ንዕሸላት ምሕቛን ዘለዎ ሳዕቤን ክሳዕ ክንደይ እዩ ከቢድ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕለቱ 9 መጋቢት 2018 እዩ ነይሩ፤ ናታሻ ናይ ሓኪም ቆጸራ ስለዝነበራ ሸውዓተ ሰሙን ዝዕድሚኡ ወዳ ምስ ኣቡኡ ኒኮላስ ቤትማን ሓዲጋቶ ከይዳ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ቤትማን ደዊሉ ወዶም ምስ መንኵቡ ተጋጭዩ ከንፈሩ ከም ዝተጎድአ ነጊርዋ።
ናታሻ ናብ ገዛኣ ምስ ተመልሰት ወዳ ኣብ ሶፋ ተረሚሱ ደቂሱ ረኺባቶ።
ንጽባሒቱ እቲ ክልተ ወርሒ ዘይመልአ ውላዳ ከንፈርፍር ምስ ጀመረ ናብ ሕክምና ተወሲዱ።
ሓካይም፡ ናታሻ እውን ንዘይተሓሰበ ነገር ክትዳለዉ ብምሕባር እቲ ዕሸል ውነኡ ክስሕት ገይሮም፤ ብሕክምና ዝፍጸም ውነ ምስሓት መጉዳእቲ ዘጋጠሞ ሓንጎል ካብ ሕበጥ ንምክልኻልን ኣካላት ንኽሓዊን ዝሕግዝ ሕክምናዊ ኣገባብ እዩ።
ድሕሪ ሕክምናዊ መርመራ፡ ሓካይም፡ እቲ ህጻን ኣብ ሓንጎሉ ብዙሕ ነቓዓትን መፍሰስቲ ደምን ከም ዘለዎን፡ ምልማስ ሓንጎል ከም ዘጋጠሞን ድማ ኣረጋጊጾም።
እንተዀነ ቤትማን ዝሃቦ እንኮ መግለጺ ወዱ ከንፈሩ ከም ዝተሃረመ ጥራይ እዩ ነይሩ።
እቲ ህጻን ካብ ሆስፒታል ኣብ ዝወጸላ መዓልቲ፡ እታ ኣደን ኣቡኡን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።
ናታሻ፡ ወዳ ብደይመደይ ከም ዝተጎድአ ዝፈለጠት ኣብታ ዝተኣሰሩላ ሕሞት ምዃኑ ትገልጽ።
"(ወደይ) ብዙሕ ነቓዓት’ዩ ኣጋጢምዎ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝተሓቖነ ቆልዓ ዝርአ'ዩ” ትብል።
“ኣነ ከምኡ ከም ዘይገበርኩ እፈልጥ’የ፡ እቲ እንኮ ጌርዎ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ድማ ኒኮላስ'ዩ" ብምባል ነቲ ኣቦ ወዳ ትጠቅስ።
ጉዳይ ወዲ ናታሻ ናብ ቤት ፍርዲ ስድራቤት ተወሲዱ፤ ሰበስልጣን ብመጉዳእቲ ህጻን ተሓታቲ መን ምዃኑ ክሳዕ ዘረጋግጹ ምስ ኣባሓጎኡ ክነብር ተገይሩ።
ናታሻ፡ "ሕጂ'ውን ንሱ (ቤትማን) ዝፈጸሞ ነገር ዋላ ሓንቲ ኣይተኣመነን” ትብል።
ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ ስዒቡ ግን፡ ቤትማን ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ብምውራድ ተኸሲሱ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ከምኡ’ውን ቤትማን ንወዱ ከም ዝጎድኦ ብዘይእማኑ እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ንዓመታት ተደናጉዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ቤትማን፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት ገበኑ ተኣሚኑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድማ ን10 ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ክእሰር ተፈሪድዎ።
ነቲ ፍርዲ ዝወሰነት ዳኛ ሉሲ ክራውተር፡ ቤትማን መጀመርታ ነቲ ንእሽቶ ዕሸል ብገጹን ኣፍልቡን ሒዙ "ብሓይሊ" ኣሰራሲሩ ናብ ገለ ልስሉስ ቦታ ደርብይዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጻ።
"ብኽያቱ ብዘይምቁራጹ ኣሰራሲርካዮ። ዝገበርካዮ ነገር ድማ ክትዛረብ ኣዚኻ ፈሪሕካ" ኢላቶ።
ናታሻ፡ ወዳ ክዛረብ ከምኡ’ውን ብዘይ ሓገዝ ክኸይድ ወይ ደው ክብል ከም ዘይኽእል ትገልጽ። ንቡር መግቢ ንምምጋብ ይቃለስ፡ ብቐንዱ ድማ ብርግኦ እዩ ዝነብር። ብዘይ መድሃኒት እውን ክድቅስ ኣይክእልን።
እዛ ብሰንኪ ምስርሳር ዝተጎድአ ወዳ ትኣሊ ዘላ ኣደ፡ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ስለ ዝተወሃበ እፎይታ’ኳ እንተተሰምዓ፡ ንቤትማን እኹል ዝበሃል ማእሰርቲ ከም ዘየለ ትዛረብ።
"ገበነኛ እየ" ኢሉ ክኣምን ምስማዕ ኩላትና ዝደለናዮ ነገር'ዩ። እንተዀነ ግን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከምኡ ክብል ምስማዕ ኣዝዩ ዝደንጎየ'ዩ” ብምባል ሳዕቤን እቲ ዝፈጸሞ ነገር ክርኢ ከም ዘይተገደደ ትገልጽ።
ወዳ ክትጥምት ከላ፡ “ንምንታይ? ወዲ 7 ሰሙን ጥራይ እዩ ነይሩ" ኢላ ትሓስብ። "ኣብ መጻኢ ከመይ ከም ዝኸውን ኣይፈልጥን። ኩሉ ግዜ ፍቕሪ ከነርእዮ ኢና፡ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ክኸውን'ዩ። ዝሳቐየሉ መንገድታት ግን ክህሉ'ዩ።"
"ንገዛእ ርእሱ ክኢሉ ክወጽእ ወይ ስድራ ክምስርት ክኽእል ድዩ ኣይፈልጥን። እዚ ካብኡ ተመንጢሉ’ዩ።"
"ክብሎ’ኳ እንተዘይደለኹ፡ ግን ምሉእ ህይወቱ ምስ ኣዲኡ ክነብር'ዩ፡ ኣነ’ውን ምሉእ ህይወተይ ክኣልዮ'የ ዝብል ግምት ኣለኒ።"
ወዲ 31 ዓመት ቤትማን፡ ወዱ ብኽያቱ ብዘይምቁራጹ ትዕግስቱ ተወዲኡ ተቘጢዑ እዩ ራርዩዎ። እቲ ቅድሚኡ ጥዑይ ዝነበረ ህጻን፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ንምሉእ ህይወቱ ዝጸሉ ሕማም ኣትሪፉ።
እዚ ኹሉ መጉዳእቲ ብሰንኪ ‘ሼክን ቤቢ ሲንድሮም’ ወይ ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ዝመጸ እዩ።
ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን እንታይ እዩ?
ዕሸላት ብዘይምቁራጽ ኣብ ዝበኽይሉ እዋን ገለ ወለዲ ወይ ኣላይቲ ይሓርቁ ወይ ይበሳጨዉ። ዓቕሊ ክገብሩ'ውን ይጽገሙ። ተስፋ ብምቑራጽ ድማ ብኽያት እንተቋረጹ ኢሎም ብሓይሊ ይራርውዎም ወይ ይሓቑንዎም።
እዚ ከም ቀሊል ዝርአን ዝዀነ ሰብ ክፍጽሞ ዝኽእልን ተግባር ግን ኣብ ገለ ህጻናት ሓያል ጸገም ጥዕና ዘስዕብ’ዩ፤ እዚ ኵነታት፡ ‘ሼክን ቤቢ ሲንድሮም’ ወይ ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ብዝብል ይፍለጥ።
ብፍላይ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብሓይሊ ክንቕነቑ፣ ክውዝወዙ፡ ክሕቘኑ ወይ ናብ ዓራት ክድርበዩ እንከለዉ እዚ ጸገም ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ።
ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ኣብ ልዕሊ ሓደ ህጻን ዝፍጸም ከቢድ ዓይነት ግህሰት እዩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብኣደ፣ ኣቦ፣ ኣለይቲ ህጻናት ወይ ካልኦት ናይ ቀረባ ሰባት እዩ ዝፍጸም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጭዋዳታት ዕሸላት ኣዝዮም ዘይጽኑዕ ስለዝዀኑ፡ ነቲ ብተዛማዲ ዓቢ ዝዀነ ርእሶም ምሉእ ብምሉእ ክድግፉ ኣይኽእሉን።
ስለዚ ሓደ ህጻን ብሓይሊ ክውዝወዝ ከሎ፡ ርእሱ ብሓይሊ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ስለዝንቀሳቐስ፡ ሓንጎሉ ኣብ ውሽጢ ርእሱ ይነጥር ወይ ይጋጨው።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ መርበብ ሓንጎሉ ክህሰይ፡ ክነቅዕ ወይ ክፍሕንጨር ይኽእል። እዚ ድማ ከቢድን ሓድሓደ ግዜ ድማ ሞት ዘቃልዕን መጉዳእቲ ሓንጎል የስዕብ።
ብፍላይ ድሕሪ ምውዝዋዝ፡ ርእሲ እቲ ህጻን ምስ ከም ዓራት ወይ ሶፋ ዝኣመሰሉ ነገራት እንተተጋጭዩ ዝያዳ ሳዕቤን ይህልዎ።
መርበብ ሓንጎል ክነቅዕ ወይ ክፍሕንጨር ከሎ ደም ክፈስስን ጨናፍር ዋህዮታት መትኒ ክብተኹን ይኽእሉ እዮም፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ሓንጎል እቲ ህጻን ይጉዳእ። መትኒታት ዓንዲ ሕቖ’ውን ክጉድኡ ይኽእሉ።
እቲ ህጻን ኣብ ዝተወዝወዘሉ እዋን ምስትንፋስ እንተ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ሓንጎል ሕጽረት ኦክስጅን ስለዘጋጥም ተወሳኺ ዘይሓዊ ጉድኣት ከጋጥሞ ይኽእል።
ዝተጎድኡ ዋህዮታት መትኒ እውን ኦክስጅን ናብ ሓንጎል ከይበጽሕ ዝኽልክሉ ኬሚካላት ይፍንዉ እዮም፤ ብሰንኪ'ዚ ዋህዮታት ሓንጎል ዝያዳ ይጉድኡ።
ብተወሳኺ ኣብ ዳሕረዋይ ክፍሊ ዓይኒ ኣብ ዝርከብ ክፍለ-ኣካል ‘ረቲና’ መፍሰስቲ ደም ከጋጥም ይኽእል፤ ንናይ ምርኣይ ክእለት'ውን ይጸሉ።
እቲ ህጻን ናብ ተሪር ይኹን ልስሉስ ነገር ምስ ዝድርበ መስበርቲ ርእሲ፣ ኣእዳው፣ ኣእጋር፣ መሰንገለ፣ ክሳድ፣ ዓንዲ ሕቖን ካልኦት ኣካላትን ከጋጥሞ ይኽእል።
ንህጻናት ምስርሳር፡ ናብ ኣየር ምድርባይ፡ ብኣጋጣሚ ዝፍጠር ምውዳቕ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ኣየስዕቡን፤ እንተዀነ እዞም ንጥፈታት ሓደገኛታት ክዀኑ ስለዝኽእሉ ክኢላታት እንተዘይፍጸሙ ይምዕዱ።
ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ኣብ ኩሉ ዓለም ዘጋጥም ከም ዝዀነ ይፍለጥ፤ ቢቢሲ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጠሙ ቕትለታት ክጽብጽብ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ 2016 ኣቡኣ ብብስጭት ብሓይሊ ከም ዝሓቘና ዝተናዘዘ ጓል ሰለስተ ወርሒ ሕጻን፡ ቀዋሚ መጉዳእቲ ሓንጎል ኣጋጢምዋ ዓይነ ስውር ኰይና እያ።
ኣብ 2018 ዝተገብረ መርመራ ሬሳ፡ ሓንቲ ጓል 14 ሰሙን ህጻን፡ ብሰንኪ ሓያል ምንውናው ዘስዓቦ መጉዳእቲ ሓንጎል ከም ዝሞተት ኣረጋጊጹ። ኣቡኣ ክሪስቶፈር ኦኒል ድሒሩ ብቕትለት ጓሉ ተኸሲሱ።
ኣብ 2019 ቶማስ ሃይኒንግ ዝተባሃለ ሰብኣይ፡ 23 መዓልታት ዝዕድሚኣ ጓሉ ብሓይሊ ምንውናዉ ስዒቡ ብምሟታ ንሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ እዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ማቲው ጆንስ ዝተበሃለ ኣቦ፡ ንወዲ 15 ሰሙን ወዱ ብምንውናዉ ብምቕታል ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ኣብዚ ዓመት ድማ ኣብ ወርሒ ለካቲት ማርከስ ካርተር ንወዲ ክልተ ወርሒ ህጻኑ ብምንውናው ከም ዝቐተሎ ተኣሚኑ፤ ን7 ዓመትን 8 ወርሒን ክእሰር ተፈሪዱ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዕድሚኦም ምንውናው ወይ ምሕቛን ከም ዘጋጥሞም ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (ሲዲሲ) የመልክት፤ መብዛሕትኦም ወለዲ ወይ ኣለይቲ ከምዚኦም ዝበሉ ፍጻመታት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከም ዘየመልክቱ'ውን ወሲኹ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ 2008 ክሳዕ 2018 ካብ ዝነበሩ 1,253 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ህጻናት፡ እቶም 229 ብሓይሊ ዝተነውነዉ ወይ ዝተሓቘኑ ህጻናት ምዃኖም ቢቢሲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዘካየዶ ትንታነ የመልክት።
ክኢላታት ግን፡ መንግስቲ ብዝሒ ኣብ ልዕሊ ዕሸላት ዝፍጸም ምንውናው ዝምልከት ወግዓዊ ኣሃዛት ስለ ዘይዓቀበ፡ እቲ መጠን ካብዚ ክዛይድ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ብኽያት ቀንዲ ምኽንያት ምንውናው ወይ ምሕቛን ህጻናት ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ ከም ዘሎ የመልክቱ።
‘ዘ ሼክን ቤቢ ኣሊያንስ’ ንስድራቤታት ግዳያትን ሰብ ሞያን ደገፍ ዝህብ ኣብ ምክልኻል ግህሰት ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝነጥፍ ትካል እዩ።
ኣስታት 25 ሚእታዊት ካብቶም ግዳያት ብሰንኪ ኣካላዊ ምንውናው ወይ ምሕቛን ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 70 ሚእታዊት ድማ ብገለ ደረጃ ቀዋሚ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገም ከም ዘጋጥሞም መርበብ ሓበሬታ’ቲ ትካል የመልክት።
ብዛዕባ ምንውናው ወይ ምሕቛን ህጻናት መጽናዕቲ ዘካየደት ዶክተር ሱዛን ስታርሊንግ ብምጥቃስ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ገበነኛታትን ግዳያቶምን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ኣሃዝ’ውን ይሕብር።
ብመሰረት’ዚ ካብቶም ምንውናው ወይ ምሕቛን ህጻናት ዝፍጽሙ ሰባት 37 ሚእታዊት ኣቦታት፣ ኣፍቀርቲ ወይ መጻምድቲ እተን ኣዴታት 20.5 ሚእታዊት፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣለይቲ ህጻናት 17.3 ሚእታዊት፣ ኣዴታት 12.6 ሚእታዊትን ካልኦት ድማ 12.6 ሚእታዊትን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምልክታት ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን
ምንውናው ወይ ምሕቛን ህጻናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ርኡይ ግዳማዊ መጉዳእቲ ወይ ኣካላዊ ምልክት ዘይክህልዎ ይኽእል’ዩ። ስለዝዀነ ድማ ህጻናት ዘጋጠሞም ነገር ከይተፈልጠ ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ከማዕብሉ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ሕማም ዘጋጠሞም ህጻናት ዕግርግር ከርእዩ እንከለዉ ምስ ካልእ ጸገማት ጥዕና ከም ዝመሳሰል ወለዲ፡ ኣለይቲ እንተላይ ሓካይም ይገልጹ።
ምልክታት ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ብቕጽበት ክረአዩ ይኽእሉ፤ ኣብ ውሽጢ ካብ 4-6 ሰዓታት ድማ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ይበጽሑ።
ገለ ካብቶም ምልክታት ዝተለወጠ ደረጃ ንቕሓት፣ ቑጥዐ፣ ትኻስ፣ ምንፍርፋር፣ ዝሰፍሐ መርዓት ዓይኒ፡ ብዓይኒ ምንቅስቓሳት ምክትታል ዘይምኽኣል፣ ምጉዳል ሸውሃት፣ ተምላስ፣ ፋሕሻው ወይ ሰማያዊ ቆርበት፣ ዓሚቝ ምስትንፋስን፣ ዘጸግምን ዘይስሩዕነትን ምስትንፋስ፣ ንድሕሪት ዝተጠወየ ርእሲ፣ ርእሲ ምልዓል ዘይምኽኣል፣ ዝጎበጠ ሕቖ፣ ዘይስሩዕ ህርመት ልቢ ዘስዕቦ ምቁራጽ ንጥፈታት ልቢን ውነ ምጥፋእን ዝኣመሰሉ ይርከብዎም። ካብዚ ሓሊፉ ሞት’ውን ከጋጥም ይኽእል።
ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ብኸመይ ምክልኻል ይከኣል?
ዕሸላት ክበኽዩ ንቡር’ዩ፣ ጸቕጢ’ውን ክፈጥር ይኽእል።
ወለዲ ወይ ኣለይቲ፡ ብዛዕባ ምንውናው ወይ ምሕቛን ህጻናት ዘስዕቦም ሓደጋታት ንቕሓት ክህልዎምን ደገፍ ክረኽቡን ምግባር፡ ሕማም ዝተሓቘነ ህጻን ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል።
መጀመርታ ዕሸላት ዘጋጠሞም ገለ ጸገም ከምዘየለ ምርግጋጽ ኣገዳሲ’ዩ። ሸይኖም፡ ጠምዮም፡ ቈሪሮም ወይ ሓሚሞም ይቕንዘው ከይህልው ምርግጋጽ የድሊ።
ድሌታት ዕሸላት እንተተማሊኡ ድማ፡ ንዕሸላት መጻወቲ ወይ ‘ፓሲፋየር’ ምሃብ፡ ሸንኮለል ምግባርን ከምኡ’ውን ገለ ድምጺ ብምጥቃም ክሃድኡ ምፍታን ይከኣል። ንኣብነት ሬድዮ ወይ ተሌቪዥን ምኽፋት ወይ ምድራፍን ምስኦም ምዝርራብን፡ ህጻናት ገለ ድምጺ ክሰምዑ ከለዉ ደስ ይብሎም’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዝተወሰነ ግዜ፡ ካልእ ሰብ ሓላፍነት ክወስድ ምግባር፡ ዕረፍቲ ክትረኽቡን ዓቕልኹም ከይትስእኑን ክሕግዝ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ እንተዘይተረኺቡ፡ ንዕሸላት ብሰላም ኣብ ዓራት ኣቐሚጥካ ንገለ ደቓይቕ ካብቲ ክፍሊ ምውጻእ’ውን ረብሓ ኣለዎ። ክበኽዩ ይኽእሉ፤ ግን ንህጻናት ዝያዳ ዝጎድኦም ምሕቛን እምበር ብኽያት ከም ዘይኰነ ኣይትረስዑ።
ኩሎም ኣባላት ስድራቤት፡ ኣለይቲ ህጻናትን ሰራሕተኛታት ገዛን ብዛዕባ ሓደጋታት ምንውናው ወይ ምሕቛን ህጻናት ከም ዝፈልጡ ምርግጋጽ ድማ ግድን እዩ።
ንውሉድኩም ኣብ ዝኣልዩሉ እዋን ገለ ውጥረት እንተተሰሚዕዎም፡ ክገብርዎ ዘለዎምን ዘይብሎምን ነገራት ኣነጺሮም ከም ዝፈለጡ ክተረጋግጹ ክኢላታት ይላበዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







