ኣመሪካ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንሬኔ ኒኮል ብምቕታሎም ዝተለዓለ ተቓውሞ ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሬኔ ኒኮል ጉድ ዝተብሃለት ውልቀሰብ ብኣኽባሪ ሕጊ ኢሚግሬሽን ብጥይት ምቕታላ ስዒቡ ዝተለዓለ ተቓውሞ፡ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ።
ብዓርቢ ምሸት ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ክገልጹ እንከለዉ፡ ዛጊት ብውሕዱ 29 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ሓደ ኣባል ፖሊስ'ውን ብእኽብካብ በረድ ከምዝተሃርመ ሰበስልጣን እታ ከተማ ገሊጾም።
ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ፡ እታ 37 ዓመት ረኒ ኒኮል ጉድ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ልዕሊ ወከልቲ ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን (ICE) ክትሃድም ዝፈተነት "ናዕበኛ" ምዃና ገሊጾም።
ኣብ መንጎ እዚ ሓደ ወኪል ናብ መኪናኣ "መከላኸሊ ተኹሲ" ከፊቱ ኢሎም።
መራሕቲ እታ ከተማን ግዝኣታትን፡ ከምኡ'ውን ዲሞክራትስ ግን ነዚ ጸብጻብ ኣይተቐበልዎን።
ፖሊስ ሚኒያፖሊስ እቲ ብዓርቢ ምሸት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ካኖፒ ሆቴል ዝተኻየደ ሰልፊ ዘይሕጋዊ ኢልዎ ኣሎ።
ክፍሊ ፖሊስ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ገለ ውልቀሰባት ብጎኒ መእተዊ ኣቢሎም ናብቲ ሆቴል ብሓይሊ" ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ሰልፈኛታት ናብቲ ከባቢ ድሙቕ መብራህቲ እናብርሁ፡ እናፋጸዩን ከበሮ እናሃረሙን የርእዩ።
ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ "ልዕሊ ሓደ ሽሕ" ሰልፈኛታት ከምዝነበሩን ገሊኦም ድማ በረድን ኣኻውሕን ኣብ ልዕሊ መኮንናት፡ መካይን ፖሊስን ካልኦት መካይንን ከምዝደርበዩን ገሊጹ። እንተዀነ ግን ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘይበጽሐ ሓቢሩ።
ሓደ ፖሊስ ቀሊል መጉዳእቲ እኳ እንተበጽሖ፡ ሕክምና ከምዘየድልዮ ግን ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ኣብታ ከተማ ዝርከብ ካልእ ሆቴል እውን ዒላማ ከምዝተገብረን ቀሊል ዕንወት ከምዝበጽሖን ሰበስልጣን ገሊጾም።
ከንቲባ ከተማ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንመብዛሕትኦም ሰላማውያን እዮም ዝበሎም ሰልፈኛታት ዝነኣደ ኰይኑ፡ ገለ ጉድኣት ዘስዕቡ ዘለዉ ውልቀሰባት ግን ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ምዃኖም ኣመልኪቱ።
እቶም ብዓርቢ ምሸት ዝተኣሰሩ 29 ሰባት ድሒሮም ከምዝተፈትሑ ሓላፊ ፖሊስ ሚኒያፖሊስ ብራያን ኦሃራ ገሊጹ።
ብዙሓት ነበርቲ ሚነሶታ ብህላወ ኣይሲኢ ከምዝሓረቑ ኦሃራ ወሲኹ ሓቢሩ።
ትማሊ ቀዳምት ሰለስተ ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝርከብ መሳለጥያ ኣይሲኢ ዑደት ክገብራ ፈቲነን ነይረን።
እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ፈለማ ክኣትዋ ከምዝተፈቕደለን፡ ድሕሪኡ ግን ክወጻ ከምዝተነግረን ገሊጸን።
ኣባላት ኮንግረስ ዲሞክራት ኢልሃን ዑመር፡ ኬሊ ሞሪሰንን ኣንጂ ክሬግን፡ ኣይሲኢ ንዘካይዶ ስርሒታት ናይ ምክትታል ግቡአን ንኸይፍጽማ ዕንቅፋት ይገጥመን ከምዘሎ እየን ኣመልኪተን።
ሬኔ ኒኮል ጉድ ብረቡዕ እያ ናብ መኪናኣ ብዝተተኮሰ ጥይት ተቐቲላ።
ነቲ ፍጻመ ዝተዓዘቡ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሕዎም ቪድዮታት፡ እቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ህሞት ዘርእዩ ይመስሉ።
ሓንቲ ኤስዩቪ መኪና ኣብ ሚኒያፖሊስ ንሓደ መንበሪ ጎደና ክትዓጹ ትረአ። ተቓውሞ ዘስምዑ ዝመስሉ ዕስለ ሰባት ኣብቲ ናይ እግረኛ ከባቢ ተሰሪዖም ይረኣዩ።
ኣብ ቀረባ ብዙሓት መካይን ኣኽበርቲ ሕጊ ኣለዋ። ወከልቲ ኢሚግሬሽን ናብታ ኣብ ጽርግያ ደው ዝበለት መኪና ተጸጊዖም ነታ ኣብታ መኪና ዝነበረት ሰበይቲ ክትወርድ ይእዝዙ። ሓደ ካብቶም ወከልቲ ነቲ መኽፈቲ ማዕጾ ናይታ መኪና ይስሕብ።
ካልእ ወኪል ድማ ኣብ ቅድሚት እታ መኪና ደው ኢሉ ይርአ። ቢቢሲ ብቕጽበት ዝገምገሞም ቪድዮታት፡ እቲ ሓላፊ ኣበይ ደው ኢሉ ከምዝነበረ ኣየነጸሩን። እታ መኪና ክትንቀሳቐስ ምስ ፈተነት፡ እቲ ወኪል ተኹሲ ይኸፍት።
ሰለስተ ተዅሲ ይስማዕ፡ እታ መኪና ድማ ኣብቲ ጎደና ደው ኢላ ምስ ዝነበረት ጻዕዳ መኪና ክትጋጮ ትርአ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ጉድ ዝተኮሰ መኮነን፡ ጆናታን ሮስ ዝተባህለ ገዲም ወኪል ኣይሲኢ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስራሕ እንከሎ ብመኪና ተሃሪሙ ተጎዲኡ ነይሩ።
ጸሓፊት ደሕንነት ሃገር ኣመሪካ ክሪስቲ ኖኤም፡ እታ ግዳይ ካብ ልዕሊ ወከልቲ ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ክትሃድም ከምዝፈተነት ገሊጻ።
ከንቲባ ዲሞክራሲያዊት ሚኒያፖሊስ ፍረይ ግን ነቲ ስሪት ፍጻመታት ናይ ሓሶት ትረኻ እዩ ብምባል፡ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከምዘይፈተነት ንጹር እዩ ኢሉ።
ፌደራል ቢሮ መርመራ (ኤፍቢኣይ) ነቲ ፍጻመ እናመርመሮ ይርከብ።
ኣይኢሲ ኣብ ሚኒያፖሊስ እንታይ ይገብር ኣሎ?
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ሚኒያፖሊስ ተወሳኺ ወከልቲ ፌደራል ዘዋፈረሉ ምኽንያት ብሰብኪ ኣብታ ግዝኣት ዝቐረበ ክሲ ምትላል ከምዝኾነ ምንጭታት ንሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።
ከንቲባ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ፡ ኣይሲኢ ነታ ከተማ ውሑስ ይገብራ ዘይምህላዉ ብምግላጽ "ስድራቤታት ይፈላልዩ ኣለዉ፡ ኣብ ጎደናታትና ህውከት ይዘርኡ ኣለዉ" ኢሉ።
እዚ ብሰንበት ዝጀመረ ወፍሪ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ 2025፡ ኣይሲኢ ሶማላውያን ዝርከብዎም ኣብ ሚኒያፖሊስ ዝርከቡ ክስጎጉ ዝተነግሮም ኣባላት ማሕበረሰብ ዒላማ ንምግባር ዝጀመረ ወፍሪ ምትግባር ኢሚግሬሽን እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እቲ ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ ብትራምፕ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። "ጓሓፋት" ከም'ውን "ኣይደልዮምን" ዝብሉ ቃላት እውን ክጥቀም ተሰሚዑ።
ምምሕዳር ትራምፕ ወከልቲ ኣይሲኢ ናብ ካልኦት ከተማታት እውን ልኢኹ ኣሎ፤ እዚ ኩሉ ኣካል ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘይሕጋዊ ስደት እዩ ዝበሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እዩ ዝኸውን ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







