'መጻኢ ደቅና ካብ ቍልዕነቶም ብእንምግቦም እዩ ዝጽሎ' ልዋም ተኽለ

ኣብ ክንክን ትሕቲ 2 ዓመት ህጻናት ዘቶኮረት ፈላሚት መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ, L/T

ብዙሕ ግዜ ሰብ ሞያ ‘ጥዕናኻ ኣብ መኣድኻ’ ብምባል ሰብ ኣብ ኣመጋግባኡ ግቡእ ጥንቃቐታት ከዘውትር ይምዕዱ።

ናይ ሎሚ ጋሻ ቢቢሲ እውን፡ ቅኑዕ ኣመጋግባ፡ ህጻናት ደቅና ትሕቲ 2 ዓመት እንከለዉ ምስ እንጅምሮ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ትመክር።

ንሳ፡ ብዛዕባ ኣመጋግባ ህጻናት መወከሲ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኣደ እያ፡ ልዋም ተኽለ። ንኣመጋግባ ህጻናት ዝምልከት ዝሓደራ ተገዳስነት፡ ብኣተዓባብያኣ ዝተደረከ ምዃኑ ተዕልል።

ልዋም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየት በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቈልዑን እያ። ክሳብ 4ይ ክፍሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማሂራ።

ስድራቤታ ናብ ኤርትራ ምስ ከዱ'ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓወት መባእታን ማእከላይን ደረጃ ተማሂራ።

ካልኣይ ደረጃ ክሳዕ 11 ክፍሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተማሂራ፤ ኣብ መበል 18 ዙርያ ኣብ ሳዋ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ተማሂራ። ብድሕሪኡ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ብ ዓውደ ትምህርቲ ስነሰብ - ኣንትሮፖሎጂ ተመረቐት።

ልዋም በዅሪ ንስድራኣ ኰይና፡ ኣብ ንእስነታ እያ ተመርዕያ። ወላዲታ፡ “ብቘልዓኺ ከምቲ ዝግባእ ኣየጥበኹኽን፡ መግቢ ጽቡቕ ኣይትበልዕን ኔርኪ” ብምባል ተዘንትወላ ከም ዝነበረት ትዝክር።

ኣደኣ ነቲ ኣብ ህጻንነታ ጐዲልዋ እዩ ኢላ ዝሓሰበቶ ንምትካእ ከኣ ብዓቕማ ኣብ ኣመጋግባ ምክትታትል ዕሙቕ ዝበለ ተገዳስነትን ከተዘውትር ነበረት።

ካብ ጀራዲን ዝርከብ ፍረታት ይዅን ኣሕምልቲ፡ ኦርጋኒክ ድዩ ኣይኰነን እናመመየት ንዝዀነ ኣብ ኣፍ እታ ስድራ ዝኣቱ ዘበለ ብዓቕማ እናተጠንቀቐት ትመርጽ ብምንባራ ኣብ ልዋም ዓቢይ ጽልዋ ኣሕዲሩላ።

በዚ ድማ ኣብ ስነኣመጋግባ [ኑትሪሽናል ሳይንስ] ዘለዋ ተገደስነት እናዓበየ ከም ዝኸደ ተዕልል።

ንሳ'ውን፡ በዅሪ ጓል ተቦኮረት'ሞ፡ ነቲ ወላዲታ ብንቕሓት ክትገብሮ ትፍትን ዝነበረት ኣገባብ ኣመጋግባ ብዝሰፍሐን ስነፍልጠታዊ መገድን ክኽተሎን ከደንፍዖን ኣሎኒ ካብ ዝብል ሕልና፡ ውላዳ ጓል 6 ወርሒ እንከላ ኣትሒዛ ከተጽንዕ ጀመረት።

ደቅና፡ ምሉእ ብምሉእ ኣባና ጽግዕተኛታት ብምዃኖም፡ በቲ ብፍላጥ ይዅን ብዘይፍላጥ ወይ'ውን ብሸለልትነት ብእንገብሮ ሽዑ ብቕጽበት ወይ ኣብ መጻኢ ክንጠቕሞም ወይ'ውን ክንጐድኦም ንኸእል ኢና፡ ትብል።

"ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ሽሕ መዓልታት ብምስትውዓል እንተመጊብናዮም ነዚ ድማ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝመልኡ እንተ ሓሊናዮ፡ ኣብ ሂወቶም ምሉእ ከሳልዮም ዝኽእል ስንቂ ኣስኒቕናዮም ኣለና ማለት እዩ፡" ብምባል ልዋም፡ እቲ ኣብ ህጻንነቶም ዝግበር ወፍሪ ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ጽልዋኡ ንሓዋሩ ኣብ ጥዕናኦም፡ ኣተሓሳስባኦም፡ ንቕሓት፡ ቁመት፡ ምስ ሰባት ዝህልዎም ማሕበራዊ ርክብን ከም ዝጸልዎ ተረድእ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ "ክትቅይሮ ዘይትኽል ነገራት ኣሎ፤ ክሊማ፡ ጀነቲካዊ ኣቃውማ ወይ’ውን ቍጠባ ገዛኻ ምቕያር ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ዘለካ ዝተመጣጠነ መግቢ ምቕራብ ግን ኵሉ ስድራቤት ክከም ዓቕሙ ክገብሮ ዝኽእል እዩ፡" ብምባል ትገልጽ።

ልዋም ተኽለ ደራሲት 'ኣደላልዋን ኣመጋግባን መግቢ ህጻናት'

ምንጪ ስእሊ, L/T

ልዋም፡ ነቲ ኣብዚ ዓውዲ ዘለዋ ፍልጠት ንምዕማቝ፡ ብኣህጉራውያን ትካላት ከም ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WHO)፡American paediatric association ዝዳሎ መጽናዕታዊ ጽሑፋት መጽሓፍቲን ብኣተኵሮ ከም ዝዳህሰሰቶም ትገልጽ።

ነቲ ዘዋህለለቶ ፍልጠትን ሓበሬታን ድማ ኣብ ደቃን ደቂ ምሓዙታን ኣብ ግብሪ እናዋዓለት ረብሓታቱ ክረኣያ ከም ዝጀመረ ተዘንቱ።

“ኣብ ፈለማ ኣነ እተን ካባይ ብተመኵሮ ዝበልጻ ኣደታት እንታይ ይገብራ? ሳይንስከ እንታይ ይብል ብምባል ነቲ ዘድሊ ሓበሬታ ንኽረክብ ብቛንቋይ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ይዅን መወከሲ እንተደለኹ ክረክብ ኣይክኣልኩን።

ስለዚ፡ ከምቲ 'እታ ትደልያ መጽሓፍ እንተዘይረኺብካያስ ባዕልኻ ጸሓፋ ዝብል ኣበሃህላ ዘሎ፡ ንዓይ ንመሓዙይተይን ካብ ጠቐመ እሞ ድማ ዝዀነ መወከሲ ካብ ዘይሃለወ፡ ስለምንታይ መጽሓፍ ገይረ ንዅለን ኣደታት ደቀን ብኣፍልጦ ዝናብያሉ መወከሲ ዘይቅርብ፡ ብምባል ንበዓል ቤታ ሓሳባ ምስ ኣከፈለቶ ከም ዝተባብዓ ትገልጽ።

"በዚ ናብቲ መጽሓፍ ምድላው ዝብል ሓሳብ ኣትየ፡” ብምባል መጽሓፍ ንከተዳሉ ዝደረኻ ምኽንያት ትጠቅስ።

ኣብዚ ጕዕዞ’ዚ ግን እቲ ዝዓበየ ብድሆ፡ መብዛሕትኡ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ንኻልእ ከባቢታትን ትሕዝቶን፤ ማለት ዓይነታት ኣዝረእትን ኣትክልትን ዝተማእዘነ ብምንባሩ፡ "ሕብረተሰብና ብቐሊሉ ክረኽቦምን ከፍርዮምን ናብ ዝኽእልን ክኽልሶ ነይሩኒ፡" ትብል።

ስለዝዀነ ነዊሕን ዓሚቝን መጽናዕቲ ብምክያድ ብመንጽር እቲ ጆኦግራፋያዊ ኣቀማምጣኡ፡ ኣኣብ ከባቢኡ ዝርከብ መኣዛዊ መግብታት ብምጽናዕ እያ ኣብ መጽሓፋ ብቐሊልን ኵለን ኣደታት ክርድኣኦን ክረኽባኦን ብዝኽእላሉ ኣገባብ ኣቕሪባቶ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንኣብነት ንሓደ ቈልዓ ስቕ ኢልካ ገዓት ካብ እትምግቦ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ምስ እትህሉ፡ ንገዓት ከም ሩዝ፡ ባምያ ዝኣመሰሉ ብምሕዋስ ዝያዳ ከተህብትሞ፡ ብመልክዕ ሓፊስ ስብቖ ወይ ብገዓት'ውን ክትህቦ ይከኣል እዩ።

"ኣብ ዞባ ደቡብ እንተሊኻ ድማ ጥሕኒ ብቐረባ ስለትረኽቦ ብግቡእ ንጥቀመሉ።"

ብተወሳኺ "ብዘይካ'ዞም ንፈልጦም ሓምሊ ኣድሪ፡ ሓምሊ ቝስጣ ከም እኒ ሓምሊ ብርናሃዮ፡ ሓምሊ ጐርዞ፡ ዝበሃሉ ብዙሓት ካልኦትን ኣብ መስከረም ዝበቍል ኣጉለ (ማሽሩም) ኣለዉ፡ ብምባል ኣብ ከከባቢኻ እንታይ ኣሎ ፈሊጥካ ነቲ ዘሎና ጸጋታት ክንጥቀመሉ ኣለና፡" ብምባል ትመክር።

“ገለ ኣደታት ጡበይ ከይወድቕ፣ ሸውሃቶም ክዓጽዎም እዩ፣ ሓናት እናውረደሎም ገለ ኢለን ጸባ ጡብ ኣቋሪጸን ብጸባ ከብቲ፡ ጊጐዝ፡ ኒዶ ወይ ድማ ብፎርሙላ ዝትክኣ ኣለዋ። እዚ ግን ግጉይን ሳዕቤን ኣለዎ፡" ትብል።

"ዝዀነት ኣደ ናይ ጥዕና ሽግር ምስ ዘይሃልዋ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ጸባ ጡብ ኣደ ጥራይ ከተጥብዎ ኣለዋ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ከማን ክፈጥሮ በቲ ዝገርም ጥበቡ ኣብ ውሽጢ ጸባ ጡብ ኣደ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣካላትና ንምህናጽ ዘድሊ ማኣዛታት በብዓቐኑን ከከም ዘድልዮምን ገይሩ እዩ ሰሪሕዎ፡" ትብል።

"እዚ ድማ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ዝትካእ ኣይኰነን። እቲ ፎርሙላ ዝበሃል ዘሎ ኣብቲ ኣማራጺ ዘይብሉ ግዚያት ማለት ብሕማም ይዅን ብዝተፈላለየ ዘገድደና ኵነታት ምስ ዘጋጥም ቈልዓ ክዕንገል ስለዘለዎ ጥራይ ክንጥቀመሉ እምበር ኵሉ ሓደ እዩ ብምባል፡ ፈጺምና ክንትክኦ የብልናን። ብሓጺሩ ጸባ ሰብ ንሰብ፡ ጸባ ከብቲ ድማ ንኸብቲ እዩ መጀመርያ”ትብል።

እቲ ዝጀመረቶ ሓሳብ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ቀሊል ኣይነበረን። ድሕሪ ናይ 7 ዓመታት ጻዕሪ ከም ማኑስክሪፕት መጽሓፍ መልክዕ ኣዳልያ ንሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ጥዕና ንሓሳብን መአረምታን ተወከሰት።

"ሓላፊት ኣሃዱ ስነምግቢ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣምለሰት ሓጐስ፡ መዲካል ዳይረክተር ኦሮታ ፐድያትሪክ ሆስፒታል፡ ፕሮፈሰር ጽገረዳ ገብሪሂወት፡ ክኢላ ሕክምና ህጻናት ዶክተር ተወልደመድህን ዮሃስን፡ ሲንየር ፐዳያትሪሻናት ዶክቶር ተወልደብርሃንን ዶክቶር ሳምሶንን ከምኡ'ውን መምህር ንዩትሪሽን ዝነበረትን ተማራማሪትን ዶክተር ኤደንን፡" ተወኪሰ።

እታ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ፡ ብርእይቶኦምን ሓሳባቶምን ሃብቲማ ከም ዝተሓትመት ልዋም ትዛረብ።

ትሕዝቶ መጽሓፍ ‘ኣደላልዋን ኣመጋግባን መግቢ ህጻናት’ እንታይ'ዩ?

እታ መጽሓፍ 7 ምዕራፋት ዝሓዘት ኰይና፡ ነቲ ሕብረተሰብ ብዝመስል ኣመጋግባ ዝተዳለወ ፒራሚድ ቻርት፡ ሓደ ህጻን መዓስን ብምንታይን ይጅምር፣ ቁጥዐ ሰብነት (ኣለርጂ) ትሕቲ ሚዛን ምዃን፡ ልዕሊ ክብደት ምዃን፡ ንክታበት ዝድህስሱ ኣርእስታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ህጻናት ክንፈልጦ ዘሎና ሓበሬታታት ዘጠቓለለት እያ።

ብተወሳኺ'ውን ዝርዝር ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ ዓይነት መግቢን ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ ፍረታትን ዝሰርሑ ጽማቝን ስብቆታትን ንትሕቲ 2 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ሒዛላ።

ሰፊሮም ዘለዉ መዕቀኒታትን እውን ብቀረባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዝረከቡ ኣቝሑ ከምእኒ ፍንጃል፡ ቡሽ፡ መለሊኽን ኩባያን ዝኣመሰሉ ብምዃኖም ልዋም ንተጠቅምቲ ብዘየደናግር መልክዕ ከምዝተዳለወ ትሕብር።

ብሓፈሻኡ እዛ መጽሓፍ፡ ክሳብ ክልተ ዓመት ንዘለዉ ቈልዑ ዘገድስ ጥዑይ ስርዓተ ኣመጋግባ ኣስፊራ፡ ንወለዲ ተዳልያ ዘላ መጽሓፍ እያ።

ኣብ ክንክን ትሕቲ 2 ዓመት ህጻናት ዘቶኮረት ፈላሚት መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ, L/T

ብተወሳኺ...

“ሓደ ካብቲ ዕላማይ፡ ዝተመጣጠነ መግቢ ምቕራብ ማለት ክቡርን ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣቱን ዕሹግ መግቢታትን ምምጋብ ማለት ከምዘይኮነ ንኸረድእ እዩ፡" ኢላ ተተሓሳስብ።

"ንወለዶታት ዘሳገሩ ብቐሊሉ ኣብ ኵሉ ኩርናዓት ኤርትራ ዝፈርዩ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎም መግቢታት ኣለውና፤ ኣብ ብዙሕ ስድራቤት... ንሕና ባምያ ዘይንበልዕ... ዱባሲ ዘይንፈቱን ዝብሉ ብዙሓት እዮም፡" ብምባል፡ እዚ ግን "ግጉይ ኣመለኻኽታ እዩ" ኢላ ክእረም ከም ዝግባእ ተገንዝብ።

"ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ከየስተናዓቕና ብኣፍልጦ ሱር በተኻዊ ለውጢ ብምግባር ኣመጋግባና ብሕልፊ ድማ ኣመጋግባ ደቅና ንቐይር። ደቅና ብንኣሽቱኦም ኣብ ኣመጋግባኦም እንገብሮ ለውጢ ንሂወቶም ምሉእ ስለዝዀነ ብምስትውዓል ክንገብሮ ጽቡቕ እዩ፡" ኢላ ምኽራ ተካፍል።

ምስዚ ኣተሓሒዛ ልዋም፡ "ኣመጋግባ ቈልዑ ዕማም ኣደታት ጥራይ ኣይኰነን፣ ኣቦታት'ውን ብዘይካ ምጥባው ኵሉ ክገብሩ ስለ ዝኽእሉ እቲ ጾር ናብ ኣደታት ጥራይ ከይደርበዩ ክሕግዙወን ግቡእ እዩ፡“ ብምባል ትላቦ።

እዛ 320 ገጻት ዘለዋ ብሕብራዊ ዝተሓትመት መጽሓፍ፡ ካብ እትሕተም ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ቀዳምይ ሕታም ተሸይጡ ተወዲኡ።

ምኽንያት ናይዚ ክትገልጽ እንከላ ልዋም፡ "እቲ ቀንዲ ትሕቶኣ ኰይኑ፡ ኣደታት ብቛንቋአንን ብዝቐለለ ኣቀራርባን፡ ክትቀርብ ምኽኣላ ምዃኑ ተረድእ።

ልዋም ተኽለ

ምንጪ ስእሊ, L/T

ኣብ መወዳእታ፡ “እቲ 7 ዓመታት ዝወሰደ ጕዕዞ ኣዝዩ በዳሂ'ኳ እንተነበረ፡ ብዓቢኡ ኣምላኽ ረዲኡኒ ኣዝዮም ብዙሓት ጥዑማት ልቦምን ግዚኦም ሰዊኦም ኣብ ጐድነይ ብምዃን፡ ኵሉ መዳያዊ ሓገዝ ዘበርከቱለይ ኵሎምን ብፍላይ ድማ በዓል ቤተይ ኣብቲ ኣነ በታ መጽሓፍ ዝጽመደሉ እዋን ንደቅና ብዅሉ እናተንከባኸበ ብዕሩፍ ልቢ ክሰርሕ ገይሩኒ እዩ'ሞ ንዅሎም ካብ ልበይ የመስግኖም፡" ትብል።