ስለምንታይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንኣደነት ኣይፋል ይብላ ኣለዋ?

ኣብ መጽንሒ ዘሎ ሓድሽ ዝተወለደ ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ቈልዑ ዘዕብየሉ ዓቕሚ የብለይን" ትብል በዓልቲ ሓዳርን ኣብ 30ታት ዕድመ እትርከብን ግሎርያ።

ኣብ ቻይና ንሳ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ኣብ ርእሲ'ቲ ካልእ ወጻኢታታ ቈልዓ ንምዕባይ ጥራይ ኣብ ወርሒ ኣስታት 2400 ዶላር ከም ዝሓትት ትዛረብ።

"ንከም መግቢ ዝበሉ መዓልታዊ ወጻኢታት፡ 3000 ዩዋን (436 ዶላር)፤ ንመዋእለ ህጻናት 2000 (291 ዶላር)፡ ኣገዳሲ እንተዀይኑ 1000 (145 ዶላር) ንሕክምና ቈልዓ፤ እንተወሓደ 10 ሽሕ (1,456 ዶላር) ንትምህርቲ" ክትብል ተረድእ።

ግሎርያ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ኣብ እትርከብ ግዝኣት ጉዋንዶን ከም መምህር መባእታ ቤት ትምህርቲ ኰይና ፍርቂ መዓልቲ ትሰርሕ።

ኣብቲ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ውልቃዊ ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ወርሓዊ ዝረኽብዎ ማእከላይ እቶት ኣስታት 6000 ዩዋን (873 ዶላር) ይበጽሕ።

ብሰንኪ ፖሊሲ ሓደ ቈልዓ ቻይና ኣብ ስድራቤታ እንኮ ቈልዓ ኰይና ዝዓበየት ግሎሪያ ናይ ባንኪ ዕዳኣ ኣብ ምኽፋልን ንኣረጋውያን ወለዳ ገንዘብ ኣብ ምቝጣብን ከተትኩር ከምዘለዋ ትዛረብ።

ዘንቈልቈለ ብዝሒ ህዝቢ

ኣብ ኵነታት ብዝሒ ህዝቢ ቻይና ለውጢ የጋጥማ ከምዘሎ ይፍለጥ። ብዝሒ ህዝባ ድሕሪ 60 ዓመታት ንፈለማ እዋን ይንኪ ኣሎ።

ሓድሽ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ መብዛሕትአን ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ቈልዓ ጥራይ ክወለዳ ይደልያ ወይ ድማ ፈጺመን ውላድ ክህልወን ኣይብህጋን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቀረባ እዋን ብማእከል ምርምር ህዝብን ልምዓትን ቻይና ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ብዝሒ ናይተን ውላድ ዘይብለን ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ 2015 ካብ ዝነበሮ 6 ሚእታዊት ኣብ 2020 ናብ 10 ሚእታዊት ዓብዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ዕድመ ምውላድ ዝርከባ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ትሑት ድሌት ፍርያምነት ከምዘለወን ዘመልከተ እቲ መጽናዕቲ፡ ብማእከላይ ገምጋም መጠን ዝድለ ብዝሒ ቈልዑ ኣብ 2017 ካብ ዝነበሮ 1.76 ኣብ 2021 ናብ 1.64 ከምዝወረደ ኣረጋጊጹ።

ከም ሲንጋፖር፡ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ዝበላ ካልኦት ሃገራት ኤስያ እውን መጠን ፍርያምነት ትሕቲ ክልተ ቈልዑ ክኸውን እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ግን ክልተ ቈልዑ ክህልውዎም ከም ዝምነዩ ይዛረቡ። ኣብ ቻይና ግን ከምኡ ኣይኮነን።

"በዚ መንጽር ቻይና ብጭቡጥ እውን ዝተሓተ ፍርያምነት ስለዘለዋ ጥራይ ዘይኮነስ ድሌታት ፍርያምነት'ውን ትሑት ስለዝዀነ ዝተፈለየት ይገብራ" ይብል ኣብ ቤት ትምህርቲ ቁጠባን ፖለቲካዊ ሳይንስን ለንደን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማሕበራውን ህዝባውን ፖሊሲ ዓለም ዶክተር ሹኣንግ ቸን።

ቻይና እቲ ኣገዳሲ ናይዚ ዓመት፡ "ክልተ ክፋላት" ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣኼባታታ ብ4 መጋቢት ዝጀመረት ኰይና፡ ኣማኸርቲ ፖለቲካ ንመጠን ወሊድ ንምዕባይ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ እማመታት ኣቕሪቦም ኣለዉ። እቶም ዘቕረብዎም ሓሳባት፡ ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ እንቋቑሖ ኣብ መጽንሒ ንኸጸንሓ ምድጋፍ ከምኡ’ውን ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ኮለጅ ክፍሊት ትምህርትን መጽሓፍ ትምህርትን ምሕዳግ ዝብሉ ይርከብዎም።

ካልእ ሓሳብ ድማ ካብ ዘይተመርዓዉ ወለዲ ንዝተወልዱ ቈልዑ ማዕረ መሰል ምሃብ እዩ። ኣብ ቻይና፡ ካብ ዘይተመርዓዉ ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት፡ "ሁኮው" ዝበሃል ንትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ጠለባትን ዘድሊ ወግዓዊ ምዝገባ ስድራቤት ንምርካብ ይጽገሙ እዮም።

ኣብ 'ውድድር ኣናጹ' ምንባር

ባብቡላ ህፃናት ዝሓዛ ኣዴታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቈልዓ ንምዕባይ ዝወጽእ ልዑል ወጻኢታት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ክወልዳ ዘይደልያሉ ምኽንያታት እዩ።

ኣብ ቻይና ምስ መዛኑኻ ዝግበር ውድድር ዳርጋ ካብታ ዝተወለድካላ ደቒቕ እዩ ዝጅምር። ወለዲ ኣብ ጥቓ ህቡባት ኣብያተ ትምህርቲ መንበሪ ገዛውቲ ብምግዛእን ደቆም ኣብ ዝተፈላለየ ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ወጻኢ ዝካየዱ ተወሰኽቲ ትምህርትን ብምምዝጋብ፡ ናብ ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ ከእትዉ ይፍትኑ።

ጓል 22 ዓመት ተመሃሪት ኮለጅ ሚያ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ተሓናነቕ ውድድር ሓድሽ ህይወት ከምጽእ ኣይደልን እየ" ትብል።

ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ዝተወልደት ሚያ፡ ትምህርታ ኣብ ዙርያ ፈተናታት ዝተማእከለ ኰይኑ እያ ረኺባቶ። ነቲ ብተለምዶ ብ’ጋኦካኦ’ ዝፍለጥ ልዑል ዋጋ ዘለዎ ሃገራዊ መእተዊ ኮለጅ ፈተና ወሲዳ እያ፤ ቀጺላ ድማ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ተማሂራ።

መብዛሕትኡ ግዜ ግን ውጥረት ከም ዝስምዓ ትዛረብ።

ሎሚ ተመረቕቲ፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኽመሃሩ ዓቕሚ ዝነበሮም እውን ክወዳደሩ ከምዝግደዱ ትሕብር።

"እዚ ዅሉ ተወሳኺ ትምህርቲ ገንዘብ ዘድልዮ እዩ" ትብል ሚያ። ኣብ መጻኢ ንዝውለድ ቈልዓ ከምዚ ዓይነት ዕድላት ክትፈጥረሉ ዝሕግዛ እዅል ክትረክብ ከምእትኽእል ኣይትሓስብን።

ሚዛን ስራሕን ህይወትን

እተን ቢቢሲ ቻይና ቃለ መጠይቕ ዝገበረለን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንምንታይ ቈልዑ ንዘይምውላድ ከምዝመረጻ ከረድኣ ከለዋ፡ ኣብ ሞያአን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ ይጠቕሳ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ክቝፀራ ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መጠይቕ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ቈልዑ ክወልዳ መደብ ኣለወን’ዶ የብለንን ከምዝሕተታ ኣዘኻኺረን። እወ ዝብል መልሲ እንተሂበን ድማ ናይ ምቝጻር ዕድለን ትሑት ይኸውን ወይ ዕብየት ናይ ምርካብ ዕድለን ከምዝንኪ ይዛረባ።

'ክወልድ ኣይደልን ምስ በልኩ ብኢንተርነት ዝድህሉ ኣጋጢሞምኒ’

ቈልዓ ዝሓቘፈት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚያ ልክዕ ከምቶም ተመኵሮ ህይወቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምክፋል ዝፈትዉ ብዙሓት መንእሰያት፡ ንምንታይ ውላድ ዘይብላ ክትጸንሕ ከም ዝደለየት ዝገልጽ ቪድዮ ቀዲሓ ብኢንተርነት ፈነወቶ።

ብዘገረማ መጠን ድማ ብኣማኢት ዝቝጸር ጸርፊ ዝመልኦ ርእይቶታት ዘኒብዋ።

ብዙሓት፡ ‘ፈታዊት ነብሳ’ ክብሉ ነቒፎምዋ። ገሊኦም ድማ ገና ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመኣ ስለዘላ ብዙሕ ከምዘይተፈልጥ ነጊሮምዋ።

"ከምኡ ክትብል ኣብ እትኽእለሉ ደረጃ ኣይበጻሕክን። ኣብ 40ታት ዕድመኺ ከምኡ ክትሓስቢ እንተዄንኪ ሽዑ ክንርኢ" ክብል ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢ ርእይቶኡ ሂቡ።

"10 ሽሕ ዶላር ከትሕዝ፣ በዚ ውሳነኺ ክትጠዓሲ ኢኺ" ይብል ካልእ ወሃቢ ርእይቶ።

ገሊኦም ድማ ንሰባት ከይወልዱ፡ "ዘለዓዕል ባዕዳዊ ሓይሊ" ክሳብ ምባል ከምዝበፅሑ’ውን ትዛረብ።

መንግስቲ ቻይና፡ ድሕሪ ውጽኢት ቈጸራ ህዝቢ 2020 ኣብ ግንቦት 2021 ፖሊሲ ሰለስተ ቈልዑ ከምዘተኣታተወ ይፍለጥ። ኣብ 2020 ቻይናውያን ኣደታት 12 ሚልዮን ህጻናት ጥራይ ዝወለዳ ኰይነን እዚ ድማ ድሕሪ 1961 ዝተመዝገበ ዝወሓደ ቁጽሪ ወሊድ እዩ።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ሓደስቲ ፖሊሲታት ብምትእትታው ሰባት ቈልዑ ንኽወልዱ ኣብ ምትብባዕ ይርከብ።

'ከቢድ ቃልሲ ተቓሊሰ’

ኣብ ዙርያ ውላድ ምስ ዝህሉ ትጽቢታት ስድራቤት ብዝተኣሳሰር ዘጋጥም ብድሆ እውን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጓል 34 ዓመት ዩዋን ዙፒንግ፡ "ከቢድ ቃልሲ እየ ተቓሊሰ" ትብል።

ኣብቲ ስም ስድራቤት ንክቕፅል ብዝብል ወዲ ምውላድ ከም ግቡእ ጓል ኣንስተይቲ ዝቝጸረሉ ገጠር እያ ተወሊዳን ዓብያን። በዚ ምኽንያት ቈልዓ ምውላድ ኣይፋል ክትብል ተቓሊሳ።

ስእሊ ዩዋን

ምንጪ ስእሊ, Yuan Xueping

ዩዋንን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታ ካብቶም ብሉጻት ሰለስተ ተማሃሮ'ኳ እንተነበረት፡ ንሳን ሓፍታን ግን ናብ ኮለጅ ክኸዳ ኣይከኣላን። ወለዳ ንንእሽቶ ሓዋ ተወሳኺ ትምህርቲ ንኽወስድ ጥራይ እዮም ዝኸፍሉ ነይሮም።

"ወለደይ ኵሉ ግዜ፡ 'ጓል ናብ ኮለጅ ምኻዳ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ይንዋሕ ይሕጸር ተመርዒኽን ደቅኽን ንምዕባይ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል እዩ ዕጫኽን' ይብሉ ነይሮም" ትብል ዩዋን።

ምስኣ ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዋ ሓትነኣ ካብ ሓዳራ ተፋቲሓ ክልተ ቘልዑ በይና ከተዕቢ ምስ ተገደደት ብምርኣያ ድማ፡ ብዝያዳ ተስፋ ቈሪጻ።

"ድሕሪ ሕጂ ኣብ ሓዳር ኣይኣምንን እየ" ትብል ካብ ገዛ ወጺኣ ናጽነታ ኣብ እተስተማቕረላ ከተማ ኰይና።

"ኣብ ትርፊ ግዜይ የንብብን ምስ ኣዕሩኽተይ ይዘናጋዕን፤ ናጽነት እዩ ዝስምዓኒ" ትብል።