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ከይፍጸም'ኳ እንተኸልከለት፡ ኣብ ገዛን ኣብ ገለ ትካላትን ክንክንን ግን ሕጂ’ውን ይፍቀድ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ዓበይትን ብሰፊሑ ዝፍጸም ኣካላዊ መቕጻዕቲ ከም ዘሎ’ውን መጽናዕትታት የረጋግጹ።
ኤርትራ፡ ብ1991 ኣካላዊ መቕጻዕቲ ከምዝኸልከለት ንኮሚተ መሰል ህጻናት ኣፍሊጣ ነይራ። ብድሕሪኡ ብመንግስቲ ዝተዋህቡ መግለጺታት ግን፡ “ቀሊል መቕጻዕቲ” ሕጋዊ ምዃኑን “ምኽንያታዊ መቕጻዕቲ” ናይ ምፍጻም መሰል ንምስራዝ ዝተወሰደ ስጕምቲ ከምዘየለን የመልክት።
እቲ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ክውገድ ዝንቀሳቐስ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ንኣካላዊ መቕጻዕቲ ዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲታት ክረክብ ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ስነ-ስርዓትን መቕጻዕቲን ሓደ ኣይኰነን
መቕጻዕትን ስነ-ስርዓት ሓደ ዓይነት ትርጕም ኣለዎም ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ኣለዉ።
"እቲ 'ዲሲፕሊን' ዝብል ቃል ከም 'መቕጻዕቲ' ተባሂሉ ብጌጋ ተተርጒሙ ኣሎ" ይብል ክሊኒካዊ ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮ ዳን ሲገል።
ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ሽዱሽተ መጻሕፍቲ ዝደረሰ እዚ ምሁር፡ "ዲሲፕሊን" መምርሒ ወይ ስነ-ስርዓት ማለት’ዩ ብምባል ምስ መቕጻዕቲ (punishment) ዘለዎ ሰፊሕ ፍልልይ የብርህ።
መቕጻዕቲ፡ ኣሉታዊ ጠባይ ንዘርኣዩ ህጻናት ስቓይ ክስምዖም ምግባር’ዩ፤ “ሕማቕ ኣማራጺ ወሲደ” ክብሉ ዘይኰነስ "[ኣነ] ሕማቕ’የ" ኢሎም ከምዝሓስቡ ይገብር። ብኣንጻሩ ስነ-ስርዓት ግን ንባህሪን ኣተሓሳስባን ናይቲ ህጻን ዝእርም፡ ዝቐርጽ፡ ኣብ መንጐ ግብሩን ሳዕቤኑን ዘሎ ተፈጥሮኣውን ስነ-መጐታውን ምትእስሳር ከምዝርዳእ ዝገብር ስልጠና’ዩ።
እወታዊ ስነ-ስርዓት ማለት፡ ህጻናት ዝደለይዎ ክገብሩ ምፍቃድ ማለት ዘይኰነስ፡ ቀዳምነት ንናይ ነዊሕ ግዜ ፍታሕ ስለዝህብ ከም መውቃዕቲ ዝኣመሰሉ ናይ ሓጺር እዋን ኣማራጺ ከይተጠቐመ ርእሰ-ምግሳጽ ከማዕብሉ’ዩ ዝሕግዝ።
በዳሂ ኵነታት ናይ ምጽዋር ብቕዓት፡ ስነ-ምግባር፡ ርህራሀ ዝምህርን፡ ህጻናት ናይ ገዛእ ርእሶም ይዅን ናይ ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ዝድርኽ ምዃኑ ክኢላታት ይሰማምዑ።
ተምሃሮ ካብ ኣብነት ክምሃሩ ተኽእሎ ኣሎ። ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዘጋጠሞ ተምሃራይ፡ ሕማቕ፡ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ዝረኸበ ድማ ቅኑዕ ባህሪ የማዕብል። ከምቲ ሰር ኬን ሮቢንሰን ዝብሎ፡ "ትምህርቲ ሰብኣዊ ስርዓት’ዩ" ስለዝዀነ፡ ህጻናት ከም ሰብ እንተሒዝካዮም’ዮም ኣደብ ክገብሩ ይኽእሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህጻናት ብዘይመቕጻዕቲ ብኸመይ ስነ-ስርዓት ክምሃሩ ይኽእሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህጻናት ኣብ መንጐ ተግባሮምን ሳዕቤኑን ዘሎ ተፈጥሮኣውን ስነ-መጐታውን ምትእስሳር ንኽርእዩ ዝሕግዙ፡ ግን ድማ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ዘየጠቓልሉ፡ ዝተፈላለዩ ሜላታት ከም ዘለዉ ክኢላታት ይገልጹ።
እዞም አማራጺታት ህጻናት፡ ካብ ሕጊ ምኽባርን ካብ ሳዕቤኑን ክመርጹ ዕድል ዝህቡ’ዮም።
ሓደ ኣማራጺ፡ ናእዳታትን እወታዊ ኣቓልቦን ምሃብ’ዩ። "ሎሚ ጽቡቕ ትሕግዘኒ ኣለኻ" ወይ "መጻወቲኻ ኣቕሑ ብምእካብካ ተሓጒሰ" እንተኢልናዮም ነቲ ሰናይ ባህሪ ንኽቕጽልዎ ይተባብዑ።
ካልእ ኣማራጺ፡ ምስቲ ሕማቕ ባህሪ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ስነ-መጐታዊ ሳዕቤን ከምዝፈልጡ ምግባር የጠቓልል። ምስተጻወቱ፡ መጻወቲኦም ዘይእክቡ እንተዀይኖም፡ ንኽእክቡ እንታይ ክንሕግዞም ከምእንኽእል ምሕታት። ብድሕሪ’ዚ ፍቓደኛታት እንተዘይኰይኖም ብመጻወቲኦም ከይጻወቱ ምኽልካል ይከኣል። ወይ ድማ ዘይፍቀደሎም መደብ ተሌቭዥን እንተርእዮም፡ ተሌቭዥን ከይርእዩ ብምኽልካል ወይ ዝርእይሉ እዋን ብምንካይ ሳዕቤኑ ከምዝርድኡ ምግባር።
ካብ ንጥፈታት ወጻኢ ክዀኑ ምግባር’ውን ካልእ ኣማራጺ’ዩ። ኣብ እዋን ጸወታ ኵዕሶ ዝተጻረፈ ተምሃራይ ካብቲ ጸወታ ከምዝእለ ምግባር ኣብ ቀጻሊ፡ ነቲ ሕማቕ ባህሪ ከይፍጽም ክድርኾ ይኽእል።
ተወሳኺ ሓላፍነት ምሃብ’ውን ስነ-ስርዓት ንኽምሃሩ ይሕግዝ’ዩ። ንኣብነት ተወሳኺ ዕዮ ገዛ ብምሃብ እቲ ህጻን፡ ሕግታት ከኽብር ወይ ድማ ሳዕቤኑ ክጻወር ኣማራጺ ይህቦ።
ህጻናት ግብረገብነት/ስነ ምግባርን ስነ-ስርዓትን ከምዝህልዎም ምግባር ኣገዳሲ’ዩ።
እንተዀነ፡ ኣደብ ንኽገብሩ ብምባል ኣካላዊ መቕጻዕቲ ምክያድ፡ ኣብ ቀጻሊ ንዝኸፍአ ሓደጋ ከምዝቃልዑ ምግባር ዘይቅኑዕ ኣገባብ ከምዝዀነ ክኢላታት ይምዕዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







